ሐርበኛ ገብሪሂወት መሐሪ ብሰላም ዕረፍ
ሰብ ኣይነብርንዩ ታሪኽ ገዲፉዩ ዝሕልፍ፣
__
ገብሪሂወት ማሐሪ ዓሪፍካ ዶ
ስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ከበዶ_
_ንዓዲ ቀይሕ እንዳ ጥመተ ብማዕዶ፣
ተጋደልት ተሐኤ ንደርጊ ከሊኦም ሩፍታ_
ኣብ 75 ካብ _ቋሐይቶ ብማዕዶ _ክትጥምታ
_ሐርበኛ ተቃሊስካ እወ ንኤርትራ ንነጻነታ፣
ኣፋል ኢሉ ንጎባጢት ኢትዮጵያ
ንሰርጀንቲ ናይ ፖሊስ ምስ ደርበያ
ካብ ዓዲ ቀይሕ ንቋሐቶ ዝደየበ ብጉያ፣
_
ምስቶም _ንነጻነት ኣንጊሆም ዝወፈሩ ጀጋኑ_
ምስ ብጾቱ _ዝሐርነ ኣብ ኣኽራናት ቋሐይቶ_
_ንሐርበኛ ዝተቃለሰሉ ዓደቡኡሃ ምስ ሐርበቶ
ንወደቦይ መሐሪ ዓለም ብገፋሐ _ዝጸበበቶ
ካብ ተበገስካስ ኣብቲ ገፊሕ ሰማይ እቶ፣_
_
_ሐደ ካብቶም ኣብ ቋሐይቶ ዝጸንሑኻ
ወየ ዕጫ ሐርበኛታት ብጾት በጺሑኳ
ንወደባት ሐመድ ዓዲ ቀይሕ ዝሐረመካ
ወየ ወየ ኣብ ሃገር ጀርመን እታ ዝዕቆበትካ
ወየ ወየ ኣብ ካሰል ካብ ኮነ ሐመድ ድበኻ፣
_
ኣይጠዓመንን _እሞ ይብል ኣለኹ ወየ ወየ
ብማዕዶ ክፋነወካ እንዳበልኩ ሐወየ ሐወየ_
_ወየ ብሰላም ዕረፍ ሐርበኛ ኣያየ ኣያየ፣
_
_ንሙሉኣት ስድራ ቤቱ ጽንዓት ይሃብኩም ጠሊ ይግደፈልኩም ንመዋቲ ንገብሪሂወት መሐሪ ድማ እቲ፣የዋህ ኣምላኻና ኣብ ገነቱ ይቀበሎ፣በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ኡሉም ጀርመን።