ሐርበኛ ኣለም ዓሪፍካ ዶ
ክንፋነወካ ኣምላኽ ካብ ፈቐዶ
ወየ ወየ ክንብለልካ ብማዕዶ’’
ወደቦይ ገብረሚካኤል ኣለም
ተጋዳላይ ኣባል ውድብ ሳግም
ታሪኽካ ሂያው ዩ ንዘለኣለም’’
ወዲ ሰብ ዶ ይነብር
ሂያው ታሪኽ እንበር
ንነጻነት ተቃሊስካ ንሃገር’’
__
ኣብ ዛ ዓለም መን ኣሎ ነባሪ
ንሐርነት ተቃሊስካ ብግብሪ
ንናይ ህዝቢ ኤርትራ ክብሪ
ንናይ ሰማእታትና ሕድሪ’’
__
ክብለካ ዶ ኣለም ሐርበኛ ሃገራዊ
ቃልስኻ ቀጺልካዮ ከም ኤርትራዊ
በሰላ ህዝብኻ ክፍወስ ክሐዊ
ኣይኣምነልካን ኢልካ ንፋሽሽታዊ’’
__
ምስ ሰብ ሕልና ተጋደልቲ ተሐኤ
ንድሕነት ህዝቢ ንዳግማይ ትንሳኤ
ብዲሞክራስያ እንዳ ተመርሔ
ኣለም ተወዲቡ ክቃለስ ዝጸንሔ’’
__
ንነጻነት በጃ ህዝዝቡ ዝተሰለፈ
ሐርበኛ ኣብ ዓለም ታሪኽዩ ዝገደፈ
ወደባይ ገብረሚካኤል ብሰላም ዓረፈ’’
__
ሐርበኛ ክንዲ ሐመድ ድበኻ
ወየ ወየ እንዳበልና ንፍለየካ
ናይ ዕላማ መቃልስትኻ’’
__
ልሳና ዘይዓጸፈት ዋዕሮ ሂወት
ምስ ደቅኺ ያሃብኪ ትብዓት
ክንዲ ብኽያት ምሉእ ጽንዓት’’
__
ንመዋት መንግስተ ሰማይ የዋርሶ’’ኣምላካ ኣብ ገነቱ ይቀበሎ’’ ንሙሉኣት ቤተሰቡን መቃልስቱን ጽንዓት ይሃብኩም ጠሊ ይግደፈልኩም’’ካብ ናይ ሐዘንኩም ተኻፈልቲ ዋዕሮታትን ሐርበኛታትን ኣባላት ተሐኤ’’ገጣሚ በርሀ ዑቅባዝጊ ካብ ሃገር ጀርመን 07 08 2022።