ኣብ ህዝባዊ ስራሓት ንዝተዋፈሩ ተጋደልቲ ህደግኤ፡
ኣብ ከበባ ኣእትዩ ንምጥቃዕ ዝተነቀሳቐሰ ስለያ ጸላኢ ተጸፊዑ ከም ዝተመልሰ ተገሊጹ
ዕላማታት ህደግኤ ዘላልዩ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ንምዝርጋሕን፡ ህዝቢ ኣኪቦም ንምስትምሃርን ናብ ኮሎት ገራዓናን ኣብ ከባቢኡ ዘለዋ ዓድታትን ተንቀሳቒሶም፡ መደቦም ኣብ ምስልሳል ንዝነበሩ ተጋደልቲ ህደግኤ፡ ኣብ ከበባ ኣእትዩ ንምጥቃዕ ዝተንቀሳቐሰት ስለያ ጸላኢ፡ ዘይተጸበየቶ ጸረ-መጥቃዕቲ ምስ ኣጋጠማ፡ ንሓጺር ግዜ ናይ ተዂሲ ምልውዋጥ ድሕሪ ምግባር ሃዲማ ከም ዝተመልሰት ዝመጸና ዜና ሓቢሩ።
ተጋደልቲ ህደግኤ ብዕለት 19 ን 20 ነሓሰ 2010 ኣብ ኮሎት ገራዓናን ኣብ ከባቢኣ ዘለዋ ዓድታትን ተነቀሳቒሶም መደቦም ከም ዘሳለጡ፡ እታ ናይ ስለያ ኣሃዱ ድማ፡ ነቲ ዝተዘርገሐ ጽሑፋት ህዝቢ ከየንብቦ ካብ ኢዱ መንጢላ ንምእካብን፡ ነቶም ተገደልቲ ኣብ ከበባ ኣእትያ ንምጭፍላቕን ብዕለት 20 ነሓሰ 2010 ሰዓት 11፡30 ቅድሚ ቀትሪ ቦታ ንምዕጻው ከም ዝፈተነት፡ እንተኾነ እቶም ምስ ህዝቢ ናይ’ቲ ከባቢ ጽቡቕ ዝምድና ዘለዎም ተጋደልቲ፡ ኣቐዲሞም ሓበሬታ ስለ ዝረኸቡ፡ ብዝፈነውዎ ናይ ጸረ-መጥቃዕቲ ተዂሲ፡ ኣሃዱ ስለያ ጸላኢ ነዊሕ ከይትከለት ጉድኣት’ውን ከየውረደት ብህድማ ናብ ዝመጸቶ ከም ዝተመልሰትን ኣመልኪቱ።
ከም’ቲ ኩሉ ግዜ ዝገብሮ ከኣ፡ ድሕሪ’ቲ ፍጻሜ እታ ተጸፊዓ ዝተመልሰት ናይ 29 ክ/ሰራዊት ስለያ፡ ንህዝቢ ናይ’ቲ ከባቢ ዓድታት፡ ስለምታይ ኣቐዲምኩም ዘይሓበርኩም፡ ብናትኩም ምትሕብባር’ዮም ኣትዮም፡ ዝወሰድኩሞ ጽሑፋት ኣምጽእዎ፡ መንግስቲ መንነት ናይ’ቶም ተሓባበርቲ ንምፍላጥ ኣየጸግሞን’ዩ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ድማ መርኣያ ክንገብሮም ኢና፡ እንዳበለት ገዛገዛ እንዳዞረት ከተፈራርሕ ከም ዝወዓለት እቲ ዝመጸና ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።
መንነት ናይ’ቶም ኣብ ወርሒ ጉንበት 2010 ናብ ሱዳን ዝተላእኩ
ናይ ዓፈና ጉጅለ ተፈሊጡ
ብሃገራዊ ድሕነት ዝጽዋዕ ትካል ስለያ ህግደፍ፡ ነቶም ካብ ዝወርዶም ዘሎ ኢ-ሰብኣዊ ግፍዕታት ንምላጥ ካብ ሃገሮም ዝሃድሙ ዘለው መንእሰያት ብሓፈሻ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታቱ ኮይኖም ዘገልግሉ ዝነበሩ ወተሃደራትን መንግስቲ ስራሕተኛታት ከኣ ብፍላይ፡ ካብ ሱዳን ዓፊንካ ንምምላስ ወይ ንምቕንጻል ዝብል መደብ ተዋሂብዋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት 2010 ናይ ዝተላእከት ጉጅለ ኣባላት ናይ ገሊኦም መንነት ክፍለጥ ከም ዝተኻእለ ምንጭታትና ሓቢሮም።
እታ ስልጣን ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ንምሕላው፡ ንጹሃት ዜጋታት ኣብ ዘዝኸድዎ እንዳሰዓበት ንምዕፋንን ንምቕንጻልን፡ ብኡ ኣቢላ ድማ ህዝቢ ንምርዓድ ተንቀሳቒሳ ዘላ ጉጅለ ስለያ፡ መራሒኣ ሜጀር ኢብራሂም መሓመድ ከም ዝበሃል፡ ሜጀር ዳኔኤል ብርሃነን ተለንተ መሓመድ ዑስማንን ዝተባህሉ ብደረጃ ሓላፍነት ከም ዝርከብዎ፡ ካብ ናይ ስለያ ምክልኻል ከኣ ተለንተ ሓድጉ ብርሃነን ተለንተ ዑስማን መሓመድን ዝተባህሉ ከም ዘለውዋን ኣረዲኦም።
እቶም ቀንዲ ወሰንቲ ናይ’ቲ ስርዓት ዝኾኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ምንቁልቋል ናይ ስርዓቶም ተረዲእዎም፡ ብዝተፈላለየ ኣስማትን ምኽንያትን ውልቃዊ ናይ ቁጠባ ትካላት ንምውናን ኣብ ኣዕዝይና ጥሒሎም፡ ላዕሊ ታሕቲ ኣብ ዝብልሉ ዘለው ወቕቲ፡ ገና ካብ ድቃሶም ዘይተበራበሩ መጋበሪያታት፡ ካብ ዕለታዊ ከብዶም ምዕንጋልን ስኽራንን ዘይሓልፍ ትካቦ ንምርካብ፡ ኣብ ናይ ጥፍኣት መደብ ክወፍሩ ምርኣይ ከም ዘገረሞም ዝጠቐሱ እቶም ምንጭታት፡ ህዝብን ናይ ለውጢ ሓይልታትን ነዞም ኣብ ከምዚ ዝዋፈሩ መጋበርያታት መንነት ንምፍላጥን ፈሊጥካ ንምቅላዕን ብደቂቕ ክከታተልዎም ይግባእ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።
ብዕድመ ዝደፍኣ ኣዴታት ብስመ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ
ብድሑር ፖለቲካዊ ጎስጓስ ንመጋበርያነት ክውደባ ይግበር ኣሎ።
መሪሕነት ናይ’ታ ብስም ደቂ-ኣንስትዮ እትሽቅጥ ሃ.ማ.ደ.ኤ. ምስ ትካል ስለያ ህግደፍ ብምትእስሳር፡ ካብ ናይ ንእስነት ዕድመ ንዝዘለላ ኤርትራውያን ኣዴታት፡ ብጉልባብ ኣባልነት ኣብ ማሕበር፡ ኣብ ዘይፈልጣኦ መደባት ኣትየን ድሌት ናይ ወልቀ ሰበስልጣን ንምፍጻም ኣብ ገበን ክቆማጥዓ ይግደዳን ይውደባን ከም ዘለዋ ተገሊጹ።
መሪሕነት ህግደፋዊት ሃማደኤ፡ ዝጥቀማሉ ዘለዋ ሜላ ድማ፡ ትማሊ ብጽንዓት ተቓሊሳ ነጻነት ዘምጸአት ኤርትራዊት ኣደ፡ ብሂወት ክሳብ ዘላ ነጻነት ኣብ ምዕቃብን ልዑላውነት ኣብ ምኽባርን ብምሉእ ዓቕማ ክትረባረብ ኣለዋ። እዘን ናይ ሎሚ መንእሰያት ነቲ ህዝባዊ ግንባር ዝሓለፎ መድረኽ ስለዘይፈልጣኦ ኣሚንካ መደብ ክትህበን ኣይትኽእልን። ብዘይ መጠበሪ ዝሰርሓ ኣይኮናን። እቲ መንግስቲ ብዓድን ብበረኻን ተቓሊስክን ዘምጻእክናኦ ናትክን’ዩ። እምነት መንግስቲ’ውን ኣባኽን’ዩ።
ስለዚ ኣንጻር መንግስቲ ዝግበር ዕላላት ኮነ ወስታታት፡ ኣንጻርቲ ትማሊ ከቢድ ዋጋ ዝኸፍልክናሉ ታሪኽን፡ ቀጻልነት ሃገርን ምዃኑ ተገንዝቢክን፡ ካብ ማይ ቤትክን ጀሚርክን መን እንታይ ይብልን ይገብርን ክትከታተላ ኣለክን፡ ብዝብል መደናገሪ ምህዞታት ክውደባ ይግበር ከም ዘሎ ካብ ውሽጢ ሃማደኤ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረጋግጽ።
መሪሕነት ሃማደኤን ትካል ስለያ ህግደፍን፡ ኣብ መንጎ እተን ንነዊሕ ዓመታት ሓቢረን ዝነበራ ኤርትራውያን ኣዴታት፡ ናይ ዘይምትእምማን ነቓዕ ንምፍጣር፡ ብኣውራጃ፡ ብግዝያዊ ረብሓ፡ ብታሪኽን ግድምና ገድልን፡ ኣዝዩ ድሑር ጎስጓሳት ከም ዝገብሩ፡ ኣንጻር መንግስቲ ህግደፍ ‘ዮም ምስ ዝበሃሉ ኤርትራውያን ኣብ ሓጎስን ሓዘንን ከይርከባ፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ክሳብ ምውቕ ሓዳረን ዝብትንን ሰላም ቤተን ዝዘርግ ሓሶታት ከም ዝምህዙ፡ እንተኾነ እንትርፎ ውሑዳት እተን ዝበዝሓ ነቲ ዝበሃለን ብዓይኒ ጥርጠራ ከም ዝምልከታኦን እቲ ካብ ውሽጢ ሃማደኤ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
እዚ ድሑር ጎስጓሳት’ዚ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ኩሉ ኢምባስን ማሕበረ ኮማትን ህግደፍ ኣብ ዘለዎ ብሓፈሻ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኢምባሲ ህግደፍ ኣብ ሱዳን ከኣ ብፍላይ ብጻዕቂ ይስረሓሉ ከም ዘሎን ኣመልኪቱ።
ሓንቲ ትዮታ ዝዓይነታ ንብረት ጸላኢ
ከም ዝተሓምሸሸት ተገሊጹ
ጀጋኑ ተጋደልቲ ደምሓኩኤ ብዕለት 8 ነሓሰ 2010 ኣብ መንጎ ጎኘን ባረንቱን ብዝፈነውዎ መጥቃዕቲ፡ ሓንቲ ትዮታ ዝዓይነታ ናይ ሓለፍቲ መኪና ከም ዘቃጸሉን ኣብ ውሽጢ እታ መኪና 8 ሰባት ከም ዝነበሩን ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ደምሓኩኤ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ኣፍሊጡ።
ብዕለት 23 ሓምለ 2010 ብተመሳሳሊ ኣብ መጎሎ ብዲቢያ ሓንቲ ፐትሮም ዝሓይነታ መኪና ኣቃጺሎም ከም ዝነበሩ፡ ብዕለት 25 ሓምለ ድማ ኣብ መጎሎ ነቚጣ ኣብ ርእሲ ዝነበረ ስለያ ጸላኢ ብዝፈነዎ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ከም ዘውረዱን ሓቢሩ።
ብዘይካ’ዚ ህግደፍ ብስሩዓት ከተርቲ ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብሄረ-ኩናማ ዝገብሮ ዘሎ ናይ ምርሳይ ተግባራት ብዝኸፍአ መልክዑ ይቕጽለሉ ከም ዘሎን ወሲኹ ኣመልኪቱ።
ድ.ሰ.ደ.ኤ.
ዕለት 25.08.2010