|
ቃለ-መጠይቕ ኣሕመዲን መሓመድ ዑመር ምስ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡-
ሕቶ፡- ኣሕጽር ኣቢልካ ድሕረባይታኻ’ዶ ንሰማዕትና መላለኻልና?
ኣሕመዲን፡- ስመይ ኣሕመዲን መሓመድ ዑመር እበሃል። ኣብ ከባቢ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ፍሉይ ስሙ ኣደራ ኣብ ዝበሃል ዓዲ፡ ብ1972 ካብ ኣቦይ መሓመድ ዕመርን፡ ካብ ኣደይ ጅምዓ እስማዒልን ተወሊደ።
ኣብ 14 ዓመት ዕድመይ ብዝሓደረኒ ሃገራዊ ስምዒት፡ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተሰሊፈ። ካብ 1986 ክሳብ 1996 ማለት ድሕሪ ነጻነት ኣብ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መስርዕ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዝተፈላለየ መደባት ክሰርሕ ጸኒሐ። ካብ 1996 ግን ብዝነበረኒ ስንክልና፡ ካብ ሰራዊት ተጣይሰ ናብ ስቪል መነባብሮ ተመሊሰ። ኣብ መጀምርያ ዓመተ 1997 ወርሒ ሓደ ዕለት ሓደ፡ ዞባዊ መርጫ ይግበር ስለ ዝነበረ፡ ኣብኡ ክሳተፍ ህዝቢ ብዘቕረበለይ ሕቶ መሰረት፡ ኣብ’ቲ ምርጫ ተሳቲፈ። ተወዳዲረ ድማ ተዓዊተ። ካብ 1997 ክሳብ 2000 ኣብ ዘሎ እዋን ከኣ፡ ኣባል ባይቶ ዞባ ደቡብ ኮይነ፡ ነቲ ዝወከለኒ ናይ ሰለስተ ምምሕዳራት ከባቢ ኢምባሶይራ ህዝቢ፡ ንኣርብዕተ ዓመት ኣገልጊለ።
ኣብ 2000 መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰንዓፈ ምስ ሓዘ ድማ፡ ኣብኡ ተሪፈ። ስለምንታይ ምሳና ኣይከድካን ብዝብል ዕባራ ምኽንያት ብዘይ ውሳኔ ቤት ፍርዲ፡ ብድፍኑ ኣብ ጸልማት ን5 ዓመትን 3 ወርሕን ተኣሲረ። ኣብ መጀመርያ ወርሒ 2005 ድማ ብምትሕብባር ጸላኢ እትብል መሰነይታ ወረቐት ተዋሂበ ወጺአ። ንሃገረይ ከም ዘይሰራሕኩን ኣንጻር ሃገረይን ህዝበይን ከም ዝሰራሕኩ፡ ስመይ ብምጽላም በቲ ዝኣምነኒ ዝነበረ ህዝቢ ከም ዝጽላእ ተገይሩ። ኣነ በደል ምፍጻመይ እንተተረጋጊጹ ኣብ ሕጊ ቀሪበ ብሕጊ ክፍረድ፡ ዘይበደልኩ እንተኾይነ ከኣ፡ ብሕጊ ነጻ ክልቀቕ እንዳተገበአ፡ ንዓይ ግን ከም’ዚ ዓይነት ዕድላት ኣይተዋህበንን።
ስርዓት ህግደፍ ኩሉ ግዜ ዓምጻጽን ጨፍላቕን ስለ ዝኾነ፡ እዚ ሕጋዊ ዕድላት’ዚ ኣይሃበንን። እዚ ዕድላት’ዚ ከይተወሃብኩ፡ ዝኾነ ንበደለይ መኽሰሲ ዝኸውን ዓንቀጽ ይኹን ጽሑፍ ከይረኸብኩ ተኣሲረ ጸኒሐ። ኣነ ኣባል ባይቶ’የ ነይረ። እቲ ዓለም ትምረሓሉ ሕጊ ኩላትና ከም እንፈልጦ፡ ኣባል ባይቶ ማለት ቀሊል ስልጣን ኣይኮነን። ክንድዚ ዝኣክል ስልጣን ዘለዎ ሰብ፡ ኣብ ኣንጎሎ ክትፈርዶ ልክዕ ኣይኮነን። ኣነ ገጾም ብዘይፈልጦም ኮለኔላት ተፈሪደ። እዚ ኣብ’ቲ ዝተለቐቕኩሉ እዋን፡ ኣብ ወረቐት ከም ዝረእኽዎ፡ ሓደ ኮለኔል ዳኛ ኮይኑ ዝፈረመሉ ወርቐት’የ ተዋሂበ። ስለዚ፡ ነቲ ጉዳይ ዓምጺጾም ክቐትሉ ዝኽእሉ ሰበ-ስልጣን ገይርካ፡ ንህዝቢ ምስቓይ ዝዕላምኡ ስርዓት ስለ ዝኾነ፡ ከም’ዚ ዓይነት ፋሽሽትነት ኣብ ልዕለይ ተወሲዱ። ዞባ ደቡብ ልዕሊ1ሚሊዮን ዝኸውን ህዝቢ ዘለዎ’ዩ። ስለዚ ሓደ ኣባል ባይቶ፡ በደለኛ’ዩ ኣብ ዝተባህለሉ፡ ብዛዕባ እቲ ኣባል ባይቶኡ ዝኾነ ሰብ እንታይ’ዩ በዲሉ ኢሉ ክሓትትን ጭቡጥ ዝኾነ መርትዖ ምስተዋህቦ፡ ክእሰር ይግበኦ ኣይግበኦን ኢሉ ኣብ’ቲ ባይቶ ተኻቲዑ፡ በደለኛ ኮይነ እንተደኣ ተረኺበ፡ ብሕጊ ክፍረድን ይግበኣኒ ነይሩ። እዚ ሕጋዊ መስርሕ’ዚ ግን ኣብ ልዕለይ ኣይተፈጸመን። ስለምንታይ ኣይተፈጸመን፡ ምኽንያቱ ኣብ ኤርትራ ሕጋዊ መንግስቲ የለን። ሕጋዊ መንግስቲ ስለ ዘየለ ከኣ ሕጋዊ ቤት ፍርዲ የለን። ብሓጺሩ ህዝቢ ኤርትራ ብዓማጺ መንግስቲ እምበር ብሕጊ ኣይኮነን ዝመሓደር ዘሎ።
ምኽንያቱ ሓደ መንግስቲ ክትከል እንከሎ፡ ብሰለስተ ኣካላት ማለት፡ ፈጻሚ ፈራድን ሓጋግን ኣካላት’ዩ ዝቐውም። ኣብ ኤርትራ ግን እቲ ሓጋጊ ፈራድን ዝበሃል ኣካላት የለን። ፈጻሚ ኣካል ጥራሕ’ዩ ዘሎ። እቲ ፈጻሚ ከኣ ኩሉ ግዜ ድሌት ውሑዳት ንምምላእ ንህዝቢ ጨፍሊቑ ዘመሓድር ዘሎ ኣካል’ዩ። ነዚ ብሓደ ኣካል ዝቖመ መንግስቲ፡ መንግስቲ ክንብል’ውን ዘይሕጋዊ ዘረባ’ዩ። ናይ ሎሚ ህግደፍ ናይ ትማሊ ህዝባዊ ግንባር፡ ኣብ እዋን ነጻነታዊ ቃልሲ፡ ምእንቲ ነጻነት ተባሂሉ ተቐባልነት’ኳ እንተነበሮ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግን፡ ንኤትራን ህዝባን ኣብ ጸልማት ኣእትዩ ንውልቃውን ጉጅላውም ድሌታቱ ጥራሕ ንምምላእ ዝሰርሕ ዘሎ’ዩ። እቲ ኣብ ልዕለይ ዝተፈጸመ በደል ናይ ዘይሕጋውነቱ ኣብነት’ዩ። ህግደፍ ካብ ቤት ማኣሰርቲ ምስ ወጻእኩ ብሰላም ውልቀ ማሕበራዊ ሂወተይ ከይመርሕ፡ ብቐረባ መታን ክቖጻጸሩኒ ኣብ ሰራዊት ክኣቱ ከም ዘለኒ ተገይሩ። ካብ ወርሒ 2/2006 ክሳብ ወርሒ 2/2008 ንክልተ ዓመታት ኣብ ሰራዊት ጸኒሐ። ኣብ ወርሒ 2 ከኣ ኣብ’ቲ ኣሃዱ ብዝነበረኒ ጸገም፡ ናብ ስድራ ክምለስ ከም ዘለኒ ሓቲተ፡ ብኡ መሰረት ኣብ ገዛ ምስ መጻእኩ ከኣ፡ ነቲ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ምስመርመርክዎ፡ ብመሰረቱ ዘይቅኑዕን ዕላማ ዘይብሉን ጸኒዕካ ክትቃለሰሉ ዘየተባብዕን ኮይኑ ስለ ዝረኽብክዎ፡ ብቐጥታ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዕቑባ ክሓትት ወሲነ። ብውሳኔይ መሰረት ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትያ ይርከብ ኣለኹ።
ሕቶ፡- ሕራይ ኣሕመዲን ልዕሊ 5 ዓመት ተኣሲርካ ከም ዝነበርካ ሓቢርካ፡ ብዘዕባ ኣተሓሕዛ እሱራት ብዝምልከት ዘለካ ትዕዝብቲ’ዶ ምሓበርካና?
ኣሕመዲን፡- ከም’ቲ ኣቐድም ኣቢለ ዝገለጽክዎ ኣብ ኤርትራ ዘይሕጋዊ መንግስቲ’ዩ ዘሎ። ዘይሕጋዊ መንግስቲ ድማ ዘይሕጋዊ ስራሕ’ዩ ዝሰርሕ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ዜጋታት ተጨውዮም ተኣሲሮም ተወሲዶም ልሙድ ነገር’ዩ። ቅድም ክብል ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ ብዙሓት ሰባት ብለይቲ ተጨውዮም ተወሲዶም፡ ዝጠፍኡ ከም ዘለው ብብዙሕ ኣጋጣሚታት ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ። ካብ 1995ን ኣትሒዞም ዝተወስዱ ሃለዋቶም ዘይፍለጡ ሰባት ኣለው፡ ንኣብነት ካብኣቶም፡- 1 መሓመድ ኣደም ባኒ ካብ ሰንዓፈ ዝወሰድዎ 2. ሓጂ ዑመር በርኬስ፣ 3. የሱፍ ጉራ፡ ብፍላይ የሱፍ ጉራ ኣብ ልዕሊ ስድርኡ ከቢድ ስቓይ ዝወረዶ ሰብ’ዩ። ነዚ ሰብ’ዚ ክወስድዎ እንከለው በዓልቲ ቤቱ ኣብ ቅድሜኡ ብ6-7 ጠያይት ቀቲሎም’ዮም ወሲደሞ። እቶም ቆልዑ ኣይ ኣቦ ኣይ ኣደ ዘኽቲሞም’ዮም ተሪፎም። ህግደፍ ግን ስለ ዘይሓፍር፡ ነቶም ቆልዑ ኣዘኽቲምዎም ከብቅዕ፡ ክንዲ-ሰብ ምስ ኣኸሉ ንሳዋ ወሲድዎም፡ እቲ ሓደ ሰንኪሉ እቶም ክልተ ድማ ኣብኡ ከርተት ይብሉ ኣለው ማለት’ዩ።
ስለዚ እዞም ሰባት እዚኦም ብ1995 ብለይቲ ታርጋ ብዘይብላ መኪና ምስ ወሰድዎም፡ ክሳብ ሎሚ ሃላዋቶም ኣይፍለጥን። እቲ ናይ ጭውያ መስርሕ ብድሕሪኦም’ውን ኣይተረፈን። ድሕሪ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ምስ ወያኔ ተራኺብኩም’ባ ኣብ ሰንዓፈ ተርፍኩም’ባ ተባሂሎም ዝተወስዱ’ውን ኣለው። ኣብ ሰንዓፈ ግን ልዕሊ 48 ሽሕ ህዝቢ’ዩ ተሪፉ። ህግደፍ ንገዛእ ርእሶም ካብ ሰንዓፈ ክወጹ እንከለው፡ ኣብ ጎቦታት ሳሕል ኮይና ንዝተወሰነ ግዝያት ክንከላኸል ኢና፡ ዝብል ኣተሓሳስባታት እምበር፡ ኣብ መሬት ኤርትራ ንህዝቢ ኤርትራ እንዳገዝእና ክነብር ኢና ዝብል እምነት ስለ ዘይነበሮም፡ ህዝቢ ይኹን ንብረት ፋሕ ጭንግራሕ ኣቢለሞ’ዮም ከይዶም። ደርቢየሞ ስለ ዝኸዱ ድማ እቲ ህዝቢ ናበይ ከም ዘበሉ ስለ ዘይፈልጥ ኣብ ዓዲ ተሪፉ። መንግስቲ ክኸይድ ህዝቢ ኣብ ዓዲ ክተርፍ ድማ ንቡር’ዩ ኩሉ ግዜ። ክንደይ መንግስታት ከይዶም’ዮም፡ ህዝቢ ኤርትራ ግን ምስ ዝኸዱ መንግስታት ኣይከደን፡ ኣብ ዓዲ’ዩ ዝተርፍ ነይሩ። ገና ብሕጂ’ውን ህግደፍ ምስ ተወገደ ምስ ዝመጸ መንግስቲ’ዩ ክተርፍ እምበር፡ ምስ ህግደፍ ኣይክጠፍእን’ዩ። ህግደፋውያን ከም’ዚ ኢሎም ምስ ከዱ ካብ’ቲ ዝተረፈ ህዝቢ ቀሊል ዘይኮነ ቁጽሪ ብመዳፍዕን ጠያይትን ክሃልቕ ኮይኑ’ዩ። እዚ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ። ድሕሪ እቲ ስምምዕ ህግደፍ ናብ ሰንዓፈ ምስተመልሰ ንስኹም ምስ ወያነ ተራኺብኩም ምስ ተቓወምቲ ተሓባቢርኩም ተባሂሎም ካብ ዝተወስዱ ሰባት ንኣብነት፡ ፈዳይ ዝበሃል ካብ መኾ ዝተወስደ፣ ኣሕመድ ማሕሙድ ካብ ማኾ፣ ኢድሪስ ኣሕመድ ኢብራሂም ላጎ ካብ መልበራ፣ ዑስማን--ሞልበር፣ ኣደም በርሃብ ካብ ሞኾ፣ ኣሕመድ መሓመድ ኢብራሂም ካብ መርበድ /እዚ ምቕማጡ ግን ኣብ ሰንዓፈ’ዩ ነይሩ/፣ ክንፈ ኣብ ሓሓይለ ዝቕመጥ ዝነበረ፣ ኣስመላሽ ካብ ሰንዓፈ፣ እቲ ሓደ ብዓረብያ ዝኸይድ ዝነበረ ስንኩል’ዩ። ህግደፍ ግን እቲ ሰብ ሂወት እንተልይዎ ናይ ዓረብያን ስንክልናን ናይ ጥዕናን ስነ-ኣእምራዊ ምንዋጽን ኣይገድሶን ወሲድካ ኣሳቒኻ ምቕታል ጥራሕ’ዩ ዕላምኡ። እዚ ስለ ዝኾነ እዞም ከካብ ገዝኦም ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ተጨውዮም ተወሲዶም ዘለው ሰባት ቁጽሮም ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ።
ናብ’ቲ ቀንዲ ሕቶኻ ክምለስ፡ እሱራት ኣብ ኤርትራ እንታይ ፍትሒ ይረኽቡ ዝበሃል ፍትሒ ዝበሃል የለን። መጀመርያ ትፍረደሉ ህዝባዊ ቤት ፍርዲ የለን። ትፈረደሉ ህዝባዊ ቤት ፍርዲ እንተዘይሃልዩ ከኣ፡ ሕጋዊ መሰል ናይ ሓደ እሱር ክከላኽል ዝኽእል ፍትሒ የለን ማለት’ዩ። ስለዚ ሓደ ሰብ በደል ፈጺሙ ተባሂሉ ዕደለኛ ኮይኑ ኣብቲ ህግደፍ ከም ድሌቱ ዝጠዋውዮ ቤት ፍርዲ እንተደኣ ቀሪቡ፡ ዝኾነ መርተዖታት እንተደኣ ዘይቀሪብዎ፡ እቲ ቤት ፍርዲ እቲ ዜጋ ክእሰር ስለ ዝድለ ጥራሕ “ትውዕሎ ኢልና ስለ ንኣምን” ኢሉ ይፈርዶ። መጀመርያ ደረት ናይ ስልጣን ዝበሃል የለን ኣብ ኤርትራ። ሓደ ሰብ ከምደስ ዝበሎ ክፈርድን ክውስስን ይኽእል’ዩ። ስልጣንካ ካብ’ዚ ክሳብ’ዚ ተባሂሉ ዝውስነሉ ሓጋዊ ኣካል ስለ ዘየለ፡ ሓደ በዓል ስልጣን ነቲ ሰብ እንተደልዩ ይቐትሎ እንተደልዩ ይኣስሮ፡ ኮታ ድላዩ ዓይነት ስጉምቲ ኣብ ልዕሊኡ ክወስድ ይኽእል’ዩ። ስለዚ እቲ ቤት ፍርዲ ስለምታይ ኢሉ ዝሓቶ ስለ ዘይብሉ፡ ነቲ ሰብ ዝኾነ መርተዖ ኣብ ዝሰኣንሉ እዋን፡ “ትውዕሎ ኢልና ስለንኣምን” ኢሉ ይፈርዶ። ንኣብነት ሓደ ዓንቀጽ ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ክሳብ ዓሰረተ ዓመት እንተደኣ ዝብል ኮይኑ፡ እቲ በዓል-ስልጣን በታ ዓንቀጽ ሂባቶ ዘላ ዕድል፡ ከም ድላዩ ክገላበጠሉ ዝኽእል ዓመታት’ዩ ዘለዎ። ካብ’ዚ ተላዒሉ ከኣ ንሓደ ሰብ እንተደልዩ እተን ዓሰረተ ዓመታት ጥቕልል ኣቢሉ ክህቦ ይኽእል። እንተዘይደልዩ’ውን ሓደ ሃብታማት ቤተሰብ እንተደአ ሃሊየሞ፡ ወይ ቤተሰቡ ሰበ-ስልጣን እንተደኣ ኮይኖም፡ ገበነኛ እንዳሃለወ ነጻ ክሰድዎ ይኽእሉ።
ስለዚ ዘይፍትሓዊ ዘይሕጋዊ ሰራሕ’ዩ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ማለት’ዩ። ሓደ ሰብ ገበን ገይሩ ክእሰር ንቡር ነገር’ዩ። ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ’ዩ። በደል ዝፈጸመ ሰብ ክእሰር ሕጋዊ ስራሕ’ዩ። ሕጋዊ ስራሕ ስለ ዝኾነ ከኣ ስለምታይ ክትብል ኣይትኽእልን። እዚ ሕጋዊ ስራሕ ኣብ ኤርትራ ስለ ዘየሎ’ዩ እምበር ዘዛርበና ዘሎ። ሕጋዊ ስራሕ ስለ ዘየለ ድማ ሕጋዊ ውሳኔ ዘይተዋህቦ ክንብል ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። ምኽንያቱ መንዩ ነቲ ሕጋዊ ውሳኔ ክህብ፤ ሕጋውያን መንግስታት ኣብ ዘለውወን ሃገራት፡ ሓደ ሰብ በደል ፈጺሙ እንተደኣ ተኣሲሩ “ኣመክሮ”ዝበሃል ነገር ኣሎ። ኣመክሮ ዝበሃል ካብ ዓመት 4 ወርሒ ኣጉዲልካዩ ዝእሰር። ስለዚ እናጎደለሉ’ዩ ዝኸይድ። ኣብ ኤርትራ ግን ኣይኮነን ጉዳይ ኣመክሮ ኮነ ካልእ ዝግባእ ፍትሒ ክወሃበካ እታ ትልቀቐላ መዓልቲ ከማን ብሕጋዊ መንገዲ ብእዋኑ ኣይትልቀቕን። ቤተሰብካ ንዓኻ ክጽበዩ ኣብ ደገ ቀንፈዘው ክብሉ ክኸዱ ክምለሱ’ዩ እቲ ግዜ ዝቕተል። ሰለዚ እቶም እሱራት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝግበረሎም ሕጋዊ ኣተሓሕዛ ናይ ቤት ፍርዲ ስለ ዘየለ መሰል ዝበሃል የብሎምን። ብኣንጻሩ ኣብ ልዕሊ እሱራት ዝፍጸም ግፍዕታት ተዛሪብካ ዝውዳእ ኣይኮነን።
ሕቶ፡-ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን እዚ ሕጂ ንሪኦ ዘለና ወድዓዊ ክውንነትን ብምትእስሳር እንታይ ክትብል ትኽእል?
ኣሕመዲን፡- ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ነጻነትን መሰልን ዝተበገሰ ሰውራ ስለ ዝኾነ ቅኑዕ’ዩ። ኣንጻር ባዕዳውያን ገዛእቲ ልዕሊ 100 ዓመት ከም ዝተቓለሰ’ዩ እቲ ታሪኽ ዝሕብር። ካብተን 100 ዓመታት ከኣ እተን 30 ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተኻየደለን ዓመታት’የን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ 30 ዓመታት ደቁ ኣሰሊፉ ካብ ዓዲታቱ ተመዛቢሉ ዓዲታቱ ተቓጺሉ’ዩ፡፡ እዚ ኩሉ ሽግራት ኣሕሊፉ ነጻነት ናይ ግድን ክትመእ’ያ ብሰላም፣ ብፍትሒ፣ ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ክንመሓደር ኢና ዝብል ሕልሚ ነይርዎ። ሰውራ ኤርትራውን በዚ መሰረት’ዩ ድማ እቲ ቃልሲ ክቕጽልን ኣብ መወዳእታ ከኣ ክዕወትን ክኢሉ። ሰውራ ኤርትራ እቲ ሕቶ ህዝባዊ ሕቶ ስለ ዝኾነን ህዝቢ ከኣ ብምልኣት ዝተቓለሰሉን ደኣምበር፡ ብውሑዳት ጉጅለ ኣይኮነን ነጻነት መጺኡ። እዚኦም ናይ ረብሓ ተበለጽቲ ኮይኖም፡ ሕጂ ኣብ ናይ ስልጣን ኮረሻ ኮፍ ምስ በሉ ንህዝቢ ዘሳቕዩ ዘለው ትማሊ ትማሊ ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣብ ትሕቲ ህዝቢ እንዳተሓብኡን ካብ ህዝቢ እንዳተመገቡን ካብ ህዝቢ እንዳተኸድኑን ብሕዝቢ መንገዲ እንዳተመርሑን ኣብ’ቲ ዝደለይዎ ቦታ ዝበጽሑ’ዮም።
ስለዚ መጀመርታ ንኤርትራ ካብ ናይ ባዕዲ ጎበጣ ነጻ ኣውጺእካ ብደቃ ትመሓደረሉ ሓደ ቅኑዕ መኣዝን ክርከብ ኣለዎ ዝብል ትጽቢትን ትምኒትን ስለ ዝነበሮ እቲ ቃልሲ ቅኑዕ’ዩ ነይሩ። እቲ ዝመጸ ነጻነት ግን ካብ’ቲ ዝነበረ ትምኒት ወጻኢ ኮይኑ ረኺብዎ። ብሰንኪ ህግደፍ ፍትሒ የለን፣ ሕጋዊ ኣካል የለን፣ ምርጫ የለን፣ ደሞክራሲ የለን፣ ምሕታት የለን፣ ምጽሓፍ የለን፣ ዓይንኻ ኩሉ ግዜ ናብ መሬት ደኒንካ እንዳጠመትካ ትኸደሉ ከም ሓደ ዜጋ፡ ኣብ ሃገርካ ኣፍልብኻ ነፊሕካ ዘይተኸደሉ መደረኽ ስለ ዝመጸ ህዝቢ ኤርትራ ነጻነት ምምጽኡ ዘጣዕሶ ጉዳይ ‘ኳ እንተዘይኮነ፡ ነጻነት በዚኦም ምምጽኡ የጠዕሰና ኣብ ዝብለሉ’ዩ በጺሑ ዘሎ። እታ ነጻነት ኣብ ኢድ ዘይቅኑዓት ስለ ዝኣተወት፡ ባርነት ደኣ ኮይኑ ኣሎ እምበር ናይ ብሓቂ ናጽነት ኮይና ኣይተረኽበትን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ባርነት ናይ ህግደፍ ተቖሪኑ ዝነብር ዘሎ ህዝቢ’ዩ።
ሕቶ፡- ሕራይ ኣሕመዲን ከም ኣብ’ቲ ግንባር ዝነበርካ መጠን፡ ህዝባዊ ግንባር ቅድሚ ነጻነትን ድሕሪ ነጻነትን ከመይ ትግምግሞ?
ኣሕመዲን፡- ህዝባዊ ግንባር ቅድሚ ነጻነትን ድሕሪ ነጻነት ኣዝዩ ብዙሕ ፍልልይ ኣለዎ። ቅድሚ ነጻነት ጸገማት ኣይነበሩን ‘ኳ እንተዘይባህለ” ናይ ነጻነት ሕቶ ዘልዓለ ሰውራ ስለ ዝነበረ ግን፡ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ብፍላይ ነቲ ጉዳይ ዝከታተሉን ፖለቲከኛታት ወይ ከኣ እቲ መስርሕ ባዕሎም ዝሰርሑ ሰባት ዝፈልጥዎ እንተኾይኑ ደኣምበር፡ ዝኾነ ተራ ኣባል ዝፈልጦ ዝረአ ጸገማት ኣይነበረን። ጸገማት ኣይነበረን ማለት ግን ኣይኮነን። ሽግራት ነይሩ’ዩ። ኣብ ልዕሊ ሰባት ገበን ምፍጻም፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከይተረፈ ውዲታት ምስራሕ ነይሩ’ዩ ኣብ ሰውራ ኤርትራ። እንተኾነ ግን እቲ ዝበዝሕ ኣባል፡ ህዝባዊ ግንባር ጽቡቕ ከም ዝነብረት’ዩ ዝርደኦ። ኣነ’ውን ካብ’ቶም ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ብዘይካ ህዝባዊ ግንባር ካልእ ቅኑዕ ከም ዘየለ፡ ህ.ግ ብቕኑዕ መንገዲ ትኸይድ ቅኑዕ ዕላማታት ዘለዋን ገይሮም ካብ ዝርድኡ ዝነበሩ ሓደ’የ ነይረ። ድሕሪ ነጻነት ግን እቲ መስርሕ ተቐይሩ’ዩ። ህዝባዊ ግንባር ቅድሚ ነጻነት ከም ሓደ ተደጋጋሚ ትገልጾ ዝነበረት ሓደ ፖለቲካዊ ቃና እንተነይሩ” ህዝባዊ ግንባር ነጻነት ንምምጻእ’ያ ትቃለስ ዘላ እምበር፡ ድሕሪ ነጻነት እቲ ስልጣን ናይ ህዝቢ’ዩ፡ ስልጣን ንህዝቢ ከነረክቦ ኢና፡ ህዝቢ ከኣ ባዕሉ ዝመረጾ መንግስቲ ተኺሉ ክመሓደር’ዩ፡ ተደጋጋሚ ቃናታት ትደርፍ ነይራ ኣብ ሜዳ። እቲ ደርፍታት ግን ድሕሪ ነጻነት ተቐይሩ። ብዘይካ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ኤርትራ መሰል ዘለዎ ዜጋ የለን ናብ ዘስምዕ ቃና። ብኡ መሰረት ከኣ ኤርትራ ኣብ ዕግርግር ዘይምትእምማንን ፖለቲካዊ ደልሃመት ኣትያ ትርከብ።
ምኽንያቱ ዝተቓለሰ ኣይተዓወተ ዘቃለሰ ኣይተዓወተ ኤርትራ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ድምር ናይ ኩሉ ዓይነት ሽግራት ኮይና ተሪፋ ኣላ። እዚ ዝዛረበሉ ዘለኹ ናይ ኤርትራ ሽግራት ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ። ድሕሪ ነጻነት 100% ካብ 100% እቲ ኣብ ልዕሊ ህ.ግ/ህግደፍ ዝነበረ ኣጠማምታ ብህዝቢ ተቐይሩ’ዩ። እቲ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ሜዳ ብሕቡእ ተካይዶ ዝንበረት፡ ብድሕሪ ነጻነት ብጋህዲ ጌራ፡ ንህዝቢ ምጭፍላቕ ስለ ዝቐጸለቶ፡ እቲ ኣረዳድኣ ተቐይሩ’ዩ። ስለዚ እቲ መስርሕ ድሕሪ ነጻነትን ቅድሚ ነጻነትን ኣዝዩ ዝተፈላለየ ዓቢ ጋግ ዘለዎ ኮይኑ’ዩ ተረኺቡ። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግን ተሓቢእካ ትኸደሉ ዘይኮነ፡ ብግልጺ ህዝባዊ ግንባር ናይ ሜዳን ህግደፍ ናይ ሎምን ከመይ ትኸይድ ኣላ ዝኾነ ሰብ ዝፈልጦ ፖለትካ ኮይኑ’ዩ ዘሎ ኣብ ኤርትራ።
ሕቶ፡- ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ብህዝባዊ ግንባር ዝትግበሩ ዝነበሩ ከም ኢሰብዊ ተግባራት ትፈልጦዶ ምጠቕስካ?
ኣሕመዲን፡- እቲ በደላት ነይሩ’ዩ፡ ህዝባዊ ግንባር ከም ውድብ ካብ ትፍጠር ኣትሒዛ ካብ በደላት ዓዲ ውዒላ ኣይትፈልጥን። እንተኾነ ግን በደላት ዋላ ይሃሉ ደኣምበር፡ እቶም ዝፍጸሙ ዝነበሩ በደላት ዝፈልጡ ፍሉያት ሰባት ንኣብነት ከኣ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ እዋናት 2001 ኣብ ህግደፍ ዘይምርድዳእ ተፈጢሩ፡ ናይ ቃላት ውግእ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን እቶም ጉጅለ 15 ዝበሃሉ ብዛዕባ ህግደፍ ክዛረቡ እንከለው፡ ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ካልእ ሰልፊ ከም ዝነበረ ይገልጹ ነይሮም። ካልእ ሰልፊ ከም ዝነበረ ግን ዝኾነ ካልእ ተራ ኣባል ኣይፈልጥን’ዩ ነይሩ። ካልእ ሰልፊ እንታይ ዝገብር’ዩ፡ ንህዝባዊ ግንባር ዘጽፍፍ ዘጽሪ፡ ብናታቶም ድሌታት ዘይካይድ፡ ብኣእምሮ ዝበልጾም ብስትራተጂ ዝበልጾም እንተ ሃልዩ ጽባሕ ንግሆ ኣብ ስልጣን ዘስገኦም ሰብ እንተደኣ ኮይኑ፡ ነዞም ከም’ዚኦም ዓይነት ሰባት ንምእላይ ወይ ብሂወት ከም ዘይህልው ንምግባር፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ካልእ ሓደ ውድብ ከም ዝነበረ ባዕሎም ዝገለጽዎ’ዩ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት መስርሕ፡ ብምስጢር ይተሓዝ ስለ ዝነበረን ምስጢራዊ ስራሕ ከኣ ስለ ዝነበረን ዝኾነ ኩሉ ኣባል ህዝባዊ ግንባር ይፈልጦ ኣይነበረን። ኣነ ሓደ ዘይርሰዖ ጋህዲ ኮይኑ ዝተራእየ ነገር ግን ኣሎ። ንሱ ከኣ እንታይ’ዩ ክሳብ 1989 ዝቐጸለ ብድሕሪኡ ብተቓውሞ ናይ ተጋደልቲ ዝተረፈ፡ ሓደ ሰብ እንተደኣ ተጋግዩ ምርሻን ምንባሩ’ዩ። ንኣብነት ሓደ ሰብ ፖለቲካዊ ንቕሓት ዘይብሉ እንተደኣ ኮይኑ፡ ስለምንታይ ይጋደል ከም ዘሎ ዘይክርደኦ ይኽእል። እንተዘይተረዲኡ ናይ ሰውራ ነገር ቀሊል ኣይኮነን’ሞ መግቢ ክዳን መሕጸቢ ሳሙና ኣይትረክብን እዚ ድማ ምስ’ቲ ኩሉ ጉዕዞን ድኻምን ኩሉ ነፍሲ ወከፍ ዓቕምን ተጻዋርነትን ሃልይዎ ብማዕረ ክኸይድ ኣይኽእልን’ዩ። እቲ ሰብ ነዚ ናብራ’ዚ ክሳብ መዓስየ ክጻወሮ ዋላ ይትረፈኒ ክብል ይኽእል’ዩ። እዚ ካብ ዘይምርዳእ ወይ ድማ ግዝያዊ ሽግር ካበዘይ ምጽዋር ክኸውን ይኽእል። በዚ መሰረት ኣባላትና ናብ ጸላኢ ድዮም ናብ ጎረቤት ሃገር ብዝኾነ ዓይነት መንገዲ ካብ ህዝባዊ ግንባር ምምላቕ ይደልዩ ነይሮም። ዋላ ከም’ቲ ኣቐዲመ ዝበልክዎ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዘሎ ሽግራት፡ ዝፈልጡ ነቲ ዕላማ ጸሊኦም’ውን ይሃድሙ ነይሮም ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም። እዞም ሰባት እዚኦም ክሃድሙ እንተተረኺቦም ኣብ ቅድሚ ኣሃዱ ምርሻን ነይሩ። ከም’ዚ ዓይነት በደላት ኣብ ልዕሊ እቲ ምስኦም ነቲ ዕላማ ሒዙ ዝጋደል ዝነበረ ኣባል፡ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ሓደ ጌጋ ኣብ ዝፍጽመሉ እዋን፡ ነቲ ሰብ ምሂርካ ናብ’ቲ መስመሩ ክምለስ ኣብ ክንዲ ምግባር፡ ብቐጥታ ናይ ሞት ስጉምቲ ምውሳድ ነይሩ’ዩ ኣብ ሜዳ። እዚ ድማ ዓቢ ገበን’ዩ ዓቢ ጌጋ’ዩ። ሰውራ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ከም’ዚ ዓይነት ገበን ክፍጽም ብጣዕሚ ከቢድ’ዩ እየ ዝብል ኣነ። ብድሕሪኡ ተጋደልቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ከም’ዚ ዓይነት ፍጻመ “ንሕና ንመን ኢና ንቐትል ዘለና ዘዝተጋገዩ ኣሕዋትና እንድሕር ቀቲልና ጽብሕ ንግሆ ንመን ሒዝና ኢና ክንኣቱ፡ እዚ መስርሕ’ዚ ደው ይበል ጌጋ ኢና ንፍጽም ዘለና ዝብል ተቓውሞታት ይስማዕ ስለ ዝነበረ፡ ብድሕሪኡ ክግታእ ተገይሩ። ድሕሪ 1989 ድማ ከም’ዚ ዓይነት ፍጻመ ኣየጋጠመንን። ብወግዒ’ውን ከም ዝተረፈ ኮይኑ’ዩ ዝግለጽ ነይሩ።
ሕቶ፡- ምስኡ ኣተኣሳሲርካ ብዛዕባ ጉጅለ 15 ካብ ኣልዓልካ፡ ህዝቢ ብዘዕባ’ዚ እንታይ ኣፍልጦ ኣለዎ?
ኣሕመዲን፡- እዚ ሕጂ ኣሸጋሪ እንድዩ፡ መበገሲ ጉጅለ 15 ንሕና ናይ ለውጢ ሓተቲ’ዮም ኢና ንብል። ምኽንያቱ ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ብኦኦም ዝወጽእ ዝነበረ ጽሑፍ ትኽክል’ዩ። ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ ጸገማት ካብ ዝደቐቐ ክሳብ ዝዓበየ ገሊጸሞ’ዮም። ጉጅለ 15 ንሕና ስልጣን ንህዝቢ ከነረክብ ኢና ዝብል ቃል ነይሩና፡ ህዝባዊ ምርጫ ክግበር ኣለዎ፣ ሕጋዊ ስራሕ ክንሰርሕ ኣለና፣ ለውጢ ክመጽእ ኣለዎ ናይ ለውጢ ሰባት ክንከውን ኣለና፡ ለውጢ ክመጽእ እንተኾይኑ ድማ እቲ ሓድሽ ወለዶ ክርከብ ኣለዎ፡ እዚ ስራሕ’ዚ ብኣና ክዕገት የብሉን ዝብል ኣተሓሳሳብ ዝነበሮም ሰባት ከም ዝነበሩ፤ እዚ መስርሕዝ’ውን ካብ መጀመርያ ኣቃውማ ናይ ህዝባዊ ግንባር ኣትሒዞም ዝኸይድ ዝነበረ ምዃኑ ኣብ ህግደፍ’ውን ከም ዝቐጸለ ብጽሑፍ ብጭቡጥ ይገልጹ ነይሮም። ስለዚ ነዚ ሓቅታት’ዚ ምውጻኦም ንሕና ኣብ ውሽጢ ልቦም ኣይነበርናን ካብ’ቲ ጽሑፎም ዝተረዳእናዮ ግን፡ ናይ ብሓቂ ናይ ለውጢ ሰባት’ዮም ኢለ ኣነ ይኣምን። ኣብ ኤርትራ ናይ ስልጣን ለውጢ፡ ናይ ፍትሒ ለውጢ ናይ ግስጋሰ ለውጢ ናይ ልምዓት ለውጢ ናይ ፖለቲካ ለውጢ ክመጽእ ዝሓተቱ ቅኑዓት ሰባት ነይሮም ኢለ ይእምት። ስለዚ እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ህዝቢ እንታይ ዓይነት ኣጠማምታ ይህልዎም ንዝብል ሕቶ ግን ህዝቢ እንታይ ስልጣን ኣለዎ ኣብ ኤርትራ፡ ህዝቢ’ኮ ኣይኮነን ናይ ጉጅለ 15ን ካልኦት ፖለቲከኛታትን ሽግራት ናይ ባዕሉ ናይ ውልቀ ጉዳዩ ክሓትት መሰል የብሉን። ስድራይ ጸሞም ይሓድሩ ኣለው እንታይ ከብለዖም’የ እዚ መንግስቲ እንታይ ይሓስበለይ ኣሎ ኢሉ ክሓትት ዝኽእል ሰብ ኣብ ኤርትራ የለን። እዚ ግን ቅኑዕ’ዩ ማለተይ ኣይኮነን። ስለምንታይ ነቲ ጨፍላቒ ስርዓት ንምእላይ ኩሉ ግዜ ኣፍና ዓቢስና ዘይኮነ ክንከይድ ዘለና፡ ኣብ ውሽጢ ንሃሉ ኣብ ደገ ቀላጽምና ኣተሓባቢርና ንምእላይ ክንቃለስ’ዩ ዘለና። ነዚ ዘሎ ዘይሕጋዊ መንግስቲ ኣሊኻ ለውጢ ከተምጽእ እንተኾይንካ፡ መስዋእቲ ክሓትት’ዩ። ኣብ ገዛኻ ደቂስካ ኣፍካ ዓቢስካ ነጻነት ኣብ ገዛኻ ኣይትመጽእን’ያ። ሰላም ተቓሊስካ’ያ ትርከብ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ሰላም ንምርካብ ክቃለስ ኣለዎ። ስለዚ እቲ ስቕታ ዘይቅኑዕ’ኳ እንተኾነ ግን ከኣ ዓቕሚ የብሉን። እቲ ቁሩብ ክዛረብ ዝኽእል መንእሰይ ኣብ ሰራዊት’ዩ ዘሎ። ዝኾነ ዘረባታት ንኸይገብር ኣብ ሰራዊት ኣእቲኻ፡ ሕቶ የለ ርእይቶ የለ ፍቓድ የለ ምንቅስቓስ የለ እንዳበልካ፡ መንእሰይ ኣብ ከቢድ ጸገም’ዩ ዝነብር ዘሎ። ኣብ ገዛ ተሪፎም ዘለው ድማ ሓንቲ ኣረጊት ኣደ ኣረጊት ኣቦ ክዛረቡን ክንቀሳቐሱን ዘይኽእሉ’ዮም። ሓደ ክልተ ኮራኹር ህግደፍ ብዝበሎ ዝንቀሳቐሱ ንዓሽና ናይ ወዲ ዓከር ክረኽቡ ሓዎም ናብ ህግደፍ ኣሕሊፎም ዝሸጡ ኣለው። ጽባሕ ንግሆ ናይ ታሪኽ ሓተላ ኮይኖም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ምስ ህግደፍ ክሕተቱ’ዮም። ምኽንያቱ ኣባላት ህግደፍ’ዮም ካብኡ ዝፍለዩ ኣይኮኑን። ካብ’ዚ ብዘተረፍ ህዝቢ ብዛዕባ ጉጅለ 15 እንታይ መግለጺ ክህብ ይኽእል ኣብ’ቲ ናይ መጀመርያ እዋናት እዞም ጉጅለ 15 እንታይ ይኹኑ ዝብል ርእይቶ ቀሪብሉ ነይሩ። ህዝቢ ከኣ “ንሕና 15 ኣይንፈልጥ 16 ኣይንፈልጥ ምሳኹም ኣይነበርናን እቲ ቀደም ጀብሃ ሻዕቢያ ኢልኩም ዝገበርኩሞ ናይ ታሪኽ ጌጋ የሕዝነና ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ድሕሪ ነጻነት ከም’ዚ ዓይነት ሽግራት ከተምጽኡ ስለ ዘይንደሊ እዚ ንዓና ዝምልከት ኣይኮነን። ንሶም ድዮም በዲሎም ንስኻትኩም ንሕና ምሳኻትኩም ስለ ዘይነበርና እከለ’ዩ በደለኛ ኢልና ክንፈርድ ኣይንክእልን። እዚ ሕቶ’ዚ ናባና ኣይተቕርብዎ ዝብል ርእይቶ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ደው ኢሉ። ካብ’ዚ ብዝተረፈ ህዝቢ ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ ብኸምዚ ተማጒቱ ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ሰብ ክነብር ይደሊ ኣሎ። እዚ ዘይቅኑዕ ‘ኳ እንተኾነ፡ እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊኦም ኣስካሕካሒ ዝኾነ ግፍዕታት ይፍጽም ስለ ዘሎ፡ ካብዚ መምለጢ ይስእኑ ስለ ዘለው እዚ መንገዲ’ዚ ይኽተሉ ኣለው ክንብል ንኽእል። ስለዚ ህዝቢ ብዛዕባ ጉጅለ 15 ከም’ዚ መልሲ ሂቡ ኢልና መደምደምታ ክንህብ ኣይንኽእልን ኢና። ብወገነይ ግን ጉጅለ 15 መስረቲ ህዝባዊ ግንባር መስረቲ ናይ ሰውራ ዝነበሩ፡ ሓያላትን ብቑዓትን ኣባላት ከም ዝነበሩ’ዩ ዝርደኣኒ። ደሓር ከኣ ዘቕርብዎ ዝነበሩ ሕቶታት ኣብ ኤርትራ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ቅኑዕ መኣዝን ዝሓዘ ነጥብታት ብምንባሩ ኣነ ቅኑዓት ነይሮም ይብል።
ሕቶ፡- ህዝባዊ ግንባር ማዕርነታዊ መሰል ብሄራትን ብሄረ-ሰባት ብሓፈሻ፡ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ከኣ ብፍላይ የኽብር’የ ክብል ይስማዕ፡ እዚ ምስ’ቲ ጭቡጥ ኣብ ባይታ ዘሎ ኣተሓሕዝኡ ከመይ ትገልጾ?
ኣሕመዲን፡- እዚ ብመሰረቱ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ’ዩ። ሰባት ኣብ ዓለም ክፍጠሩ እንከለው ኩሎም ብሰላም ናይ ምንባር ብፈጣሪ ዝተዋህቦም ብማንም ዘይሕደግ መሰል ኣለዎም። እዚ መሰል’ዚ ድማ፡ ናይ ብሄር፣ሃይማኖት፣ ጾታ፣ ዕድመን፣ ሕብርን ፍልልይ ኣይገብርን። ኣብ ቅድሚ ሕጊ ወይ ከኣ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ኩሎም ማዕረ ‘ዮም። እዚ መሰል’ዚ ግን ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ተሓዲጉ’ዩ። መሰል ምንባር ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ደኣ ይዕደል እምበር፡ ብፈጣሪ ዝዕደል ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ናይ ብሄር ኮነ ናይ ሃይማኖት መሰልን ነጻነትን ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ንኣብነት ጆሆቫ ጴንጤ ዝበሃሉ ኣመንቲ እቲ ንሶም ዝኽተልዎ ሃይማኖት ብህግደፍ ስለ ዘይተዓደሉ ወይ ተቐባልነት ስለ ዘይረኸቡ ኣብ ስቓይ ስደትን መከራን ይነብሩ ኣለው። ሰብ ዝደለዎ ዓይነት ሃይማኖት ወይ ከኣ እምነት ናይ ምኽታል መሰል ኣለዎ። ኣብ ኤርትራ ግን ኸምዚ ዓይነት ዕድል ቅቡል ኣይኮነን። ኩሉ ትደልዮ ብህግደፍ ጥራሕ’ዩ መምርሒ ክወሃበካ ዘለዎ። ንኣብነት ኣስላም እንተርኢና፡ ጭሕሚ ኣንዊሕኩም፣ ጀሃድ ኢኹም፣ ኣኽረርቲ ኢኹም፡ እንዳተባህሉ ለይቲ ብታርጋ ዘይብለን መካይን ተጨውዮም እንዳተወስዱ ዝጠፍኡ ምሁራት፡ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ኤርትራ ቁጽሪ የብሎምን። ስለዚ ሃይማኖት ኣብ ኤርትራ ብፍቓድ ናይ ህግደፍ ዝእመን ወይ ብኩፖን’ዩ ዝዕደል። እምነትካ ብድሌትካ ናይ ምኽባር መሰል የብልካን። ብሄራት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ብማዕረ ተጠሚሮም ይነብሩ ኣለው ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ዘይቅኑዕ ስርዓት እንተኾይኑ ሓደ ሰብ በየን ይኸይድ ኣሎ፡ በየን ይኣቱ ኣሎ፡ እንታይ ሰሪሑ ምስ መን ተራኺቡ፡ እንታይ ተዛሪቡ፡ እንታይ ሰትዩ፡ ሰዓት ክንደይ ኣትዩ ወይ ወጺኡ …ወዘተ ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ዘይጠቅም ቆሎ ጥጥቖ’ዩ ዝኣቱ።
ምኽንያቱ ንስኻ ኣለኻ ኣብ ልዕሊኻ ገለ ሸውዓተ ዝኾኑ ውድባት ናይ ህግደፍ ይህልው። ንዓኻ ንምጥፋእ ዓሽና ኣብ ወርሒ ዝወስዱ ኣለው። ካብ’ዚኦም ሓደ ምስ መን ተራኺብካ እንታይ ተዛሪብካ ይከታተል። ሓደ ሰዓት ክንደይ ካብ ገዛ ትወጽእ ሰዓት ክንደይ ትኣቱ ይከታተል። ሓደ እንታይ በሊዕካ እንታይ ሰቲኻ ናበየናይ ዓዲ ገይሽካ ክሳብ መዓስ ኣበየናይ ዕለት’ዩ ነይሩ፡ መዓስ ተመሊካ: እንታይ ገይርካ ይከታተል። ኮታ ነቲ ሰብ ኣብ ሕጊ ኣቕሪቦም በደለኛ ክብሉ ዘይኽእሎም ስራሕ’ዮም ዝሰርሑ። በዚ መሰረት ከኣ ሃይማኖትን ብሄራትን ኣብ ኤርትራ መሰሎም ተኸቢሩሎም ይነብሩ ኣለው ክንብል ኣይንኽእልን። ንኣብነት ኣብ ክርስትና እምነት ዝኣምኑ ብድሌታት ናይ ህግደፍ እንድሕር ዘይግዝኡ ክይኖም ከም እምነት ዘይቅቡላት ኮይኖም’ዮም ዝረኣዩ። ኣብ ምስልምና እምነት’ውን ሓደ መራሒ ሃይማኖት ኣብ’ቲ ዝህቦ ኣስተምህሮ ብዛዕባ ኣዋጃት ወይ መምርሒታት ናይ ህግደፍ እንተዘይሓዊሱ ወይ ከኣ ብቐዳምነት ንዕኡ ዘየምጽእ እንተኾይኑ፡ እዚ ኣኽራሪ’ዩ፣ ኣንጻር መንግስቲ’ዩ፣ ተባሂሉ ቀዳምነት ካብ’ቶም ክጭወዩ ዘለዎም ኣብ መደብ ዝኣቱ’ዩ ዝኸውን።
ስለዚ ኣብ ኤርትራ ሎሚ፡ እኽሊ ብኩፖን’ዩ። ዘይቲ፣ ሽኮር፣ ባኒ፡ ብኩፖን’ዩ። ሃይማኖት ብኩፖን’ዩ። ኩሉ ዓይነት መሰላትን ሓርነታትን ኣብ ሰናይ ምሕረት ናይ’ቲ ዓምጻጺ መንግስቲ’ዩ። ሃይማኖት ኣብ ካልእ ዓለም ነጻ’ዩ። ድሌትካ ትዛረብ፣ ድሌትካ ትጽሕፍ፣ ድሌትካ ትሰርሕ፣ ዋላ ኣብ እምኒን ዕንጸይትን እመን፡ ነቲ ትኣምኖ ተኽብር። እዚ መሰልካ’ዩ ማለት’ዩ። ኣብ ልዕሊ መሬት ብሂወት ክሳብ ዝሃለኻ ድሌትካ ክትገብር ብኣምላኽ ዝተዋህበካ ናይ ውልቀ መሰል’ዩ። ኣብ ኤርትራ ግን መንግስቲ እዚ ግበር እዚ ኣይትግበር ኢሉ’ዩ ዝህበካ። ብኡ መሰረት ነቲ ዝበለካ ተቐቢልካ ምስኡ ትነብር። እንተዘይተቐቢልካ ተጨዊኻ ትጠፍእ። እዚኣ’ያ እታ መሰል ኣብ ኤርትራ ኣብ ሃይማኖት ይኹን ኣብ ብሄራት።
ንኣብነት ኣብ ብሄራት እንተመጺእና ብሄራት ኤርትራ ኩሎም ሓደ ድዮም፡ ኣይኮኑን። ልዕለ ትሕትነት ኣሎ። እቲ ኢደ ወነናዊ መንግስቲ ንመን ይውክል፡ ከመይ ብኣድልዎ ይሰርሕ ኣሎን ርኡይ’ዩ ዘደናግር የብሉን። ኣብ ኤርትራ ናይ ብሄራት ዕብለላ ኣሎ። ዕብለላ ክሳብ ዘሎ ድማ ሓደ ኣብ ርእሲ እቲ ካልእ ንዕቀት ኣሎ ማለት’ዩ። እዚ ክብል እንከለኹ ግን ኣብ ኤርትራ ካብ ጭቆና ናይ ህግደፍ ነጻ ዝኾነ ብሄር ኣሎ ማለተይ ኣይኮነን። ከም ህዝቢ እቲ ሓደ ብሄር ጸላኢ ናይ’ቲ ካልእ ብሄር’ዩ ማለተይ’ውን ኣይኮንኩን። እንተኾነ እቲ ዘይሕጋውን ዘይደሞክራስያውን ዝኾነ ጨፍላቒ መንግስቲ ንጉጅላዊ ረብሓታቱን ቀጻልነቱን ከውሕስ ክብል ንብዙሓት ብኣድልዎ ኣግሊሉ፡ መሰረታዊ ጸላኢ ክነሱ ፈታዊ ተመሲሉ፡ ኣሳፊሕሉ ዘሎ ባይታ ግን፡ ኣብ መንጎ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ኤርትራ መሰረታዊ መፍትሒ ዘድልዮ ናይ ኣረኣእያ ጸገም ህልው’ዩ። ከላእ እዚኣቶም ከኣ ኣበይ ከይበጽሑ እንዳተበሃልካ እንድሕር ትነብር ኮይንካሲ፡ ብሄራት ኣብ ኤርትራ ማዕረ’ዮም ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። ሓደ ብሄር ብገዛእቲ ደርብታት ናይ ካልእ ብሄር እንተደኣ ዝነዓቕን ዝርገጽን ኮይኑ፡ ብሄራት ማዕረ ኣይኮኑን።
ሕቶ፡- ኤርትራ ከም ሃገር መጠን ቅዋም የብላን፡ ቅዋም ኣብዘይብላ ድማ ሃገራዊ ባይቶን ዞባዊ ባይቶታትን ኣለው ይበሃል፡ ንስኻ ከም ኣባል ባይቶ ዝነበረካ ብዛዕባ’ዚ እንታይ መብርሂ ክትበና ትኽእል?
ኣሕመዲን፡- እወ ኤርትራ፡ ቅዋም ስለ ዘይነበራ፡ ቅዋምን ሕግን መታን ክህልዋ ተባሂሉ ቅድሚ 1997 ህዝቢ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ተኻቲዑ ሕጊ ናይ ኤርትራ ንኽኸውን ዝተወሰነ ቅዋም ነዲፉ’ዩ። ነዚ ንድፊ’ዚ መጀመርታ ተኻቲዑ ኣጽዲቑ፡ ሕጋዊ መንገዲ ዘትሓዞ ከኣ፡ ባይቶ’ዩ። ባይቶ ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ባይቶ ክህሉ ኣለዎ ተባህሉ ኣብ’ቲ መጀመርታ ቅኑዕ ዝመስል ምንቅስቃስ ተኻይዱ። ብኡ መሰረት ከኣ ብ1997 ወርሒ ሓደን ወርሒ ክልተን ኣብ መላእ ኤርትራ ምርጫታት ተኻይዱ። እዚ ምርጫታት’ዚ ምስ ተወደአ ከኣ፡ ኣብ ወርሒ 5 1997 ካብ ሽድሽተ ዞባታትን ካብ ወጻእን ብምርጫ ተወኪሎም ዝመጹ ኣባላት ባይቶን ናይ ህግደፍ ሃገራዊ ባይቶ ዝበሃልን እዚኦም ኩሎም ተኣኪቦም 527 ኣባላት ዘለዎ ቀዋሚ ባይቶ ብዕለት 22-23 ግንቦት 97 ኣብ ኣስመራ ኣብ ኣደራሽ ምምሕዳር ተኣኪቡ፡ ኣብ ቅዋም ተመያይጡን ዘተዩን። ኣብ መጨረሽታ ከኣ ንኤርትራ ይበቅዕ ኢሉ ዝኣመነሉ 59 ዓንቀጻት ዝሓዘ ቅዋም ኣጽድቑ። እዚ ወርሒ 5/1997 ዝጸደቐ ቅዋም ንመን’ዩ ዝደሊ? ንሓደ ቅዋማውን ሕጋውን መንግስቲ እዩ ዝደሊ። ሕጋዊ መንግስቲ ይምረጽ’ሞ እቲ ቅዋም’ቲ ነቲ ሕጋዊ መንግስቲ ይርከብ። ምሒሉን ጥሒሉን ከኣ ነቲ ቅዋም ይርከቦ። እዚ ምስ ተረከቦ ከኣ እዚ መንግስቲ ብሕጊ ተገዛኢ ኮይኑ በዚ ቅዋም’ዚ ንሃገር ይመሪሕ ማለት’ዩ። ካብዚ ቅዋም’ዚ የማን ጸጋም እንድሕሪ’ሉ ከኣ ብሕጊ ተሓታቲ ይኸውን። ስለ’ዚ እቲ መስርሕ ኣብ ናይ መጀመርያ ኣስካላ ደይቡ’ዩ። ኣብ’ቲ ናይ ካልኣይ ኣስካላ’ውን ደይቡ’ዩ። ካለኣይቲ ኣስካላ እንታይ’ዩ፣ ብመሰረት ቅዋም ናይ ኤርትራ፡ ዞባዊ ምርጫታት ይካየድ፡ ዞባዊ ባይቶ ንሃገራዊ ባይቶ ይመርጽ። ሃገራዊ ባይቶ ከኣ ንፕረዝደንቲ ይመርጽ። ፕርዘደንት ከኣ ንካቢነ ሃገረ-ኤርትራ ይመርጽ። እቲ ኣካይዳ ስልጣን ናይ ኤርትራ፡ ኣብ’ቲ ቅዋም በዚ’ዩ ዝግለጽ። ስለ’ዚ እተን ቀዳሞት ክልተ ኣስካላ ባይቶ ደይቡ’ዩ። ቀዳመይቲ ዞባዊ ባይቶታት ተመርጾም’ዮም። ተመርጾም ምስ መጹ ንቅዋም ኣጽድቆም’ዮም። ካልኣይቲ ከኣ ሃገራዊ ባይቶ ወኪሎም ደይቦም ከኣ፡ ንፕረዝደንት ዝመርጹ ኣባላት ካብ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ተመሪጾም ሰጊሮም’ዮም። ስለዚ እዘን ክልተ ኣስካላታት ባይቶ ክገብሮ ዝነበሮ ሕጋዊ መንገዲ ሰጊርዎ’ዩ። ነዘን ክልተ ኣስካላታት ምስ ሰገረ ኣብ’ታ ሳልሰይትን መወዳእታን ክትመጽእ ዝግበኣ ዝነበረት መስርሕ፡ እቲ ባይቶ ፕረዝደንት ምምራጽ ጥራሕ’ዩ ነይሩ። ፕረዝደንት ክምረጽ’ሞ ፕረዝደንት ምስ ተመርጸ ምሒሉ ነቲ ሕጋዊ ቅዋም ካብ’ቲ ኮሚሽን ቅዋም ክርከቦ። እዚኣ ምስ ተረከበ ከኣ፡ ካቢኒኡ መስሪቱ ሕጋዊ መንግስቲ ኣዊጅካ ብሕጋዊ መስርሕ ሃገርካ ምምራሕ እዚኣ’ያ እታ መወዳእታ ዝነበረት ስራሕ።
ስለዚ ህግደፍ ሕጋዊ መንግስቲ መስርቱ፡ ብሕጋዊ መንገዲ ክኸይድ እንተ መሪጹ እቲ ኩሉ ዝፍጽሞ ዝነበረ ገበናት ጽባሕ ንግሆ፡ ኣብ ዝባኑ ስለ ዘሎ ተሓታቲ ክኸውን ምዃኑ ስለ ዝርዳእ፡ እዚ መስርሕ’ዚ ክፍጸም ከምዘይብሉ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ዓንቂፍዎ ማለት’ዩ። ስለ ዝኾነ ሃገራዊ ባይቶ ኮይኖም ፕረዝደንት ክመርጹ ዝሰገሩ ኣባላት፡ እቲ ክሰርሕዎ ተመዲበምሉ ዝነበሩ መስርሕ ክሰርሑ ኣይከኣሉን። እሂ እንተበልካስ ሎሚ’ዶ ጽብሕ’ዶ እንዳተባህለ ብ1997 ኣብ መወዳእታ ገጹ፡ ህዝባዊ ግንባር ብባድመ ብዓዲ ምሩጽ ኢትዮጵያ ተንኪፋትና’ዶ መሬት ወሲዳትልና’ዶ ህዝቢ ከም’ዚ ገይራ’ዶ ዝብል ካልእ ምስምሳት ብምፍጣር፡ ነቲ መስርሕ ክዕንቀጽ ከም ዘለዎ ገይሩ።
እዚ መስርሕ እንዳማህመነ ምስ ከደ፡ እቲ ምርጫ መዓስ’ዩ ክግበር እዚ ስራሕ ደኣ ኣይደንጎየን’ዶ እንታይ ይኸውን ኣሎ….እናተባህለ እቶም ኣባላት ባይቶ’ውን ይዛረብሉ ነይሮም። ግን ሕጂ ሽግር ኣጋጢሙ ኣሎ፡ ዝርርብ ይካየድ ኣሎ፡ ከም’ዚ ተባሂሉ ኣሎ፡ ኣብ’ዚ ደረጃ በጺሑ ኣሎ፡ እንዳተባህለ እታ መድረኽ ናይ 1997 ተሰጊራ። ናብ 1998 ኣብ ዝሰገርናሉ እዋን ከኣ፡ ምስ ኢትዮጵያ ብወግዒ ኲናት ከፊቱ። ኲናት ስለ ዝተኸፍተ እዚ ሓንቲ ኣስካላ ወይ ክልተ ስጉምቲ ጥራሕ ዝተረፎ መስርሕ ናይ ምርጫ ስለምንታይ ዘይውዳእ ተባሂሉ ሕቶታት ኣብ ዝተላዕለሉ እዋን፡ ክልተ መስርሕ ብሓንሳእ ክንሰርሕ ኣይንኽእልን ኢና ዝብል መልሲ ብህግደፍ መጺኡ። እሂ! ንሕና ምስ ኢትዮጵያ ንዋጋእ ኣለና ኲናትን ምርጫን ብሓንሳብ ክንገብር ስለ ዘይንኽእል፡ መጀመርያ እቲ ናይ ኲናት መስርሕ ክንውድእ ኣለና፡ ንሱ ከይተወደአ ኣብ ምርጫ ኣይንኣቱን ኢና ዝብል ናይ መጨረሻ ደምዳሚ ዝኾነ መልሲ ተዋሂቡ። እዚ መልሲ’ዚ ከኣ፡ ክሳብ ሕጂ ከምኡ ኢሎ ኣሎ። እዚ ሕቶ’ዚ ክሳብ ሕጂ ዝምልሶ ዘይረኸበ ዝተንጠልጠለ ሕቶ’ዩ። እዚ ቅዋም ከኣ ሽዑ “97” በቶም 527 ኣባላት ቀዋሚ ባይቶ ጸዲቑ። ምስ ጸደቐ ኣብ ትሕቲ መንበር ናይ ኢሳያስ ኮፍ ኢሉ ይነብር ኣሎ ማለት’ዩ። ንሱ ባዕሉ ብዝሓንጸጾ ፖሊሲታት ንዕኡ ብዘዋጸኦ ፖሊሲታት እናኸደ ንሃገር ክመርሕ ክኣሊ ተባሂሉ ዝጸደቐ ሕጊ ግን ኣብ ትሕቲ መንበሩ ኮፍ ኣቢልዎ ይርከብ። ስለዚ ባይቶ ሕጋዊ’ዩ ነይሩ። እቲ ዝጀመሮ ስራሕ’ውን ሕጋዊ ስራሕ’ዩ ነይሩ። ኣብ መጨረሽታ ግን ነቲ መስርሕ ዝመርሕ ዝከታተል ዝነበረ ህግደፍ ነቲ መስርሕ ከም ቅኑዕ መትከል ወይ ቅኑዕ መኣኣዝን ገይሩ ክሪኦ ስለ ዘይከኣለ ተዓንቂጹ ተሪፉ።
ሕቶ፡- እቲ ባይቶ ብተግባር ምስ ህዝቢ እንታይ ዝምድና ኣለዎ? እቶም ኣባላት ባይቶ ዝበሃሉኸ ንነብሶም ከመይ ይገልጽዋ?
ኣሕመዲን፡- ኣብ’ቲ ናይ መጀመርታ ንሕና ዝነበርናሉ እዋን፡ ነቲ ባይቶ ህዝቢ’ዩ ብቐጥታ ዝመርጾ። ብቐጥታ ካብ ህዝቢ ተመሪጹ ስለ ዝኸይድ ከኣ፡ ምስ’ቲ ዝመረጾ ህዝቢ ክራኸብ ከም ዘለዎ ወይ ከኣ ኣብ’ቲ ኣፊስ ክውዕል ከም ዘለዎ ድሌታትን ጠለባትን ናይ’ቲ ህዝቢ ክሰምዕን ሽግራቱ ክከታተልን ከም ዘለዎ፡ ውሽጣዊ ደምብታት ናይ’ቲ ባይቶ ስለ ዝፈቅድ፡ በዚ መሰረት ምስ ህዝቢ ይራኽብ’ዩ። ዘሎ ሽግራት ኣጻሪ’ዩ ከበይ ከባቢኡ ኣኪቡ ናብ መንግስቲ የቕርብ’ዩ። እንተኾነ ግን እንታይ ኣሎ እንታይ ክእዘዝ እናተባህለ ንግሆ ንግሆ ናብ ህዝቢ እናኸደካ ጠለባት ምምጻእ ኣኻሊ ኣይኮነን። እቲ ተምጸኦ ዘለኻ ጠለባት ተፈጻምነት ክህልዎ ኣለዎ። መጀመርታ ባይቶ ሓጋጊ ኣካል’ዩ። ሓጋጊ ኣካል ስለ ዝኾነ ድማ፡ እቲ ኣብ ሃገር ዘሎ ሽግራት ይረአ’ሞ ካበየናይ ንኡስ ዞባ ኣየናዪት ንኡስ ዞባ ትኸፍእ ካበየነይቲ ዓዲ ኣይነይቲ ዓዲ ትኸፍእ፡ ኣየናይ ከባቢ ካበየናይ ከባቢ ይጽገም ናይ መን ቀዲሙ ክፍታሕ ኣለዎ ኢሉ ይመዝን’ሞ ነቲ ዝመዘኖ ተኣኪቡ ውሳኔ ይህቦ’ሞ ውሳኔ ምስሃበ በቲ ዝተመሓላለፈ ወሳኔ መሰረት ከኣ፡ ባጀት ይወጽእ። እቲ ባጀት ነቲ ሽግር ኣለዎ ዝተባህለ ከባቢ ወይ ህዝቢ ክወሃቦ ከም ዘለዎ ይግበር። ናይ ብሓቂ ተፈጻምነት ናይ’ቲ ባጀት ከኣ ኣብ ህዝቢ ይከታተል። ብትኽክል በቲ ዝወጸ መስርሕ ሰሪሑ ድዩ ወይ ኣይሰርሐን ኣብ ግብሪ ውዒሉ’ዶ ኣይወዓለን ድኻማት ነይርዎ’ዶ ኣይነበሮን፡ ይከታተል። ኣብ መጨረሻ ከኣ ገምጋም ናይ’ዚ ምውሳድ ይኸውን። እንተኾነ እዚ መስርሕ’ዚ ንምግባር ባይቶ ኣብ ኤርትራ ስልጣን የብሉን። ባይቶ ኤርትራ ንስም ወይ ንስእሊ ምስ ህዝቢ መቋየቚ ደኣምበር፡ ሕጋዊ ስራሕ ዘለዎ ስለ ዘይኮነ፡ እቲ ዝመረጸካ ህዝቢ “እዚኦም ደሞዞም ደኣ ይወስዱ ኣለው ‘ምበር ዋላ ሓንቲ ኣየፍርዩልናን ዘለው፣ ቁም-ነገር የብሎምን፣ ጠለባትና ናብ መንግስቲ የቕርቡላና የለው ኢሉ የማርር። ዘለካ ጸብጻባት ንመንግስቲ እንተቕረብካ ድማ፡ መንግስቲ ነቲ ወረቓቕትኻ ተቐቢሉ መማሰጒ ይገብሮ። ስለዚ እቲ ባይቶ ንባዕሉ፡ ኣብ መንጎ ህዝብን መንግስትን ዝተቐርቀረ’ዩ። ጠለባት ናይ ህዝቢ ተቐቢሉ ናብ መንግስቲ የቕርብ፡ መንግስቲ ከኣ ተቐቢሉ ፍታሕ ናይ’ቲ ሽግር ኮይኑ ስለ ዘይርከብ፡ ብኹሉ ተቐርቂሩ’ዩ ዝርከብ። ደሓር ግን ነዚ ጉዳይ ህዝቢ ፈሊጥዎ’ዩ። መንግስቲ ዘይሕጋዊ ቀሻሺ ምኳኑ ስለ ዝፈለጠ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ባይቶ ዝገብሮ ዝነበረ መረረታት’ውን ብመጠኑ ጎዲሉ ክንብል ንኽእል። ምኽንያቱ ጠለባት ኣቕሪብካ መንግስቲ ዘይተግብር እንተደኣ ኮይኑ፡ እቲ ባይቶ ካብ ጅብኡ ኣውጺኡ ንሓደ ዓዲ ከልምዕን ክሃንጽን ኣይክእልን። በዚ መሰረት እቲ ህዝቢ ናይ’ቲ ሽግር ዳግመ ግምት ክገብር ክኢሉ’ዩ። እቲ ኣባል ባይቶ ዘለዎ ሽግር’ውን ክርደኣሉ ክኢሉ’ዩ።
ስለዚ እቲ ኣባል ባይቶ ምስ ህዝቢ ዝገብሮ ምትሕብባርን ሽግራቱ ንምፍታሕ ዝገብሮ ቃልስታት ኣይገድፍን’ዩ ግን ከም’ቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ፡ እቲ ስርዓት ዘይሕጋዊ ስለ ዝኾነ፡ ሽግራት ናይ ህዝቢ ኣይገድሶን። ህዝቢ እንተተበዲሉ፡ እንተጠምዩ፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ማለት ሕክምና፣ ትምህርቲ፣ ማይ፣ መብራህቲ፣ ጽርጊያ፣ ፍትሒ …ወዘተ እንተስኢኑ፡ ኮታ ዝኾነ ነገራት ኣብ ልዒሊ ህዝቢ እንተወረደ ንህግደፍ ኣይንታዩ’ዩ። ብዛዕብኡ ስለ ዘይሓምም ነቲ ሽግራት ክፈትሕ ኢልካ ኣይትጽበን። እቲ ህዝቢ ፈሊጥዎ ስለ ዘሎ ከኣ፡ ካብ ህግደፍ ማና ክወርደሉ ኣይጽበን።
ሕቶ፡- ምስ’ዚ ናይ ባይቶ ኣተኣሳሲርና ብ2005 ወርሒ ግንቦት ናይ ዞባዊ ባይቶ ምርጫ ተኻይዱ ነይሩ፡ እዚ’ከ ተመሳሳሊ ዕድል ኣጋጢምዎ ኣሎ ምስ’ቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ባይቶ ከመይ ትገልጾ?
ኣሕመዲን፡- እዚ ሕጂ ተመሪጹ ዘሎ ባይቶ ካብ’ቲ ቀዳማይ ዝነበረ ባይቶ ኣዝዩ ፍልይ ዝበለ’ዩ። ከመዩ እንተኢልና፡ ኣብ ሕጋጋት ናይ ካልኦት ሃገራት እንተደኣ ርኢና፡ ሓደ ሰራዊት ናይ ሃገር ምክልኻል ጥራሕ’ዩ ስርሑ። ንሃገር ካብ ናይ ባዕዲ ወራር ከየጋጥማ ነጻነታ ንምሕላው ዝቖመ ሰራዊት፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ከም ሸብሮ ዕግርግር ዕንወት ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝበኣሰ ሽግራት ንኸይወርድ ተቖጻጺሩ፡ ነቲ ኩነታት ኣብ ሰላም ንምምላስ ክሰርሕ ኢና ንዕዘብ ኣብ ዓለም። ኣብ ኤርትራ ግን ሰራዊት ካብ’ዚ ወጻኢ ክሰርሕ ኢና ንዕዘብ ዘለና። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ካብ ዘለው ኣባላት ባይቶ ዝበዝሑ ኮለነላት’ዮም። መራሕቲ ክ/ሰራዊታት ዝኾኑ ኮለነላት ምርጫ ከካይዱ ሰሚዐ ኣይፈልጥን ኣነ። ሰራዊት ንባዕሉ ባይቶኣዊ ምርጫ ገይሩ ብድሕሪኡ ወከልቱ ሰዲዱ፡ ኣብ ባይቶ ዝመጻሉ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ኣይሰማዕኩን። ኣብ ኤርትራ ግን እቲ ባይቶ ብኮለነላት ዝተማኣከለ’ዩ። ኮለኔላት ኣብ ውሽጥካ ኮፍ ኣቢልካ ብዛዕባ ናይ ሃገር ጸገማት ናይ ብሓቂ ክትዝቲ ይከኣል’ዩ ዝብል እምነት የብለይን። እዚ ዘይሕጋዊ ኮይኑ ይረኣየኒ። ባይቶ ብቐጥታ ካብ ህዝቢ ተመሪጹ ይመጽእ’ሞ ንሰራዊት ይኹን ንህዝቢ ዝምልከት ዝሰርሕ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ኣካል’ዩ። ኣብ ኤርትራ ደኣምበር ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ’ዩ። ዝለዓለ ስልጣን ስለ ዘለዎ ከኣ፡ ንሓደ ውልቀ-ሰብ ወይ ንሓንቲ ዓዲ ኢሉ ዘይኮነ ዝዛረብን ዝሙጉትን ኣብ መላእ ሃገር ዘሎ ሽግራት ይመዝን ከመይ’ከ ክፍትሑ ኣለዎም፡ ኣብ’ታ ሃገር እንታይ ዓይነት ዓቕሚታት ኣሎ፡ ክደይ ባጀት ክወጽእ ይኽእል ሽግራት ናይ ህዝቢ ንምፍታሕ እንታይ እንተተግብረ ይሓይሽ…ወዘተ ብዛዕባ’ዚ ኣርእስታት’ዚ ኣልዒሉ ዝዝትን ዝጽዕርን’ዩ ባይቶ ዝበሃል። ሰራዊት ኣብ ባይቶ ኣትዩ ክዛረብ ስልጣን ዘለዎ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ኣብ ኤርትራ ግን ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ካብ’ቲ ናይ ቅድም ፍልይ ብዝበለ ዝለዓሉ ሰበ-ስልጣን ኣባላት ሰራዊት ዝሓቖፈዩ እቲ ባይቶ። እዚ ድማ ዘይሕጋዊ ስለ ዝኾነ ሓደ ቁም-ነገር ወይ ሕጋዊ ስራሕ ክሰርሕ’ዩ ኢለ ኣያኣምንን። ብመሰረቱ ኣብ ኤርትራ ብሕጋዊ መንገዲ ብባይቶ ዝስራሕ ስራሕ የለን። ምኽንያቱ ብሓደ ወልቀ ሰብ ዝዝወር፡ ብሓደ ናይ ራብሓ ጉጅለ ዝስራሕ ስራሕ ስለ ዝኾነ፡ ኩሎም እቶም ኣብ ስልጣን ዘለው ኣካላት ብሓንጎሎም ይኸዱን ቁም-ነገር ይሰርሑ’ዮም ኢለ ኣይኣምንን። እዚ ዝለዓለ ስልጣን ዘለዎ ትካል ወይ ባይቶ ንህዝቢ ይኹን ንሰራዊት ዝምልከቱ ጉዳያት ኣልዒሉ ክዝትን ክውስንን ዝግበኦ ክነሱ፡ ስለምንታይ ኮለኔላት ወይ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ውሽጡ ኣትዮም ይሰርሑ ኣለው? እዚ ንባዕሉ ነቲ ባይቶ ጸቕጢ’ዩ። ቅኑዕ ድማ ኣይኮነን። ሰራዊት ካብ ስቪላዊ ስራሓት ነጻ ኮይኑ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍሉይ ናይ ምክልኻል ዕማም ዘለዎ ደኣምበር፡ ኣብ ናይ ስቪል ምምሕዳር ክሰርሕ ዘለዎ ኣይኮነን። እንተኾነ ግን እዚ’ውን ክገርመና የብሉን። ዘይመግረሚኡ እንታይ’ዩ፡ ንባዕሉ ነቲ ዘሎ ስቪላዊ ምምሕዳራት ዝመርሕዎ ኮለኔላት’ዮም። ስቪል ክዳን ደኣ ተኸዲኖም‘ምበር ስቪላት ኣይኮኑን ኩሎም ኮለኔላት’ዮም።መራሕቲ በራጊድ መራሕቲ ክ/ሰራዊት ዝነበሩ’ዮም።
ነቲ ህዝቢ ድማ ወተሃደራዊ ትእዛዝ’ዩ ዝወሃብ ማለት፡ ግበር ኣይትግበር፣ ኮፍ በል ተንስእ፣ በዚ ኪድ በዚ ኣይትኺድ፣ ከም’ዚ ተዛረብ ከም’ዚ ኣይትዛረብ….ብዝብሉ ናይ ታህዲድን ሽበራት ኣሰካፊ ኣመራርሓ’ዮም ዝመርሕዎ ዘለው። ህዝቢ ብታሕዲድን ምፍርራሕን ምርኩስ ገይርካ ክትመርሖ ቅኑዕ ኣይኮነን። መንግስቲ ንህዝቢ ኣረዲኡ ምዒዱ ስነ-ሓሳቡ ኣጨቢጡ ክኽተሎ ከም ዘለዎ ደኣ ይገብር’ምበር፡ ብኮርማጅ ህዝቢ ኣይመሓደርን’ዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓተ ምምሕዳር ግን ናይ ኮርማጅ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ባይቶ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ስቪላዊ ምምሕዳራት ኣብ ዞባታት ዘለው ኣመሓደርቲ 90% ወተሃደራውያን ሓለፍቲ’ዮም። ስለዚ ኣብ’ታ ሃገር ዘሎ ስርዓት ወተሃደራዊ ስለ ዝኾነ ኣብ ባይቶ ሰራዊት እንታይ ክገብሩ መጺኦም ዝብል ብዙሕ ግምት ክንህቦ ኣይግባእን።
ሕቶ፡- እቲ መንግስቲ ኣብ ሰራዊት ዘለዎ ኣተሓሕዛ ከመይ’ዩ? መነባብሮ ናይ’ቲ ሰራዊት’ከ እንታይ ይመስል ብሕጽር ዝበለ እንተትገልጸልና?
ኣሕመዲን- ህግደፍ ኣብ ሰራዊት ዘለዎ ኣተሓሕዛ ኣሰካፊ’ዩ። ከመይ እንተኢልና፡ ሰራዊት ኤርትራ ንኤርትራ ክከላኸል ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ሽግራት ከድሕን ኢሉ ካብ ምሕሳብ ዓዲ ኣይውዕልን’ዩ። እቲ መንግስቲ ግን ንዓዱ ዝሓስብ፡ ንሰራዊት ዝሓሊ፡ መንግስቲ ኣይኮነን። ደሞዝ ናይ’ቲ ሰራዊት ናይ ሓደ ተራ ኣባል 600 ናቕፋ’ዩ። 600 ናቕፋ ድማ ሎሚ ንትራንስፖርት ጥራሕ፡ ካብ ሓደ ቦታ ናብ’ቲ ካልእ ዘብጽሕ ኣይኮነን። ካብ’ቲ 600 ድማ 100 ኣብ ኢድ መንግስቲ ዝተርፍ’ዩ። እቲ 50 ናቕፋ ንግብሪ ናይ /ደሞዝ/ ንራሽን’ዶ ንገለ’ዶ ተባሂሉ ይቑረጽ። 450 ናቕፋ ኣብ ኢድ ይበጽሕ ማለት’ዩ። 450 ኣብ ኢድካ ምስ በጽሓ ድማ፡ እንደገና 50 ናይ መመቕርቲ ተባሂሉ፡ ኣብ’ቲ ኣሃዱ ትቑረጽ። ካብ’ቲ ዝተረፈ 400 በዓል ሓዳር እንተኾይኑ የግዲ 300 ተቖራጺ’ዩ። 100 ናቅፋ ኣብ ኢድካ ትተርፍ ማለት’ዩ። እቲ ዝወሃበካ ናይ ወርሒ ራሽን እኹል ኣይኮነን። ህግደፍ ኣዝዩ ተዳኺሙ’ዩ ትሕዝቶ የብሉን። ሃገር ብምሉኣ ሰራዊት’ያ መሊኣ ዘላ ክበሃል ይከኣል። ገዲም፣ ዕቑር፣ ናይ ሳዋ፣ ምልሻ፣ ብዝብል ኣስማት፡ ምናልባት ዝስለፍን ዝሃድምን ደኣዩ’ምበር፡ እዚኦም ኩሎም ካብ ህግደፍ ተጸበይቲ’ዮም።
ንኣብነት እቲ ንሰበይቱ 300 ናቕፋ ተቖራጺ ዝገብር፡ ሓንቲ ዓሽና ማለት እቲ ዝሓመቐ ወዲ ዓከር 600 ናቕፋ’ዩ። እተን 300 ንምንታይ’የን ክኾና? እዚ ኣልቦ ምጽባይ ዘይከውን’ዩ። እቲ ናይ ወርሒ ተባሂሉ ዝወሃብ ራሽን’ውን ኣብ 20 መዓልታት ስለ ዝውደኣ፡ በታ ኣብ ኢድ ዝተረፈት 100 ናቕፋ’ዩ ቀለቡ ዝገዝእ። እቲ ሰራዊት ኣዋጺኡ ብሓይሊ ብጋንታ እናገዝአ ይነብር። ብኸምዚ ዝናበር ሰራዊት’ዩ ሒዙ ዘሎ ህግደፍ። እዚ ከኣ ዲሞራላይዝ ዝኾነ፡ ንስራሕ ድልዊ ዘይኮነ፡ ብጓሂ ዝተበልዐ፡ ኣብ ውሽጣዊ ኣተሓሕዝኡ፡ ኣውራጃዊ፣ ብሄራዊ፣ ዓሌታዊ፣ ሃይማኖታውን ፍልልያት ዝበከሎ፡ ሓንጎሉ ዝተናወጸ ሰራዊት’ዩ ዘሎ። እዚ ሰራዊት’ዚ ከኣ ዝኾነ ቁም-ነገር ክገብር ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት የብለይን። ስለምንታይ? ኣብ’ቲ ኣሃዱ ምሳኻ ዘሎ በዓል ስልጣን ወዲ ዓድኻ እንድሕር ኮይኑ፡ ዘይግበኣካን ዘይትበቕዖን ስልጣን ይበካ። ብኣንጻሩ ከኣ፡ ብትምህርቲ ብተመክሮ ኮነ ኣካላዊ ብቕዓት ዘተኣማምን እንዳሃለወ ወዲ ዓዲ ወይ ዘመድን ፈታውን ስለ ዘይብሉ፡ ኣብ ትሕቲኡ ክግዛእ ይገብሮ። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳን ስምዒትን ክሳብ ዝሃለወ፡ ንሰራዊት ብሓደ መኣዝን መሪሕካ ሓደ ቁም-ነገር ትገብር ማለት ዘይሕሰብ’ዩ።
ስለዚ ኣብ ሃይማኖት ዘሎ ኣጠማምታ ንባዕሉ፡ ኣብ ሓደ መዓስከር ዝሕረድ ዋላ ባዕላ ዝሞተት ትኹን፡ እንድሕር እምነት ናይ ምስልምና ይኹን ናይ ክርስትና ዘይተኸተለ ኣተሓራርዳ ሓሪድካዮ፡ ባዕሉ ዝሞተ በትኪ’ዩ ማለት’ዩ። በትኪ ክትበልዕ ከኣ፡ ኣብ ዝኾነ እምነት ኣይፍቀድን’ዩ። ኣብ ምስልምና ኮነ ኣብ ክርስትና ባዕሉ ዝሞተ በትኪ ብላዕ ዝብል ጽሑፍ የለን። ኣብ ህዝባዊ ግንባር ግን፡ በስምኣብ የብሉ ቢስሚላህ የብሉ ሓሪድካ ክትበልዕ ኣለካ። እንተዘይበላዕካ ኣኽራሪ ተባሂልካ ቁጽሪ 8 ተኣሲርካ ሂወትካ ክሳብ ትሞሉቕ መፈጠርካ ክሳብ ትጸልእ ትኸውን ማለት’ዩ። ሃይማኖት መታን ከይተኽብር ከምዚ ዓይነት ክትበልዕ ክትሰቲ ከም ዘለካ፡ ናይ ግድን ዝተባህለካዮ ክትገብር ከም ዘለካ፡ ከም’ዚ ዓይነት ጸቕጢ ኣብ ልዕሊኻ ኣሎ ማለት’ዩ። ክሰግዱ እንተተረኺቦም ዝርሸኑ መሊኦም’ዮም። ምስጋድ ማለት ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝዓበየ ገበን’ዩ። ኣብ ሰራዊት ናይ ኤርትራ ክሰግዱ ተረኺቦም ኣእምሮእም ክሳብ ዝስሕቱ ተኣሲሮም ዝተሳቐዩ ዝተረሸኑ ቁጽሪ የብሎምን። ሰራዊት እኮ ከም ሰብ ይኣምን’ዩ፡ ተደፊኑ ኣይኮነን ዝነብር። ዓለም ኣብ ከመይ ኣላ እንታይ ይግበር ኣሎ ይከታተል’ዩ። እቲ ዝሓየለ ዝበሃል ሰራዊት ኣብ ዓለምና ናይ ኣመሪካ’ዩ። ኣብ ዝኸዶ ካምፖታት ይሰግድ። ከማና ወተሃደር እንድዩ፡ ስለምንታይ ንወተሃደር ምስጋድ ኣይፍቀድን’ዩ ተባሂሉ ዘይኽልከል? ኩለን ሃገራት ምዕራብ ወተሃደራት ኣለውወን ወተሃደራተን ድማ ይሰግዱን ይጽልዩን’ዮም። ኣብ ኤርትራ ግን እንተሰጊድካ ወይ እንተጸልሊኻ ገበነኛ ኢኻ። እቲ ሓላፊ ቅጭ እንተኣምጺእካሉ ዝኾነ ምኽንያታት ወሲኹ፡ ቅድሚ ሕጂ ተሓቢሩ ኣብዩዩ ዝመሃር ሰብ ኣይኮነን ንሰራዊት ከምዚ ክገብር ደልዩ፡ ክጠዊ ሓሲቡ ኢሉ ዋላ እንተረሸነካ፡ ስለምንታይ ንእከለ ረሽንካዮ ኢሉ ዝሓቶ በዓል ስልጣን የለን። ዝኾነ በዓል ስልጣን ዝደለዮ ስጉምቲ ኣብ ልዕሌኻ እንተወሲዱ ተሓታትነት ዝበሃል የብሉን። ስለዚ እቲ ሰራዊት ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ሓሸውየ’ዩ ዝነብር። ብሓጺሩ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ብቑዕ ሰራዊት ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሰራዊት ክንቀሳቐስ ዘይኽእል ዝለመሰ ሰራዊት’ዩ ክበሃል ይከኣል። እቲ ኣእምሮ ዘለዎ ክኸይድ ዝኽእል ብምሉኡ ከይዱ’ዩ። እዞም ኣብ ዓዲ ክስቶ ክሃድሙ ተረኺቦም፡ ተታሒዞም ንሰምዖ ዘለና ዜና’ኮ ካብ ሰራዊት ኤርትራ ዝሃደሙ’ዮም ካብ ካልእ ኣይኮኑን። እዚኦም ብምሉኦም ኣብ ኤርትራ ዝተወልዱ’ዮም፡ ካብ ኤርትራ ወጺኢ ኣይኮኑን። ኣብ ኤርትራ ተወሊዶም ዓብዮም፡ ንኤርትራ መትሓዚ ስለ ዝሰኣኑላ ዝሃድሙ ዘለው’ዮም። ከምኡ ዝገብሩ ዘለው ድማ፡ ኣብ ካልእ ዓዲ ከይዶም ክዋረዱ ስለ ዝደለዩ ኣይኮኑን። ኣብ ዓዲ ምንባር ስለዘይከኣሉ ተገዲዶም’ዮም ዝስደዱ ዘለው። ኣብ ሃገረ ስደቶም’ውን እቲ መዓልቲ መዓልቲ ንሰምዖ ዘለና ስቓይ የሕልፉ ኣለው። ስለዚ ሰራዊት ኤርትራ ኣተሓሕዝኡ መሰል ዘይብሉ ብጣዕሚ ክፉእ ሂወት’ዩ ዝነብር ዘሎ። ኣብ ዓመት ንስድርኡ ዘይርኢ ሽግር ናይ ስድርኡ ክፈትሕ ዘይኽእል ምእንቲ ሃገር’ዩ ዝስዋእ ዘሎ’ሞ ንስድርኡ ከም’ዚ ደገፍ ይገበረሎም ተባሂሉ ብመንግስቲ ዝኾነ ዓይነት ደገፍ ዘይግበረሉ፡ ኣብ ሽግር ዝነብር ዘሎ ሓደ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ’ዩ።
ሕቶ፡- ኣብ ሰራዊት መርሸንትን መቕጻዕትን ኣሎ ይበሃል ብፍላይ ሄልኮፕተር ቁጽሪ 8 ኣልማዝ ዝበሃል ስቅያታዊ መግረፍቲ ኣሎ ይበሃል፡ ቅድሚ ነጻነት ይኹን ድሕሪ ነጻነት ኣብ ደቂ ጋንታኻ ኮነ መሳርሕትኻ ብኸም’ዚ ዝተሳቐዩ ትፈልጦም እንተለው?
ኣሕመዲን፡- ቅድሚ ነጻነት ‘ኳ ወዲእና እንዲና ሕጂ ከም’ዚ ነይሩ ኢልና ክንገልጽ ኣይንኽእልን። ኣብዚ እዋን ዝግበረ ዘሎ ግን፡ ክስቶ ወዲ ክስቶ ከም’ዚ ገይሮም ኣሳቕየሞ ደርብየሞ ኢልካ ክትዛረብ ኣድላይነት ዘለዎ ኮይኑ ኣይረኣየንን። ብሓፈሽኡ ግን እቲ ሽግር ኣሎ። ኣብ ሻምብቆ ታንኪ ጠልጠል ኣቢሎም ዘሳቕይዎም ኣለው። ኣርባዕተ መሓውሮም ኣሲሮም ቁልቁል ኣፎም ኣብኦም ምስ ኣሰርዎም ደም ብኣፎምን ብኣፍንጫኦምን ዝውሕዝ ልቦም ዘጥፍኡ ብኡ ንብኡ ንሕልፈተ ሂወት ዝሳጥሑ ዝጽለለኡ ከም ዘለው እዚ ዝኾነ ኣባል ሰራዊት ናይ ኤርትራ ዝፈልጦ ልሙድ ተግባር’ዩ። ብፍላይ ምስ ሃይማኖት ዝተኣሳሰር’ዩ። ካልእ ከኣ ከም ኣጋጣሚ ዕድል ናይ ስድራ ምሕታት ፍቓድ ከይድካ ኣብ መዓልትኻ ኣይመጻእካን፡ ዝብል’ዩ። እዚ ዕድል’ዚ ኣብ ክልተ ዓመት ዝኸውን ዘረኣኻዮም ዝነበሩ ስድራኻ መዓት ሽግራት ይጸንሓካ ዝብላዕ ዝኽደን ነገር የለን ኩሎም ስድራኻ ዓቕሎም ጸቢብዎም ይጸንሑዃ ንመን ዲኻ ትጋደል ዘለኻ ንስድራኻ ዘጨክን’ድዩ ሃገር’ኮ ህዝቢ ሒዝካ’ዩ። ሓደ ሰብ ዘይብሉ ከውሒ ሃገር ክስቶ ኣይትብሎን ኢኻ። ሃገር ማለት ህዝቢ’ዩ። ናይ ሓንቲ ሃገር ህዝቢ መሰረት ድማ ስድራ-ቤት’ያ። እዚ ኣብ ኤርትራ ዝገበር ዘሎ ግን ኣብ ታሪኽ’ውን ኣይተሰምዐን። እቲ ኣባል ሰራዊት ከም ሓደ ውልቀ-ሰብ ኣብ በረኻ ሰፊሩ ዘሎ ንውሕስነት ናይ ስድርኡ’ዩ። ናይ ስድራኻ ህልውና ምስ ኣውሓስካ ኢኻ ናይ መላእ ህዝብኻ ተውሕስ። ብሓጺሩ ኣነ ኣብ በረኻ ሰፊረ ቆልዑተይ ኣቦይን ኣደይን እንተደኣ ኣብ ሽግርን ጸበባን ወዲቖም ጸኒሖምኒ፡ ንስደራይ ባዕሎም ይፈልጡ ኢለ ናብ መዓስከር ክምለስ ሕልና ንዘለዎ ሰብ ከቢድ’ዩ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እምበርኣር ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ በደላት ማለት ማእሰርቲ መርሸንቲ ከም’ዚ ዓይነት ሓለዋ ናይ ሰውራ ተባሂሉ ዝሳቐዩ ዘለው ኣብ ስድራ ንዝጸንሖም ሽገራት ብዓቕሞም ገለ ኣለይ መለይ ክብሉ ግዜ ስለ ዘጥፍኡ’ዮም። ጸኒሖም’ውን እንኮ ይምለሱ’ዮም ናብ መዓስከር። ምስ ተመልሱ ከኣ፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለጽክዎ ገደብ ስልጣን ዘይተዓደሎ በዓል ስልጣን ኣብኡ ጸኒሑ ኢሂ ከም’ዚ ገይርካ እወ ኣርባዕቲኡ መሓውሩ ኣሲርካ ቁልቁል ኣፉ ኣብ ጸሓይ ንሰማይ ጠምት እንዳተባህለ ክሳብ 48 ሰዓታት ኣብኡ ተደርብዩ ይቕኒ። ሂወትና’ኮ ብጥንቃቔ ኢያ’ኮ ትነብር። እንድሕር ብኸም’ዚ ዓይነት ጭካኔ ሒዝናያ ሂወትና ቢትሮ’ያ። ካብ ኢድካ ምሉቕ እንተኢላ ትስበር’ያ፡ እንተተሰቢራ ድማ ኣይትትካእን’ያ። ስለዚ እታ ሂወትና ኣዝያ ኣገዳሲት’ያ። ሓንሳብ እንተኸይዳ ድማ ኣይትምለስን’ያ። ህግደፍ ግን ሂወት ትጥፋእ ኣይትጥፋእ ዋላ ሓንቲ ሓላፍነት ስለ ዘይብሉ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ከም’ዚ ዓይነት ግፍዒታት ይፍጽም። እቲ ግፍዒታት ዝፍጸም ከኣ ክስቶ ወዲ ክስቶ ኢልካ ተንቲንካ ዝውዳእ ስለ ዘይኮነ፡ ብሓፈሽኡ ሰራዊት ኤርትራ ከም’ዚ ዓይነት መከራ እንዳሕለፈ፡ ኣብ መዓስከራት እንዳተሳቐየ ዝነብር ሰራዊት ምዃኑ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ደገ ይሃሉ ኣብ ውሽጢ ነዚ ሓቂ’ዚ ግርዳእ ኣለዎ እብል።
ሕቶ፡- ህልዊ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ብኸመይ ትግምግሞ?
ኣሕመዲን፡- ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ፡ ኣብ ሕማቕ ደረጃ ኣሎ ኢና ክንብል እንኽእል። ምኽንያቱ ኤርትራ “ሀ” ኢላ ካብ ነጻነት ክትብገስ እንከላ፡ መንግስቲ ህግደፍ ዝተኸተሎ ፖሊሲ፡ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት እናተጋጨወ፡ ምስ ዓለም ኣብ ህውከት ምንባር ስለ ዝመረጸ። እዚ ፖሊሲ’ዚ ድማ ፈሽሉ’ዩ። ስለዚ ሽዑ ካልእ ኣማራጺ ስለ ዘይነበሮ ክኽተሎ ዝነበሮ ሜላታት ምናልባት ሓደ ብጽፍርና ክነብር ኢና ዝብል ሓደ ኣዋጅ ወጺኡ። ብጽፍርና ኢሉ ዘውጸኦ ኣዋጅ ብሓይሊ ንምምጻእ’ውን ኣይተዓወተን ፈሽሉ’ዩ። እዚ ፖሊሲ’ዚ ከይተበገሰ መስደድ ጽፍሪ ረኺብዎ ይመስለኒ ተረዂምሹን ተሰይሩን ተሪፉ። ሓንቲ ዘፍረዮ ኣይነበሮን። እዚ ምስላጥ ምሳኣበዮ ከኣ ሓደ ሓሳብ ኣምጺኡ። ኣብ ኲናት ኣለና ኲናት’ዩ ከም’ዚ ገይሩና ንምባል ኲናይ ምብጋስ ይሓይሽ ኢሉ፡ ምስ ጎረባብቲ ዕግርግርን ኲናት ምክያድ ጀሚሩ። ኣብ’ቲ ኲናት’ውን ካልእ ኣማራጺ ምስ ተሳእነ፡ ቁጠባና 7% ምዕባለ ኣርእዩ ነይሩ፡ ብሰንኪ ኲናት ግን ተቆጽዩ’ዶ ተዓንቂፉ’ዶ ዝብል ካልእ ምኽንያታት ምሃብ ተጀሚሩ። እዚ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ’ዩ። እቲ ሽግር ብኲናት ዝመጸ ስለ ዘይኮነ፡ እቲ ኲናት ባዕሎም ስለ ዘምጽእዎ፡ ካልእ ኣማራጺ መውጽኢ መንገዲ ስለ ዘይነበሮም ከም ሓደ ስትራተጂ ዝተጠቕምሉዩ ነይሩ። ኣብ’ዚ ኲናት’ዚ ኣይተዓወቱን ሕፍረትን ፍሽለትን’ዮም ተጎልቢቦም ተሪፎም።
ብድሕሪኡ እቲ መንግስቲ ዋላ ሓንቲ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ኣይሰርሐን። ህግደፍ፡ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባዊ፣ ወተሃደራዊ፣ ማሕበራውን ኣብ ኩሎም ዓውድታት ዝፈሸለ ጉጅለ’ዩ። ስለዚ ኣብ ኩሉ እንተደኣ ፈሽሉ ኩነታት ህዝብን ሃገርን ዘይሕባእ ንኹሉ ብሩህ ዝኾነ ሽግራት ኣሎ ማለት’ዩ። እቲ ዘሎ ጸገማት ህግደፍ ባዕሉ ኮነ ኢሎ ዝፈጠሮም ደኣምበር፡ ባዕሉ ዝነጠበ ሽግር ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ራህዋ ካብ ምምጻእ ዘይምምጻእ ዝመርጽ’ዩ ህግደፍ። ራህዋ እንተኾይኑ ተሓታትነት ክመጽእ’ዩ፣ ራህዋ ክመጽእ እንተኾይኑ ፍትሒ ክነግስ’ዩ፣ ራህዋ እንተኾይኑ ሰላም ክነግስ’ዩ፣ ህዝቢ ከም ድላዩ ካኣቱን ክወጽእን’ዩ፣ ከስተንፍስ’ዩ፡ እዚ ኣብ ዝመጻሉ እዋን ከኣ ህግደፍ ክጻወሮ ክግደድ’ዩ። ህግደፍ ከኣ ነዚ ሽግራት’ዚ ተጻዊርካ ክኢልካ ምኻድ ዓቕሚ ስለ ዘይብሉ፡ ኩሉ ግዜ ምስ ጎረባብቲ ዕግርግር እንዳፈጠርካ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይካ ኲናት ስቓይን ካልእ ክሓስብ ከም ዘይብሉ “ንሎሚ ብሰላም ንሕደር እምበር ካልእ ባዕሉ ይፈልጥ” ክብል ከም ዘለዎ እንተደኣ ጥይት ተሰሚዓ ኦሮማይ ሕጂ ከኣ ውግእ ኮይና፡ ደቅና ጠፊኦም። ዓድና ተደምሲሳ፡ ሓደ ተሪፉ ዝነበረ ወደይ ክስዋእ ወዘተ ብዛዕባ’ዚ ጥራሕ እንዳሓሰበ ኣብ ጭንቀት ከም ዝነብር ዝዓለመ ስርዓት ስለ ዝኾነ፡ እዚ ኣብ ኤርትራ ኩሉ ግዜ ጥምየት ሽግር ዘይምርግጋእ ዝፈጥር ዘሎ። እቲ ህዝቢ ካብ’ቲ ንሱ ዝደልዮ ታርጌት መታን ከይወጽእ፡ ኢዱ ናብ ህግደፍ እንዳዘርገሐ ክነብር ከም ዘለዎ ንምግባር ሓደ ናይ ብሓቂ ረሳሕ ዝኾነ ስትራተጂ ተኸቲሉ ይኸይድ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ውርደትን ስቓይን ፍርሕን ተቐርቂሩ ዝነብረላ ዓዲ’ያ ሃገርና ኤርትራ።
ሕቶ፡- ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ናይ መነባብሮ ጸገም ኣሎ፡ እዚ ጸገም’ዚ መንቀሊኡ እንታይ’ዩ?
ኣሕመዲን፡- እዚ ጸገም’ዚ መበግሲኡ ህግደፍ ባዕሉ’ዩ። ምኽንያቱ ምስ ኩሎም ጎረባብትኻ እንተደኣ ዕግርግር ፈጢርካ፡ ኩሉ ግዜ ናይ ፖለቲካ ኮነ ቁጠባዊ ረብሓ ኣይክትረክብን ኢኻ። ረብሓ ዘይምህላው ከኣ፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ድኽነት ኣብ ጥምየት ሽግር’ዩ ዘእትወካ። ግደፍ ብንጎሆኡ ብህግደፍ ዝጎበጠት፡ ድዃ ኤርትራ ሃገርና፡ እቶም ዓቕሚ ዘለዎም ሓያላን ሃገራት’ውን ምስ ካልኦት ተኣሳሲሮም እምበር ንበይኖም ክርብሑ ኣይክእሉ’ዮም። ካብ ውሽጢ ሃገር ዝኾነ ሃብቲ ንወጻኢ ልኢክኻ እዚ ኣብ ወጻኢ ምስተሸጠ ካብኡ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ትረክብ’ሞ ብድሕሪኡ ንሃገርካ ዘድሊ ንብረት ይኹን ጠቕምታት ካብ’ቲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ሒዝካ ትመጽእ። ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ኣብ ኤርትራ ብዓቕሚ ናይ ህግደፍ ንወጻኢ ተላኢኾም ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዘምጽኡ ሸቐጥ ኣሎ ኣይንብልን። እዚ እንተዘይሃልዩ’ውን ምስ ካልኦት ሃገራት ጥዑ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና እንተሃልዩካ ሓገዛት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ሓገዛት ስለ ትረክብ በተን ሓገዛት ከኣ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ መዓድናት ከተውጽእ ትኽእል። ፔትሮል ይኹን ካልእ ብምውጻእ ኣብ መዓላ ሃገርካን ህዝብኻን ከተውዕሎ ትኽእል። ህግደፍ ግን ነቲ ኣብ ውሽጢ ዓድና ዘሎ ጸጋታት ኣውጺኡ ኣብ ረብሓ ህዝቡ ከውዕሎ ዝኽእል መንግስቲ ኣይኮነን። ምስ ካልኦት ሃገርት ስኒት ሃልዩና ተሰማሚዕና ሓገዝ ክንረክብ ወይ ከኣ ትካላት ኣእቲና ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘሎ ሃብቲ ኣብ ረብሓና ከይነውዕል ከኣ፡ ምስ ጎረባብትና ኮነ ምስ ዓለም ስኒት ብሰላም ናይ ምንባር ስትራተጂ የብልናን። ስለዚ ህግደፍ’ዚ ዓይነት ሜላታት’ዚ ዘይክተል እንተደኣ ኮይኑ በየን ዝነጠበ ደኣዩ ህዝቢ ኤርትራ ክጥቀም። እቲ ኣብ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ጸገም መንግስቲ ህግደፍ ባዕሉ ዝፈጠሮን ዝሰርሖን ጸገማት ስለ ዝኾነ፡ እዚ ጸገም’ዚ ከኣ ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ክፍታሕ’ዩ ኢለ ኣይኣምንን። ምኽንያቱ ህዝቢ ናይ መንግስቲ ተጸባዪ ክኸውን መንግስቲ ድማ ቅርሺ ክበኩም’የ እንዳበለ ኣብ’ታ ንሱ ዝደልያ መታን ክዋፈር፡ ካልእ ብዛዕባ ከብዱ ጥራሕ ሎሚ ክድረር ድዬ ወይ ጾመይ ክሓድር ክሓስብ ደኣምበር፡ ብዛዕባ ዓለምን ኩነታት ሃገርን ከመይነቱን ክሓስብ ከም ዘይብሉ ንምግባር፡ ኮነ ኢሉ ዝጥቀመሉ ሜላ ስለ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ክጎርሕ ኣለዎ። ነዚ ከስተብህለሉን ክነቕሓሉን ዘለዎ ኮይኑ ይስመዓኒ። “ሕጂስ ይኣኽለካ ዝኣኽለካ ጨፍሊቕካና ኢኻ ቀደም ኣብ ዘመነ ጥልያን ዘመነ እንግሊዝ ኣብ ዘመነ ሃይለስላሴ ይኹን ደርጊ ከም’ዚ ዓይነት መግዛእቲ ክወርድ እንከሎ ካብዛ ሕጂ ንስኻ ትብድለና ዘለኻ ንላዕሊ ኣይተበደልናን። ሕጂስ ካልእና ድኣ ንደሊ ይኣኽለካ ተኣለየልና ምባል ህዝቢ ኤርትራ ክሓምቕ የብሉን።
ሕቶ፡- ሕራይ ኣሕመዲን ከተመሓላልፎ ትደሊ ዝተረፈ መልእኽቲ እንተለካ?
ኣሕመዲን፡- ኣብ መወዳእታ ደጊመ ዝዛረበላ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነጻነቱ ብምህለላ ኣይኮነን ኣምጺኡ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛኻ ኢድካ ጢል ኣቢልካ ስለ ዝተማህለልካ እንጀራ ይኹን ሰላም ኣብ ገዛካ ጥብ ኣይክትብል’ያ። ስለዚ እንጀራ ንኽትረክብ መጀመርያ ፋሕተርተር ክትብል ኣለካ። ሰላም ክትረክብ እንተኾይንካ ከኣ ክትቃለስ ጥራሕ’ዩ ዘለካ። እምቢ ንመግዛእቲ ኢሳያስ እምቢ ንመግዛእቲ ህግደፍ ብምባል ክቃለስ ጥራሕ’ዩ እቲ ሓደ መፍትሒ። ህዝቢ ክስዋእ ኣለዎ ምእንቲ ሓርነታዊ መሰሉ። ትማሊ ስለ ዝተወአ’ዩ ነጻነቱ ዘምጸአ። ሕጂ’ውን ሓደ ፍትሓዊ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ንምትካል ነዚ ዘሎ መንግስቲ ንምእላይ ክቃለስ ጥራሕ’ዩ ዘለዎ። ምስ’ቲ መንግስቲ ክጋጮ ክኽእል ኣለዎ። ሰራዊት ኣንጻር መንግስቲ ክለዓል ክኽእል ኣለዎ። ስድርኡ እናጠመዩ እናተኣስሩ እናተጨፍጨፉ ምእንቲ መን ደኣሞ ምእንቲ ረብሓ ውልቀ ሰባት ክብል ኣብ በረኻ ተኾርምዩ ክነብር የብሉን። እዚ ስርዓት’ዚ ንኤርትራ ዝውክል ኣይኮነን። ዘይፍትሓውን ዘይሕጋውን መንግስቲ ስለ ዝኾነ፡ ክከላኸለሉ ዘይኮነስ ክኣልዮ ክጽዕር ኣለዎ። ኣንጻሩ ክዕጠቕ ክኽእል ኣለዎ እብል። እቲ ብስም ሰማእታት’ዶ፣ ብስም ስድራ ስውኣት’ዶ፣ ንከም’ዚ ትካል’ዩ፣ ንሃማደኤ’ዶ፣ ንህግደፍ’ዶ እናተባህለ መዓልቲ መዓልቲ ህግደፍ ዝእክቦ ዘሎ ኣቕራሽ መጨፍጨፊ ደቂ ህዝቢ’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ከምኡ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ካብ ምሕጋዝ ክቑጠብ ኣለዎ።
ኣብ ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ከኣ ክብል እንተደልዩ ናይ ምባል ምሉእ ዕድል ስለ ዝለዎ፡ ማለት ካብ ምቁጽጻር ናይ ህግደፍ ዝረሓቐ ስለ ዝኾነ፡ ብገንዘቡ ብፍልጠቱ ብሞራሉ ንህግደፍ ከተባብዕ የብሉን። ብዙሕ ግዜ ብናይ ህግደፍ መራኸቢ ብዝሓን ከም እንከታተሎ ኣብ ዓዲ ክስቶ ክንድዚ ቅርሺ ተወፊዩ፡ ኣብ ዓዲ ክስቶ ዝነብሩ ክንድዚ ዝኣክል ሚሊዮን ኣወፍዮም ዝብል’ዩ፡ እዚ ስለምንታይ ንሃገርካን ንህዝብኻን ዝጭፍልቕ ዘሎ ስርዓት ኣብ ክንዲ ምውጋድ ንስኻ ጽቡቕ ስለ ዘለኻ፡ ንዓድና ንወለድና ንኣሕዋትና ጨፍጭፈልና እሰረልና ኢልካ ብኩሉንተናኻ ክትሕግዞ ኣይግባእን። ብሓጺሩ ንመን ይሕግዝ ከም ዘሎ ክፈልጥ ኣለዎ። ኣብ ክንዲ ምሕጋዙ ኣንጻሩ ክለዓዓልን ክጽሕፍን ኣለዎ። ክእድም ኣለዎ። ሰላማዊ ሰልፊ ክግብር ኣለዎ። ክንለዓል ኣለና ጥራሕ ኢልካ ማዝራብ ትርጉም የብላን። ብግብሪ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ ውሽጢ ንሃሉ ኣብ ደገ ብሓደ ቅልጽም ሰሚርና ንምእላዩ ንለዓዓለሉ ንዕጠቐሉን ዕላማና ኣብ ግብሪ ንትርጉመሉን ሎሚ’ዩ። ግዜ ክንጽበ ኣይግባእን።
17 ዓመት ደርጊ ንኤርትራ ገዚእዋ’ዩ። 17 ዓመት ከኣ ህግደፍ ገዚእዋ እነሆ። ልዕሊ ደርጊ ንህግደፍ ዕድል ክንህቦ ድማ ኣይግባእን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፋ 17 ዓመታት ለውጢ ይመጽእ ይኸውን እንዳበለ ተጸሚሙ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ካብ ሕጂ ግን ንጽመመሉ ግዜ ስለ ዘብቀዐ ብዝተጸንዐን ዝተወደበን ኣገባብ ክንለዓል ኣለና። ብፍላይ እቶም ኣብ ወጻኢ ንነብር ኤርትራውያን ክንለዓል ኣለና። እቲ ስቕታ ክሳብ መዓስ’ዩ? ትዕግስቲ’ኸ ክሳብ መዓስ’ዩ? እዚ ከብቅዕ ኣለዎ። ተጻዋርነትና ንመንግስቲ ህግደፍ ኣብቂዑ ካብ ሕጂስ ይኣክል ክንብል ክንክእል ኣለና። ነዚ ክንገብር ድማ ገንዘብና ፍልጠትና ጉልበትና ኮነ ሞራልና ኣብ መዓላ ለውጢ ከነውዕሎ ኣለና። ኣብ ሓደ ክንሰምር ኣለና። እከለ ከምዚ’ዩ ክስቶ ከምዚ’ዩ ዝብል ጉጅላውነት ኣብ’ዚ ዘለናዮ መድረኽ ኣይድልየናን። ዕላማና ንህግደፍ ምእላይ ጥራሕ ክኸውን ኣለዎ። ሓደ እኮና፡ መበገሲና ሓደ ዕላማና ሓደ ክንበጽሖ ንደሊ’ውን ንሓንቲ ኤርትራ እንድዩ? ሓንቲ ኤርትራ ካብ ኮነት ጸላኢና ሓሳብና ጉዕዞና ስጉምና ሓደ ክኸውን ኣለዎ። ከምኡ ምስ እንገብር ኢና ንህግደፍ ኣሊና ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ንበቅዕ። ሽዑ ህዝባዊ መንግስቲ ምስ ተኸልና ከም ድላይና ናይ ምዝራብን ምጽሓፍን ደሞክራስያውን ህዝባውን ኣሰራርሓ ክንገብር ንኽእል። ሕጂ ግን ኣብ በረኻ ኣብ ስደት ኮይና ከይተወሃሃድና ፋሕፋሕ ኢልና ከም ዘይነድምዕ ክንግንዘብ ኣለና። ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ዝውክል መንግስቲ ንምትካል ሓደ ዕላማ ሓደ ቅልጽም ኮይኑ ክቃለስ ደጊመ ንህዝቢ ኤርትራ እጽውዕ። ካብ ሕጂ ንደሓር በቲ ዝጸናሕናዮ ምቕጻል ንህግደፍ ዕድል ምሃብ ስለ ዝኾነ፡ ዓቕሚታትና ከነስምር ኣለና። ኣብ ሓደ ዝኣስረካ ነገር እንተዘይገይርካ ኣብ ድሌትካ ኣይተበጽሕን ዕላማኻ ሸቶኡ ኣይወቅዕን። ህዝቢ ንምድሓን ዝተጠምረ ቃልሲ ምክያድ የድሊ። ነዚ ነጥቢ’ዚ ብዝያዳ ናይ ምትግባሩ ዕድል ዘለዎ እቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ኤርትራዊ ስለ ዝኾነ ክጥቀመሉ ከም ዘለዎ’የ ዘተሓሳስብ። እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ህዝቢ ድማ ክንዲ ዝኾነ ይምረር ንመስዋእቲ ድልዊ ከይኮንካ ዝፍታሕ ነገር ከም ዘየለ ዝተረደአ ድልውነት ንለውጢ ከርኢ ኣለዎ። ስለዚ ኩልና ካብ ዘረባ ዝሓለፈ ግብራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ጥራሕን ጥራሕ’ዩ ተሪፉና ዘሎ።
ዝኸበርኩም ተኸታተልትና ካብ’ዚ ምስ ሓው ኣሕመዲን ዝገበርናዮ ሰፊሕ ቃለ-ማሕተት፡ ንኡስ ዘይኮነ ቁምነገር ቀሲምኩም ክትኮኑ ብምትእምማን ቃለ-ማህተትና ኣብ’ዜ ከም ዝተዛዘመ እንዳሓበርና፡ ስለ’ቲ ምክትታልኩም ነመስግን። ሓው ኣሕመዲን’ውን ስለቲ ብቕንዕና ሰፊሕን ዓሚቕን ተመክሮኻ ዘካፈልካና ብስም ሰማዕትና ኣመስግነካ። የቐንየለይ።
ኣሕመዲን ኣነ’ውን ስለቲ ብዝዓቕመይ ብዛዕባ ህዝበይን ሃገረይን ሓሳባተይ ከካፍል ዝተዋህበኒ ዕድል የመስግን።
|