Start እዋናዊ ዜና News ጋዜጣዊ መግለጺ ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ
ጋዜጣዊ መግለጺ ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ PDF Print E-mail
Written by ግሃድኤ   
Tuesday, 21 October 2008 21:59

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ቅጽጽሩ ዘእተወዎም

             ሰለስተ ወተሃደራት ስርዓት ህግደፍ ናጻ ለቅቕዎም፦

 

ጀጋኑ ኣሃዱታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዕለት 20 መስከረም 2008 ኣብ ሞለኽሳይቶ ብዝወሰድዎ ርእሰ ምክልኻል ጅግንነታዊ ስጉምቲ፡ ሰለስተ ወተሃደራት ህግደፍ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሮም ከም ዘውዓልዎም ዝዝከር’ዩ። ንሳቶም ድማ (1) ነጋሲ ገብረ ሚካኤል (2) ሰሎሞን መስፍን (3) ሙላቱ ደስታ’ዩም።


 

እዞም ሰለስተ ወተሃደራት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ትሕቲ ቅጽጽር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብ ዝወዓልሉ ህሞት፡  ብምጀመርታ  ኩነታት ጥዓኖም ምክትታል ቀዳምነት  ስለ ዝነበሮ ዓቕሚ ውድብ ብዘፍቕዶ ናይ ሕክምና ሙሉእ ኣገልግሎት ክወሃቦም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ከም መነጸርታ ጸብጻብ ሓካይም ጥዕናኦም ሙሉእ ብሙሉእ ዝተማለአ ምዃኑ ተረጋግጹ።

 

ብድሕሪኡ’ውን ግሃድኤ ዓቕሙ ብዘፍቕዶ መሰረት ኣብ ወጻኢ ምስ ዝርከቡ ኣዝማዶም ዝራኽብሉ ጻዕሪታት ብምክያድ፡ ቤተ ሰቦም ደሃዮም ዝረኽብሉ ኩነታት ፈጥሩሎም። ከምእ’ውን  መንፈስ ሃገራውነት ዝጠልቦ ምእዝዙነት ሰነ ተግባር ሕውነትን ሰብኣውነትን ክብሪ ዜግነትን ብዝመለኦ ኣቀባብላን ኣቀራርባን ኪሕብሐቡ ብድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ዑቕባ ምሕታት ድልየቶም ምዃኑ ስለ ዝሓበሩ፡ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ሓራ ድልየቶም ብምኽባር ናጻ ልቅቑዎም። ብዚ መሰረት ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ዑቕባ ተዋህቡዎም ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ማይጸብሪ ትግራይ  ኣቲዮም፡ ምስ ካልኦት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን መንእሰያት ኤርትራውያን ስደተኛታት ሰላማዊ ምንብሮኦም ምምራሕ ጅምሮም ኣሎዉ።

 

መዓስከር ማይ ጸብሪ ካልኣይን ሓድሽን መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያ’ዩ። መዓስከር ሽመልባ ስለ ዝመለአ ዝተመድመደ’ዩ። ዓመት ኣብ ዘይመለአ ግዜ ካብ 5000 ክሳብ 7000 ስደተኛታት ኤርትራውያን ሓቝፉ ይርከብ።

 

ብስንኪ ወራሪ ፖሊሲን ተግባርን ስርዓት ኢሳያስ ክልተኣዊ ዝምድና ክልቴኡ ሃገራት ኣኤርትራን ኢትዮጵያን ዋል’ኳ ተዳመዩ እንተሃሎወ፡ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ሕውነታዊ ዝምድናታት ህዝቢታት ክልቴኡ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዳግም ንምሕዳስን  ከምብሓድሽ ሓድ-ሕድ ምትእምማን ንምህናጽን ንዝካይድዎ ዘሎውዎ ዘይሕለል ሕውነታዊ ጻዕሪታቶም ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ እምቢዛ የሞጕስ።

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ግሃድኤ

19 ጥቅምቲ 2008 

 

 

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 104 guests online