Start ወግዒ Joke Joke ጥንታዊ ምስላታት ኣበው (ሻዱሻይ ክፋል)
ጥንታዊ ምስላታት ኣበው (ሻዱሻይ ክፋል) PDF Print E-mail
Sunday, 24 May 2009 10:32

ጥንታዊ ምስላታት ኣበው (ሻዱሻይ ክፋል)

 

ኣቕራቢ ሓውለይቶ

 

ዓወት ብሙያ፡ ቅድድም ብጉያ

ዓይንና ዘይርእዮ፡ ልብና ዘይስሕቶ፡ ዝገብሩ በዓል ‘ስቶ

ዓይኒ ከዳዕ ነባዒ፡ ከብዲ ቃልዓለመኛ በላዒ

ዓይኒ ጠላም፡ ከምስል ይብል ሰለምለም

ዓዲ ክዝመት፡ ዓይንኻ ነይዕመት

ዓዲ ምስ ሰመረ፡ ንህቢ ምስ ዓመረ፡ የውህብካ’ምበረ!!

ዓዲ ነልምዕ ተዓሻሺና፡ ዓዲ ኣይነጥፍእ ተዋራዚና

ዓገብ ዘይብል ንጐይትኡ፡ ዓገብ ዓገብ ክረክብ ምስኡ

ዓጽምኻ ኣይተቕልል፡ ኣብ ትሕቲ ቖልቋል ኣይተጽልል

ዕምሩ ዝበጽሐ ማሕስእ፡ ኣብ’ንዳ ወኻርያ ይስዕስዕ

ዕምሩ ዝሓጸረ በጊዕ፡ ኣብ’ንዳ ተዅላ የውግዕ

ዕርቂ ደም መድረቒ፡ ባእሲ ደም መተርከሲ

ዕብራን ከብቲ፡ ህጥራን ነኽልብቲ

ዕንጸይቲ እንተወደቐ ናብ ጉንዱ፡ ሰብ እንተሸገሮ ናብ ዘመዱ

ዕንዳይ ናብ’ንኡ፡ ማይ ናብ ሩባኡ

ዕዉር እንታይ’ደሊ ብርሃን፡ ነጋዳይ እንታይ ይደሊ ደሓን

ዕዉር ንዕዉር ምስ ዝኽተል፡ ተተሓሒዞም ንገደል

ዓለም ዘይጸገበ መናኒ ኣዋልድ ይሳናበት

ዑፍ ብዓቕማ ብብርዒ ስገም ትሕጐም

ዒራ ዘይኢድካ፡ እንዳ ተመነ ዕንቅርቢት ምለሶ

ዒራ ዘይኣፍካ፡ ሑጻ ቆሓመሉ፡ ዒራ ዘይኩርምትኻ ጸጸር ቆርጥመሉ

ዓሻ እንተዘይሓፈረ፡ ዘመድ ዓሻ ይሓፍር

ዓሻ ንሱ ዝብሎ’ምበር፡ ንሳቶም ዝብልዎ ኣይፈልጥን

ዓሻ ሰራቒ፡ ኣብ እግሪ ቆፎ ይርከብ

ዓው ኢልካ ዘይትበኽየሉ ሞት ሕጹይ

ዕምባባ ጽጌረዳ፡ እሾኽ ከይተወጋእካ ኣይትርከብን

ዕረ ዘይጠዓመ፡ መቐረት መዓር ኣይፈልጥን

ዕንጸይቲ እንተዘይከሊእካዮ ሓዊ ኣይጠፍእን

ዕዉር ከቕበጥብጥ፡ ምርኩሱ ደርብዩ ኣብ ምድላይ ይኣቱ

ከመ’ሎኻ ‘ይትበሎ ኣብ ገጹ ኣስተብህሎ

ከም ቀደም ይመስለክን፡ ውሕጅ ይወስደክን

ከም ዝፈትወኒ ይስዕመኒ፡ ከም ዝጸልኣኒ ይወቕዓኒ

ከይመኸርካ ዝግበር፡ ከየብኳዕካ ዝጋገር፡ እቲ ይገፍሕ፡ እቲ ይነፍሕ

ከይጸውዑኻ መጻእካ፡ ከይጸገብካ ወጻእካ፡ ክልተ ሳዕ ከፋእካ

ከይጸውዕዎ ዝመጸ፡ ከይጸገበ ወጸ

ከይሓረዱ ሓዊ’ንደዱ፡ ከይጸመዱ ኣንጐዱ

ከይተሓርደ ኣይርከብ ስብሑ፡ ከይመርመርካ ኣይፍለጥ ጉርሑ

ከይኮነ ወግን፡ ከይተሰብረ ጸግን

ከይወዓሉ ይወዓዓሉ፡ ከይተኣማመኑ ይማሓሓሉ

ከይደ እንተበልኩኻ ኣበይ ከይደ፡ ኣብ ጎቦኻ’ለኹ ሓዊ’ንዲደ

ከይጠዓምኩ ካብ ሙዙ፡ ረኸብኩዎ መዘዙ

ከይተቐብኡ ኣይነግሱ፡ ከይመንኮሱ ኣይጵጵሱ

ከይቀተልካ ጐፈሬ፡ ከየረጋገጽካ ወሬ

ከይጸገቡ ኣይዘሉ፡ ከይዘለሉ ኣይስንክሉ

ከይፈልሐ ኣይግንፍልን፡ ከይበጽሐ ኣይበስልን

ከይጸውዕዎ ኣማኻሪ፡ ከይሾምዎ ፊተውራሪ

ከይጸውዑኻ ኣቤት በል፡ ክጽውዑኻ ትም በል፡ እቲ ምንታይ ነገረ ክዛናበል

ኩቱ እንታይ ይደሊ ዘይናቱ

ክሓርሰኒ ሓናጢጡኒ፡ ክዘርኣኒ ኣናጢሩኒ፡ ዓገቡ ንዓይ ሂቡኒ

ክስርሓ ኢለን ዝወጻ፡ ተነጽየን መጻ

ክመኽርዎ ልቢ ዘይገብር፡ ከብልዕዎ ዝዓብር፡ ነቲ ምኽሪ ክላእ፡ ነቲ እንጀራ ክላእ

ካብ ሽሕ መደረ፡ ሓንቲ ወረ

ካብ ንበይንኻ ገዓት፡ ምስ ሰብካ መዓት

ክሰምዕ ዘጽቀጠ፡ ዓቢ እምኒ ዝተጸቕጠ

ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎ፡ ክህበኒ ነይኣመንኩዎ

ክነጽፍ ዝበለ ማይ ይጨኑ፡ ክበርስ ዝደለ ዓዲ ይዓኑ

ክድቅሱ ነገር የኾምስዑ፡ ክትንስኡ ነገር ይርስዑ

ካብ ሃገሩ ዝወጸ ክሳብ ዝምለስ እንተጸዓንዎ ኣድጊ፡ እንተለጐምዎ ፈረስ

ካብ ምስ እትጸልኦ መኣዲ፡ ምስ እትፈትዎ መገዲ

ካብ ምስ ዓሻ ዘረባ፡ ምስ ለባም ዓጸባ

 

ካብ 'ናይ ኣቦታት ጥንታዊ ምሳሌ' ብሊቀመዘምራን ሞገስ ዑቕባገርጊስ ብ1958'

ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ዝተዋጽአ ምሳሌታት;

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 28 guests online