|
ዝገርም‘ዩ!
<ወድ ሰብ ኣብ ሁዋ (ስፐይስ) ከምኡ’ውን ትሕቲ ማያት ክነብር ከምዝኽእል ኣብ ዘመስክረሉ
ዘሎ ግዜ፡ ኣብ መንጉኡ ዘሎ ቦታታት (ከምኒ መሬት ኤርትራ) ግን ንኽትነብረሉ ብጣዕሚ ኣሸጋሪ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ…….ክንቅይሮ ኣለና!>
ሓውለይቶ 18/2009
……………………………..
ኣምላኽ ይከኣሎ እዩ
ይከኣሎ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ተሰዊኡ፡ ኣምላኽ ድማ ጻምኡ ፈሊጡሉ እዩ። እንተኾነ ግን ኣይቀሰነን። ሓደ ግዜ ድማ ናብ ኣምላኽ ቀሪቡ በዚ ዘሎ ኩነታት ሃገርና ድማ የዕልሎ።
ኣምላኽ፡ <እንታይ እዩ ጸገምካ?> ክብል ይሓቶ
<ፍቑር ኣምላኽ! ኣነ ብህዝበይ ኣይቀሰንኩን። እቲ መራሒ ከምቲ ቅዱስ ተግባራት ስለ ዘይገብር ካብቲ ባህልና እናረሓቐ ይኸይድ ኣሎ። ህዝቢ ብጣዕሚ ይሳቐ ኣሎ። እንታይ ክገብር ኣለኒ?> ኢሉ ምኽሪ ይሓቶ።
<ፍቑር ወደይ! ግዜ ነዊሑ እምበር ንዓይ’ውን ከምዚ ናትካ ገጢሙኒ ነይሩ። እንታይ ገይረ? ሓድሽ ኪዳን ፈጢረ!!> ይብሎ።
ንህዝቢ ብኢሰብኣዊ ኣገባብ ዘጋፍዕ መንግስቲ ክንቆጻጸሮን ክንቅይሮን ግዚኡ ኣኺሉ እዩ።
ሓውለይቶ 19/2009
>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>
ኩሉ ባዕሉ
ሓደ ናይ ኢሳያስ ጀነራል ነቶም ሓደስቲ ወተሃደራቱ፡
<ንጸላኢ ብድፍረት ኣብ ዓይኑ ክትጥምቱዎ ኣለኩም…> ይብሎም። ዘረብኡ ከይወድአ፡ ንሓደ ካብቶም ናይ ኣገልግሎት ወተሃደራቱ፡
<ስማዕስከ ንስኻ! እንታይ ደኣ ብድፍረት ትጥምተኒ?> ክብል ይሓቶ።
ሓውለይቶ 20/2009
>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>
ከይበላዕካ ምሕራእ
ኣብ ሃገርና ኣብ ልዕሊቲ ሓፈሻዊ ጸገማት፡ ጠስምን ዝተዛመደ ናይ መከሻሸኒ ቅብእታትን ኣይነበረን። ሽዑ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ‚ከመይ ጌርካ ብዘይ ቅብኣት ከም እትኽሽን’ ዝብል ፍሉይ ትምህርቲ ክትቀስም ናብ ሓደ ናይ ደቀንስትዮ ማሕበር ትኸይድ። <ኣብዚ ድዩ እቲ ብዘይ ቅብኣት ከመይ ጌርካ ከምትኽሽን ትምህርቲ> ኢላ ድማ ትሓትት። <ኣብዚ ኣይኮነን። ሓደ ደርቢ ንላዕሊ ኪዲ። ኣብዝስ ከይበላዕካ ከመይ ጌርካ ትሓርእ? ዝብል ትምህርቲ እዩ ዘሎ> ይብላኣ።
ሓውለይቶ 21/2009
>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>
ዕላላት ኣባላት ሻዕብያ፡ <ሓደ ሰብ ጥራይ መዓኮሩ ኣብ ልዕሊ ቅንፍዝ ኮፍ ክብል ይኽእልዶ?> <እወ፡ እቲ ቅንፍዝ ተላጽዩ እንተኾይኑ። ወይ እቲ ሰብ ዘይመዓኮሩ እንተኾይኑ!!>
ሓውለይቶ 22/2009
>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>
ሓደጋ
ሓደ መዓልቲ ሓንቲ ኣውቶቡስ ናይ ሻዕብያ ኣባላት ሒዛ ብሓደ ቁሸት እናተጓዕዘት ሃንደበት ካብቲ መገዲ ወጺኣ ኣብ ሓደ ገረብ ትጓነጽ። ብማዕዶ እንታይ ከም ዝገጠመ ዝረኣየ ኣረጊት ሓረስታይ ብቐረባ ክርኢ ኢሉ ይመጽእ። ጉድጓድ ኩዒቱ ድማ ንኹሎም እቶም ገያሾ ይቐብሮም። ድሕሪ ገለ መዓልታት፡ እቲ ናይቲ ከባቢ ሓላፊ ፖሊስ ይመጽእ’ሞ ነታ ዝተጓነጸት ኣውቶቡስ ይርእያ። ነቲ ኣረጊት ሓረስታይ ሽዑ፡ <ኩሎም እቶም ገያሾ ድዮም መይቶም?> ኢሉ ይሓቶ። እቲ ዘይግድሶ ሓረስታይ ከኣ፡ <ዋእ፡ ገለ ካብኣቶምስ‘ባ ኣይሞትናን ኢሎምኒ፡ ግን ሻዕብያ ደኣ እንታይሞ ዘይብሉ..!> ይብሎ።
ሓውለይቶ 23/2009
>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>
ሓቂዶ ሓሶት?
እንታይ እዩ ስነ-ፍልጠት? (ሳይንስ) ፍርቂ ለይቲ ኣብ ሓደ ዝጸልመተ ክፍሊ ዘላ ጸላም ድሙ ምንዳይ እዩ። ፍልስፍናኸ? (ፊሎዞፊ) ኣብ ሓደ ጸላም ክፍሊ ፍርቂ ለይቲ፡ ንዘየላ ጸላም ድሙ ምንዳይ እዩ። ናይ ሻዕብያ ምውርዛይከ? (ድያለክቲክ) ንሱ ከኣ ኣብ ሓደ ጸላም ክፍሊ ፍርቂ ለይቲ፡ ንዘየላ ጸላም ድሙ ምንዳይ ጥራይ ዘይኮነ ዘይረኸብካያ ‚ረኺበያ! ረኺበያ!’ ኢልካ ሓሲኻ ምውዕዋዕ!!!
ሓውለይቶ 24/2009
>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>
ዋርሳይን ናይ እንስሳ ሓኪምን
ሓደ ናይ ዋርሳይ ወተሃደር ንሓደ ሓኪም ሕማቕ ይስምዖ ከም ዝነበረ ይገልጸሉ። <ይርዳኣኒ እዩ! ግን ኣድራሻ ተጋጊኻ ኣለኻ ይመስለኒ። ኣነኮ ናይ እንስሳታት ሓኪም እየ> ይብሎ። ዋርሳይ፡ <እሞኸ? ናተይ ሓላፍነትኮ ኣለካ። ኣነ ከም ከልቢ ይነብር፡ ከም ፈረስ ይጋልብ፡ ሓሰር የብልዑኒ። ከም ኣድጊ የገልግል….> ክብል ዋርሳይ የማርር።
ሓውለይቶ 25/2009
>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>
ኢሳያስ ከሎ ሰላም የለን
ሓንቲ ናይ ቤት ጽሕፈት ኮስታሪት ናብ ቤት ጽሕፈት ኢሳያስ ትምደብ። ንግሆ ስራሕ ክትጅምር ከላ ሽዑ ንኢሳያስ <ሰላም!> ትብሎ። ንሱ ግን ዋላ ቆላሕታውን ኣይገበረላን። ስራሓ ምስ ወድኤት ድማ ንሓንቲ መሳርሕታ እቲ ዝገጠማ ትነግራ። <ተጋጊኺ! ድሕሪ ሕጂ ሰላም ክትብልዮ ከለኺ ሰጥ ኢልኪ ነቲ መኾስተርኪ ኣብ መንኩብኪ ጌርኪ <ዓወት ንሓፋሽ!> ትብልዮ> ኢላ ትመኽራ። ንጽባሒቱ፡ ከምቲ ዝበለታ ገበረት፡ እታ ምኽሪ ከኣ ጽቡቕ ሰሪሓትላ። ኢሳያስ በቲ ሰላምታኣ ተሓጒሱ ፍሽኽ እናበለ ኢዱ ሰዲዱ ሰላም ይብላ’ሞ <ኣነ ክሳብ ዘለኹ ናይ ሰላም መዓልቲ የለን፡ ተረዲኡኪዶ ሕጂ?> ክብል ይገንሓ።
ሓውለይቶ 26/2009
>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>
ጉድ’ዩ!!
ኢሳያስ ሓደ ግዜ ንሊብያ ንዕረፍቲ ይኸይድ። ኣብቲ ገምገም ባሕሪ ተሰጢሑ ክዘናጋዕ ከሎ ድማ ሓንቲ ዕንቅርቢት መጺኣ መልሓሱ ትነኽሶ። ሓንሳብ ከይጸንሐት እታ ዕንቅርቢት ተመሪዛ ትመውት።
ሓውለይቶ 27/2009
>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>
ኩላትና ንጸልኦ፡ ግን..
ኢሳያስ ሓደ ምሸት ከይተፈልጠ ብጸላም ኣብ ሲነማ ኦደዮን ይኣቱ። ሽዑ ኣብቲ ፊልም ዝረኣየሉ ጻዕዳ ሰሌዳ ሓደ ስእሊ ናቱ ይረአ። ኩሉ ሰብ ድማ ተሲኡ ክልተ ደቒቕ ዝኣክል የጣቕዕ። ጥራይ ኢሳያስ ኮፍ ኢሉ ተረፈ። እቲ ጥቕኡ ዝነበረ ሰብ ጸላም ስለ ዝነበረ ብዘይ ምልላዩ ንኢሳያስ <ኣታ! ተስእባ!> ክብል ሕሹኽ ይብሎ። ኢሳያስ <ስለምንታይ?> ኢሉ ይሓቶ። <ስማዕ> ይብሎ እቲ ሰብ <ተረዲአካ‘ለኹ። ኩላትና ከማኻ ኢና እንሓስብ። ሕጂ ግን ኣታ ሓወይ፡ ክፉእ ከይተርአይና እንተኣጣቓዕካ ዝሓሸ እዩ> ኢሉ ይመኽሮ።
ሓውለይቶ 28/2009
>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>
ሓደ ናይ ሻዕብያ ካድር ነቶም ህዝቢ፡ <ዕላማና ኣብ ዝለዓለ ጫፉ ምስ በጽሐ ናይ ጸጥታ ፖሊስ ኣይክህልዉን’ዮም> <ርግጸኛ ዲኻ? ስለምንታይከ?> <እወ!! ክሳብ ሽዑ ኩላትና ከመይ ጌርና ንርእስና ከምንኣስራ ክንመሃር ስለ ዝኾንና!!>
ሓውለይቶ 29/2009
>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>>
ጠስሚ
ኣብ 2005 ሓደ ቆልዓ ቃላት ትግርኛ ከጽንዕ ከሎ ትርጉም ናይ ‘ጠስሚ፡ እትብል ቃል ጠፊኣቶ ነዲኡ ይሓታ። ኣዲኡውን ክትፈልጣ ስለ ዘይከኣለት ንዓባዩ ይሓታ። ዓባዩ ተዘክሮኣ ስሑው ነይሩ። እቲ ኣቡኡ ምስ ተሓተተ ሽዑ፡ ኣብቲ ናይ ሻዕብያ ሓድሽ መዝገበ ቃላት ይርእየሉ። ‘ጠስሚ = ናይ ቀበጥበጥ ዘይቲ” ከኣ ይብል እቲ መግለጺ።
ሓውለይቶ 30/2009
|