Start ሓበሬታ ንበጻሕቲ ወብሳይትና
ሓበሬታ ንበጻሕቲ ወብሳይትና

ወብሳይትና ሳላ ተሳትፍነት ብዙሓት ግዱሳት ሰባት ብፍላይ ድማ ኣስማቶም ክጥቀስ ዘይፈቐዱልና ኣብ ተክኒካዊ ሸነኽ ዓብይ ኣዝዩ ዓቢይ ሓገዝ ዘበርከቱልና ኣሕዋት፡ መቓልሕ ኣብ'ዚ ዘለዎ ደረጃ ንምብጻሕ እነሀ በቒዑ ንርኢ ኣሎና። ብዝተለገሰልና ኣበርክቶ እናመስገንና ንቐጻሊ እውን እቲ ዘይሕለል ተሳታፍነትካትኩም/ክን ቀጻሊ ኪኸውን ሓደራ እናበልና እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ንህብ።

 እዚ ብፍልይ ዝበለ መልክዕ ቀሪቡ ዘሎ ናይ ሎሚ ወብሳይትና ምስቲ ዝነበረና እንክርአአ ኣዝዩ ዝሓሸ ንዓና'ውን ብዙሕ ናይ ስራሕ ምቕላል ዘምጽኣልና እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ገለ ገለ ኣጠቓቕማኡ ግን ንብዙሓት ኣንበብቲ ጸገማት ይፈጥር ከምዘሎ ሳላ ሓበሬታታት ግዱሳት ክንበጽሖ ኽኢልና ኣሎና።

ኣብ ወብሳይትና ዝወጽእ ጽሑፋት ንምንባብ ካብ ኢንተርነት ኤክስፕሎረር ቍጽሪ 7 ኣትሒዙ ንናህና ጥራሕ ዘኮነስ ንብዙሕ ዘይላቲን ዝኾነ ፊደላት ናይ ምንባብ ጸገማት ኣሎ። እዚ ግን ናይ ማይክሮሶፍት ናይ ሸቐጥ ስትራተጂ ዘምጽኦ ጸገማት እምበር ብወብሳይትና ዝፍጠር ኣይኰነን እሞ ሞዚላ ክትጥቀሙ ዝሓሸ ምኻኑ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ኣብ'ዚ ዝስዕብ ይጠውቑ/ቓ ኣገዳሲ ሶፍትወየርImportant Software 

ንዓና ንስራሕና ብዝሓሸን ብዝቐልጠፈን ንኸነሰላስልን፡ ንዓኻትኩም/ክን ብዝግባእ ንኸነስተናግደኩም/ክን ክንክእልን ምእንቲ እቲ እትልእክዎ/ኦ  ጽሑፋት ብዘይ ጸገም ከም ዝንበብ ንክኸውን ቅድም ቀዳድም ኣብ ክንዲ ብግዕዝ ታይፕ-ነት ብ ግዕዝ-ዩኒኮድ ዝተጻሕፈ ቀጺሉ ድማ ኣብ ማይክሮሶፍት ዎርድ ወይ ኣብ ተመሳሳሊ ዎርድ ፕሮሰሶር ዝሰፈረ ክኸውን እንከሎ ዝሓሸ ከም ዝኾነ ንገልጽ። ብዘይካ ፍሉይ ኣገዳሲ ሰነዳት እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ኩሉ ናብ ፐደኤፍ ከይተቐየረ እንተ ዝለኣኸልና ወይ ድማ ብኽልቲኡ መልክዕ እንተ ተሰዲዱልና ብከም'ቲ ዘዝጥዕም ኣገባብ ተጠቒምና ብቕልጡፍ ኣብ ገጻት መቓልሕ ኤርትራ ኦርግ ከነውጽኦ ስለ እንኽእል ዝሓሸ ከም ዝኾነ ክነብርህ ንፈቱ። 

ከካብ ዘለኻትክምዎ ሰፈራት ኰንካትኩም እትቕርብዎ ጽሑፋት፡ ኣብ ዘዝምልከቶ ዓምድታት ወብሳይትና ብቐጥታ ንምቕማጥ ይከኣል እዩ። ከም'ቲ ተዓዚብኩምዎ ክትኰኑ እትኽእሉ። እንተድኣ ተመዝጊብኩም ከከም'ቲ ዝወሃበኩም መሰላት ጽሑፋትኩም ኣብ መርበብ መቓልሕ  ብቐጥታ ከተንብርዎን ከምኡ'ውን ኣብ ዘዝምልከቶ ገጻት ከም ዝስዃዕ ክትገብሩን ንኽትክእሉ እንተወሓደ ስምኩም ንጹር ክዀነልና ዝሓሸ እዩ። ወይ ድማ ድሕሪ ምዝገባኹም ምስ ወብማስተር ብቐጥታ ብኢ-ማይል እንተትላዘቡ ጽቡቕ ምኾነ።

ኣብ መደምደምታ ድማ ከምቲ ኵሉሳዕ ርእይቶታትኩምን ነቐፈታታትኩምን ከይፍለየና ሓደራ ንብል።

እመሓደርቲ መቓልሕ ኤርትራ ኦርግ

 

 

እዋናዊ ዜና

ዝምድና ውጹዓት ሰራዊትን ሓለፍትን ላሕሊሑ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ከም ዝበጽሐ ተገሊጹ።

ህዝባዊ ቃልስና ዝተበታተነ ሓይሊ ደምበ ተቓውሞ ተወሃሂዱን ተቐራሪቡን ክቃለስን

 ኣብ ምግባር ብሩህ ተስፋ ከም ዘሎ ተሓቢሩ

ኣብ ልዕሊ ህዝብታትናን ሃገርናን ተኸሲቱ ዘሎ ወድዓዊ ጸገማት፡ ዕድመ ክናዋሕ ዝገብር ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ ናይ ለውጢ ሓይልታት ሕድሕድ ኣፍልጦን ምትእምማንን ዝሰረቱ፡ ፖለቲካዊ ውህደት ብምፍጣር  ህዝቢ ኣብ ጎኖም ከሰልፉ ብዘይምብቃዖም ከም ዝኾነ፡ ብምኽንያት 49 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ  ኤርትራ፡ ብህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ /ህደግኤ/ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ ኣመልኪቱ።

Read more...
 
ካብ ስዑዲያ ዝተባረሩ ኤርትራውያን ናብ ኢትዮጵያ ኣቲዮም፡

ካብ ስዑዲያ ዝተባረሩ ኤርትራውያን ኣብ ክልተ እብረ ናብ ኢትዮጵያ ኣቲዮም፡ 

ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ሂወቶም ንምድሓን፡ ርእሶም ክኽእሉን ቤተ-ሰቦም ክሕግዙን መታን ብባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ስዑዲያ ካብ ዝተሰደዱ መንእሰያት ኤርትራውያን፡ መንግስቲ ስዑዲያ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ስለዘይነበሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጕንዎም ናብ ኤርትራ ከባርሮም ካብ ዝኣሰሮም ኤርትራውያን፡ ኣብ ክልተ እብረ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብሰላም ኣቲዮም። 5 መንእሰያት ኣብ ቀዳማይ እብረ ብዕለት 25 ነሓሰ 2010 ከኣትዉ እንከለዉ፡ 7 ድማ ኣብ ካልኣይ እብረ ብዕለት 26 ነሓሰ 2010 ኣቲዮም። ብጠቕላላ 12 መንእሰያት ስደተኛታት ካብ ስዑዲያ ናብ ፈታዊት ሃገር ዝኾነት ኢትዮጵያ ብሰላም ኣቲዮም። ገሊኦም ዓመት ዝተኣሰሩ’ዮም።

Read more...
 
መብዛሕቲኦም ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ ዝርከቡ ሓረስቶት ብምኽንያት ኽብሪ መነባብሮ ዕዳጋ ከምዘይኸዱ ገሊጾም

መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ዝተፈላለየ ናይ ህዝቢ ትካላት

 ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ንምእታው ይሰርሕ ከም ዘሎ ተፈሊጡ

መንግስቲ ህግደፍ  ነተን ብልዑል ናይ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት ብፍላይ ከኣ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን  ዝምወላ ናይ ህዝቢ ቤት ትምህርታት ምሉእ ንምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጻሩ ንምእታው ክጽዕር ከም ዝጸንሐ፡ ሕጂ ድማ  ኣብ ካርቱም

Read more...
 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ህሉው ሓድነት ኤ.ደ.ኪ. ዘደልድልን ዝቆጻጸርን ክኸውን'ዩ ዶ ትብሉ/ላ
 

ኣብ መርበብ Online

We have 16 guests online

ኣድላዪ ቆጸራታት

ጻውዒት ንሰላማዊ ሰልፊ

ጻውዒት  ንሰላማዊ ሰልፊ

ዝኸበርክንን  ዝኸበርኩምን ኤርትራውያን ተቐማጦ ጀርመን፡

ኩልና ከምእንፍልጦ  መንእሰያትና ኣብ ጉዕዞ ስደቶም ብኣረሜናዊ ግፍዕን፡ ብጥይት ወተሃደራት ጐረባብቲ ሃገራት ይጠፍኡን ኣለዎ። ምእንቲዚ ኩልና መንእሰያት፡ ኣዴታት፡ ኣቦታትን፡  ብሓባር ኣብ ደገ ወጺና ኤርትራውያን ኣብ ዝኣተዉዎ ሃገር ብሰላም ናይ ምንባር መሰሎም ንኽሕሎ፡

Read more...
 
ህዝባዊ መጸዋዕታ ንተቀማጢ የቶቦርን ከባቢኣን

ህዝባዊ መጸዋዕታ ንተቀማጢ የቶቦርን ከባቢኣን


ንዕለት 4 መስከረም  2010  አብ  ከተማ የቶቦሪ  አቶ አማኒኢል ሳህለን  አቶ ካልድ ዓብዱን ብዛዕባት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ አብ  ኢትዮጵያ  ብምብጻሕ ናብ ዝተፈላለዩ  መዓከር ስደተኛታት  ኤሪትራውያን ዑደት ብምግባር  ዝተዓዘብዎን ብዛዕባ ሃገራዊ  ዋዕላ

Read more...
 
መጸዋዕታ ንኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ሽወደን ዝነብር

መጸዋዕታ ንኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ሽወደን ዝነብር

ከምዝፍለጥ ኣብ ሃገርና ኣትያቶ ካብ ዘላ ኩሉ መዳያዊ ወጥሪ ንምዉጻእን ዲክታቶርያዊ ኣገዛዝኣ ህግደፍ ብደሞክራሲያዊ ስርዓት ንምቕያሩን ኣብ ዝምልከት ሃገራዊ ጉዳይ ዝተጋብኤ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 9 ነሓሰ 2010 ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ ከምዝተቓንዐ ዝዝከር እዩ፡፡

Read more...
 
ዝወዓለ ይንገርካ ዝሰሓተ ይምከርካ!! ኣገዳሲ ህዝባዊ መጸዋዕታ ኣብ እስቱትጋርት

ዝወዓለ ይንገርካ ዝሰሓተ ይምከርካ!!

ኣገዳሲ ህዝባዊ መጸዋዕታ ኣብ እስቱትጋርት።

ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ዉጹዓት ተቓላስቲ ህዝቢ ኤርትራ!!!

ንዕለት 11/09/2010 ኣብ እስቱትጋርት ሰፊሕ ናይ ህዝቢ ኣኸባ ንኽግበር ሽማግለ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ብዓቢ ኣኽብሮት ትዕድም። ልና ብዝተፋላለየ መራኸቢታት ክንካታተሎን ክንቃለሰሉን ከም  ዝጸናሕና መጠን ድሕሪ ነዊሕን ሕልኽላኽን ዝመለኦ ናይ ውረድ ደይብ ሓጎጽጎጻት ብጽንዓትን መኸተን ተቓለስቲ

Read more...
 
ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኸባ

ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኸባ ኣብ በይ ኤርያ   ከተማ ኦክላንድ ካሊፎርንያ

ክቡራትን ክቡራንን ኤርትራውያን ኣብ በይ ኤርያ እትነብሩን እትነብራን መፍቀርቲ ህዝባዊ ሓርነትን ፍትሕን ማሕበረ-ሰብኣዊ ማዕርነትን ብመጀመርያ ዝለዓለን ዝሞቘን ሰላምታና ተቐበሉ። ቀጺልና ንኹሉኹም ብህዝብን ብሃገርን እትግደሱን እትግደሳን ኤርትራውያን ኣገዳሲ ህዝባዊ ኣኸባ ብጉዳይ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተኻየደ ዋዕላን

Read more...
 
ERITREAN YOUTH FOR CHANGE ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ

ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ኣኼባ ኩሉኩም ጉዱሳት ኤርትራውያን ብሓፈሻ ኣባላት ማሕበር ድማ ብፍላይ ንክትሳተፉ ብኽብሪ ትዕደሙ። ዛዕባታት ኣኼባ እዞም ዝስዕቡ እዮም You are cordially invited to attend Eritrean Youth for Change (EYC)[1] general body meeting.