ህዝባዊ ቃልስና ዝተበታተነ ሓይሊ ደምበ ተቓውሞ ተወሃሂዱን ተቐራሪቡን ክቃለስን
ኣብ ምግባር ብሩህ ተስፋ ከም ዘሎ ተሓቢሩ
ኣብ ልዕሊ ህዝብታትናን ሃገርናን ተኸሲቱ ዘሎ ወድዓዊ ጸገማት፡ ዕድመ ክናዋሕ ዝገብር ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት፡ ናይ ለውጢ ሓይልታት ሕድሕድ ኣፍልጦን ምትእምማንን ዝሰረቱ፡ ፖለቲካዊ ውህደት ብምፍጣር ህዝቢ ኣብ ጎኖም ከሰልፉ ብዘይምብቃዖም ከም ዝኾነ፡ ብምኽንያት 49 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ /ህደግኤ/ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ ኣመልኪቱ።
|
|
Read more... |
ካብ ስዑዲያ ዝተባረሩ ኤርትራውያን ኣብ ክልተ እብረ ናብ ኢትዮጵያ ኣቲዮም፡
ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ሂወቶም ንምድሓን፡ ርእሶም ክኽእሉን ቤተ-ሰቦም ክሕግዙን መታን ብባሕሪ ኣቋሪጾም ናብ ስዑዲያ ካብ ዝተሰደዱ መንእሰያት ኤርትራውያን፡ መንግስቲ ስዑዲያ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ስለዘይነበሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዳጕንዎም ናብ ኤርትራ ከባርሮም ካብ ዝኣሰሮም ኤርትራውያን፡ ኣብ ክልተ እብረ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብሰላም ኣቲዮም። 5 መንእሰያት ኣብ ቀዳማይ እብረ ብዕለት 25 ነሓሰ 2010 ከኣትዉ እንከለዉ፡ 7 ድማ ኣብ ካልኣይ እብረ ብዕለት 26 ነሓሰ 2010 ኣቲዮም። ብጠቕላላ 12 መንእሰያት ስደተኛታት ካብ ስዑዲያ ናብ ፈታዊት ሃገር ዝኾነት ኢትዮጵያ ብሰላም ኣቲዮም። ገሊኦም ዓመት ዝተኣሰሩ’ዮም።
|
|
Read more... |
መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ዝተፈላለየ ናይ ህዝቢ ትካላት
ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ንምእታው ይሰርሕ ከም ዘሎ ተፈሊጡ
መንግስቲ ህግደፍ ነተን ብልዑል ናይ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት ብፍላይ ከኣ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝምወላ ናይ ህዝቢ ቤት ትምህርታት ምሉእ ንምሉእ ኣብ ትሕቲ ቁጽጻሩ ንምእታው ክጽዕር ከም ዝጸንሐ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ካርቱም
|
|
Read more... |