Start ግጥምታት Poems ካብ መኻን መደብ፡ ፍርያት ኣይሕፈስን’ዩ
ካብ መኻን መደብ፡ ፍርያት ኣይሕፈስን’ዩ PDF Print E-mail
Written by ድ.ሰ.ደ.ኤ.   
Thursday, 06 June 2013 09:19

ዝኾነ ይኹን ናይ ልምዓት መደብ ክዕወት ናይ ልምዓት ራእን ስትራተጂን የድሊዮ። ካብ’ዚ

ወጻኢ ብሃቦ-ተረከቦ ልምዓት ስለዝተመነኻ ኣልሚዐ ክጥቀምዬ ብዝብል  ድሌትን ተረድኦን ዝፍተን ናይ ልምዓት ፈተነ፡ ከም’ቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ፍርያት ኣይርከብን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ቀጻልነት ዘለዎ ፍርያት’ውን ክሓፍስን ክሰራሕን ዝኽእል ኣይኮነን።  ናይ ልምዓት መንግስቲ ናይ ልምዓት ስትራተጂን ሓፋሽ ህዝቢ ናይ’ታ ሃገር  ኣብ ፍልጠትን ናይ ልምዓት ጠቕምን  ዝተመርኮሰ ምልዕዓል ከይተገብረን ዝካየድ ናይ ልምዓት ፈተነ፡  ናይ ህዝቢ ጠቕሚ ይኹን ናይ ህዝብን ሃገርን ዕቤት ከረጋግጽ ዝኽእል ኣይኮነን።  ኣብ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት ንህዝብታት ኤርትራ ሓዊስካ፡  ስልጣን ዝሓዙ መለኽቲ መንግስታት ብስም ሃገርን ህዝብን ከነልምዕ ኢና ዝብል ንልምዓት ዝሕግዝ ይኹን  ዘተግብር ባህርን ዕላማን ዘይብሎም ግን ከኣ፡  ብስም ልምዓት ንጠቕምን ህልውናን መንግስቶምን መሓውራቶምን  ኣብ ዝገልግል ጽላታት ብምትኳር ናይ ህዝቢ ጉልበትን ሃብትን ብምምዝማዝ  ዘርእይዎ ናይ ልምዓት ፈተነ ልሙድ ነገር’ዩ።

 

ውጽኢቱ ግን ብዘይካ’ቶም  ኣብ ስልጣን ዝርከቡ መለኽቲ ናብ’ቲ ውጹዕ ህዝቢ ዝበጽሕ ይኹን  ዝጠቅም ናይ ልምዓት ፍርያት  የለን።  ብኣንጻሩ እቶም ገዛእቲ ደርብታት ተጠቀምቲ  እቲ ሰፊሕ ህዝቢ ድማ ተዓዛቢ ይኸውን ጥራሕ ዘይኮነስ፡  ናብ ሕማቕ ድኽነትን ስእነትን እንዳተሳጠሐ ናብ ዓሚቕ ማሕበራዊ ቅልውላውን ምፍንቓልን ይሳጥሑ።  ህዝብታትን ሃገሮምን ድማ  ብኹሉ መለክዒታት ናይ ልምዓት ተሓሪሞም ካብ ዕቤትን ብልጽግናን ርሒቖም  ናይ ውድቀትን ምብትታንን ደመና እናንጸላለዎም ኣብ ትሑት ደረጃ መነባብሮን ጸገማትን  ይነብሩ።  ኣብ ህዝብታትናን ሃገርናን ተስፋሕፊሑን ዓሚቑን ዘሎ ስእነት ድኽነትን ማሕበራዊ ምዝንባልን  እምበኣር ብመሰረቱ ስእነት ደሞክራስያዊ ኩለ-መዳያዊ ሃውህውን  ደሞክራስያውን ሕገ-መንግስታውን መንግስትን ጉድለት ናይ ልምዓት ስትራተጂን’ዩ።

 

 ጉጅለ ህግደፍ ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ 22 ዓመታት ጨካን ኣዕናዊ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ንኤርትራን ህዝባን ብልምዓት ልዕሊ ናይ ከባቢና ህዝብታትን ሃገራትን  ክገብሮም’የ  ምስ’ተን ዝማዕበላ ናይ ርሑቕ ምብራቕ ሃገራት ማዕረ ከሰልፎም’የ  እናበለ ዝመጸ’ኳ እንተኾነ፡  ቅኑዕ ባህርን ንህዝቢ ዝጠቅም ዕላማን  ናይ ልምዓት ስትራተጂን ስለዘውይንን  ግን፡  ባህሩን ተግባሩን ከይተጠዓዓሙ ኣብ ባይታ ጥብ ትብል  ልምዓትን ዕቤትን ከየርኣየ፡ ብኣንጻሩ ሃብትን ጉልበትን ናይ ህዝብታትና ብሓይሊ ገቢቱ ብስም ወፍሪ ልምዓት ንመንግስቱን መንግስታዊ መሓውራቱን  ኣብ ዘርብሕ ናይ ቁጠባ ጽላታት እናነጠፈ ክርባሕ ጸኒሑን  ይርባሕ ኣሎን።  ናይ ህዝብታትና ልምዓትን ኣልሚዕካ ምጥቃምን ይኹን ዕቤት ሃገርና  ብዝምልከት ግን  ካብ ዝጸንሖ ከፊኡን ብኢሱን እንተዘይኮይኑ ዝተመሓየሸ ጠቕምን ዕቤትን የለን።  ኣብ ሃገርና ብኩ`ራት ናይ ልምዓት ዝፈጠሮ ወድዓዊ ጸገም ህያው እንዳሃለወ ጉጅለ ህግደፍ ዓመት መጸት ብፍላይ ኣብ ሓድሽ ዓመትን ኣጋጣሚ ጽንብል  ሃገራዊ በዓላትን  ናይ ልምዓት ፖሊሲ ቀሪጽና ኣለና  ንልምዓት ዝጠቕማ ማሽነሪታት ወኒና ኣለና  ልምዓት ዘካይድ ሓይሊ ሰብ ኣብቂዕና ኣለና  ዝብል መደረን መግለጽን  ካብ ምሃብ ዝተቖጠበ ኣይኮነን።  ግብራውነት ናይ  መግለጺኡን መደባቱን  ዝተራእየሉ ዓመትን  ዝተረኽበ ፍርያት ናይ ልምዓትን  ግን ኣይነበረን የለን’ውን

 

ይኹን ደኣምበር  ከም’ቲ “ ወዲ ድሙ ነይሓድግ  ግብረ እሙ”  ዝበሃል ህብዝታትናን ሃገርናን  ብናይ ልምዓት ጽምኣት እናተሳቐዩ፡ ኣብ ድኽነትን ስቓይን እናነበሩ እንከለው፡ ሎሚ’ውን ብናይ ከነልምዕ ኢና  መደብ ሒዝና ኣለና ..ወዘተ ዝብል መታለሊ  ጭርሖን መግለጽን  ምጽዋት ኣይሓደጎን። ሜላ እናለዋወጠ ከደናግር ይፍትን ኣሎ።  ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2012  ምስ ጸረ-ደሞክራሲ ዝኾነ ባህሪኡን ዕላምኡን  እናሃለወ “ ናይ ልምዓት ፖሊሲ ሓንጼጸ ኣለኹ ሰብ ውልቀ ሃብቲ ኣብ ዝመረጽኩሞ ቁጠባዊ ጽላት ገንዘብኩም ኣዋፊርኩም ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም “ ብዝብል ተደጋጋሚ  ሰሚናራት ብምውዳብ ዘካየዶ ጎስጓሳት ገና ዝቕጽሎ ዘሎን  ካብ ሰብ ርእሰ ማል ዝኾኑ ሰባት  ዝኾነ ይኹን ኣወንታዊ ግብረ-መልሲ  ዝሃበን ክሳብ ሕጂ ትርጉም ዘለዎ ናብ ልምዓት ዝተዋፈረን የለን። እዚ ኩነታት ብጭቡጥ ከም’ዚ ኢሉ እናሃለወ ብኹሉ መዳይ ብጭንቀት ዝተዋሕጠ ጉጅለ ህግደፍ ግን  ሎሚ ዓመት’ውን  ኣጋጣሚ ጽንብል መዓልቲ ነጻነት ብምግባር ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ካቢኒ ሚኒስተራት ጉዳይ ልምዓት ዓቕምናን ጉዳይ መሳርሒ ልምዓትናን  ተመክሮናን ተዋህሊሉ ስለዘሎ  ልምዓት ኣጠናኺርና  ክንቅጽሎ ኢና ነዚ ዘተግብር መደባት ስኢልና ኣለና  ክብል’ዩ ተሰሚዑ። 

 

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ  ልምዓት ኣመልኪቱ ዓመት መጸ ዘስመዖ መግለጺ ሓደ ነገር ኮይኑ ጉዳይ ልምዓት ኣብ ኤርትራ ስለምንታይ ኣይካየድን  ጻውዒትን ሰሚናራትን ዝተገብረሎም ሰብ-ውልቀ ሃብቲ  ኣብ ልምዓት ብኸምቲ ዝድለ  ናይ ግዜ ቀመርን ብዝሕን  ክሳተፉ ኣይከኣኣሉን  ቁጠባዊ ዕቤት ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ተመዝጊቡ ካብ ዝነበረ ደረጃ ዕቤት  ሰልምንታይ ትሑት ደረጃ ማለት  ትሕቲ ሰለስተ ኣመዝጊባ  ወዘተ ዝብሉ ነጥብታት ብቁም-ነገሮም ክንግንግም እንከለና ኣብ ኤርትራ ናይ ልምዓት መንግስትን  ስትራተጂን ብዘይምህላዎም  ዝረኣዩ ዘለው ጸገማት መግለጺ’ዮም። ጉጅለ ህግደፍ ዝዕረን ዝመሓየሽን ባህርን እምነትን ስለዘይብሉ ሕፍር-ሕንኽ ከይበለ ሓደ ዓይነት ሸሓጢ ኣጉል እምነት  ዘመሓላልፍ ናይ ምድንጋር   ቃል ምእታው 22 ዓመታት  ካብ ምቅላሕ ዘቋረጸ ኣይኮነን።  እዚ ስነ-ተግባር’ዚ ከዘውትሮ ዝግደድ ዘሎ ድማ፡  ናይ ባህሪ ነገር ኮይኑዎ’ዩ’ምበር  ካልእ ምኽንያት ኣየብሉን። 

 

ልምዓት ክህሉ ይኹን ቀጻልነት ክህልዎ  ዝግበር ‘ምበኣር  ስለዝተደልየን ዝተባህገን ዝተገልጸን ዘይኮነስ፡ ኣብ ሃገርና ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ቅዋም  መሰረት ዝገበረ ብህዝቢ ዝምረጽ ደሞክራስያዊ መንግስቲ  ክውደብ  ንሃገርን ህዝብን  ዝረብሕ ብኹሉ መዳዩ ዝተጸንዐ ናይ ልምዓት ስትራተጂ ክቕረጽን ህዝብታትና  ብምልኣት ክፈልጥዎን ናብ ልምዓት ክወፍሩን ዘኽእል  ሃገር-ለኸ ምንቅስቓስ  ምስ ዝህሉን ዝስረሓሉን  ጥራሕ’ዩ። እቲ ብህግደፍ ዝሕጨጨሉ ዘሎ ናይ ልምዓት መግለጺ ግን፡  ነዞም ዝግለጹ ዘለው ሓቀኛን ቀጻልነት ዘለዎን ልምዓት ክህሉ  መሰረትን ወሳንን  ረቛሒታት ዘየማለአ ስለዝኾነ እቲ መደብ መኻን መደብ’ዩ ።  ካብ መኻን መደብ ድማ  ዝኾነ ይኹን ልምዓት ክረጋገጽ  ፍርያት ክሕፈስ ኮነ ህዝብን ሃገርን ክጥቀሙን  ክዓብዩን  ማለት ዘበት’ዩ።

 

ህዝብታትናን ሃገርናን ብተግባር ዘሕልፍዎ ዘለው መሪር ሂወት ድማ፡  ነዚ ሓቂ’ዚ ዝምስክር’ዩ።  ስለዝኾነ እቲ ብህግደፍ ዓመት መጸ  ዝስማዕ ናይ ልምዓት መግለጽን  ምድንጋርን ቀጻልነት ዘይብሉ  መሬት ናይ ምዝላይ ሓመድን ማይን  ምዕቃብ ፈተነታት ንዝተማለአ ንህዝብን  ሃገርን ዝጠቅም ልምዓት ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነስ፡  ብስሙ ንህዝብን ሃገርን ቀይዱ ብምሓዝ  ናብ ድኽነትን ውርደትን ዝደፍእ ዘሎ  ካብ’ቲ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ዝመንጨወ  ናይ ምድንጋር መደብ ስለዝኾነ፡  ነዚ ብምጽራር ኣብ ክንድኡ ንሰላም፣ ንደሞክራሲ፣  ንልምዓት፣ ንፍትሒ፣ ዘገልግል ናይ ስርዓት መሰረታዊ  ለውጢ ንምርግጋጽ ቃልስና  ብምድልዳል  መሰረትን ቀጻልነትን ናይ ልምዓት ዝኸውን ኩለ-መዳያዊ ፖለቲካዊ ሃውህው ንምፍጣር ክንቃለስን ከነቃልስን ኣለና።

              ድ,ሰ,ደ,ኤ. 31-05-2013

 

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 87 guests online