Start ርእይቶታት Opinions Opinions ብፖለቲካዊ ውድባት ዝወጽእ መደባት፡ ንሎሚን ጽባሕን ኣብ ጸብጻብ ዘእተወ ክኸውን ይግባእ።
ብፖለቲካዊ ውድባት ዝወጽእ መደባት፡ ንሎሚን ጽባሕን ኣብ ጸብጻብ ዘእተወ ክኸውን ይግባእ። PDF Print E-mail
Written by ድ.ሰ.ደ.ኤ.   
Sunday, 26 May 2013 10:48

ኣብ ህዝባዊ ቃልሲ ካብ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ዝግበር ትጽቢት ልዑል’ዩ።  እቲ ፖለቲካዊ ውድብ ብመሰረት

ዝተወደበሉ ዕላማ፡ ንህዝቢ ከምጽእ ወይ ከተግብር’የ ኢሉ ዝኣተዎ ቃል፡ ብህዝቢ ዝወሃቦ ክብደት፡ ብተናጸል ካብ ዝረአ ብልሕን ተወፋይነት ዝለዓለን ዝተፈልየን ምዃኑ ኣየካትዕን።  ምኽንያቱ ፖለቲካዊ ውድብ ከም ውድብ ክምስረት እንከሎ፡ ካብ’ቲ ኣብ ህዝቢ ናይ’ታ ሃገር ዝፍጸም ግፍዕታት፡ ህዝቢ ዝደሊዮ ትጽቢታት መሰረት ገይሩ’ዩ ዝብገስ።  ፖለቲካዊ ውድብ ናተይ ዝብሎ ፍሉይ ፕሮግራም ኣለዎ። ኣመራርሓ ኣለዎ። ውሽጣዊ ሕግታት ኣለዎ። ተቖጻጻሪ ኣካል ኣለዎ። ኮታ ንውድብ ውድብ ዝበሎ ኣሰራርሓን ሚዛንን ዘለዎ ማለት’ዩ።

 

 ኣብ ተመክሮ ከም ዝተራእየ ግን፡ ኩሉ ፖለቲካዊ ፕሮግራም ዝጨበጠ፡ ውድባዊ ቅርጻ ዘለዎ፡ ህዝባዊት ተልእኮን ወገናውነትን ኣለዎ ማለት ኣይኮነን። ጽፉፍን ግሉጽን ባህሊ ስራሕ ኣለዎ ማለት’ውን ኣይኮነን። ኩሎም ክሰርሖም ዝደሊዮም መደባት ምስ ወድዓዊ ኩነታትን ባዕላዊ ዓቕሚታትን እንዳዛመደ ብግዜ ከፋፊሉ ንምዕዋቱ ብተወፋይነት ይረባረብ’ዩ ኣየስምዕን። ምኽንያቱ’ሲ ፖለቲካዊ ውድብ ዝብል ስምን ክብርን ዝተላበሱ ግን ድማ፡ ተቀሳቓሲ ወይ ማዕባሊ ፖለቲካዊ ሂወት ዘይብሎም፡ ብመደብ ዘይሰርሑን ዘየስርሑን ህልዋት ስለዝኾኑ።  ውድባዊ ቅርጺ ሒዞም፡ ነብሶም ምስ ህዝቢ ኣላሊዮም ክንሶም፡ ንኩነታት ኣብ ምግምጋም፡ ንተረኽቦታት ብመንጽር ስትራተጂን ስልትን ወይ ብሓጺርን ነዊሕን ንህዝቢ ዝህቦ ረብሓን ኣብ ምግጣም ዝወስድዎ ስጉምታትን መርገጻትን፡ ብግዝያዊ ስምዒታዊ ረስኒ ዝጽለወሉ ኣጋጣሚታት ውሑድ ኣይኮነን።

 

ኣብ’ዚ ድማ’ዩ፡ ደው ኢልካ ምሕሳብን ሚዛን ምስትኽኻል ዘድሊዮን ነጥቢ፡ ፖለቲካዊ ውድባት ብወሳኒ መልክዑ ካብ ኣባላትን ተደናገጽትን ብዝገበር ገንዘባውን ዓይነታውን ወጻኢታት’የን ዝንቀሳቐሳ። ኣባላትን ተደናገጽትን ገንዘብ ከዋጽኡን ወፈያታት ክገብሩ እንከለው፡ ዓይነታዊ ህያባት ክልግሱ እንከለው፡ ጉልበቶምን ፍልጠቶምን ብነጻ ክውፍዩ እንከለው፡ ካብ ኣመራርሓን ወይ ጠርነፍትና፡ ካብ ስምዒታውነት ዝደሓነ፡ ብደሞክራስያዊ ኣረእእያታት ዝተገርሐ፡ ሕቶ ህዝቢ ዝምልስ፡ ፖለቲካዊ ሕንጻጻትን መደባት ክንረክብ ኢና  ዝብል ዕግበት ስለ ዝገበሩ’ዮም።  ብሓጺርን ግሉጽን ንምቕማጥ፡  ብፍላይ ካድራትን ኣመራርሓን ውድብ፡ ብቐጻሊ ብንባብን ዘተን ዝበሰለ መደባት ሓንጺጾም፡ ክመርሑና’ዮም ከዐውቱና’ዮም፡ ስለዚ ኣባል ናይ ኣባልነት ግቡኡ ብዘይተጎላባነት የማልእ፡ ኣመራርሓ ድማ መሪሓዊ ተራ ይጻወት ካብ ዝብል  ሕሳባት ስለዝብገሱ’ዮም።

 

ስለዚ ፖለቲካዊ ውድባት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ መሪሕነታዊ ኣካላት፡ ነቲ ዝመርሕዎ ዘለው ፖለቲካዊ ውድብ ብምልኣት ፖለቲካዊ ውድብ ዘብሎ መደባት ሰሪዖም  ከቃልስዎ ይግባእ።  ፖለቲካዊ ውድብ ብዙሓት ሰባት ብእምነት ዝተራኸብሉን ዝተወደብሉን  ብስነ ሓሳባዊ መርሖን ክለሰ-ሓባዊ ተንተንን እንዳተመርሐ ዝሰርሕ፡ ካብ ጉድለታቱ እንዳተማህረ ደረጃ ብደረጃ ናብ’ቲ ዝተበገሰሉ ሸቶ ንምብጻሕ ዝስጉም ደኣምበር፡  ኣብ ሚዛን ዘይብሉ ባይታ ወሪዱ ኣካል ይበሃል ኣሎ በለካ ለኽዐካ ኮይኑ፡  ብዘይተወደበ ድሌታት ዝደፍኦ ስምዒት ህዝቢ  ዝግዛእ ማለት ኣይኮነን።  መሰረታዊ ሕቶ ህዝብን እቲ ወጽዓ ዝፈጠሮ ምረት ዘርእዮ ረስኒ፡ ብግቡእ መዚኑን ከውዐውቱ ይኽእሉ’ዮም ዝበሎም ጥበባት ቃልሲ፡  ኣቐዲሙ ምስ ዝተለሞ ስትራተጂን ስልትን ኣጠዓዒሙ፡ ስምዒት ህዝቢ ገንፊሉ ካብ መንገዲ ዓወት ከይወጽእ፡ ከምኡ’ውን ህዝቢ ተስፋ ቆሪጹ ኒያቱ ከይዝሕል ሚዛን እንዳሓለወ ዝመርሕ  ቀላሲ ‘ምበር ደድሕሪ ስምዒት ህዝቢ ዝኸይድ ክኸውን የብሉን። ዘይተወደበ ህዝቢ ብኩለንተንኡ ነቲ ቃልሲ ይድግፍን የተባብዕን ደኣምበር ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ክህብ ኣይክእልን። ከክንዲ ባህሪኡ፡ ፖለቲካዊ ብቕዓቱን ተወፋይነቱን ዝዓደሎ ኣመራርሓ ክህብ ዘለዎ እቲ ዝተወደበን ኣብ መሪሕነታዊ ጽፍሒ ዝርካብን ፖለቲካዊ ኣካል’ዩ።

ኣብ’ዚ ሕጂ  ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ፡ ብርክት ዝበላ ፖለቲካዊ ውድባት ኣንጻር መላኺ ህግደፋዊ ጭፍራ ይዋሳእ  ኣለዋየን። እንተኾነ ግን፡  ንህዝቢ ብመደብ ኣብ ምምራሕ  ምልኣት ዘለዎ ብቕዓት ዘረጋገጻ ኣይኮናን።  ህዝቢ ይብል ኣሎ እንዳበላ ብዘይዐውት መንገዲ ዘብዘብ ዝብላ፡ ህግደፍ ኮነ ኢሉ ብዝፍንዎ ዝተዛበዐ ሓበሬታታት ግዳይ ዝኾናን ውሑዳት ኣይኮናን። ካብ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ፖለቲካዊ መሪሕነትን ህዝቢ ዝጸበዮ ግን፡ ደድሕሪ ህዝቢ ምኻድ ዘይኮነስ፡ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ዕላማ ጨቢጡ፡ ንሕጂን ንጽባሕን ዘገልግል ንጹር መደባት ስኢሉን ብመደባቱ ተገዚኡን ብብቕዓትን ንቕሓትን ተቓሊሱ ዘቃልስ መሪሕ ሓይሊ ኮይኑ ምርካብ’ዩ።  ስለዚ ብፖለቲካዊ ውድባት ዝወጽእ መደባት፡ ንሎሚን ጽባሕን ኣብ ጸብጻብ ዘእተወ ክኸውን ይግባእን ኣለዎን።

 

ድ,ሰ,ደ,ኤ, 10-05-2013

 

 

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 241 guests online