|
ናይ ዝኾነ ሕብረተ-ሰብ ህልውናን ቀጻልነትን ዝፍጠር ብተፈጥሮኣውን ወድዓውን ክውንነትን መስርሕን’ዩ። ስለዚ ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብ
ክውንነትን መስርሕ ሂወቱን ብዝኾነ ናይ ውልቀ ሰባት ድሌትን ባህግን ክልወጥ፡ ይኹን ክውገድ ብፍጹም ዘይከኣል’ዩ።
ምኽንያቱ፡ ውልቀ ሰባት፣ ትካላት፣ ውድባት፣ ሰልፍታት ኣብ ትሕቲ ወድዓዊ ህልውና ናይ ሓደ ሕብረተ-ሰብን ወድዓውን ታሪኻውን ሕግታቱን ተሓቚፎም ዝነብሩን ብግድነታዊ ምኽንያት ብኡ ዝምእዘዙን ስለዝኾኑ። ስለዝኾነ ‘ዩ ድማ ንወድዓዊ ህልውናን ቀጻልነትን ናይ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ምፍላጥን ምምእዛዝን ንዕኡ ኣኽቢርካ ምንጣፍን ቅኑዕን ግድነትን’ዩ ዝበሃል።
ካብ’ዚ ወድዓውን ታሪኻውን ሓቂ’ዚ ወጻኢ፡ ብድሌትን ባህግን ተመሪሕካ ኣብ’ቲ ሕብረተ-ሰብ ዝረኣዩ ጸገማት ይኹን ወጽዓ ንምውጋድ ዝግበር ፈተነ፡ ፈተነ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ዝድለ ሸቶ ክሃርም ዝኽእል ኣይኮነን። ኣብ ብዙሓት ህዝባዊ ቃልስታት ዘጋጥሙ ግዝያዊ ስዕረታት፡ ብሰንኪ ንወድዓዊ ክውንነት ናይ’ቶም ህዝብታት ብግቡእ ዘይምንባብን ዘይምቕባልን ነቲ ውድዕነት ዝምእዘዝን ዘገልግልን ቅኑዕ ህዝባዊ ዕላማ ብመሓዝ፡ ቅኑዕ ስልትን ስትራተጂን ብምሕንጻጽ ምቅላስ ክብቃዕ ብዘይምኽኣሉ’ዩ። እቲ ዘይቅንዕናን ዘይብቕዓትን ናይ ቃልሲ ካብ ዝግለጸሎም መልከዓት ድማ፡ ኣብ’ቲ መልከዓት ናይ ውደባ ዝተሓዙ ዘይቅኑዓት እምነታትን ባዕላዊ ምርጫታት ናይ ቃልስን’ዩ ዝግለጽ።
ንኣብነት፡ ኣብ ጉዳይ ህዝባዊ ቃልስና ኣመልኪትና ምስ እንርኢ፡ ኣብ መልክዕ ናይ ውደባ ተደጋገምቲ ጌጋታት ክኽሰቱ ጸኒሖምን ገና ሕጂ’ውን ዝተወገዱ ኣይኮኑን። እዚ ከኣ ነቶም ሕብረተ-ሰብና ዝግለጸሎም ማሕበራዊ ክውንነት፡ ባህላውን ሃይማኖታውን ብዙሕነትን ብዕግበት ብምቕባል፡ እዞም ክብርታት እዚኣቶም፡ ኣብ ኩለ-መዳያዊ ሂወቱ ይኹን ቃልሱ፡ ከም መሳርሒ ኮይኖም ዘገልግሉ፡ ውድዕነታት ምዃኖም ብምእማን ኣብ ቃልሲ ከከም ተደላይነቶምን ጠቓምነቶምን ብማዕረ ተደላይነት ዝሪእዎን ዝጥቀምሉን ብኣንጻሩ ኣብ መልክዕ ውደባ፡ ነቲ ሓደ ከም ብሕታዊ ተጠቃሚ መልክዕ ውደባ ናይ ቃልሲ ምውሳድ፡ ነቲ ካልእ መግለጺ /ክብሪ/ ናይ ህዝብታትና ድማ፡ ከም ዘይጠቅምን ዘየገልግልን እኳ ደኣ ጎዳእን በታንን ጌርካ ብምርኣይ ምንጻግን ብኡ መጠን፡ ኣብ’ቲ በዓል ቤት ናይ’ቶም ክብርታት ዝኾኑ ህዝብታትና ዘይተደላዪ መልእኽቲ ምሕላፍን መንፈሳት ምፍጣርን ክንጸባረቕ ጸኒሑን ይቕጽል ኣሎን’ዩ።
ንኣብነት ብሕብረ- ብሄራዊ መልክዕ ምውዳብ፡ ከም ብሕታዊ ቅኑዕ ውደባን መተካእታ ዘይብሉን ገይርካ ምርኣይ፡ ብብሄራዊ መልክዕ ምውዳብ ከም ትሕቲ ሃገርነትን ጉዳኢ መልክዕ ውደባን ኣምሲልካ ምግላጽ፡ ንሃይማኖታዊ መልክዕ ውደባ ድማ፡ ዝኸፍአ መልክዕ ውደባን ናይ ሓደ ሃይማኖታዊ እምነት ጥራሕ ዘውሕስ መንግስቲ ከረጋገጽ ከም ዝተበገሰን ገይርካ ምግላጽን ከም ድሑርን ሓደገኛን ተገይሩ ክፍለጥ ምጽዓር ህያው’ዩ።
በቲ ካልእ ገጽ ድማ ብብሄራዊ መልክዕ ምውዳብ እቲ ብሕታዊ ኣዐዋቲ መልክዕ ውደባ ምዃኑ፡ ሕብረ-ብሄራዊ መልክዕ ውደባ ግን እዋኑ ዝሓለፎን ተፈቲኑ ዘይተዓወተን ጌርካ ምግላጽ፡ ሃይማኖታዊ መልክዕ ውደባ ድማ ብተመሳሳሊ፡ ከም ዘይቅኑዕን ዘየዕወትን ብኣንጻሩ ናብ ሓደጋ ዘሳጥሕ ምዃኑ ብምስባኽ፡ ንሕብረ ብሄራውን ሃይማኖታውን ውዳቤታት ዝቃወምን ዘነኣእስን ኣማኒ ብሄራዊ መልክዕ ውደባ’ውን ኔይሩን ገና መሊኡ ብንቕሓት ተለዊጡ’ዩ ክበሃል ዘይከኣልን’ዩ።
እቲ ሳልሳይ መልክዕ እምነት ድማ፡ ሃይማኖታዊ መልክዕ ውደባ ከም ብሕታውን መማረጺ ዘይብሉን መልክዕ ናይ ውደባን ኣዐዋትን ገይሩ ብምርኣይ፡ ነቶም ካልኦት መልከዓት ናይ ውደባ፡ ማለት፡ ብሄራውን ሕብረ-ብሄራውን ከም ዘየሳለጥቲ ቃልስን ዘየዐወትን ገይሩ ዝገልጽ እምነት ዋላ’ኳ ኣብ መስርሕ ቃልሲ እናተመሓየሸ እንተመጸ ግን ጸኒሑ’ዩ። እዞም ብሰለስተ መልከዓት ውደባ ተጠቒሞም ክቃለሱ ዝጸንሑን ዘለውን ኣካላት፡ ሓደ ናይ ሓባር ባዕላዊ ጉድለታቶም፡ ማሕበራዊ ክውንነትን እምነታት ናይ ሕብረተ-ሰብናን ኩሎም መግለጽን መገልገልትን ናይ ሕብረተ-ሰብናን ክብርታት፡ ምዃኖም ብቑም-ነገሩ ክርድኡን ከኽብሩን ብኡ መጠን፡ ንቃልሲ ክጥቀምሎምን ዘይምብቃዖም’ዮም።
ብተወሳኺ፡ ብሕብረ-ብሄራዊ፡ ብሄራውን ሃይማኖታውን መልክዕ ውደባታት፡ መሳርሒ/መሳለጢ/ ናይ ቃልሲ ‘ምበር፡ ንገዛእ ርእሶም ዕላማ ከምዘይኮኑ፡ ግቡእ ኣፍልጦ ሒዞም፡ ንቃልሲ ዝግልገልሎም፡ ብኣንጻሩ ምስ ዕላማ ደዋዊሶም፡ ስለዝሪእዎምን ክጥቀምሎም ስለዝፍትኑን ‘ውን ተወሳኺ ሓባራዊ ጌጋታት’ዩ። እዚ ጌጋታት’ዚ ዝፍጸም ዘሎ ድማ፡ ቀዳምነት ናይ ውልቀን ጉጅለን ፖለቲካዊ ጠቕሚ ከረጋገጹልና ይኽእሉ’ዮም ዝብል ባዕላዊ ናይ ስልጣን ባህጊ ብምህላው’ዩ። እዚ ባዕላዊ ድሌት’ዚ ካብ ወድዓዊ ክውንነት ናይ ሕብረተ-ሰብናን መግለጺኦም ዝኾኑ ክብርታትን ስለዘይብገስ፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ እናተጸገመን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝለዋወጥ መርገጽ ምሓዝን ክንጸባረቑ ጸኒሖምን ሕጂ’ውን ገና ኣይተረፉን ኣለው።
ንኣብነት፡ እቶም ብሄራዊ መልክዕ ውደባን ሃይማኖታዊ መልክዕ ውደባን’ዮም ዘዐውቱ ዝብሉ ዝነበሩ፡ ኣብ መስርሕ ናይ መርገጽ ምቅይያር ከም ዘርኣዩ፡ እቶም ብሕብረ-ብሄራዊ መልክዕ ውደባ ጥራሕ’ዩ ዘዐውት ክብሉ ካብ ዝጸንሑ ገለ ሕብረ-ብሄራዊ ውድባትን ገለ ድማ ካብ ብሄራዊ ውድባትን ዝሓወሰ ሓድሽ መርገጽ ድማ፡ ሃይማኖታዊ መልክዕ ውደባ ዘይቅበልን፡ ከም ናይ መጻኢ ሓደጋ ገይሩ ዝርኢ መርገጻዊ ተረድኦ ብመሓዝ፡ ኣብ ምንጥጣፍ ይርከቡ ኣለው። ናይ’ዞም ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝተወደቡ ኣካላት መርገጺ፡ ካብ’ቲ ቅድም ክብል ዝተጠቐሰ ንወድዓዊ ክውንነት ናይ ህዝብታትናን ክብርታቶምን ዘይተቐበለ ብግጉይ ባዕላውን ተሃዋሲ መንፈሱ ክግልገሉሉ ይደልዩ ብምህላው ድማ፡ ዘይቅኑዕን ተቐባልነት ዘይብሉን’ዩ።
ምኽንያቱ መልክዕ ውደባ ካብ ወድዕዊ ክውንነት ናይ ህዝብና ዝብገስን ንሕሰምን ስምዒትን ናይ ህዝብታትና መበገሲ ብምግባር፡ ከም መሳርሒ ናይ ቃልሲ ይውሰድ ስለዘየሎ። ጌጋ ይኹን ጸገም እንተደኣ ሃሊዩ ኣብ’ቲ ባህርን ዕላማን ናይ’ቶም ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝተወደቡ ውድባትን ሰልፍታትን ‘ምበር ኣብ መልክዕ ናይ ውደባ ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ብሓደ ውድብ፡ ወይ ጉጅለ ዝካየድ ቃልሲ ንህዝቢ ዘለዎ ጠቕምነቱ ዘይጠቕምነቱን ዝምዘን ካብ ዕላምኡን ተግባራቱን’ምበር በቲ ዝተወደበሉ መልክዕ ውደባ ኣይኮነን። ኣብ ህልዊ ኩነታት ናይ ደምበ ተቓውሞና ብሓፈሻ፡ ኣብ ክልቲኦም ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባራትና ድማ ብፍላይ፡ ብዝተፈላለዩ መልክዕ ናይ ውደባ ብምውዳብ ኣብ ናይ ሓባር ሃገራዊ ዕላማ ዓሲሎም ዝቃለሱ ዘለው፡ ምስ እንመዝን ዝኾነ ኣካል ንመጻኢት ኤርትራን ህዝብታታን ዝጎድእ ዕላማ ዝሓዘን ዘንጸባርቕን የብሎምን።
ስለዚ እዞም ተላፈንቲ ኣካላት እዚኣቶም፡ ገለ ካብ ዝተሰማምዕሉ ፖለቲካዊ ቻርተር ንምጥቃስ ዝኣክል፡- ብጀግንነታዊ ሃገራዊ ተጋድሎ ዝተረጋገጸ ሃገራዊ ሓድነት ምዕቃብ፣ ኣብ መንጎ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ፍትሕን ማዕርነትን ንምርግጋጽ፡ ኣብ ፍትሓዊ ምምቕራሕ ስልጣንንን ሃብትን ምእማን፣ ብሄራዊ፡ ባህላውን ሃይማኖታውን ብዙሕነት ህዝብታት ኤርትራ ምእማን፣ ኣብ ፖለቲካውን ሰልፋውን ብዙሕነት ዝተሰረተ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል ምቅላስን ምምእዛዝን፣ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ቅዋም ዘውሕሶ ዘይምእኩል ስርዓት ምትካል፣ ህዝቢ ምንጪ ስልጣን ምዃኑ ምእማን፣ ንኹሉ ክፍልታት ህዝቢ ኤርትራ፡ ፖለቲካዊ፡ ሃይማኖታውን ማሕበራውን መሰላት ምሕላው፣ ወዘተ ዝብሉ ኣገደስቲ ሃገራዊ ፖለቲካዊ መትከላት መሰረት ገይሮም ኣብ ምቅላስ ይርከቡ ኣለው። ስለዚ እቲ ብሄራዊ ይኹን ሃይማኖታዊ መልክዕ ናይ ውደባ ተመኽኒዩ ክኸይድ ዝጸንሐን ዘሎን ፕሮፖጋንዳዊ ተርእዮታት፡ ካብ ሽፋን ንጸቢብ ጉጅላውን ግዝያውን ፕሮፖጋንዳዊ ረብሓ መጥቀሚ ምዃን ሓሊፉ፡ ንወድዓውን ስነ-ፍልጠታውን ኣገባብ ቃልሲ ዘየገልግል ስለዝኾነ፡ ብቕኑዕ ናይ ቃልሲ ኣገባብ ብምምካት፡ በቲ ንኹላትና ተቓወምቲ ውድባት ስቪክ ማሕበራት ከቃልሰና ዝኽእል ናይ ሓባር እምነትን መደባትን ተወሃሂድና ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ክንቃለስን ማዕበል ናይ ግጉያት ርእይቶታትን ናይ ስኽፍታ ደመና እናገላህና ንቃለስ።
ሓተታ፡
ድ,ሰ,ደ,ኤ, 12-04-2013
|