|
ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ህሉው ኩነታቱን ትስፉው መጻኢኡን ዘተኮረ ሰሚናር ኣካይዱ። ኣብ'ቲ ብዕለት 30 መጋቢት 2013 ቅ.ቀ ኣብ ቤት
ጽሕፈት ሃገራዊ ባይቶ ዝተኸፍተ ሰሚናር፡ ብርክት ዝበሉ ካብ ኩለን ውድባትን ሲቪክ ማሕበራት ዝተዓደሙ ኣጋይሽ ተረኺቦሞ ኔሮም። ኣብ መኽፈቲ'ቲ ሰሚናር ቃል ዝሃበ ኣቶ ዮውሃንስ ኣስመላሽ፡ " ንተሳተፍቲ ሰሚናር እንቋዕ ድሓን መጻእኹም ድሕሪ ምባል፡ እዚ ሎሚ ንኸፍቶ ዘለና ሰሚናር ንሕና ከም ኣባላት ባይቶ በብእዋኑ እናተራኽብና፡ ንኹላትና ብዘገድሱ ኣርእስታት እናተመያየጥና፡ ናብ ዝሓሸ ፖለቲካዊ ኩነታት ከሰጋግረና ዝኽእል ሓሳብ ንምሓዝ'ዩ ክብል ገሊጹ። ኣስዒቡ ኣቶ ዮውሃንስ፡ ኣብ ባይቶና ክፍጠር ዝኽእል ሃጋጓፋት ብኸም'ዚ ጀሚርናዮ ዘለና ሰሚናራት ኣቢልና ናይ ኩሉ ደላዪ ለውጢ ድሌትን ሓሳብን ወሲኽና ንቕድሚት ክንምርሽ ይሕግዘና'ዩ ዝብል እምነት ኣለና ኢሉ። ንሱ ብተወሳኺ ሃገራዊ ባይቶ ብዘይካ'ቶም ንዕኡ ዘቖሙ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ካልእ ርእሱ ዝኽኣለ ማሓውር የብሉን። ስለ'ዚ ኣባላቱ ዝኾኑ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ኣብ ባይቶ ዘለዎም ተሳታፍነት ክሕይል ከሎ ዝሕይል ክዝሕትል እንከሎ ድማ ዝዝሕትል ከም ሙዃኑ መጠን፡ ሃገራዊ ባይቶ ከም'ቲ ህዝቢ ዝጽበዮን ክኾኖ ዝግብኦን ኣይኮነን ክንብል ከለና፡ እኩብ ድምር ናይ'ዚ ዝተጠቕሰ ሙዃኑ ይርድኣና'ዩ" ምስ በለ፡ "ብሓፈሻ ዕላማ ናይ'ዚ ሰሚናር ኣብ ባይቶና ንዝተኸስቱ ሽግራት ብዝርዝር በርቢርና ብምውጻእ፡ ነቶም ከይንስጉም ሓሊኾምና ዝጸንሑ ዕንቅፋታት ፈቲሕና ንቕድሚት ከኽይደና ዝኽእል ኣንፈት ምቕማጥ'ዩ" ክብል ኣብሪሁ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ኣቶ ዮውሃንስ "ዘለናዮ መድረኽ ናይ ኣፈርክቡ ስለዝኾነ፡ ዘለና ሓይሊ ጠሚርና ህዝብን ሃገርን ክነድሕን ክንቀላጠፍ ይግባእ ድሕሪ ምባሉ፡ ኣብ ንድሕሪት ዝጎቱና ዘይቅዱሳት ሕድሕዳዊ ምውጣጥ እንተተወጢርና ግን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ስልጣን ክጸንሕን ብርሰት ህዝቢ ክጋደድን ኣስተዋጽኦ ንገብር ምህላውና ዝጠፍኣና ኣይኮነን'ሞ፡ ዕላማ'ዚ ሰሚናር ተገንዚብና ኩላትና ዕዙዝ ተሳተፎ ክህልወና ይምሕጸን ክብል ኣብ ልዕሊ ተሳተፍቲ ዘለዎ እምነት ዕዙዝ ሙዃኑ ገሊጹ። ኣብ’ቲ ካብ 30-31 መጋቢት ዝተኻየደ ሰሚናር፡ ከም’ቲ ኣብ መእተዊ ዝተጠቕሰ፡ ተሳተፍቲ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገራዊ ባይቶን ድኽመታቱን ብሓፈሻ፡ ኣብ ውደባ፡ ፖለቲካዊ ኩነታት፡ ሜድያዊ ስራሓት፡ ፋይናንሳውን ምምሕዳራውን ንጥፈታት ድማ ብፍላይ ብዝርዝር ድሕሪ ምዝታይ፡ ነቲ ዝቐረበ ሓሳባት ከከም ኣድላይነቱ ብምእካብን ብምስልሳልን ናይ’ቲ ህሉው ሽግራት መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ዓቢ ተራ ክልዎም ሓባራዊ መረዳእታ ክሕዙ ክኢሎም። ተሳተፍቲ ሰሚናር ብተወሳኺ “እዚ ሰሚናር’ዚ ኣሉታውን ኣወንታውን ጎንታትና ከነለሊ ሓጊዝና’ዩ’ሞ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሰሚናራት ድማ ሽግራትና ክንፈትሕን ሃጓፋትና ክንመልእን ዘለና እምነት ሰፊሕ’ዩ” ብምባል፡ ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ድማ ነዚ ዝፈሰሰ ሓሳባትን ርኢቶታትን ኣኪባ ኣብ ስራሕ ንምውዓሉ ብሓላፍነት ኣትኲራ ክትሰርሕ ኣተሓሳሲቦም። ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ እዚ ስሚናራት’ዚ ንዘለዎ ኣድላይነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ በብእዋኑ ክቕጽል ሙዃኑ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ገሊጹ።
ሃገራዊ ባይቶ ዲሞክራስያዊ ለውጢ
ክፍሊ ዜና
المجلس الوطني يعقد سمنارا باديس ابابا
اقام المجلس الوطني الارتري لأعضاء القيادة المركزية بأديس ابابا سمنارا تحت شعار : ( المجلس الوطني الارتري بين الواقع والمأمول ) في يومي 30: و31 من مارس 2013 م لقد شارك فيه عدد مقدر من القيادات في التنظيمات السياسية ومنظمات المجتمع المدني المنضوية تحته، وجاء في الكلمة الافتتاحية التي القاها نائب رئيس المكتب التنفيذي : ان هذا
السمنار الذي نفتتحه اليوم مما يهدف اليه هو الوصول الي رأي مشترك من
خلال النقاش وتبادل الافكار في المواضيع المطروحة ومن ثم الانتقال الي وضع سياسي أفضل ومن اجل ذلك سنستمر في عقد اللقاء ت والسمنارات لأعضاء المجلس في كل المناطق من وقت لآخر. لان هكذا سمنارات يمكن أن تعالج ما فينا من قصور ذاتية وموضوعية.
وأردف قائلا: اذن المطلوب هو مواجهة التحديات التي امامنا بكل ما نملك من مقدرات وإمكانيات وان يعين كل منا الاخر للتعجيل بالانجازات المطلوبة وبعيدا عن التنافس غير الشريف والتناحرات والتشاحنات التي لا معني لها الا الاطالة في امد النظام ..فنحن اما تحد كبير يتطلب منا وحدة الصف قلبا وقالبا. فسمنار اليوم من اولى اولوياته هو البحث عن الحل والمخرج
لما نحن فيه، ويستهدف أعضاء المجلس الوطني المتواجدين حاليا في اديس
ابابا او بالكثير في إثيوبيا وإذا ما تم تنفيذه بالصورة المطلوبة وكما نريد له ان يكون فانه سيتخذ نموذجا يقتدي به في الاقاليم الاخري. وعليه فمسئولية هذا السمنار مسئولية كبيرة وجسيمة فهو تاريخي له ما بعده وعلي الجميع الحرص علي انجاحه.
هذا وناقش السمنار الذي استمر يومين الاجندة المطروحة بإسهاب وفي جو ساده الصراحة والشفافية ، وشخص خلاله الاشكالات والعقبات التي تقف أمامه في الجوانب السياسية والتنظيمية والإدارية وغيرها ووضع لها الحلول
والمعالجات كما وصي السمنار في ختامه المكتب التنفيذي الاستمرار في عقد
السمنارات المتخصصة التي من المؤمل ان تلعب دورا مهما في تطوير أداء المجلس.
قسم الاخبار
دائرة الاعلام والتعبئة
3 ابريل 2013 م
|