|
ህግደፋዊ ትምክሕታዊ ኣረኣእያ ዝጠንቁ ህልዊ ፖለቲካዊ ምስሊ ኤርትራ፡- |
|
|
|
|
Written by ድ.ሰ.ደ.ኤ.
|
|
Sunday, 07 April 2013 11:00 |
|
ዝኾነ ብኣወንታ ኮነ ብኣሉታ ዝገሃድ ክስተት፡ መበገሲ ኣለዎ። ከም’ቲ “ እንተዘይትነንወኒ መን መጽደፈኒ”
ዝበሃል ምስላ ሳዕቤን ብዘይጠንቂ ኣይመጽእን’ዩ። ስለዚ ነቲ ዝተኸስተ ነገር ከከም ኣመጻጽእኡ ንምምካት፡ ቅድሚ ኣብ ዙርያ ሳዕቤን ከም’ዚ እንተዝኸውን ከም’ዚባ፡ ኣይፋል ከም’ቲ ክኸውን ነይርዎ ክኸውን የብሉን ኣብ ዝብሉ ዘይመሰረታዊ ጉዳያት ኮለል ምባል፡ ካበይ ተበጊሱ፡ መንዩ በዓል ቤት ናይ’ዚ ምፍላጥ ኣገዳሲ’ዩ። ምኽንያቱ፡ “ጎሮሮ ምስሓዝካ ትንፋስ ይእከብ፡ ሓረግ ምስ ሓዝካ ገረብ ይእከብ” ከም ዝበሃል፡ ድሕሪት ተመሊስካ ጠንቅን በዓል ቤት ናይ’ቲ ጉዳይ ምልላይ ንሳዕቤናት ኣብ ምውጋድ ኮነ ምምሕዳር ፈኲስ የገብሮ።
ፖለቲካዊ ምስሊ ኤርትራ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ካብ ዝበላሾ ነዊሕ ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ። መን ኣባላሽይዎ ፍሉጥ ክንሱ፡ ገለ ብፖለቲካዊ ድኽነት፣ ገለ ኮነ ኢሉ ብመደብ፣ እቲ ካልእ ድማ ብግርህና ብጉድለት ፖለቲካዊ ንቕሓት፡ ኤርትራዊ ኣተሓሳስባ ዝጠንቁ ኤርትራዊ ሕሰም ኮይኑ እንዳሃለወ፡ ክንዮ ዶብ እንዳተመጣጠረ፡ ብጠቐነ በዓል እከለ ከምዚ እንተገበሩ እንተፈጠሩ ብዝብል ዘይጨበጥ ድርሳናት ዝተኣሳሰረ ነብሕታት፡ ጽልኢ ፈጢሩ ኲናት ጻሕቲሩ ሰብኣውን ነዋታውን ዓቕምታት ሃገር ንከንቱ እንዳተሃንኮተ፡ ሃገራዊ መኸተ እንዳበለ ፍረ ኣብ ዘይብሉ ፖለቲካዊ ሓሸውየ ከኹድድ ጸኒሑን ዛጊት’ውን ኣሎን። ጠንቂ ናይ ኩሉ ሃገር ከደን ቅልውላው፡ ልጓም ኣልቦ ህግደፍ ካብ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ባህሪኡ ዝምንጨ ክኽተሎ ዝጸንሐን ዘሎን ዓንዳሪ ፖሊሲታት እንዳሃለወ፡ ነዚ ዘቤታዊ ጉዳይ ግዳማዊ መልክዕ ብምትሓዝ ብዕሩቕካ ክዱን ብጥሙይካ ጽጉብ፡ ብእሱርካ ረሓ መሲልካ ንምቕራብ ክፍተን ጸኒሑ። “ሓባኢ ቁስሉ ሓባኢ ፈውሱ “ ከም ዝበሃል ድማ እነሆ እቲ ቀደሙ’ውን ብፖለቲካዊ ንቕሓትን ብቕዓትን ክምከትን ክግራሕን ደኣምበር ክሕባእ ዘይግበኦ ዝነበረ ዘቤታዊ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ዛዕባ፡ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ፡ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ብኣሉታ ይገርፈናን፡ ካብ’ዚ ዘለዎ ዝኸፍአ ከይመጸና የስክፈናን ኣሎ።
ካብ ተግባራዊ ተመክሮኡ ዘይመሃር፡ ግዜ ክንዲ ዝወሰደ ይውሰድ ጸላእቱ ዘይፈልጥ፡ ንመሰሉ ዘይቃለስን ህዝቢ የለን’ሞ፡ ውሑዳት ዘይኮኑ ካብ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ህዝብታት ኤርትራ’ውን ሕማቕ ገጽ ናይ ህግደፍ ብቓልዕ ምዝራብ፡ ምግላጽን ምኹናንን ኣብ ውሽጥና ደኣምበር ንግዳም ወይ ንንፋስ ክወሃብ የብሉን፡ በዓል እከለ እንተሰሚዖም ክሕጎሱ’ዮም ብዝብል ኣጉል ንቕሓት ብምጽማም ኣብ ከብዶም ዓቚረሞ ክኸዱ ዝጸንሑ ሕማም ብገሃድ ኣብ ዝዛረብሉ መድረኽ በጺሖም ይርከቡ። እዚ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕብልናታት ኣብ መጀመሪያ ተስዓታት ክበቁል እንተዝጅምር ህግደፋዊ ትምክሕቲ ብኣጋ ከይገበለ ልጓም ምተገብረሉ ነይሩ። ካብ 2001 ንነጀው ኣብ ዘሎ ግዝያት እቲ ናይ ለውጢ ምንቅስቓሳት ተጎሃሂሩ እምቢ ንምልኪ እወ ንመሰለይ ኣለኹ ባዕለይ ዝብል ውሁድ ድምጺ እንተዘስምዕ’ውን እቲ ንከንቱ ዝተኸፍለ ሂወትን ንብረትን ዝቕንሰሉ ዕድላት ምተረኽበ ነይሩ። ከም’ዚ ሎሚ ኮይናዮ ዘለና መመሰሊ ናይ ኩሉ ሕማቕ ነገር’ውን ኣይምኾናን ነይርና። ኩሉ ነገር ኣብ’ቲ ዝኸፍአ ጫፍ በጺሑ ናይ ምርጫ ጉዳይ ዘይኮነ ናይ ህልውና ጉዳይ ምስ ኮነ ብገለ ገለ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝረአ ዘሎ ምንቅስቓሳት’ውን ከም ኣገባብ ዝተፈራረቐ ስምዒታት ዝፈጥር’ዩ።
ብርግጽ ናይ ኩሉ ጠንቂ ሃገር ከደን ሕሰማት ጭፍራ ህግደፍ ምዃኑ ዘተሓተት የብሉን። ህግደፍ ብሓይሊ ሓሳብ ዘይኮነ ብስነ-መጎት ሓይሊ ጥራሕ ስለ ዝረዳዳእ፡ ኣብ ኣገጣጥምኡ ንደሞክራስያውያን ሓይልታት ፈታኒ’ዩ። ዓቕልን ጥበብ ቃልስን ዝሓትት’ዩ። ነዚ ድማ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ኮነ ንኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳን ዘቖሙ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ህግደፍ ክጽገን ዘይኮነ ናይ ግድን ክውገድ ኣለዎ። ዝወገደሉ ኣገባብ ድማ ኩለ-መዳያዊ ቃልሲ ማለት ብሰላማውን ዕጥቃውን ዝብል ጽኑዕን ቅኑዕን ጥባብ ተኸቲሎም ዝረባረበሉ ዘለው። ህግደፍ ውሽጣዊ ገዛኢ ብምዃኑ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ብዘዋጸኣና ኣገባብ ክንቃለሶ ግድንን ቅኑዕን’ዩ። ካብ ኤርትራ ወጻኢ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ከኣ ብደሞክራስን ብሕግን ኣብ ዝምረሓ ሃገራት ኣንጻር ጸረ-ህዝቢ ምሕደራ ህግደፍ ንገብሮ ኣኼባን ሰላማዊ ሰልፍታትን ከምኡ ድማ መደባት ጸላኢ ንምብርዓን ንወስዶ ስጉምታት፡ ሓላፍነታውን ዲፕሎማስያዊ ክሳራ ዘየኸትልን ክኸውን ይግባእ። እተን ሃገራት ኣብ ሃገርና ዘይረኸብናዮ ሰባኣውን ደሞክራስያውን መሰልና ኣኽቢረን ዘዕቆባና ብምዃነን፡ ንሕግታተን ባህለን ደሞክራስያዊ ምሕደራአን ብኣሉታ ዝጸሉ፡ ምንቅስቓሳት ክንገብር የብልናን። ህግደፍ ብወሳኒ መልክዑ ዝውገድ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ብዝገበር ዝተወደበ ህዝባዊ ቃልሲ’ዩ። ኣብ ደሞክራስያውያን ሃገራት ንገብሮ ተቓውሞ ድማ፡ ኣብ ሃገርና ደሞክራሲ፡ ሕጊ፡ ሰላም ከም ዘየለ፡ ናይ ውሑዳት ምልኪ ነጊሱ ከምዘሎ፡ ሰባት ብዘይ ፍርዲ ከም ዝኣሰሩ፡ ከም ዝርሸኑ፡ ንብረቶም ከም ዝራሰዩ፡ ንደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ንምሕባርን ብስም ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ንመንግስቲ ህግደፍ ዝልግስዎ ዝኾነ ይኹን ሓገዛት ደው ኣቢሎም፡ ኣብ ጎኒ’ቲ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለስ ዘሎ ሓይልታት ተሰሊፎም ኣወንታዊ ደጋፊ ተራ መታን ክጻወቱ’ዩ። ስለዚ ንግብሮ ተቓውሞ ሰላም ዝሰኣና ህዝብታት ከም ምዃና መጠን፡ ድምጽና ብሰላም ብሰላምን ጥራሕ ከነ ቃልሕ ኣለና።
ኣብ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤውሮጳ ማለት ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ህግደፍ፣ ኣብ ጊሰን፣ ኣብ ስዊዝ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ ኣብ ሽወደን ዝተቓጸለ ኣብያተ ጽሕፈት ህግደፍ፣ ..ወዘተ ቁጠዐ ዝወለዶን ሓርበኛዊ ሕራነን ዘምልክት ተባዕ ተግባር ‘ኳ እንተኾነ፡ ከም ኣገባብ ግን ብሓጺር ግዜ ኣብ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ኣብ ክንዲ ደጋፊ፡ ደሞክራሲ እንዳበሉ ደሞክራሲ ዝጥሕሱ ዝብል ኣሉታዊ ትዕዝብቲ ከየመሓላልፈልና፡ ብነዊሕ ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ኣብ ሰላምን ሕግን ደሞክራስያዊ ኣጠቓቕማን ዘለዎም ኣገንዝቦ ትሑት’ዩ ዝብል ስም ከየውህበና ብጥንቁቕ ኣገባብ ከነሰላስሎ ኣለና። ብሕልናኦምን ብሕግን ዘይግዝኡ ኣመለኽቲ ህግደፍ፡ ንደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ሽወደን ኣካይዶም፡ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝጽብጽብ ዝነበረ ናይ ካልእ ሃገር ጋዜጠኛ ድማ፡ ብዕስለ ሃሪሞም ብዘብጽሕሉ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ሃሰያ ኣብ ሆስፒታል ከም ዝኣተወ ብወግዒ ተገሊጹ ኣሎ። እዚ ንህግደፋውያን ኣየሕፍረሙን ኣየሰክፎምን። ንዓና ነቶም ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ግን ምስሊ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ከይብከል ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ብሓላፍነታዊ ዓይኒ ከሻቕለና ይግባእ። ብመሰረቱ ድማ ህግደፍ ካብ ዝኽተሎ ዘሎ ኣገባብ ዝተፈልየ ንስሩት ኣወንታዊ ኤርትራዊ ክብርታት ዘንጸባርቕን ዝውክልን ለውጢ ከነመጽእ ስለ ዘለና፡ ፋሉላዊ ኣካይዳ ህግደፍ ክስሕበና የብሉን። ሕቶና ሕቶ ሰላም ሕቶ ደሞክራሲ ስለዝኾነ፡ ኣብ ሃገርና ከም ኩነታትና፡ ኣብ ካልኦት ደሞክራስያውያን ሃገራት ግን፡ ንፖሊሲታተን ኣኽቢርና ክንቃለስ ኣለና። ምኽንያቱ ህግደፋዊ ትምክሕታዊ ኣረኣእያታት ዝጠንቁ ተበላሽዩ ዘሎ ህልዊ ፖለቲካዊ ምስሊ ኤርትራ ኣብ ንቡር ንምምላስ ኣብ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ሓደ ሽነኻዊ ዘይኮነ ኩለ-መዳያዊ ሓላፍነት ክስመዓና ይግባእ።
ሓተታ
ድ,ሰ,ደ,ኤ, 01-04-2013
|