|
“ሎሚ ከይዘራእካ ጽባሕ ፍረ ኣይሕፈስን’ዩ” |
|
|
|
|
Written by ድ.ሰ.ደ.ኤ.
|
|
Monday, 01 April 2013 09:34 |
|
ትማሊ መቐጸልታ ናይ ብቕድሚ ትማልን መተግበሪት ውጥናትን መመሓላለፊት ውጥን ናይ ሎሚ እያ። ሎሚ ድማ
መተግበሪት ናይ ትማሊ ውጥንን መወጠኒ ናይ ጽባሕ መደባትን ተግባራትን እያ። እዚ ናይ ግዜ ዘንተመጎታዊ ምትእስሳር ግድነታዊ ምትኽኻእን እዚ፡ ኣብ ሂወት ደቂ-ሰባት ብቐዋምን ቀጻልነትን ዝሰርሕን ዘገልግልን ባህርን ወድዕነትን እዩ። ስለዝኾነ ሓደ ሕብረተሰብ ሂወቱ ኣብ ናይ ሎምን ሎምን ጥራሕ ዝነብርን ዝመርሕን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ትማሊ ኮይኑ ንሎሚ ብዝኣመቶን ብዝሓንጸጾን ኩሉ መደያዊ መደባትን መምርሕን ተመስሪቱ፡ ናይ ሎሚ ሂወቱ ይመርሕ፡ ናይ ጽባሕ ድማ ኣብ ሎሚ ኮይኑ ራእይ ጨቢጡ መደባቱን መምርሒ ሂወቱን ይምድብ ይሕንጽጽ። ከምዚ እናበለ ድማ ሂወት ሕብረተሰብ ብማዕበላዊ ናይ ምትኽኻእ ዑደት ይቕጽልን ይህሉን። እዚ ንሂወት ናይ ሓደ ሕብረተሰብ /ህዝቢ/ ዝምልከት ኮይኑ፡ ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ፖለቲካዊ ሂወቱ ክምርሓሉን ክጥቀመሉን ዘለዎ ፖለቲካዊ ስርዓት ኣብ ዝምልከት መዳይ ‘ውን እንተኾነ፡ ብተመሳሳሊ ማዕረ ሂወቱ ንመጻኢ ክሃንጽ ንስደሊ ስርዓት ንናይ ሎሚ ኩነታትን ንናይ ሎሚ ጠቕምን ኣገልግሎትን ብምርኣይን ብምሕሳብን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እንኮላይ ንጽባሕ /መጻኢ/ ኣብ ግምት ብዘእተወ ኣገባብ እዩ ህንጸት ፖለቲካዊ ስርዓት ዘካይድን ዝቃለስን።
ምኽንያቱ ኣብ ናይ ሎሚ ጸገማቱ ምፍታሕ ጥራሕ ዝተሓጽረ ቃልሲ እንተደኣ ኣካይዱ፡ ጽባሕ ንመጻኢ ዝኸውን ፖለቲካዊ መሰረት ናይ ፖለቲካዊ ስርዓት ስለዘይነበረ፣ ኣብ መጻኢ ክህልዎ ዝብህጎ ጽቡቕ ስርዓት ናይ ምውናን መደቡን ባህጉን ከረጋግጽ ስለዘይከኣል። ስለዝኾነ እዚ ኣብ ሎሚ ኮይኑ ንምፍትሑ ዝቃለሰሉ ዘሎ ጸገማት ንምፍትሑ ዝኸውን ቅድመ-ዕማምን መሰረትን ስለዘይተነብረሉ፡ እቲ ሎሚ ካብ ስእነት ቅኑዕ መንግስትን፡ ሰላምን ልምዓትን፡ ዲሞክራስን ወዘተ ዘጋጥም ዘሎ ኩሉ መደያዊ ጸገማት፡ ንጽባሕ /መጻኢ/ ውን ኣጸጋምነቱ ይኹን ህልውንኡ ህያው ኮይኑ ዝቕጽል እዩ ዝኸውን። ኣብ ዝሓለፈ ህዝባዊ ቃልስና ኣብ ህልዊ ጸገማትና ምፍታሕ /ባዕዳዊ ጸላኢ ምብራር/ ጥራሕ ዝተሓጽረ፡ ናይ መጻኢ ፖለቲካዊ ሂወትና ከማእዝን ዝኽእል ቅኑዕ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ከይወነናን ቅድመ ምድላዋት ከይገበርናን ስለዝተቓለስና፡ እቲ ቀዳማይ ዕማም ናይ ቃልሲ ምስ ዓመምና ናብቲ ቀጻሊ ሂወትና ዝመርሕ ፖለቲካዊ ኩነታት ክንሰጋገር ኣይከኣልናን። ምኽንያቱ ናብ ዝሓሸን ርሁውን ፖለቲካዊ ሂወት ከሰጋግረና ዝኽእል ናይ ሰላም፡ ናይ ዲሞክራን ልምዓትን፡ ህንጸት ህዝባዊ መንግስትን ኣብ ዝምልከቱ መሰረታውያን ናይ ህዝብን ሃገርን ዕድል ዝውስኑ ነጥብታት ዘይተሓሰበሎምን ዘይተሰርሓሎምን ስለዝጸንሐ፡ ስምን ዜግነታዊ መንነትን ዝለወጠ ጨቋኒ መንግስቲ ተኸሲቱ፡ ቅድሚ ሃገራዊ ነጻነት ኣብ ልዕሊ ህዝብታትናን ሃገርናን ዝውርድ ዝነበረ ጭቆና፡ ምዝመዛ፡ ስእነት ፍትሕን ርትዕን፡ ልምዓትን ዕቤትን ወዘተ ብዝኸፍአ ትሕዝትኡ ህያው ኮይኑ ቀጺሉን ብሕሰም የሳቕየና ኣሎን።
እዚ ጭቡጥ ሓቂ እዚ ዝፈጠሮ እዩ ድማ ከም ህዝቢ ናብ ዳግማይ ቃልሲ ምክያድ ተሳጢሕና ኩሉ መደያዊ ዋጋ ናይ ቃልሲ ኣብ ምኽፋል እንርከብ ዘለና። ስለዝኾነ እዚ ሕጂ ብቃልሲ ክንፈትሖ እንረባረበሉ ዘሎና ጸገማትና፡ ብሰንኪ ትማሊ /ኣብ ዝሓለፈ መድረኽ/ ንናይ ሎሚ ሂወትና ዝጠቅም ቅድመ ፖለቲካዊ ስርሓት ክንሰርሕ ብዘይምብቃዕና ዘጋጠመ ጸገም ምዃኑ ዘረድኣናን ትምህርቲ ዝህበናን እዩ። ስለዝኾነ ናይ መጻኢ ፖለቲካዊ ሂወትና ዝሓሸ ክኸውን ዘኽእል ኩነታት ንምፍጣር፡ ካብ ሎሚ ጀሚርና ክንሰርሕ ከም ዘለና ‘ውን እዩ ዘጠንቅቐናን ዘተሓሳስበናን ዘሎ። ስለዝኾነ ከምቲ “ገ ክብሉኻ’ዶ ትጋገ” ዝብሃል ምስላ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብታትናን ሃገርናን ተጻዒኑ ዘሳቕየናን ዘብርሰናን ዘሎ ጭቆናን ዕንወትን ንግዚኡ ካብ ምፍታሕ ዝሓለፈ፡ ንመጻኢ ‘ውን ከም ዘለዎ ከይቅጽል ንምግባርን ንምውጋድን፡ ንናይ ጽባሕ ኩሉ መደያዊ ፖለቲካዊ ሂወትና ዝውስንን ዘመዓራርን ቅኑዕ ናይ ሰላም፡ ዲሞክራሲ፡ ልምዓትን ፍትሕን ኣተሓሳስባን ዕላማን ጨቢጥና ክንቃለስን፡ ናይ መጻኢ ተካእቲ ወለዶታትና ፖለቲካዊ ሂወት ኣብ ቅኑዕ መሰረት ከነንብርን እዩ ዝግበኣና።
ካብዚ ወጻኢ ንጽባሕ ብኩሉ መደዩ ዘየገልግል፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጅለ ካብ ስልጣን ናይ ምልጋስ ዕላማ ከም ብሕታዊ ዕላማ ጥራሕ ብምርኣይ ዝካየድ ቃልሲ፡ ንሕሉፍን ግጉይን ፖለቲካዊ ተመክሮና ዝደግም፡ እቲ ሕጂ እነሕልፎ ዘለና ናይ ጭቆናን ምዝመዛን ዕንወትን ህልቂትን ኩነታት ከም ዘለዎ ክቕጽል ካብ ምግባር ሓሊፉ ካልእ ዝሓሸን ጠቓምን መማረጺ ዘረጋግጽ ኣይኮነን። ስለዝኾነ እቲ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ኣብ ናይ ሎሚ ዕማማት ምልጋስ ነቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ ጥራሕ ኣብ ክንዲ ዝሕጸር፡ እቲ ነዚ ስርዓት ንምልጋስ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልስና ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ምስኡ ጎኒ ንጎኒ ግን ኣብ ናይ መጻኢ ፖለቲካዊ ሂወትና ወሳንትን ጠቐምትን ዝኾኑ ሕቶታት፡ ማለት ሕቶ ሰላምን ዲሞክራስን፡ ሕቶ ልምዓትን ዕቤትን፡ ሕቶ ፍትሕን ርትዕን ወዘተ ኣብ ዝምልከቱ ኣገደስቲ መሰረታውያን ጉዳያት ዘትከለን፡ ንምዕዋቶም ዘንቀደን ዘየቋርጽ ቃልሲ ከነካይድ እዩ ዝህልወና። እዞም ዝጥቀሱ ዘለው ኣገደስቲ ረቛሖታት ብእምነት ሒዝና ንክዕወቱ ብጽንዓትን ንቕሓትን ክንቃለስ እንተዘይበቒዕና፡ ማለት ነቲ ስርዓት ኣብ ምልጋስ ጥራሕ ዝተወሰነ ቃልሲ ከነካይድ እንተመሪጽናን ብኡ እንተቐጺልናን ግን፡ ጨቋኒ ጉጅለ ካብ ምቕያር ንላዕሊ ጭቆናን ምዝመዛን ዕንወትን ብዝኾነ ዓይነት ተኣምር ከነወግድን ሰላም፡ ራህዋ፡ ልምዓትን ፍትሕን ከነረጋግጽ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዝኾነ ከምቲ “ሎሚ ከይዘራእካ ጽባሕ ፍረ ኣይሕፈስን’ዩ” ዝብሃል፡ ሎሚ ንናይ መጻኢ ሂወትና ዝውስን ቅኑዕ ናይ ሰላም፡ ዲሞክራሲ፡ ፍትሕን ልምዓትን ወዘተ ዕላማታት ከይጨበጥና እነካይዶ ቃልሲ ከነረጋግጽ ስለዘይከኣል፡ ኣብ ሎሚ ኮይና ንናይ ጽባሕ ፖለቲካዊ ሂወትና ዝውስኑ ኩሉ መደያዊ ፍትሓዊ ቃልሲ ነካይድ።
ድ.ሰ.ደ.ኤ
2013-03-22
|