|
ባይቶ ኤውሮጳ ሕብረት ኣብ ሲና ዝካየድ ዘሎ ንግዲ ደቂ-ሰባት ደው ዝብለሉ ሓሳብ ቀሪቡ
ህግደፍ ናይ ሰሙናት ዜና ዝሰርሓሉ ፍርያት ሰሚንቶ ሕጽረት ናህርን ብምርኣዩ የዛርብ ኣሎ።
ባይቶ ኣውሮጳ ፡ ነቲ ኣብ ሲና ዝካየድ ዘሎ ገበነኛ ስርሓት ንግዲ ደቂ ሰባት ኣመልኪቱ ዘሕለፎም ውሳኔታት፡ ከም ለበዋታት ብፕረሲደንት ባይቶ ኣውሮጳ ኣቢሎም፡ ናብ መንግስታት ኣባላት ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ናብ ባይቶን መንግስታት ግብጽን እስራኤልን፡ ናብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ክበጽሕ ከም ዝወሰነ ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ።
ባይቶ ኣውሮጳ፡- ኣብ ሲና ዝካየድ ዘሎ ገበናዊ ንግዲ ደቂ ሰባት ደው ንምባል ብኵሉ ኵርንዓት ዝቐረበ ኣቤቱታ ፍረ ክረክብ ዘይምኽኣሉ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረሉ፣ ግብጽን፡ እሰራኤልን ኣህጕራዊ ማሕበረሰብን ንንግዲ ደቂ ሰባት ደው ከብሉ ኵሉ ዝከኣሎም ጻዕርታት ክገብሩ፣ መንግስታት ግብጽን እስራኤልን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ናብ ሃገረን ዝኣትዉ ስደተኛታት ዝፈጥረለን ጸጥታዊ ስግኣት ርዱእ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ልዕሊኦም ተዂሲ ምኽፋትን ሓይሊ ምጥቃምን ደው ከብሉ፣ ግብጽን እስራኤልን ንሰብኣዊ መሰላት ዝምልከት ኣህጕራዊ ስምምዓት ኣብ ግብሪ ከውዕላ ዝብሉን ካልኦት ኣገደስቲ ነጥብታት ኣሰኒዩ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።
ህግደፍ ናይ ሰሙናት ዜና ዝሰርሓሉ ፍርያት ሰሚንቶ ሕጽረት ናህርን ብምርኣዩ የዛርብ ኣሎ።
እታ መዓልታዊ 10,000 ሽሕ ኩንታል ሰሚንቶ ከም እተፍሪ ዝተነግረላ፡ ኣብ ባጽዕ ተደኵና እትርከብ ፋብሪካ ሰሜንቶ ገደም፣ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ምቁራጽን ሕጽረትን ኤሌክትሪክ እኹል ሰሜንቶ ተፍሪ ከምዘየላ ከም ዘየላ፡ ረዲዮ ወጋሕታ ገሊጻ።
ኣብ መንጎ ባጽዕን ሕርጊጎን ኣብ ዝርከብ ከባቢ ገደም ዝተደኮነት ፋብሪካ ሰሜንቶ ፣ ኣብ መጀመርያ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ናይ ፍርያታ፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዋጋታቱ ኣብ ጥርዚ በጺሑ ዝነበረ ሰሜንቶ ዳርጋ ናብ ፍርቂ ኣውሪዳቶ ብዝብል መራኸቢታት ህግደፍ ናይ ሰሙናት ፕሮፖጋንዳ ሰሪሐምሉ ምንባሮም ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ግን ዋጋ ስሚንቶ ብሕጽረት ቀረብን ክብሪ ዕዳጋን ሰማይ ይዓርግ ስለ ዘሎ ካብ ዓቕሚ ተጠቀምቲ ንላዕሊ ይኸውን ከም ዘሎን ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ኣፍልጦ ዘለዎ ወገናት ይገልጹ። ብመጠኑ ኣረጋጊኣቶ እኳ እንተነበረት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ዋጋ ሰሜንቶ ቀስ ብቐስ ናህሩ ይውስኽ ምህላዉ ይንገረሉ።
ፋብሪካ ሰሜንቶ ገደም፣ ካብ መንግስቲ ቻይና ብዝተረኽበ ናይ ኣስታት 80 ሚልዮን ዶላር ልቃሕን ሓገዝን ዝተሃንጸ ዘመናዊ ፋብሪካ ደኣ ይኹን’ምበር፣ ኣብቲ ፋብሪካ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት መብዛሕቶም ብሃገራዊ እገልግሎት ዝተመደቡ ምስ ምዃኖም፣ ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢራ’ያ ኢልካ ክትዘርብ ከም ዘይከኣልን ረድዮ ወጋሕታ ወሲኻ ኣረዲኣ።
ብካልእ ዜና ክብሪ ባጤራ ናቕፋ ናይ ኣስታት ዕጽፊ ዝቕባበ ኣጋጢምዎ፡ ምስ ናይ ወጻኢ ሽርፊ ዘለዎ ክብሪ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳንቆልቆለ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ ወቕቲ፡ መንግስቲ ህግደፍ በዓል 50 ን 100 ኖት ናቕፋ የሕቲሙ ናብ ዕደጋ ዘርጊሕዎ ኣሎ ክትብል ረድዮ ኤረና ሓቢራ።
ህግደፍ ቅድሚ ሕጂ’ውን ክልተ ግዜ ብተመሳሳሊ ኣሕቲሙ ኣብ ዕዳጋ ዘርጊሑ፡ እቲ ባጤራ ሓደ ዓይነት ሕብሪ ስለዘለዎ ሰብ የደናግር ኣሎ ዝብል ምኽንያት ሂብሉ ከም ዝነበር፡ ባጤራ ናቅፋ ኣብ 1997 ኣብ ዝተዘገሓሉ እቲ ገንዘብ ሓደ ዓይነት ሕብርን ዓቐንን ስለ ዘለዎ ህዝቢ ኣይደናገርን’ዶ ዝብል ሕቶ ዝቐርበሉ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ገንዘብና ኣይኮነን ህዝቢ ህበይ’ኳ ክትፈልዮ ትኽእል’ያ ክብል መሊሱ ምንባሩን እታ ረድዮ ኣመልኪታ።
ሃገራዊ ባንክ ኤርትራ ዘለዎ ውህሉል ናይ ወጻኢ ባጤራ ኣብ ኣዝዩ ኣስጋኢ ደረጃ ስለዝወደቐ፣ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዘውጸኦ ሓድሽ ኣዋጅ፡ ናብ ኤርትራ ዝኣቱ ሰብ ክስብ 10,000 ሽሕ ዶላር ኣብ ኤር ፖርት ከየመዝገበ ከእቱ ይክእል ክብል ኣፍሊጡ ከም ዘሎ፡ 100 ኤሮ ኣብ ባንክ 2000 ናቕፋ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ድማ ክሳብ 5300 ይሽረፍ ምህላውን ወሲኻ ኣረዲኣ።
ድ,ሰ,ደ,ኤ, 15-03-2013
|