|
ሰላምታይ ይብጻሕኩም ኣዳለውቲ ሬድዮ ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ |
|
|
|
|
Written by ዓንዶም በርሀ - ሽመልባ
|
|
Saturday, 16 March 2013 11:42 |
|
ሰላምታይ ይብጻሕኩም ኣዳለውቲ ሬድዮ ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ
፡ ኣብ መዓልታዊ ስራሕኩም ዓወትን ኣሳልጦን እናተመነኹ፡ ነዛ ቀጺለ ዝሰደልኩም ጽሕፍቲ ናብ እዝኒ ሰማዕቲ ከተብጽሑለይ ይላቦ።
ኣብ ዝተፈላለየ ጉዳያት ዘትኮረ ዛዕባ ኣልዒልካ ተኣኪብካ እተካይዶ ልዝብን ምይይጥን ኣገዳሲ እዩ። እቲ ምንታይ በይንኻ ኮይንካ እትሓስቦ ሓሳብ ካብ ሓደ ሰብን ሓደ ርእስን ዝምንጩን ዝድምደምን ብምዃኑ ውጽኢቱ መሊኡ ኣዕጋቢ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ስለዝኾነ ድማ ካብ ሓደ ርእሲ ክልተ ርእሲ ይበልጽ ዝብሃል። ምኽንያቱ እቲ ንስኻ እትሓስቦ ሓሳብ በቲ ናትካ ዓይኒ ጎደሎ ዘይብሉ ኮይኑ ክስመዓካ ይኽእል ይኸውን እዩ፣ እቲ ናትካ ሓሳብ ዝተርፎ ከም ዘለዎ ክርደኣካ ዝኽእል ግን፡ እቲ ሓሳብ ንካልኦት ሰባት ከምዚ ሓሲበ ኣለኹ’ሞ ኣብዚ ዘለኩም ሓሳብ ወይ ርእይቶ እንታይ እዩ ብምባል ምስ እትውከስን እዩ። ንሳቶም ድማ ብወገኖም ነቲ ናትካ ገምጊሞም፡ ኣብዚ’ኣ ከምዚኣ እንተትውስኸላ ወይ ድማ ኣብዛ ትሕዝቶ እዚኣ ጸገም ስለዘላታ እንተትቕይራ ወዘተ ዝብል ዝተፈላለየ ንዓኻ ዝሕግዝ ሓሳብ ምስ ሃቡኻ፡ ንስኻ ‘ውን ኣብቲ ንሳቶም ዘልዓልዎ ሕቶታትን ርእይቶታትን ምርኩስ ብምግባር ሓሳብካ ተፍስስ። እዚ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ሓሳብን ርእይቶን ዘለዎም ሰባት እተካይዶ ክትዕን ምይይጥን፡ ንቐጻሊ ንዓኻ ካብ ተደጋጋሚ ጌጋታትን ክትመሃርን ኣብ መጻኢ ዝሓሸ ሓሳብ ወይ ስራሕ ሒዝካ ክትወጽእ ዝሕግዝን ብምዃኑ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ።
እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ክውን ክኸውን ዝኽእል ግን ኣብቲ ሓሳብ ዘካፍልን ወሃቢ ርእይቶን ምሉእ ዘይጉዱል ነጻነት ምስ ዝህሉ እዩ። ርእይቶኻ ብነጻነት ክትህብ ዕድል ዘይብልካ እንተኮይኑ ግን፡ እቲ ናትካ ርእይቶ ይኹን ነቐፌታ ካብ ልቢ ዘይነቐለ ወይ ንይምሰል እዩ ክኸውን ዝኽእል። ካብዚ ሓሊፉ ድማ ነቲ ልብኻ ዘይተቐበሎ ጉዳይ ካብቲ ተኣኪቡ ዘሎ ኣብዝሓ ህዝቢ ዝተፈልየ ርእይቶ ከይተቕርብ ክትብል፡ደጋፊ ናይቲ ርእይቶ መሲልካ ክትቀርብ ኢኻ ትግደድ። እዚ ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ተደጋጊሙ ዝረአ ኮይኑ፡ ጠንቂ ናይዚ ድማ ብክልተ መልክዓት ክግለጽ ይከኣል እዩ። ሓደ እቲ ወሃቢ ርእይቶ ካብ እንታይ ገደሰኒ ዝብል ጫፍ ዝነቐለ ተበላጺ መርገጺ ክኽውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ እቲ ጉዳይ ንነብሱን ስድራቤቱን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እንተኾይኑ፡ ብፍላይ ድማ ፖለቲካ ተንከፍ ጉዳይ እንተድኣ ኮይኑ፡ ስዒቡ ዝመጾ ሰበብ ስለዝፈልጥ ንድሕነት ነብሱ ክብል ዝገብሮ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። እዚ ክኸውን ዝኽእል ግን ኣብቲ ዝነብረሉ ቦታ ወይ ሃገር ሓሳብካ ብነጻነት ናይ ምግላጽ ዲሞክራስያዊ መሰል ምስ ዘይህሉ እዚ ጸገማት’ዚ ከጋጥም ይኽእል እዩ።
ናይዚ ኣብነት ክኾነና ቃላት ውልቀ መላኺ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ከም ዘለዎ ካብ ምድጋም ሓሊፋ ካልእ ህዝባዊ ስራሕ ዘይብላ ኤሪ-ቲቪ፡ ካብ እተቕርቦም መደባታ ሓደ ዝኾነ ልዝብ መንእሰያትን መደብ ብጋህድን ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐርብ ከም ኣብነት ምውሳድ ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ ክልቲኡ መደባት እዚ ዝቐርብ ብትሕዝትኡ ይኹን ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ነቲ ውጹዕ ሕብረተሰብ ዘገልግል ዘይኮነስ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ዕድመ ፖለቲካዊ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝዓለመ ምዃኑ ዘየዳናግር ሓቂ እዩ። ልዝብ መንእሰያት ኣብቲ እተዳልዎ መመያየጢ ይኹን ኣመራርጻ ናይቶም ዕዱማት መንእሰያት እንተ ተመልኪትና፣ እቲ መላዘቢ ኢሉ ዝቐርብ ኣርእስቲ ንስርዓት ህግደፍ ዘድንቕ ወይ ድማ ብኣሉታዊ ዘይግምግም፡ እቶም መንእሰያት ተባሂሎም ዝቐርቡ ድማ ካድራት ሕመረት ዝኾኑ ካብ ሃማመተኤ ብሕርያ ተመሪጾም ዝመጹ እዮም። ኣብቲ ዝህብዎ ርእይቶ እንተ ርኢናዮም ‘ውን ገሊኦም ብዘለዎም ጠቕሚ ተደሪኮም፡ ገሊኦም ድማ ንመንግስቲ እንተነቒፈስ ብድሕሪኡ ዝመጸኒ ሽግር ክጻውሮ ኣይክእልን እየ ካብ ዝብል ፍርሒ ተበጊሶም፡ ንመንግስቶም ክንእዱን ክውዱሱን ግዜ ዝዓርቦም ስራሕ ኣልቦ መንእሰያት እዮም። ኣብዚ ግን ከይጠቐስክዎ ክሓልፍ ዘይደሊ ነገር እንተሃልዩ ካብቶም ተሳተፍቲ ልዝብ መንእሰያት ዝኾኑ ውሑዳት፡ ነቲ ንህግደፍ ዝጣበቕ ርእይቶታት ከም ዘይቅበልዎ ክገልጹ ኣብ ዝፍትንሉ ግዜ፡ እቲ መራሒ መድረኽ ዝኾነ ግዜጠኛ ዝሞይኡ ግን ድማ ናብ ካድር ዝተቐየረ ጋዜጠኛ ነቲ ተጻራሪ ርእይቶ ዝህብ ሰብ ብምኹላፍ ወይ ድማ ሓሳቡ ብምስባር ክቕይር ዝፍትነሉ ኣጋጣሚታት ተዓዚበ እየ።
በዚ በለ በቲ ግን እዚ ኣብ ልዝብ መንእሰያት ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝድግፍ ዝቐርብ ሓሳብ፡ ናይቲ ዝበዝሐ መንእሰይ ሓሳብ ከም ዘይኮነ፡ እንታይ ደኣ ናይቶም ካብቲ ስርዓት ተጠቀምቲ ዝኾኑ ኣባላት ሃማመተኤን ሕመረትን ርእይቶ ምዃኑ እዩ። ናብ ካልእ ከይከድና ነዚ ዝኸውን ኣብነት ንምጥቃስ ድማ እዚ ብኣሽሓት ዝቑጸር መንእሰይ ዝስደድ ዘሎ ዓዱ ጸሊኡ ዘይኮነስ፡ ምሕደራ ህግደፍ ስለዝመረሮ እዩ። ኮይኑ ግን ስደት ግዝያዊ መፍትሒ ድኣ እምበር ነባሪ ፍታሕ ዘምጽእ ኣይኮነን። ስለዚ መንእሰያት ሽግርና መሊኡ ከብቅዕ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ንምውጋድ ክንቃለስ ይህልወና እብል።
ካብ ዓንዶም በርሀ
መዓስከር ስደተኛታት ሽመልባ
ድ.ሰ.ደ.ኤ
2013-03-13
|