|
ኤሃባዲለ ን8 መጋቢት 2013 ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ |
|
|
|
|
Written by ENCDC
|
|
Saturday, 16 March 2013 10:57 |
|
ኤሃባዲለ ን8 መጋቢት 2013 ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ
ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓት ኣኽቢርዎ ውዒሉ።
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ን8መጋቢት 2013 ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓት መሰል ደቂ ኣንስትዮ እተውሕስ ኤርትራ ክንሃንጽ ኢና ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ኣኽቢርዎ ውዒሉ። ኣብ’ቲ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝተገብረ ጽንብል ኣባላት ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ወከልቲ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንዝተፈላልዩ ወከልቲ ውድባትን ዕድመ ዝተገብረሎም ኣጋይሽን ከም ዝተረኽቡን ነቲ ባዓል ዘንጸባርቑ ዝተፈላልየ ትሕዝቶታት ከምዝቐረቡን ይፍለጥ።
ኣብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ወ/ሮ ትዕግስቲ ብርሃነ ኣብ መኽፈቲ እቲ ጽንብል ኣብ ዘስማዓቶ ቃል ስርዓት ህግደፍ ነታ ድርብ ወጽዓ ተጻዊራ ኣብ ቃልሲ ማዕርነታ ብተግባ ርዘረጋገጸት ጓል ኣንስተይቲ መሰላ ገፊፉ ጥራሕ ዘይኮነ መወዳድርቲ ዘይብሉ ገበናትን ጭቆናን ኣብ ልዕሊ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ የብጽሕ ከምዘሎን ንዝኸፍአ ሐስምን ስደትን ከምዝተቓለዐትን ኣበየ ከባቢታት ውሽጥን ደገን ድማ ዘሕዝን ውረደት ተሕልፍ ከምዘላገሊጻ።
ወ/ሮ ትዕግስቲ ኣብ መግለጺኣ ሕጂ’ውን መሰለን ማዕርነትን ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ዝረጋግጽ ብዘይሕለል ቃልሲ ጓል ኣንስተይቲ ምዃኑ ብምግላጽ ነዚ ተግባራዊ ንምግባር ሎሚ’ውን ከም ቀደማ ዕጥቃ ሸጥ ኣቢላ ንገባቲ ስርዓት ህግደፍ ክትገጥም ከምዝግባእ ገሊጻ።
እዚ ብክብ ዝበለ ስነ ስርዓትን ዝተፈላለየ ስቓይ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይትን ዘንጸባርቕ ትሕዝቶታትን ተሰንዩ ዝተኻየደ ባዓል እዚ ዘሰክመና ሓላፍነት ከቢድ ምዃኑ ንሰማማዕ ብዝብል ሓበራዊ ቃል ዝተዛዘመ ኾይኑ ብዝተፈላልየ ጭሮሖታት ውን ማዕሪጉ ዊዒሉ ኣሎ።
ኤሃባዲለ
ክፍሊዜና
10መጋቢት 2013
|