|
ነጻ ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ንሰላምን ዲሞክራስን ጨንፈር ጀርመን
:-:
اتحاد المرأة الإرتریة المستقل للسلام والدیمقراطیة – إقلیم أوروبا
Independent Eritrean Women Association for
Peace and Democracy –German Branch
8 መጋቢት ሓበን ውጽዓት፡ ክትዕምብብ ትንበር ::
ብወ/ሮ ምልእት ተስፋጋብር ኣደ መንበር ጨንፈር ጀርመን
ብዕለት.9.03.2013 ኣብ ከተማ ካስል ዝቀረበ ጹሑፍ::
ኩቡራትን ኩቡራንን ዕዱማት ኣጋይሽና ብሽመይን ብስም ነጻ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ዕድመና ኣኽቢርኩም ብምምጻእኩም ከየመስገንኩኹም ክሓልፍ ኣይደልን: ከም‘ውን ኣብ ሞንጎና ዝተረኽቡ ኩቡራት ኣጋይሽ: ብጻይ ጸጋይ የውሃንስ ኣቦመንበር ባይቶ: ብጸይቲ ፍረወይኒ ሃብተማርያም ምክትል ኣቦ መንበር ባይቶ: ብጻይ ደስበለ ማሓሪ ኣቦ መንበር ዞባ ኤውሮጳ: ከምኡውን ፍሊቲ ጋሻና ወ/ሮ ፈቨን ሓደራ እንቓዕ ብድሓን መጻእኩም::
ሸሞንተ መጋቢት፡- ንውጽዓት ደቂ ኣንስትዮ ዓለም፡ እታ ካብ ጸሊም ማሕበራዊ ሂወት ናብ ጎደና ሓርነት ዘቕነዐ ሽግ ዝወለዐት፡ በሪ ፍትሒ ዝኸፈተት፡ መርሆ ውጽዓት ብምዃና መጠን፡ ቅድስትን ብልጽግትን ዕለት እያ።
እዛ ዕለት እዚኣ፡ እተን ንማዕርነተን ተቓሊሰን ዓወት ዝሓፈሳ ደቂ-ኣንስትዮ ዝሕበናላ፡ አተን ገና ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዝርከባ ድማ ብዝያዳ ዝተባብዓላን ዕጥቀን ዘትርራላን ዕዝዝቲ ዕለት’ያ።
ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ፡- ብባህርያቱ ሓደ ዓቢ መሰጋግሮ ማሕበራዊ ምዕባሌ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ’ዩ። እዚ ማለት ድማ፡ ኣብ ኢኮኖምያዊ፣ ፖሎቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ ባህላዊ ወዘተ ዓውደ መስርሓት፡ ንመሰረታዊ ለውጥን ዕብየትን አቲ ማሕበረሰብ ክዉን ንምግባር፡ ኣዝዩ ግዙፍ ክብዖ ንድሚት ምኻኑ ኣየጠራጥርን።
ብንጹር ኣዘራርባ፡ ቃልሲ ደቂ-ኣንስትዮ ብቐንዱ፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡መሰል፡ማዕርነት ሰላም ማእከል ዝገበረ ቃልሲ ስለ ዝኾነ፡ መንሃርያ ኩልንትናዊ ዕብየት ኣብቲ ሕ\ሰብ እዩ። የግዳስ እዚ፡ እቲ ንመስረታዊ ለውጥን ውሑስ ማሕበራዊ ፍትሕን፡ ህያው ንምግባር ዕላማ ዝገበረ ቃልሲ ሕ\ሰብ፡ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ማዕርነታዊ ናይ ረብሓን ስልጣንን ምምቕራሕ፡ ‘ዝመለክዒኡ ገይሩ ንመደባቱ ቀይሱ ምስ ዝተሓሓዞ ጥራይ’ዩ ክረጋገጽ ዝኽእል።
ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ፡- ከም ኣካል ውጽዓት ደቂ-ኣንስትዮ ዓለም መጠን፡ ካብ ዝተፈርደለን ዓመጽን ጭቆናን ንምልቓቕ፡ ኣብቲ ንሰላሳ ዓመታት ዝወሰደ ሃገራዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንሕቶ ሃገረንን ሕቶ ማዕርነታዊ መሰለንን ብማዕረ ሰሪዐን፡ ንቓልሲ ቅናተን ኣትሪረን ዓትዓኦ። ንድርብ ዕማም ብድርብ ቃልሲ ብዝብል መኸተ፡ ዕላማታተን ብማዕረ ወዲነን ብምሓዝ፡ ቓልሲ ንምዕዋት ብኣድራጋ ዕጥቂ ገጠመኦ። ኣብ ኩሉ መዳያት ናይ ቃልሲ፡ ምስ ኣሕዋተን ደቂ-ተባዕትዮ ብማዕረ ተሰሊፈን፡ ኣካለን፡ ንብረተን፡ ሂውተን፡ ከፊለን ናጽነት ኣረጋጊጸን። እዚ ኮይኑ ከብቅዕ ግን፡ አቲ ኣብልዕሊ ህብና ዝወርድ አሎ መሪር ግፍዒ፡ በብእዋኑ ንኹሉ ዘርከበ’ካ እንተኾነ፡ እተን ብቐዳማይን ብዝላዓለን ደረጃ፡ በቲ ስርዓት ዝተረግሓን ዝተጨፍለቓን ግን እተን ደቂ-ኣንስትዮ እየን ኮይነን’የን ዝተረኽባ። ስለዚ ድማ፡-
ሎሚ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ብሓፈሻ ዝነብርኦ ዘለዋ ኩነታት፡ አንካንዶ ብተግባር ብሕልሚ’ካ ኣየጋጥምካ። ነብሰ-ጾራት ኣዴታት ኤርትራ፡ ምስቲ መሬት ዝልሓሰ ስእነት መግብን ናይ መድሃኒት ኣልቡነትን፡ ብዙሓት ኣብ ግዜ ሕርሲ ክሞታ ከለዋ፡ እተን ዕድል ረኺበን ምስ ውላደን ብሰላም ዝወጻ ወለዲ’ውን እንተኾነ፡ ወሊደን ህግደፍ ንዝግልገለሎም ቆልዑ ከዕብያ፥ ኣብ-ኢደን ዝወደቑ ኣረገውትን ሕሙማትን ክኣልያ፡ ካብ ሚሒር ጸገምን ጭንቀትን ንባዕላተን ንኣደዳ ስነ-ኣእምራዊ ሕማምን ስቓያትን ንካልእ ኣደርዓትን ተሳጢሐን ይርከባ፡፡
ሰብኡተን፡ ኣገልጉሎት ዝስሙ ወፍሪ ባርነት ከይዶም፡ ብዘይ ዝኾነ ሓገዝ ንበይነን ተቓሊሰን ዘዕበየኦም ቆልዑ፡ በብዝፈርዘንሉ አዋን፡ ህግደፍ ካብ ኢደን አናመንጠለ ልበን ምስደቀን ተሰሊቡ ከይኣክል፡ ድሃይ ደቀን በብዝሰኣናሉ ግዜ፡ ኣብ በረኻታት ክሃድሙ ብገበልን ሓርገጽን ክወሓጡ፡ ኣብ ሳሃራታት ወዲቖም ሂወቶም ከይሓለፈ ብኣሞራ ሰማይ ኣብ ሓጺር ደቓይቕ ኣብ ኣስካርየን ክልወጡ፡ ኣብ ባሕሪ ክጥሕሉን ብዓሳ ክቑለቡን፡ ብቐንዱ ድማ ኣብ ሲናይ ዓይኖም አናረኣየ ብኻራሩ ተጠቢሖም ውሽጣዊ ኣካላቶም እናተመዝሓቕ ክጉዘ፡ ብሕልሚ ቀትርን ብህረራ ለይትን ስቓያት አናተገናዘየለን ይነብራ ኣለዋ፡፡
መንአሰያት ደቂ-ኣንስትዮና ድማ፡ ኣብርእሲ’ቲ ምስ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮ ኣሕዋተን ዝተሸነነለን ኣረሜናዊ ግፍዒ፡ ከም ደቂ ኣንስትዮ መጠን፡ ብክብረተንን ውልዶ ሰውነተንን፡ ናይ ሰበ ስልጣናት ኤርትራን፡ ራሻይዳ፡ በደዊይን መላገጽን ሰለባን ክኾና ህግደፋዊ መርሆ በይኑለን እዩ።
ስለዚ፡ ካብዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን መንእሰያትና ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮና ድማ በፍላይ ዝፍጸም ዘሎ ባርባራዊ ግፍዒ ንምውጻእ እቲ እንኮ ምርጫ፡ ብዘይ ግብዝናን ምስልካይን ህግደፍ ንምምሓው ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዝጥለብ ሕጂ ኮይኑ’ሎ።
ንሕና ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ሕጂ’ውን ከም ኤረትራውያን መጠን፡ ገና ድርብ’ዩ ቃልስና። ሕቶ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ብሓደ ሸነኽ፡ ሕቶ መሰልን ማዕርነትን ጋል-ኣንስተይቲ ድማ በቲ ካላኣይ፡ ብማዕረ ወዲና ክንቃለስ መድረኽ ደጊሙ ሓላፍነት የስክመና ኣሎ።
ኣብቲ ብ2011 ኣብ ከተማ ኣዋሳ ዝተጋበአ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ እቲ ረዚን ዋጋ ዝተኸፍሎ ዕላማ ቃልሲ ደቂ አኣንስትዮ ኤርትራ፡ ተግባራውነቱ ኣብ ባይታ ዝረኣየሉ መባእታዊ ሰረት ኣቐሚጥና ኢና ንብል። አንተኾነ ግን፡ ኩልና ተቓለስቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ተታሓሒዝናን ሓቢርናን ምስ እንቃለስ ጥራይ አዩ ሽቶ ቃልስና ብዝላዓለን ዝተማለአን ደረጃ፡ ኣብ ልክዕ በትኡ ክስራዕ ዝኽእል።
በዚ ኣጋጣሚ፡- ኩለን ኣብ መሰረታዊ ለውጢ ዝኣምናን ንማዕርነታዊ መሰለን ዝግደሳ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ተቓውሞ ክዓስላን፡ ንመሰላተን ክቃለሳን እና ኣዘኻኸርና፡ እተን ኣብ ኣውረጳ ዝርከባ ድማ ኣብ ናጻ ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ንሰላምን ዲሞክራስን ተሰሪዐን ክቃለሳ ንጽውዕ።
ናጻ ማሕበር ኤርትራውያ ደቂ-ኣንስትዮ ንሰላምን ዲሞክራስን፡ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ፍትሓዊ ተቓውሞ ህዝብና ንምዕዋት፡ ኣብ ጎኒ ሃገርዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ደው ብምባል፡ ዝካይዶ ዘሎ ቃልሲ ኣብ ምዕዛዝን ምሕያልን፡ ግዲኣ ከተብርክትን ዝካኣላ ክትገብርን ምኻና፡ ኣብ ጉባኤኣ ዘስፈረቶ ውሳኔ እዩ።
ዓወት ንፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ዓወት ንውጽዕቲ ኤርትራዊ ጋል-ኣንስተይቲ
ውድቀት ንህግደፍን ምሓውራቱን
ዘልኣለማዊ ዝኽሪን መጎስን ንስዋኣትና
ናጻ ማሕበር ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ንሰላምን ዲሞክራስን፡ ጨንፈር ጀርመን
|