|
Written by በርሃነ ኣብራሃ’የ ካብ ሃገረ ከኒያ
|
|
Friday, 08 March 2013 10:22 |
|
ጭፍራ ህግደፍ ድሕሪ ተርእዮ ምንቅስቓስ ወተሃደራት ኣብ ርእሰ ከተማና ኣስመራን ምቁጽጻር
ንቤት ጽሕፈት ዜናን ነዚ ተኸቲሉ ኣብ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዝፈጠሮ ረስኒ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ማዕከናት ዜና ዓለም ዝነበሮ ዝርገሐን ሰንቢዱ፡ ካብ ክውን ሓቂ ክሃድም ከምዚ ኣጋጢሙ ኢሉ ንህዝቢ ብወግዒ ካብ ምሕባር ተቖጢቡ፡ ነዊሕ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር’ዩ። መራሒኡን ሰራሒኡን ኢሳያስ ኣፈወርቂ በቲ ዝተለምደ ኣምስሉ ልሳኑ፡ ድሕሪ 21 መዓልቲ ካብ’ቲ ፍጻሜ ኣብ መስኮት ቴሌቭዥን ቀሪቡ፡ ንተረኽቦ 21 ጥሪ 2013 ኣመልኪቱ ክምድር እንከሎ ብምንእኣስ እወ ከም’ዚ ይገብሩ ኣለው ከም’ዚ ይብሉ ኣለው ዝብል ሓበሬታ ሰሚዕና፡ እንታይ’ዮም ደልዮም ኢልና ብዙሕ ክብደት ኣይሃብናዮምን ኣብ ዕላል ነይርና። ደሓር ገለ ተጋጊና ነይርና ኢሎም ገዲፈፎምም ተበታቲኖም ሓደ ድማ ነብሰ ቅትለት ፈጺሙ እታ ፊልሚ ድማ ኣብኣ ተወዲኣ ክብል ገሊጽዎ። ዕላማ ናይ’ቲ ከምኡ ዓይነት መግለጺ ዝኾነ ጸገም ከምዘየጋጠመ ፍርሒ ከም ዘይብሉ መሲሉ ንምቕራብ ዝተማህዘ ምዃኑ ኣብ ፖለቲካ ኣድህቦ ዘይገብር ቆልዓ’ውን ዝደናገረሉ ኣይኮነን። ኣብ ኣወዳድባን ምዕቃብ ምስጢራውነት ዝነበሮ ሃጓፍ ወይ ጉድለት ንቕድሚት ዝርዝር ምስወጸ ብጭብጢ ዝዝረበሉ፡ እቶም ብሓባር ወሲኖም ኣብ መንገዲ ከዲዖም ናብ ጓጓ ኢሳያስ ዝተሸጎጡ ሰብ ኣመል በዓል መን ምዃኖም ዝንጸር ኮይኑ፡ ግን ሰፊሕ ምትእስሳር ከም ዝነበሮ፡ ኣብ’ቲ ወሳኒ ጭፍራ ራዕዲ ከም ዝፈጠረ፡ ገና ሕጂ’ውን ከምዘይዛሓለ ሓቢእካ ዘይሕባእ ሓቂ’ዩ። ኣብ ርሑቕ ገጠራት ኤርትራ ካብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ብከቢድ ብረት ተሰኒዩ፡ ናብ ከተማ ኣስመራ ኣትዩ ነቲ ትንፋስ ህግደፍን ጉሳዕ ትምክሕታዊ ባህሪኡን ዘቃልሕ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዜና ዝተቖጻጸረ፡ መውጋእትን መስዋእትን ዝተኸፍሎ፡ ውሑዳት ዘይኮኑ ዝተኣሰርሉን ተርእዮ ካልእ ማልእ ከይወሰኽካ ቀሊል ከም ዘይነበረ ንምግማቱ ኣየጸግምን።
ቅጥፈት ዝለመደ ኢሳያስ ግን ፈራሕ ክንሱ ደፋር ዘምስሎ ኣገላልጻ ተጠቒሙ። ነቲ ንውድቀቱን ለውጥን ዝቃለስ ዘሎ ህዝቢ ከደናገር ፈቲኑ። ኣብ ውዑይ ረመጽ ረጊጹ ህዝቢ እንዳበተነ እንከሎ ሃገር ሰላም ህዝቢ ቅሱን ክብለና ተደናዲኑ። ሓቂ ግን ብሓሶት ኣይትቕበርን ኢሳያስ ከደናግር እንተፈተነ፡ ኣምለኽቱን መጋበሪያታቱን ግን ዘይሎሚ’ኳ ኣይሰንበዱን ሃለዋቶም ኣየጥፍኡን። ሚኒስተር ሚኒስትሪ ዜና ነበር ዓሊ ዓብዱ ሃዲሙ፡ ተርእዮ ምንቅስቓስ ወተሃደራት ተወሲኽዎ እዚ ደወል ውድቀት ምዃኑ ብግቡ ዝተገንዘቡ ክሳብ ዝመስሉ ትም ሕትም ኢሎም። ነዚ ንምድህሳስን ኣንፈት ናይ’ቲ ምንቅስቓስን ፈጢርዎ ዘሎ ናይ ለውጢ ረስኒ ኣንፈቱ ንምጥምዛዝን ዝዓለመ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ኣካይዱ ነይሩ። ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ 1 መጋቢት 2013 ፈነወ ረድዮ ኣመሪካ ክፍሊ ትግርኛ ምስ ሓደ ሓላፊ ማሕበረ ኮም ህግደፍ ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ሓጺር ቃለ-ማሕተት ኣካይዳ ነይራ። እንተኾነ እቲ ናይ ሓለቕኡ ዝተባህለ ምድጋምን ዕድመ ስልጣኑ ዘናውሕ ምክልኻልን እንተዘይኮይኑ ናይ ገዛእ ርእሱ መግለጺ መንነቱ ዝኾነ ነጻ ርእይቶ ከም ዘይብሉ ዘንጸባረቐ ሓላፊ ዝተሓተቶ ገዲፉ ኣብ ዘይተሓተቶ ኮለል ክብል ተሰሚዑ።
እቲ መራሒ ማሕበር ኮም ህግደፍ ኣብ ዋሽንግቶን ምዃኑ ዝሓበረ ኣምላኺ ህግደፍ፡ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ኣኼባ ደሞክራስያዊ ተሳትፎ ናይ ኣኼበኛታት እንታይ ይመስል ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፡ ብቐጥታ ነቲ ዝተሓተቶ ኣብ ክንዲ ዝምልስ መንግስቱ ሎሚ’ውን ብዙሕ ደጋፊ ከም ዘለዎ ከጉልህ ተመጣጢሩ። ዓቢ ዝሓንካሶም ኩሎም ደልፋጻት ዝብልኹም ከም’ዚ’ዩ። ኢሳያስ ይሕሱ የገናን ኣምለኽቱ ብተመሳሳሊ ዘይተሓተትዎ ይምለሱ፡ ይሕስው የጋንኑ። ረድዮ ኣመሪካ ክፍሊ ትርግኛ፡ ኣብ’ቲ ኣኼባ ብዛዕባ ተርእዮ ምቅንቅስቓስ ወተሃደራት 21 ጥሪ 2013 ከምኡ ድማ ብዛዕባቲ ቁጠባዊ ዋዕላ እንዳተባህለ ዝጉስጎሰሉ ዘሎ ጉዳያት ተላዒሉ’ዶ ነይሩ እንተተላዒሉ እንታይ መልሲ ረኺቡ ዝብል ሕቶ ኣቕሪባትሉ፡ ንሱ ግን ናብ’ዚ ክኣቱ ኣይደለየን። ከም’ቲ ልሙድ ኣንፈት ጠምዚዙ መራሕቲ መድረኽ መደረ ከምዘስምዑ ህዝቢ ድማ ብልሳኑ ዘይኮነ ኣብ ገጹ ሕጉስ ምንባሩ ከንብብ ከም ዝኸኣለ፡ ብሓቂ’የ ዝብለካ ብሓቂ ብሓቂ ህዝቢ ሕጉስ ነይሩ፡ ሕማቕና ዝዛረቡ ጸላእትና ጥራሕ’ዮም ን14 ዓመት ተደጋጊሙ ዝኸይድ ዘሎ’ዩ። ንመንግስትና ዘይደገፈ ዋላ ኤርትራዊ ትውልዲ ይሃልዎ ኤርትራዊ ኣይኮይነን ኢሉ መዲሩ። ኢሳያስን ህግደፍ ደኣምበር ካልእ ክርኢ ዘይደሊ ድሑር ኣምልኾ ይብልኹም ከም’ዚ’ዩ። እዚ ሰብ’ዚ ናይ ገዛእ ርእሱ ነጻነት ከምዘይብሉ ካብ’ቲ ብወልደፍደፍ ዝመልአ መልሱ ንምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። ግን ካብ ዓበቕካስ ተቖናደፍ ከም ዝበሃል ሓንሳብ ካብ ኣተኽዎስ፡ ካብ ዝብል ኣጉል ኒሕ ይመስለኒ ንኤርትራውያን ኤርትራዊ መሰል የብሎምን፡ ንመንግስትና ዝነቐፈ ኩሉ ኤርትራዊ ኣይኮነን ኣብ ምባል በጺሑ።
ንምዃኑ’ኳ ህግደፋውያን ኣብ ልዕሊ ህዝብን ተቓወምቲ ውድባትን ዘለዎም ኣረዳድኣ። ካብ መሰረታዊ ባህሪኦም እንዳተበገሱ ስለ ዝዕቅንዎ ብዙሕ ግዜ፡ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ መሊሱ ክሃርመናዩ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክነብር ኣየኽእለናን’ዩ ከኽዕበናዩ ኢሎም ከይተሰከፉ ሕጂ መሊስካ ክትደግሞ ድፍረት ዘይበካ ግስሩት ቃላት ከጋውሑ ምጽናሖም ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ። ሎሚ ኣብ ድሮ ስዕረት ኮይኑ ዝተሓተቶ ኣብ ክንዲ ዝምልስ ኣብ ዘይተሓተቶ ዝህውትት ኤርትራዊ መንነት ክህብን ክኽልክልን ክመጣጠር ምስማዕ ግን፡ ከም’ቲ ዘእተወክስ ይፈትሓኪ ይዋእ ዝወለደኪ ዝበሃል፡ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥስ በዚ ዝሓሙ ኣይኮኑን ንሱን መኻይዱን ግን ጽንዓት ይሃብኩም ክበሃሎም ይግባእ እብል
በርሃነ ኣብራሃ’የ ካብ ሃገረ ከኒያ።
ድ,ሰ,ደ,ኤ, 2013-03-06
|