|
ካብ እስራኤል ናብ ኡጋንዳ ዝተጠረዘ ኤርትራዊ፡ መንግስቲ ኡጋንዳ ክቕበሎ ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቑ ይርከብ። |
|
|
|
|
Written by ድ.ሰ.ደ.ኤ.
|
|
Friday, 08 March 2013 10:18 |
|
ብህግደፍ ትውነን ፈነወ ረድዮ ኑማ እሱራት ይፈትሑ ዝብል መግለጺ ኣቃሊሓ።
መንግስቲ እስራኤል ብድሌቱ ናብ ኡጋንዳ ክምለስ ወሲኑ ብዝብል ናብ ካምፓላ ዘብጽሖ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ መንግስቲ ኡጋንዳ ክቕበሎ ፍቓደኛ ብዘይምዃኑ ናብ ኤርትራ ንምጥራዙ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ግብጺ ተታሒዙ ከም ዝርከብ ረድዮ ኤረና ሓቢራ።
እዚ ተስፋምህረት ሃብተማርያም ዝተባህለ ኤርትራዊ መንእሰይ ብ26 ለካቲት 2013 ካብ እስራኤል ተበጊሱ፣ ኣብ ኡጋንዳ ድሕሪ ምእታዉ፣ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኡጋንዳ ንኣርባዕተ መዓልቲ ተታሒዙ ከምዝጸንሐ ዝገለጸት ረድዮ ኤረና፡ ብመንገዲ ግብጺ ናብ ኤርትራ ንምጥራዙ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ግብጺ ከም ዝርከብ፡ እንተኾነ እቲ መንእሰይ ናብ ኤርትራ ንኸይጥረዝ ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክሕግዝዎ ጻውዒት ተጌሩ ምህላው ገሊጻ።
እስራኤል ብስዉር ስደተኛታት ሃገራት ኣፍሪቃ ትጥርዝ ምህላዋ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትከምዘረጋገጸን ኣመልኪታ።
ብህግደፍ ትውነን ፈነወ ረድዮ ኑማ እሱራት ይፈትሑ ዝብል መግለጺ ኣቃሊሓ።
ደርፍን መዛናግዕን መደባት ተቕርብ ብህግደፍ ትውነን ፈነወ ረድዮ ኑማ ብ6 መጋቢት 2013 ኣብ ናይ ድሕሪ ቀትሪ መደባታ ሃንደበት እሱራት ይፈትሑ ዝብል ሓጺር መግለጺ ምስ ኣስመዐት ሽዑ ንሽዑ መደባት ከም ዝተቖራጸን ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ኣፍሊጦም።
እታ ረድዮ ብዛዕባ ኣብ ጎቦታት ናቕፋ ዑደት ዝገብሩ ዝነበሩ ሰባት ኣመልኪታ እንዳመሓላለፈት እንከላ፡ ተኸታተልታ ትጽቢት ዘይገበርሉን፡ ምስቲ ተሕልፎ ዝነበረ ኣርእስቲ ዘይመሳሰልን ኣሱራት ይፈትሑ ዝብል መግለጺ ምስ ኣስመዐት ብኡ ንብኡ ጠጠው ምባላ ከም ዘግረመሎም፡ እቲ ተርእዮ ምስ ናይ 21 ጥሪ 2013 ከም ዝመሳሰልን ሓቢሮም።
ነዚ መሰረት ብምግባር ንኩነታት ጸላኢ ብቐረባ ንዝከታተሉ ገለ ኤርትራውያን እዚ ካበይ ይብገስ እንታይ’ከ የመልክት ክብል ጋዜጠኛ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ንዘቕረበሎም ሕቶ፡ እዚ ብተራ ጌጋ ዝመጸ ኣይኮነን፡ ኣብ መንጎ ካልእ መደባት ኣትዩ እሱራት ይፈትሑ ዝብል መግለጺ፡ እቲ ብ21 ጥሪ 2013 ብወተሃደራት ዝተገብረ ምንቅስቓስ ከም’ቲ ኢሳያስ ከምስል ዝበሎ ዘይኮነስ፡ ገና ሂወት ከም ዘለዎ ዘመልክት’ዩ ክብሉ ግምቶም ገሊጾም።
|