Start እዋናዊ ዜና News ብምኽንያት 8 መጋቢት ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ብዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ
ብምኽንያት 8 መጋቢት ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ብዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/ ዝወጸ ውድባዊ መግለጺ PDF Print E-mail
Written by ደ.ግ.ሓ.ኤ   
Friday, 08 March 2013 10:06

ጀጋኑ ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

ሎሚ 8 መጋቢት ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ እነብዕለላ ታሪኻዊት ኣጋጣሚት እያ። እዛ ሎሚ መዓልቲ ብዓለ-ለኻዊ ደረጃ ንመበል 103 ግዝይኣ እነብዕላ ዘላ ክብርቲ ታሪኻዊት መዓልቲ እዚኣ፡ ደቂ-ኣስንትዮ ምእንቲ ማዕርነተንን ሰብኣዊ ክብረንን ክብላ ካብ ወጽዐአን ክናገፋ ዝተዋደቓላ ንምዝካር እትብዓል ትኹን ደኣ እምበር፡ ብተመሳሳሊ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ደቂ-ኣንስትዮ ንሓርነተን ናይ ዝገበረኦን ዝገብረኦ ዘለዋን ተጋድሎ ‘ውን እንዝክረላ ዕለት እያ። ውጹዓት ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኸኣ ከም ውጹዓት ኣካላት ናይ ዓለም ደቂ-ኣንስትዮ መጠን፡ እዛ ክብርቲ ታሪኻዊት መዓልቲ እዚኣ ከም ናተን መዓልቲ ‘ውን ብልዑል ድምቀትን ፍናንን ዘብዕላኣ ኣጋጣሚ ክትከውን ግድን እዩ። በዚ መሰረት ከኣ 8 መጋቢት ዓለም-ለኻዊት መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ዓመት መጸት ካብ መስርሕ ጸረ-ባዕዳዊ ሓርበኛዊ ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ 70ታት ንድሕሪት ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ብኽብሪ እናተዘከረት እትብዓል ዘላ ታሪኻዊት መዓልቲ እያ።

 

እዛ ክብርቲ ዕለት እዚኣ ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ወጽዐአን ንክናገፋ ናይ ዝገበሮኦን ዝገብረኦ ዘለዋን ተጋድሎ ዝዝከረላ ታሪኻዊት ኣጋጣሚት ትኹን ደኣ ‘ምበር፡ እዚ ኣብ ሕሉፍ ይኹን ሕጂ ኣብ ልዕሊአን ዝተፈጸመን ዝፍጸም  ዘሎን ወጽዓ’ዚ ንዐአን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ነቲ መላእ ውጹዕ ሕብረተሰብ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ካብ ዝምልከቱ ጭቆናታት ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግባእን። ንፍርቂ ኣካል ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ዝኾነት ጓል-ኣንስተይቲ ጨቊኑ ዝሓዘ ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ንፍርቂ ኣካል ንዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ ሓራ ክገብር ኣይክእልን’ዩ። ተራ ናይዘን ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ዝኾና ደቂ-ኣንስትዮ ኸኣ ኣብ ሓራ ዝወጸ ሕብረተሰብ፡ ሃገር ኣብ ምህናጽ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ጠቕላላ ውጹዕ ሕብረተሰብ ሓራ ንክወጽእ ኣብ ዝገብሮ ተጋድሎ ‘ውን፡ ብዘይካ ናይ ጭቁናት ደቂ-ኣንስትዮ ተሳትፎ እቲ ቃልሲ ኣብ ዝበጽሖ የብሉን። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ’ዩ ብዘይካ ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝዕወት ሰውራ /ቃልሲ/ የለን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ደረጃ ሓርነት ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ብደረጃ ሓርነት ደቂ-ኣንስትዮ ናይቲ ሕብረተሰብ ይዕቀን ተባሂሉ ዝግለጽ።

 

ስለዝኾነ ኸኣ እዛ ታሪኻዊት ኣጋጣሚት እዚኣ ንመላእ ውጹዓት ደቂ-ኣንስትዮ ብቐዳምነት እትምልከት ትኹን ደኣ እምበር፡ ብሓፈሻ ንመላእ ውጹዕ ሕብረተሰብ ዓለም ብፍላይ ከኣ ነተን ኣብ ትሕቲ ጸረ-ህዝቢ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ሕሳረ-መከርአን ዝርእያ ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮን መላእ ውጹዕ ሕብረተሰብ ኤርትራ፡ ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኩሉን እትምልከት ታሪኻዊት ኣጋጣሚት እያ። ጨፍጫፊ ጸረ-ህዝቢ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍን ብስም ደቂ-ኣንስትዮ እትነግድ መጋበርይኡ ዝኾነት ሃማደኤን፡ እዚ ናይ ውጹዓት ደቂ-ኣንስትዮ በዓል እዚ ኣይንታዮምን’ዩ። እቲ ስርዓትን መሳርሒቱ ዝኾነት ማሕበር ሃ.ማ.ደ.ኤን ዕድመ ስልጣኖም ከናውሑ ክብሉ፡ ብጓንጓ ጭርሖታትን ዘብለጭልጭ ዳንኬራታትን ተኸዊሎም ዘብዕሉሉን ከበሮታት ዝድስቕሉን እምበር፡ ፍትሕን ማዕርነትን ናይ ምንጋስ ታሪኽስ ድሕሪ ነጻ ሉዑላዊት ሃገር ምርግጋጽ ተረጊጹ ኣብቂዑ’ዩ።

 

ውጹዓት ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ!

 

ሎሚ 8 መጋቢት ዓለም-ለኻዊት መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ብክብ ዝበለ ድምቀት ከነብዕላ እንከሎና፡ እተን ኣብ ታሪኽ ሃገራዊ ሓርነታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ሰለማውን ዕጥቃውን ቃልሲ ቅያ ዝሰርሓ ጀጋኑ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ፡ ሕጂ ‘ውን ብጽንዓትን ተወፋይነትን ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል ከይተሓለላን ኣላሽ ከይበላን ሕድሪ ስውኣት ከየዕበራን ዝቃለሳ ዘለዋ ደቂ-ኣንስትዮ ከይዘከርካ ክሕለፍ ኣይከኣልን። ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ መድረኽ ሰለማዊ ቃልሲ ኣብቲ ኣንጻር ገዛእቲ ስርዓታት ኢትዮጵያ ዝካየዱ ዝነበሩ ሰለማዊ ተቓውሞታት፡ ኣብ ናይ ተመሃሮ ይኹን ናይ ሰራሕተኛታት ሰለማዊ ሰልፍታት ምንቅስቓሳት፡ ብቅሉዕን ብስቱርን ኣብ ዝተኻየዱ ተጋድሎታት እናተሳተፋ እየን እቲ ቃልሲ ናብ መድረኽ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተሰጋገረ።

 

ኣብ መድረኽ ዕጥቃዊ ቃልሲ እንተኾነ ‘ውን ከምቲ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ፡ ኣብ ናይ መጀመርያ መድረኽ እቲ ጎንጻዊ ቃልሲ ብውሑድ ዓቕምታት ኣብ ዝተበገሰሉ፡ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ተወዲበን ናይ ጸላኢ ኩነታት ሓበሬታን ነቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘድሊ ካልኦት ናይ ኣገልግሎትን ቀረባትን ኣብ ናይ ከተማ ደባይ ስርሓትን እናተሓባበራን፡ ነቲ ተጋድሎ ብኹሉ መዳያቱ ክሕይልን ክዕወትን ሓርበኛዊ ተረአን ተጻዊተን እየን። ድሕሪ መፋርቕ ስሳታት ከኣ ብውሑድ ቁጽሪ ኣብቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክስለፋ ዝጀመራሉ ህሞት ኮይኑ፡ ኣብ ሰብዓታት ከኣ ከምቲ ኩሉ ኣካል ክፍልታት ሕብረተሰብ ብብዝሒ ናብ ሰውርኡ ዝወሓዘ፡ ኣብዚ ህሞት እዚ ‘ውን ንሳተን ብብዝሒ ዝተሰለፋሉ መድረኽ ነይሩ። ኣብዚ ከኣ ምስቲ ኩሉ እቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ብሰንኪ ውሽጣዊ ዘይብቕዓት፡ ኣብ ሕቶ ሓድነትን ሕቶ ምርግጋጽ ፖለቲካል ዲሞክራስን ካልኣዊ ግርጭታት ኣብ ምፍታሕ ዘጋጥሞ ዝነበረ ጸገማት፡ ጓል-ኣንስተይቲ ‘ውን ነዚ ጸገማት እዚ ንምፍታሕ ከምቶም ካልኦት ኣሕዋታ እትገብሮ ባህርያዊ ተፈጥራዊ ጸገማት ዝተደረባ ተጻዊራ፡ ኣብ ኩሉ መደያት ቃልሲ ኣብ ፖለቲካዊ፡ ህዝባውን ማሕበራውን፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ወተሃደራውን  ጸጥታውን መዳያት ተዋፊራ ተራኣ ተጻዊታ እያ።  ብጅግንነት ተዋጊኣን ኣዋጊኣን ብተወፋይነት ተሰዊኣን እያ። ከምቲ ካልእ ክፍልታት ሕብረተሰብ ነቲ ሰውራ ደጀን ኮይና ኣብ ሓፋሽ ማሕበራት ተወዲባ ነቲ ቃልሲ ብኩሉ ብጉልበታን ብገንዘባን ብቃልሳን ክሳብ ምሉእ ደሞዛን ስልማታን /ወርቃ/ ኣራጊፋ፡ ጀጋኑ ደቃ ኣብ ቅድመ ግንባር ክረባረቡን ክስውኡን ፍናን ሂባ ተቓሊሳን ኣቃሊሳን እያ። በዚ ኸኣ ኤርትራዊት ጓል-ኣንስተይቲ መንእሰይ ትኹን ኣደ ብቖራጽነትን ጅግንነትን ዝሰርሓቶ ቅያ እዚ ብሓፈሻ፡ ኣብ ታሪኽ ሃገራዊ ሓርነታዊ ሰውራታት ዓለም ብፍላይ ከኣ ኣብ ታሪኽ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ንዘልኣለም እናተዘከረ ዝነብር ዓቢ ምዕራፍ ዝሕዝ’ዩ።

 

ምስ ጀጋኑ ኣሕዋታ እዚ ኩሉ ቅያን መስዋእትን ከፊላ ናይ ማርዕነት ሕቶኣ ‘ውን ኣብ ምፍታሕ ኣብ ሓደ ኣገዳሲ ምዕራፍ ክበጽሕ ዝኽእል ዝነበረ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ መሊኡ ኣይተዓወተን። እቲ ምእንቲ ሰላምን ዲሞክራስን፡ ማሕበራዊ ፍታሕን ልምዓትን ዝተኻየደ ተጋድሎ፡ ብጸረ-ህዝቢ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ተመንጢሉ፡  ንሳ ‘ውን ከምቲ ኩሉ ዉጹዕ ሕብረተሰብ ሓሳረ-መከራ ክትርእን ብድርብ ጭቆና ክትሳቐን ተገዲዳ ኣብ ቃልሲ ትርከብ። ብደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዕስክርና ጊላዊ ስርሓትን ኣብ ዘይተደላይ ናይ ዓመጽን ጥንስን ሕርስን፡ ካልኦት ተመሓላለፍቲ ሕማማትን መርወይ ጾታዊ ስምዒታት ናይ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ዝርከቡ ሓለፍቲ ከዳሚቶም ኮይና፡ ማሕበራዊ ህይወታ ተናጊዑ ንስደትን ዓመጽን ተቓሊዓ፡ ከም ካልኦት ኣሕዋታ ኣብ ባህሕርን ምድረ-በዳን ምጥፋእን፡ ብነጋዶ-ሰብ ዝገጥምዎ ዘለው ናይ ምጭዋይን ምእሳርን ኣካላት ናይ ምጉዳልን ሞትን ብተመሳሳሊ ንሳ ‘ውን እትስቐየሉ ዝጸንሐትን ዘላን ሕሰም እዩ። ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ምስ እዚ ኩሉ ዘጋጥመን ዝጸንሐን ዘሎን ሕሰመ-መከራ፡ ሕጂ ‘ውን ደኺምናን ረብሪብናን ከይበላ እቲ ኣብ ሕሉፍ መስርሕ ብረታዊ ተጋድሎና ዝገደፈለን በሰላን፡ ዕላማታት ህዝብና መሊኡ ዘይምዕዋቱን ብኡኡ ከይተዳህላ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኩሉ መደያዊ ቃልሲ፡ ብተወፋይነትን ጽንዓትን እጃመን ዘበርክታ ዘለዋ ግደአን ብጣዕሚ ኣቃሊልካ ዝረአ ኣይኮነን።

 

ጀጋኑ ተቓለስቲ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ!

 

በዛ ሎሚ ታሪኻዊት ኣጋጣሚ 8 መጋቢት ዓለም-ለኻዊ መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ እዚኣ፡ ከም ናይ መኸተን ቃልስን ዓወትን መዓልቲ መጠን ካብቲ መሊኡ ዘይተዓወተ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ተጋድሎና ክንመሃሮን፡ ንቕድሚት ኣማዕቢልና ክንዕወተሉን ዘለና መርሆ ምርኣይ ኣገዳሲ’ዩ ንብል። ብፍላይ ከኣ ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ካብ ምርግጋጽ ሕቶ ፖለቲካዊ ዲሞክራሲ ተነጻጺሉ ዘይከይድ ደርባውን ፖለቲካውን ሕቶ እዩ። ንደቂ-ኣንስትዮ እቲ ብደቂ-ተባዕትዮ ዘጋጠመን ትምክሕታዊ ኣተሓሳስባታት ብወሳንነቱ ኣብ ኢኮኖምያዊ ጉዳይ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ፖለቲካዊ እውን’ዩ። ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ዝተተኽለሉ ኣብ ኩሉ-መደያት ማዕረ ናይ ምስታፍ ዕድል ሕገ-መንግስታዊ ኣፍልጦ ረኺቡ ኣብ ተግባር ኣብ ዝውዕለሉ ግዜ፡ እቲ ብማዕርነት ክሳተፋ ብቕዓት እናሃለወን እቲ ነብስኻ ኣትሒትካ ናይ ምርኣይ ስምዒት ክስበርን፡ ደረጃ ብደረጃ ቁጠባዊ ሓርነት ክረጋገጽ ብተግባር ማዕረ ተሳታፍነት ኣብ ባይታ ክውን ይኸውንን። እዚ እቲ ሕመረት ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ብዘላቒ ኣብ ምፍታሕ ክኸይድ ዘለዎ መስርሕ ይኹን ደኣ እምበር፡ እቲ ሕጂ ንኩሉ ሕብረተሰብ ኤርትራ እንኮላይ ንሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ምፍታሕ ዓጊቱ ሒዙዎ ዘሎ ስርዓት ንምውጋድ እዋናዊ ዕማም ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ውጹዕ እዩ።

 

ሕጂ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ሕቶ ሰላምን ዲሞክራስን ናይ ህዝብታትና ምርግጋጽ እቲ ቀዳማይ ዕማምና’ዩ። እዚ ማለት ነዚ እዋናዊ ዕማም እዚ ኩሉ ማእከሉ ገይሩ ከይሰርሕ ካብ ዘጻግምሉ እቶም ኣብ ሕሉፍ መስርሕ ሃገራዊ ሓርነታዊ ተጋድሎና፡ ንሕቶ ሓድነትን ሕቶ ፖለቲካዊ ዲሞክራስን ብግቡእ ፈቲሕካ፡ ካልኣዊ ግርጭት ካልኣዊ ቦታ ናይ ዘይምትሓዙ ዘይብቕዓት ብዝምድናዊ ኣዘራርባ፡ ሕጂ ተቐራሪብካ ናይ ምስራሕ ባይታ ዝሓሸ ጅማሮታት ዝተኸሰተሉ ይኹን ደኣ እምበር፡ እዞም ሽግራት እዚኣቶም መሊኦም ዝተፈትሑ ኣይኮኑን። ናይ ጽበትን ትምክሕትን፡ ውልቃውን ጉጅላውን ረብሓታት ቅድሚ ሓባራዊ ሃገራዊ ረብሓታት ናይ ምስራዕ መሊኡ ዝተወገደ ኣይኮነን። ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ከኣ ምስ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባታትን እቲ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ኣብ ናይ ወገን ወገንካ፡ ሃይማኖተይ ሃይማኖትካ፡ ኣውራጃይ ኣውራጃኻ እናተባህለ ኣብ ድሕረት ተሸኺሉ ክቃለስ እንተድኣ ኮይኑ፡ ህዝባዊት ዲሞክራስያዊት ሃገር ኣብ ምርግጋጽ ይኹን ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ምፍታሕ ዝተሰናኸለ’ዩ ዝኸውን። ስለዚ ደቂ-ኣንስትዮ ይኹና መንእሰያት ብሓፈሻ፡ ኣብዚ ዘለናዮ ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ መስርሕ ተጋድሎ ዕዙዝ መሪሓዊ ተርኦም ክጻወቱ እንተዳኣ ኮይኖም፡ ካብዚ ናይ ድሕረት ኣተሓሳስባታት እዚ ዝተገላገሉ ክኾኑ ይህልዎም። ሕቶ ደቂ-ኣንስትዮ ብዘላቒ ንምፍታሕ ካብ ዝሕግዙ ረቛሒታት፡ ሕቶ ፖለቲካዊ ዲሞክራሲ ብምልኣት ንምርግጋጽ ምቅላስ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ሕቶ ሓርነት ናይቲ ደቂ-ኣንስትዮ ዝነብራሉ ዘለዋ ሕብረተሰብ ምርግጋጽ እውን ወሳኒ እዩ።

 

እዚ ደቂ-ኣንስትዮ ዝተሳተፈኦ ብመንገዲ ሃገራዊ ዋዕላን ሃገራዊ ጉባኤን ኣቢሉ ዝተረጋገጸ ምምስራት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ኣብ ሓድነት ደምበ-ተቓውሞ ኤርትራ ኣገዳሲ ስጉምቲ ንቕድሚት’ዩ። ኮይኑ ግን እዚ ሰፊሕ ሃገራዊ ግንባር እዚ ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ናይ ሃገርና ወቕቲ እዚ፡ ብዝተፈላለዩ ሸነኻት ዝተፈላለየ ሽፋን ብምልባስ፡ ብሃይማኖታውን ካልእ ጉጅላዊ መልክዓት ንምምቓሉ ዝገበረ ፈተነታት ንጥቕሚ ሓድነትን ቃልስን ህዝብታት ኤርትራ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ኸኣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ውሽጣዊ ሓድነቱ ንምዕቃብ ኣብ ዝገብሮ ርብርብ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ዕዙዝ ተረአን ክጻወታ የድሊ። ብዘይ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ግንባር ምትእስሳራት ዕዙዝ ተራ ከም ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝኣመሰለ፡ ናይ ዝተፈላለዩ ዝንባሌታትን ምትእስሳራትን ሰፊሕ ጽላል ንበይኑ ተነጺሉ ክዕወት ኣይክእልን እዩ።

 

ስለዝኾነ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ከም ሰፊሕ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ምትእስሳር መጠን፡ ውሽጣዊ ዓቕምታቱ ኣማዕቢሉን ኣስፊሑን ብሓደ መርሆ ምስ ካልኦት ኣብ ክሊ ሓደ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ግንባር ዝወጸሉ ክጽዕትን፡ ኣብ ምዕዋት ሃገራዊ ባይቶ ዕዙዝ ተርኡ ክጻወትን፡ ተራ ደቂ-ኣንስትዮን መንእሰያትን ኣገዳሲ ይኸውን። ካልእ ካብቲ እናሻዕ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ለውጢ ንምምጻእ ዝግበሩ ጻዕርታት፡ ከምቲ ናይ ቀረባ እዋን ናይ 21 ጥሪ 2013 ናይ ፎርቶ ፈተነ ኣገዳሲ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ ይኹን ደኣ እምበር፡ ዝተዋደደ መጽናዕቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዝተነጸረ ናይ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ዕላማታት ተሓንጊጡ፡ ብውሽጥን ብደገን ምስ ውጹዕ ህዝብን ተቓወምቲ ሓይልታትን ብሓባር፡ ኣንፈት ናይ ምሓዙ ኣገዳሲ ምኳኑ ተመክሮ ምቕሳም የድሊ። ንስትራተጂኻ ንምዕዋት እትጥቀመሎም ምስጢራውያን ናይ ውደባ ጥበባት ምኽታል፡ ሓደ ካብቲ ንምዕዋቱ ኣገዳሲ ረቛሒ ዝኸውን ምዃኑ ምግንዛብ ‘ውን ኣድላይ እዩ።

 

ካልእ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ መዓልቲ እዚ፡ ደቂ-ኣንስትዮ ይኹና መንእሰያት ካብ ሕሉፉን ህልውን ተመክሮ ተጋድሎና ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ካብ ናይ ከባቢና ተመክሮታት ምምሃር ‘ውን ኣገዳሲ ምኳኑ’ዩ። መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን ኣብ ምልዕዓል ህዝባዊ ናዕብታት ናይ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዓረብ ኣገዳሲ ተራ ከም ዝተጻወቱ ዝዝከር እዩ። ኮይኑ ግን እቶም ነቲ ቃልሲ ብርሱን ወኒ ናብዚ ሕጂ ናይ ጽገናታት ደረጃ ክበጽሕ ካብ ዝገበረዎ፡ ደቂ-ኣንስትዮን መንእሰያትን ከምቲ ኣብቲ ምልዕዓል ዝግባእ ዝተጻወትዎ ተራ፡ ኣብ ምምራሕን ሕቶ ሰላምን ዲሞክራስን ልምዓትን ኣብ ምዕረፊኡ ከብጽሕዎ ዘኽእሎም መሪሕ ተራን ሓላፍነትን ከሰጋግሩ ኣይከኣሉን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ከም ብሓድሽ ተቓወምቲ ኮይኖም ክቕጽሉ ካብ ዝተገደዱ ብዙሓት ይርከቡ። ናይዚ ጠንቂ ከኣ ብቐዳምነት ንህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ዕላማታት ብንጹር ናይ ምቕማጥ፡ ናይ ዓወቱ ንጹር ስትራተጂ ተኸቲሉን ብኡ መጠን ተወዲብካ ናይ ዘይምቅላስን፡ ሓደ ካብቲ ኣብ ምዕዋቱ ዘጋጠሞ ጸገም ምዃኑ፡ ካብዚ ተመክሮ’ዚ ምምሃርን ተወዲብካ ምስ ኩሉ ሃገራዊ ሓይልታት ብዘይ ኣፈላላይ ሓቢርካ ምቅላስ የድሊ ንብል።

 

ዓወት ንሓርነታዊ ቃልስና!

ውድቀት ንቶታሊታርያዊ ስርዓት ህግደፍ!

8 መጋቢት ዓለ-ለኻዊት መዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ንዘልኣለም ከቢራ ትንበር!

ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስውኣትና!

 

ዲሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ /ደ.ግ.ሓ.ኤ/

8 መጋቢት 2013

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 65 guests online