Start ቆጸራታት Appointments Poems ሎሚ ክትሓልፍ ያ ክትከውን ያ ጽባሕ መበል /13/ ክፋል
ሎሚ ክትሓልፍ ያ ክትከውን ያ ጽባሕ መበል /13/ ክፋል PDF Print E-mail
Friday, 08 March 2013 09:52

ሎሚ ክትሓልፍ ያ ክትከውን ያ ጽባሕ

መበል /13/ ክፋል

ሕድሪ ሰማእታትና ክቡር እዩ

በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 

//ሉኡኻት ኢሰያስ ኣብ ጊሰን ረኣይዎም//

 

እንታዎት እዮም እዞም ሰባት

ኤረና ዝጠለሙ ሕድሪ ሰማእታት//


ከም ሃይለ ስላስየ ደርጊ

ንህዚቢ መቓቒሉ ከጋጊ…

ንኤረትራ ሜሬት እንበረ

ኣግነታታ ምስ ኣሕረረ

ንህዝባ ዘይደለ ብሓይሊ ዝተባረረ

ኢሰያስ ምስ ጭፍሩኡ  

ውን ብሓይሊ እዩ ዝእለ//

 

ናብ ስልጣን መን ሓኾረ

ድሕሪ ነጻነት ዝተገበረ

ምስጢር ኣሎ ዘይተነገረ//

 

እንታዎት እዮም እዞም ሰባት

ኤረና እስከ ንገርና

ናይ ሃይለ ስላስየ

ደርጊ ከይ ኣኽለና

ዘይ ኢድና ክፈድዩና//

 

ከም ኢዚ ኢልና ጨራሕና

ዶ ይኮናን ንሜዳ ዝወረድና//

 

ካብ ከተማታት ላሎየ ላሎየ

ኣንጭዋ በሊዓቶ ጃንሆየ

ምስ ተባህለ

ዓደ ተረፎሞ ጥራይ ሽማግለ

ክጋደል ነቒሉ እግሪ ዝተኸለ

//////

ኣብ ገጠር ካኣ ጎምበለ

ከምዚ እንዳ በለ

ናብ ኲናት ዘለለ

ኣይሓጸን እየ ኣኻዓየ

ካላሺነይ ሒዘ ክጋደልየ//

 

ሕጂ ኻኣ እንሆለ

ኣብ ዘበን ገበል ዝተባህለ

ካብ ዝተጋደለ

ምስ ኮነ ዘውደልደለ

ኣቦ እቲ ጅግና እታ ዋዕሮ

 ትም በል ምስ ተባህለ  

ዋርሳይ ብዘይ ውዕለት ምስ ሸቀለ

ንጀነራላት ምስ ኣገልገለ

ብህግደፍ ምስ ተበደለ

እንታይ ይረኽበኒ ከይበለ

ናብ ስደት የምርሕ እኖሆለ//

 

ሞት ሕጹይ ዓውኢልካ ይብከዮ//

 

ድሕሪ ነጻነት ዝተገበረ

ምስጢር ኣሎ ዘይተነገረ

ኣብ ኣስመራ ዝነበረ

ካብ ትሕቲ ሜሬት ምስ ተፋሕረ

ሹዑ እዩ ዝፈከረ

ሓሸውየ የለን ኢሉ ዝጨደረ//

 

ትፈልጡ ዶ ደቂ ኤረ

መን ክምዚ ከም ዝገበረ

ተማራመሩ መንዩ ምስ ተ.ሓ.ኤ ዝነበረ//

 

እወ ንሱ እንተ ዝነብር ዶ

ከምዚ ገሩ ምዓንደረ

 ኢሰያስ ወይ ምተባረረ

ወይ ትሕቲ ሜሬት ምሰፈረ

ወይ ምተባህለ ነበረ ነበረ//

 

ኣብ ከታማታት ዝነበረ

ውሽጣዊ ስርርዕ

ግንባር ዝትርብዕ

ነቲ ንህዝቢ ዘጋፍዕ//

 

ምስጢር ቾንቶ ኳትሮ

እቲ ንደርጊ ኣምዑቱ ዘሕረሮ

መን ካብ ትሕቲ ሜሬት ዘፍሃሮ

ዕድል ሃቡና ክሳብ ንዝርዝሮ

ምሱኡ ኣለዉ ናይ ተ.ሓ.ኤ መንዝሮ//

 

//ኮይኑና ኣሎ ሞት ሑጹይ ዓዊልካ ዘይብከዮ//

ንሱ እንተ ዝህሉ 

ነዚ የዋህ ህዝቢ ዶ ምተጻወቱሉ

ኢሰያስ ምስ ዑሱባቱ ተዃሉ//

 

ነዛ ስእሊ ሪኢኹም ተማራመሩ

ምሱኡ ኣለዉ ዝተዋፈሩ

ኣብ ድያስፎራ እንዳ ዞሩ

ንብረት ህዝቢ ዝፈገሩ

ኣምዑቱ ህዝቢ ዘሕረሩ

ሕሹኽ ዝብሉ ምሱኡ ዝማኽሩ

ብናውቲ ኣካላትና ዝቛመሩ//

 

እወ ንሱ እንተ ዝህሉ

ኢሰያስ ምስ ጭፍሩኡ ተዃሉ

ንህዝብና ማዓስ መዓንደሩሉ

ግን ደሓን ናበይ ከየብሉ//

 

ሞት ሕጹይ ዓውኢልካ ዘይብከዮ

ኣብ ውሽጥና ዝነበርኩም ዋህዮ

ከይመስለኩም ዝረሳዕናዮ 

ታሪኽ ኣሎ ዝሰነድናዮ

ቀሪብና ኢና ሳዓዕን እኽልን ክንመምዮ//

 

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ሰማእታትና

ኤረና ሎሚ ዓመት ክኸውንዩ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍን ዓንገልቶምን

 

 

 

 

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 63 guests online