Start እዋናዊ ዜና News መደብ ክወጽእ ብምትእምማን መደብ እንክፍጸም ምጥልላም!
መደብ ክወጽእ ብምትእምማን መደብ እንክፍጸም ምጥልላም! PDF Print E-mail
Written by ድ.ሰ.ደ.ኤ.   
Thursday, 07 March 2013 16:10

መደብ ክወጽእ ብምትእምማን መደብ እንክፍጸም ምጥልላም!

 

 

ውድብ ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ኣብ ሓደ መድረኽ ማለት ኣብ ግዜ ነጻነታዊ ብረታዊ ተጋድሎ ካብ’ቲ  ዘይደሞክራስያዊ ባህርኡን ተግባሩን  ዝብገስ ዝፈጸሞ ብሕግን ብሕልናን ዘሕተት  መሰረታዊ  ፖለቲካዊ ጉድለታት ከም ዘለዎ እንዳሃለወ፡ ኣብ ዓወደ ውግኣት  ዘሕብን ሓርበኛዊ ተራ ነይርዎም’ዩ።  እንተኾነ ኤርትራዊ ትውልድን  ምስ ኲናት ኣገጣጥምኡን ዝተኣሳሰረ ተራ ሓርበኛዊ ተወፋይነት ደኣምበር፡ ከም ውድብ ደሞክራስያዊ ባህርን ኣሰራርሓን፣ ግልጽነትን ተሓታትነትን፣  ውሽጣዊ ምትእምማንን ኣብ እምነትካ ምጽናዕን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ መዕቀኒታት ዝምልስ ኣካይዳ ኣይነበሮን። ዛጊት’ውን የብሉን። ንቕድሚት’ውን ክህልዎ ኣይክእልን። ውድብ ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ካብ ስሩት ኣወንታዊ ኤርትራዊ ባህላዊ ክብርታት ኣንጊሁ ዝፈለለ ፍጮ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ’ዩ። ካብ ስሩት ኣወንታዊ ኤርትራዊ ክብርታት፡ ግልጽነት፣ ሓባራውነት፣ ተወፋይነት፣ ኣብ ቃልካ ምጽናዕን ከም ኣብነት ንምጥቃስ ይከኣል። ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ግን ብፍላይ ኣብ’ቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ከም ርስቲ ዓትዒቱ ሒዙ ዘሎ ወሳኒ መሪሕነታዊ ኣካሉ፡ ውልቃውነት ደኣምበር ሓባራዊ ውሳነን ሓባራዊ ተጠቃምነት ኣይነበረን። ዛጊት’ውን የለን። ተወፋይነቱ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ጉድለታት ብዘለዎ ሓደ ሸነኻዊ ደኣምበር፡ ምልኣት ብዘለዎ ኣብ ንቕሓትን ኣፍልጦን ዝተሰረተ  ንህዝብን ስሩት ባህልታቱን ግቡእ ቦታ ዝሃበን ኣይነበረን። ውሽጣዊ ምትእምማንን ኣብ ቃልካ ምጽናዕን መካይዱ ኮይኑ ኣይጸንሐን። ካብ መጀመሪያ ክሳብ ሕጂ ፖለቲካዊ ምንዝርና ከም ብቕዓትን መዳይቦ ናብ ስልጣንን ገይሩ ብዝጥቀም ውሱን ጉጅለ፡ ኣብ’ቲ ውድብ መባእታዊ ደሞክራስያዊ መሰላት ከይተኣታቶ ብእምነት ጥልመት ክጭፍለቕ ይገብር ኣሎ።

ውድብ ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ፡ ብወሳኒ መልክዑ ብዝኽተሎ ወግዓዊ ፖለቲካዊ መስመሩ ዘይኮነ፡ ብጭካኔኡን፣ ጉጅላዊ ምትእስሳሩን፣ እንኮ ሰባዊ ውሳኔኡን ዝፍለጥ  ቀይዲ ኣልቦ ፋሉላዊ ውድብ ብምዃኑ፡ ኣብ ውሽጡ ወትሩ ህዝባውን ደሞክራስያውን ሕቶታት ክለዓል ጸኒሑ’ዩ። ውሑዳት ዘይኮኑ ካብ’ቶም ህዝባዊ ደሞክራስያውን ሕቶታት ዘልዕሉ ደቂ ህዝቢ ድማ፡ ጠቃኒ ኣስማት እንዳተዋህበ ብወግዕን ብስውሩን ክጠፍኡ ተገይሩ። ነቶም ብዝተፈላለዩ ሓላፍነት ዝጎደሎም በጋሚዶኣዊ መልስታት ማለት፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ምስ ጸላኢ እንዳተዋገአ ተሰዊኡ፡ ብወቕዒ ልቢ መይቱ፣ ኣበይ ከም ዝተሰወአ ኣይፍልጥን እንዳተባህሉ ብውልቀታት ዝሓቐቑ ህዝባውን ደሞክራስያውን ራኢ ዝነበሮም ባእታታት ከይሓወስና፡ ኣብ 1973  ኣብ ውሽጢ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ብወግዒ ዝፍለጥ ዝነበረ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ፡ ብኸመይን ብመንን ተጨፍሊቑ? እቲ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝፈልጥ፡ ነቲ ንውድብ ህዝባዊ ግንባር፡ ማዕከናት ዜና ህግደፍን ቃል ኢሳያስን ጥራሕ ሰሚዑ ዝፈርድ ሓቂ ኣጨቢጡ ክሕግዞ ይግባእ። ምኽንያቱ እቶም ንደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ 1973 ሓቀኛታት ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ መሲሎም ብሓባር ወሲኖም፡ ኣብ መወዳእታ ጠሊሞም፡ ሂወት ንጹሃን ብከንቱ ብመርሸንቲ ክጠፍእ ኣሕሊፎም ዝሃቡ መጋበሪያታት ኢሳያስ ብልክዕ ክፍለጡ ስለዘለዎም።

ተመክሮ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ 1973 ብመነ መን ተበጊሱ፡ ብመን’ከ ካብ ጉዕዞኡ ተዓናቒፉ ምሩጻት ደቂ ህዝቢ ግዳይ ዘይፍትሓዊ ውድታዊ ፍርዲ ኮይኖም ተረሽኖም ደቂቕ ኣፍልጦ ዘለዎ ሰብ ወይ ሰባት፡ እታ ብኢሳያስ ትዝወር ወሳኒት መሪሕነታዊ ኣካል ብኸመይ ከም ዝቖመት፡ መበገሲኣን ሸቶኣን እንታይ ከም ዝኾነ፡ ከም ዘተኣማምን ማሕበራዊ መሰረታ ገይራ ትሪኦን ትጥቀመሉ ክፍሊ፣  ብተግባር ትሰርሓሉ ኣገባብን ኣብ ምንባብ ኣይደናገርን። “ መን ምዃንካ ክፍለጥሲ ዓርኪ መን ምዃንካ  ንገረኒ” ከም ዝበሃል እቶም ዓበይትን ረዘንትን ዝመስሉ ግን ድማ ብተግባሮም ንእሽቱን ፈኮስትን ዝኾኑ ሚዛን ዘይብሎም ሰባት፡ ናይ መን  መጋበሪያታት’ዮም ልክዕ ስእሊ ንምሓዝ ዘጸግም ኣይነበረን። ኣብ’ዚ ላሕመታዊ ኣገንዝቦ ስለ ዝጸንሐ ግን፡ እቶም  ንደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ 1973 ዘግድዑ፡ ኣብ ምንቅስቃስ ጉጅለ 15 ተመሳሳሊ ጠላዕ ክጻወቱ ዕድል ረኺቦም። ኣካል ጉጅለ 15 መሲሎም ጽገናዊ ለውጥታት ክተኣታቶ  ሓቢሮም ወሲኖም፡ ኣብ መንገዲ ጠሊሞም  ንግሩሃት ኣደናጊሮም ብዋጋ ሂወት ካልኦት ስልጣኖም ኣደልዲሎም’ዮም። እቲ ጌጋ ግን ናቶም ዘይኮነ፡ ናይ’ቶም ንዕኦም ዝኣምኑ መኻይዶም ዘይፈልጡ፡ ነብሶም ንሓደጋ ኣቃሊዖም ነቲ ህዝባዊ ቃልሲ ዝጉድኡ ዘለው ግሩሃት ደለይቲ ለውጢ’ዩ። ብዝያዳ ዘሕዝን ድማ ኣብ’ዚ ተርዮ ናይ 21 ጥሪ 2013 ተመሳሳሊ ጌጋ ምፍጻሙ’ዩ።

 ደሞክራስያዊ ምንቅስቃስ 1973 ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ደሞክራስያዊ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ክተኣታቶ ዝጠልብ ብምንባሩ ክኑዕ ነይሩ። ሓቢሮም ብዝወሰኑ ባእታታት ጥልመት፡ እቶም ደሞክራስያውያን ባእታታት ተቖጽዮም፡ እቲ ሕቶ ግን ህያዊ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ምንቅስቓስ ጉጅለ 15  ኣብ መንግስቲ ህግደፍ ጽገናዊ ለውጢ ክግበር ዝጠልብ ቅኑዕ ተበግሶ ነይሩ። ግን ብሓቢሮም ዝወሰኑ ናይ ኒዮው ነጀው ታሪኽ ዘለዎም ሰባት ተጠሊሙ፡ ሸቶኡ ከይሃረመ ኣብ ሓደጋ  ወዲቑ። እቶም ግዳያት ናብ ቤት ማእሰርትን ሞትን ስድራ ቤቶም ናብ ከቢድ ማሕበራዊ ሽግርን ምብትታንን ተሳጢሖም።  መስርሕ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ድማ ናህሩ ክንኪ ኮይኑ። ንሓደ መንግስታዊ ትካል ተቖጻጺሩ ዝወዓለ፡ ገለ ዓበይቲ ሕቶታት ክምለሱ ብወግዒ ዝጠለበ  ተርእዮ ምንቅስቓስ ወተሃደራት 21 ጥሪ 2013 ቅኑዕ ክንሱ ተመሳሳሊ ናይ ዝሓለፉ ፈተነታት ዕጫ ገጢምዎ፡ ኣበገስቱ ግዳይ ሞትን ማእሰርትን ኮይኖም። ስለምንታይ ግን ተደጋጋሚ ጌጋ? ስለምንታይ ተደጋጋሚ መርገጽ ምስ ዘይብሎም ሰባት ኣብ ክንድ’ዚ ዝኸውን ጉዳይ ምውሳን?   “ዝሓለፈ ሓለፈ ሓለፈ ጸሓፍ ዝተረፈ” ከም ዝበሃል ካብ’ዚ እኩብ ድምር ግጉይን ቀታልን ኣክያዳታት ግቡእ ትምህርቲ ክሕፈሰሉ ይግብእ።

                         ድ.ሰ.ደ.ኤ. 25 .02.2013   

 

 

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 78 guests online