|
ሓደ ኮነሬል ዝርከቦም ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ህግደፍ ናብ ስዑዲ ዓረቢያ ኣትዮም።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ-ዑመር ክልተ እሱራት ከም ዝተቐትሉ ተገሊጹ።
ባይቶ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ
ሓደ ኮነሬል ዝርከቦም ጋንታ ምልእቲ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ህግደፍ መርከብ ሒዞም ናብ ሱዑዲ ዓረብያ ከም ዝኣተው ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ካብ ምንጭታቱ ንዝረቦ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር ኣፍሊጡ።
እቶም ነቲ ኣረሜናዊ መንግስቲ ራሕሪሖም ናብ ስዑዲ ዓረቢያ ዝኣተው ወተሃደራት ካብ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ከባቢ ገ ደምዋን ወተሃደራዊት መርከብ ሒዞም ከም ዝተበገሱን ብ 21/ለካቲት 2013 ናብ ወደባዊት ከተማ ጂዛን ከም ዝኣተዉን ደሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ሓቢሩ።
ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ህግደፍ ብጉጅለታት ጃላቡ ሒዞም ናብ ስዑዲ ዓረቢያ ክኣትው እዚ ናይ ሎሚ መቐጸልታ ደኣምበር ፈላሚ ከም ዘይኮነ፡ ናይ ሎሚ ፍሉይ ዝገብሮ ግን ምስቲ ብ21 ጥሪ 2013 ዝተጀመረ ናይ ወተሃደራት ተቓውሞ ዝተኣሳሰረን እቲ መንግስታዊ ጉጅለ ብዘይጥርጥር ኣብ ገምገም ውድቀት በጺሑ ምህላው ዘመላኽት ምዃኑን’ዩ ክብል ኣረጋጊጹ።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ-ዑመር ክልተ እሱራት ከም ዝተቐትሉ ተገሊጹ።
ኣብ ከባቢ ተሰነይ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ-ዑመር ተዳጒኖም ይሳቀዩ ካብ ዘለው እሱራት ብ20 ለካቲት 2013፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 5 ናይ ምሸት፡ 2 ሰባት ብሓለውቲ ቤት ማእሰርቲ ብዝተተኮሰሎም ጠያይቲ ሽዑ ንሽዑ ከም ዝሞቱ፡ ብዙሓት ድማ ከም ዝቖሰሉን ቤት ጽሕፈት ዜና ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣፍሊጡ።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ዑመር ክሳብ 800 ዝዀኑ እሱራት ከም ዘለው፡ ካብ’ኦም ዋላ ሓደ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበ የለን ዝበለ እቲ ዜና፡ መብዛሕትኦም እሱራት ብስገረ-ዶብ ወይ ድማ ብምዅብላል ዝተኸሱ ኣባላት ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና’ዮም ክብል ኣረጋጊጹ።
ባይቶ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዱ
ባይቶ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ካብ17-20 ለካቲት 2013 ኣብ ዘሎ ግዝያት ሽዱሽተ ወርሓዊ ስሩዕ ኣኼባ ብምክያድ፡ ናይ ዝሓለፋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ንጥፈታት ስራሕ ብዕምቆት ከም ዝገምገመን ኣብ ዝዝርገሖ ደምዳሚ መግለጺ ሓቢሩ።
ባይቶ ስምረት መንእሰያት፡ ኣብ ህልዊ ኩነታት ህዝብን ስርዓት ህግደፍን፣ ውደባ፣ ኣብ ነብስ ወከፍ ዞባታት ዘሎ ንጥፈታት ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር እንታይ ይመስል፣ ካብዚ’ከ ናበይ ኢና ኣብ ዝብሉ ኣገደስቲ ነጥብታት ተመያይጡ፡ ውሳኔታት ከም ዘመሓላለፈን እቲ ብ20 ለካቲት 2013 ዝወጸ ደምዳሚ መግለጺ ኣረዲኡ።
ባይቶ ስምረት መንእሰያት፡ ንኩነታት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ሱዳን ኣመልኪቱ ከም ዝተዘራረበ፡ ነቲ ዝነበረ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው ንጉዳዮም እትርኢ ሽማግለ ብምምዛዝ ምስ ወከልቶም ክመያየጥ መዲቡ ምህላው፡ ከምኡ’ውን ንኩነታት ኣብ ኤውሮጳ ዝርከቡ መንእሰያት ብምግምጋም ነቲ ዘጋጠመ እተጽንዕ ካብ ፈጻሚትን ባይቶን ሽማግለ ከም ዝመዘዘ ኣፍሊጡ።
ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓዲ እንግሊዝ ብውቶቡሳት ተጓዒዞም ዝተኣኻኸቡ ኣማኢት ኤርትራውያን ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ድሕሪ ስርሒት ፎርቶ 21 ጥሪ 2013 ንሳልሳይ ግዜ፡ ኣብ ፊት ኤምባሲ ህግደፍ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ፡ ድሕነት ኤርትራን ህዝባን ክረጋገጽ እንተኾይኑ፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብህጹጽ ተወጊዱ መሰረታዊ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክረጋገጽ ዝጠልብ ጭርሖታት የቃልሑ ምንባሮምን ካብ’ቲ ቦታ ዝተዘርገሐ ዜናዊ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቶም ሰልፈኛታት ኣቐዲሞም፡ ኣብ ማዕጾን መናድቕን ኤምባሲ ህግደፍ፡ ንጅግንነት ‘ቶም ኣብ ፎርቶ ናይ ለውጢ ምንቅስቓስ ዘካየዱ ምዑታት ወተሃደራት ዘመጉስ፡ ስእሊ ናይታ ፎርቶ ዝደየበት ታንክ ዘለዎ ዝተፈላለየ ጭርሖታት ጠቂዖም ከም ዝሓደሩን ተፈሊጡ፡፡
በቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተዳህሉ ኣምባሳደር ህግደፍን መጋበርያታት ህግደፍን ናብ ፖሊስ ብዘቕረቡዎ ጥርዓን መሰረት፡ኣዝዩ ብዝሒ ዝነበሮ ሓይሊ ፖሊስ ከም ዝተዋፈረ፡ ድሕሪ’ቲ ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ሓደ ኣዳራሽ ተኣኪቦም ናህሪ ናይ’ቲ ምንቅስቓስ ንለውጢ ብዝያዳ ዝሕይለሉ መንገድታት ከም ዝተመያየጡን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ድ,ሰ,ደ,ኤ, 25-02-2013
|