|
Written by ሽማግለ ባይቶ ዋሺንግቶን ዲሲ
|
|
Tuesday, 12 February 2013 11:19 |
|
ብዕለት 26 ጥሪ 2013 ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ብኣባላት ባይቶ ዝተኻየደ ሰሚናር ተኻይዱ።
ኣብዚ ሰሚናር እዚ ኣባላት ባይቶ ነቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ ቀዳማይ ዋዕላ ባይቶ ንዴሞክራሲያዊ ለውጢ ከመይ ከም ዝነበረ ኣብሪሆም።ብድሕሪ እዚ ድማ ተሳተፍቲ ሰሚናር ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ጀሚሩ ዘሎ ናይ ለውጢ መስርሕ ብኸመይ ይደጋገፍዎ ገምጊሞም፡ ከምእውን ንጉዳይ ስደተኛታት፡ ብፍላይ ድማ ንጉዳይ ሽገራብን ሲናይን ኣልዒሎም ዘትዮምን ብኸመይ ነዝውን ፍታሕ ኣብ ምርካብ ይተሓጋገዙ ዘትዮም። ሽማግለ ባይቶ ካብዚ ተሞርኪሱ እዚ ዝስዕብ ርእይቶኡ የቕርብ።
ሽማግለ ባይቶ ዋሺንግቶን ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ ምኵዋኑ ቅንጣብ ጥርጥር ኣሕዲሩ ኣይፈልጥን። እቲ ዝመጽእ ለውጢ ግን ዴሞክራሲያዊ ለውጢ ንምግባሩ እንታይ ክግበር ይግብኦ ኣብ ዝብል ግን ካብቲ ቐንዲ ባይቶ ንዴሞክራሲያዊ ለውጢ ዝቖመሉ እምነታት ይብገስ።
ኣብ ደቒ-ሰባት ዝርኤ ንነብስኻ ፍሉይ ገርካ ምርኣይ ተሞክሮ ንዓና ንኤርትራውያንውን ክጸልወና ዝኽእል ባህርይ ኢዩ። ብዝኾነ መንገዲ ለውጢ ይምጻእ እምበር ብድሕሪ ሽዑሲ ጸገም ኣይክህልወናን ኢዩ ዝብል ኣረኣእያ ሓደ ሓደ ግዜ ካብ ተስፋ ምቑራጽ ይኹን ካብ የዋህነት ወይውን ኮነ ኢልካ ንደምበ ተቓውሞ ንምህራም ካብ ዝሓለነኣረኣእያ ይብገስ ኢዩ።
ዝኾነ ፖለቲካዊ ባይታኡ ዘይመድመደ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ ሓድነት ክፈጥር ይኹን ሕዝቢ ኣብ ጎድኑ ከዕስል ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን፡ እዚ ዘይገበረ ተቓውሞ ድማ ለውጢ ከምጽእ ኢልካ ኣይሕሰብን ኢዩ።ስለዚ ኢዩ ድማ ለውጢ ክመጻሉ ጥራሕ ሃንቀው ዝብል።
ሃገራዊ ባይቶ ንዴሞክራሲያዊ ለውጢ ነዚ ኣብ ተቓውሞ ኤርትራ ጎዲሉ ጥራሕ ዘይኮነስ እንተ ብግርህና እንተ ብተንኮል ዝህረም ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ሓይልታት ንቡር ክመልሰሉ ይግባእ። ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝኸይድ ዘሎ ናይ ለውጢ መስርሕ ድማ ብሙሉእ ሓይሉ ክደጋገፎን ቕዋማውን ፖለቲካዊ ዴሞክራሲያውን ለውጢ ጥራሕ ነባሪ ሰላም ከምጽእ ዝኽእል ምኵዋኑን ክእምተሉ ይግባእ። ህግደፍ ነቲ ናይ ለውጢ መስርሕ ሃይማኖታዊ መልክዕ ከትሕዞ ይጽዕር ከምዘሎ ከይተገንዘብናዮ ኣይሓለፍናን፡ መራሕቲ ህግደፍ ገና ብንግሆኡ ንህዝብና ሓንሳብ ብሃይማኖት ሓንሳብ ብኣውራጃ ንኹሉ ናይ ዴሞክራሲ ባህግታቱ ከበርዕኑ ከምዝጸንሑ ርዱእ ኢዩ። ሎሚ ግን ሓንቲ መልሲ ካብ መዛግብ ታሪኽ ኣላትና። 1990 ምሕራር ባጽዕ ድምጺ ሓፋሽ ንደርጊ 90 ዓ.ም 77 ኣይኮነትን ኢላቶ ነይራ፡ ንሕናውን ንህግደፍ ሎሚ 2013 ዓ.ም 2001 ኣይኮነትን ጥራሕ ኢና ክንብሎ ንደሊ።
ዓወት ንፎርቶ 2013
ሽማግለ ባይቶ ዋሺንግቶን ዲሲ
1/31/2013
|