|
ኣንጻር ጭፍራ ህግደፍ ዝግበር ውሽጣዊ ተቓውሞ፡ ካብ ሕሉፋት ዘይዕውታት ፈተነታት ዝተማህረን ዝተጸንዐን ክኸውን ይግባእ። |
|
|
|
|
Written by ድ.ሰ.ደ.ኤ.
|
|
Tuesday, 12 February 2013 10:48 |
|
እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስታዊ ጭፍራ፡ ኩለንተናዊ ደገፍ ደለዪ ነጻነት ዝኾነ ሓርበኛ
ህዝቢ’ኳ እንተዘይተፈልዮ፡ ከም ውድብ ካብ ዝተወልደሉ ጀሚሩ፡ ካብ ዘይደሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ባህሪኡን ጨፍላቒ ተግባሩን ዝብገስ ውሽጣዊ ተቓውሞ እንዳጋጠሞ’ዩ መጺኡ። እዚ ትማሊ ብነጻነት ሎሚ ብልኡላውነት እንዳተመጻደቐ፡ ጉጅላዊ ህልንኡን ቀጻልነቱን ንምርጋግጻ ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሕ ዝጸንሐን ዘሎን፡ ብሓደ ሰብ ተሰሪሑ ብዊንታ ሓደ ሰብ ዝዝወር ጃንዳዊ ውዲታዊ ጉጅለ፡ ንኹሎም’ቶም ዝገጠምዎ ውሽጣዊ ተቓውሞታት፡ ኣውራጃዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ምትሕብባር ምስ ጸላኢ፣ ትሕቲ ሃገራውነት፣ ንድየት፣ ዕሸልነት… ብዝብል ፈጠራዊ ክስን ጸለመን ብኣካል ብምቕንጻል’ዩ ከተኣናግዶ ጸኒሑ። እንተኾነ ነቲ ደሞክራስያዊ ሕቶን ሕጋዊ ትካላዊ ኣሰራርሓን ዝጠልብ ሓይሊ ሓሳብ፡ ግዝያዊ ምድኻም ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ሰባት ብምቕታል ጨሪሱ ከምክኖ ኣይከኣለን። ኣብ 1973 ደሞክራስያዊ ሕቶ ዘልዓሉ ደቂ-ህዝቢ ብጠቐነ ስሞም ብምጽላም፡ ብመርሸንቲ ክውገዱ ገይሩ። እቲ ንሳቶም ዘልዓልዎ ሕቶ ቅኑዕን ትርግታ ልቢ ህዝቢ ዝትንክፍን ብምንባሩ ግን፡ እነሆ እቲ ኣብ ልዕሊ ደሞክራስያውያን ባእታታት ዝተወስደ ስጉምቲ ብምረት ይኹነን፡ ቅኑዕ ርእይቶኦም ንምምላስ ድማ ብዝሰፍሐን ዝዓመቖን ቀጻሊ ቃልሲ ይከየደሉ ኣሎ። ኣብ 1993 ወተሃደራት ብደሞዝ ይገበረልና ዘበገስዎ ቅሉዕ ውሽጣዊ ተቓውሞ ብሓይሊ ሓሳብ ዘይኮነ፡ ብስነ መጎት ሓይሊ ከደቅሶ ፈቲኑ። ንብዙሓት ቀቲሉ ኣሲሩ፡ ካብ ስራሕን ትምህርትን ክጎናደቡ ገይሩ። እቲ ኣብ 1993 ዝተላዕለ ሕቶ ግን ዛጊት ክሳብ ሎሚ መልሲ ዘይረኸበ ወድዓዊ ሕቶ ውጹዓት ወተሃደራትን ስድራ ቤቶምን ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ኣብ 1994 ብተመሳሳሊ ንስለ ነጻነትን ሓርነትን ህዝቢ ክብሉ ፍሪቂ ኣካሎም ዝኸፈሉ ውጉኣት ሓርነት፡ ትማሊ ሰሪሑ ዘስርሕ ዝነበረ ጉልበቶም ተሃስዩ፡ ብኣድማዕነት ኣብ ማእቶት ተዋፊሮም ርእሶም ዝኽእለሉ ዕድል ጸቢቡ፡ ካብ ህዝብና ዝልገሰልና ዘሎ ገንዘባውን ዓይነታውን ደገፋት፡ ኣብ ግቡእ መዓላ ይውዕል የለን። ማሕበራዊ ሕቶ ከቢዱ ካብ ዓቕምና ንላዕሊ ይኾነና ኣሎ፡ ስለዚ መንግስቲ ፍታሕ የናድየልና ዝብል ወግዓዊ ሕቶ ስለዘቕረቡ፡ ኣብ ጎደናታት ወጺኦም ስም ናይ’ዛ ሃገር ከበላሽው ሃቂኖም ብዝብል፡ ፍጹም ብዘሕፍር ጭካነ ንገለ ብተመልከተለይ ብምርሻን ንገለ ምስ’ቲ ኩሉ ደገፍ ዘድሊዮ ኣካላዊ ጉዳኣቶም ኣብ ኣብያተ ድጓናታት ክብስብሱ ገይርዎም። እቲ ሕቶ ግን ሰማዒ ስኢኑ ደኣምበር ዛጊት ዝተመለሰ ኣይኮነን። ድሕሪ’ቲ ብዶብ ተመክኒዩ ምስ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ኣብራሲ ኲናትን ዘጋጠሞ ኩለ-መዳያዊ ስዕረት ተኸቲሉ ብጉጅለ 15 ዝተላዕለ ደሞክራስያዊ ትሕዝቶ ዝነበሮ ጽገናዊ ፖለቲካዊ ርእይቶን ኣብ ልዕሊኦም ዝኸደ ወፍሪ ጸለመን ጨካን ግብራዊ ስጉምትን ገና ካብ ኣእምሮ ጥዑይ ዜጋ ዘይሃስስ ናይ ቀረባ ፍጻሜ’ዩ። ዝተወሰኑ ነቲ ህዝባውን ደሞክራስያውን ትሕዝቶ ዝነበሮ ጽገናዊ ሕቶ ዝመርሑ ዝነበሩ ሰባት፡ ብሓይሊ ክእሰሩን ክሞቱን ስለ ዝተገብረ ግዝያዊ ምድኻም ፈጢሩ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ እቲ ንሳቶም ዘልዓልዎ ርእይቶ ግን ከም’ቲ በቲ ናይ ጥፍኣት ዕስለ ዝተፈብረኸ ወፍሪ ጸለመ ዘይኮነ፡ ህያው ጠለብ ህዝቢ ኮይኑ’ዩ ዝቕጽል ዘሎ።
እዚኦም ገለ ካብ’ቶም ፍሩያት ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ ዝተኻየዱ ደሞክራስያውን ማሕበራውን ጠለባት መሰረት ገይሮም ዝተላዕሉ ‘ሞ ብስነ-መጎት ሓይሊ ዝተጨፍለቑ ተርእዮታት’ዮም። ቅኑዕ ርእይቶ ዝነበሮም ምስ ጸላኢ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ተሰዊኡ፣ ነብሰ ቅትለት ፈጺሙ፣ ብዘጋጠሞ ወቕዒ ልቢ መይቱ፣ ኣልኮሊዛቶ ነይሩ፡ ኣበይ ከም ዝወደቐ ኣይፍለጥን እንዳተባህሉ በብውልቀ ዝጠፍኡ ንጸረ-ደሞክራስያዊ ኣካይዳ ናይ’ቲ መሪሕነት ዝቃወሙ ዝነበሩ ዜጋታት ኣዝዮም ብዙሓት’ዮም። ውሑዳት ብላዕለዋይነት ዝዕንድርሉ ሕጊ ኣልቦ ስርዓተ ምሕደራ ክሳብ ዝሃለወ፡ እምቢ ኣይግዝእን ዝብል ተቓውሞ ክህሉ ባህሪያዊ’ዩ። እንተኾነ ግን እቲ ዝግበር ተቓውሞ ከይፈሽልን ብውሑድ መስዋእቲ መታን ክዕወትን፣ ዝግበር ስርሒት ቅድመ ምድላዋቱ ካብ ጽጹይ መጽናዕቲ ክብገስ ኣለዎ። ናይ ሂወት ዋጋ ዝጠልብ ከቢድ ህዝባዊ ዕማም ምዃኑ ርዱእ ብምግባር፡ በቲ ዝተሓስበሉ ግዜን ኣገባብን ዝፍጸም ነባሪ ታሪኽ ንምምዝጋብ ዘኽእል ጽጹይ መጽናዕትን ቅሩብነትን ሒዝካ ምብጋስ ይግባእ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ካብ ንግበር ንግበር ዝዓይነቱ ስምዒታዊ ፈተነ ዝደሓነ ክኸውን ኣለዎ። ብኩለ-መዳያዊ መጽናዕቲ ዝተደገፈ ኮይኑ፣ ነቲ ስርሒት ዘድሊ መሳለጥያታት ዝተማላኣሉ ክኸውን ይግባእ።
ብሓጺሩ፡ ኣብ 1993 ብተጋደልቲ ዝተኻየደ ኣድማ፡ ንባህርን ተግባርን መሪሕነቱ ብግቡእ ዝተረደአ፡ ካብ ቅንጸላ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ 1973 ዝተማህረን ክኸውን ነይርዎ። ብመስከረም 2001 ብጃምላ ዝተኣስሩ ጽገናዊ ለውጢ ዝጠልቡ ኣባላት ጉጅለ 15 ከም ነባራት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር/ህግደፍ መጠን፡ እቲ ውድብ ብኸመይ ከምዝመጸ ስለዝፈልጡ፡ ቅሉዕ ተቓውሞ ከስምዑ እንከለው እንታይ ክገጥሞም ከም ዝኽእል፡ ብኸመይ ከምክንዎ ከም ዝኽእሉን ክዘናግዑ ኣይነበሮምን። ምኽንያቱ፡ ምንቅስቓስ 1973፣ ኣድማ ተጋደልቲ 1993፣ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ውጉኣት ሓርነት 1994፣ በቲ ልዕል ክብል ዝተገልጸ ምስምሳት በብሓደ ዝሓቐቑ ደሞክራስያውያን ባእታታትን ሕርሕራይ ገይሮም ስለ ዝፈልጡ፡ ካብዚ ግቡእ ተመክሮ ሰኒቖም ክጅምርዎ ነይርዎም። እኹል መጽናዕትን ኩለ-መዳያዊ ምድላዋትን ሒዞም ስለዘይኣተውዎ ግን፡ ኣብ ክንዲ ዝቕድሙ ተቐዲሞም። ርእይቶ ህዝቢ ዝዓፈነ ብኢሳያስ ዝምራሕ ጭፍራ ኣሳሪ፡ ቅዋማዊ መንገዲ ንከተል፡ ኣካይዳና ንገምግም፡ ነዚ ንምግባር ኣኼባ ይገበረልና ዝበሉ ተኣሰርቲ ኮይኖም። ንገዛእ ርእሶም ኣብ ሓደጋ ወዲቖም ነቲ ኣንጻር ምልኪ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ቃልሲ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ልዕሊ ደመኛታት ጸላእቱ ዓወት ከየመዝግብ ዓንቀፍቀፍ ክገጥሞ ገይሩ። እዚ ብ21 ጥሪ 2013 ኣብ ከተማ ኣስመራ ብወተሃደራት ተባሂሉን ተገይሩን ዝበሃል ዘሎ’ውን እቲ ሓቂ ንቕድሚት ዝገሃድ ኮይኑ፡ ሂወት ከፊሉ ሂወት ዘድሕን ደኣምበር ባዕሉ ኣብ መጻወዲያ ኣትዩ ነብሰ ቅትለት ዝፍጽም ስርሒት ወይ ፈተነ ክኸውን የብሉን። ንሕጂ ኮነ ንመጻኢ ኣንጻር ጭፍራ ህግደፍ ዝግበር ውሽጣዊ ተቓውሞ፡ ካብ ሕሉፍ ዘይዕውት ፈተነታት ዝተማህረን ዝተጸንዐን ክኸውን ኣለዎን ይግባእን።
ሓተታ ድ,ሰ,ደ,ኤ, 28-01-2013
|