|
ሕጽረት ኤሌትሪክ ኣብ ኤርትራ ውዕውዕ መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ከም ዘሎ ተፈሊጡ |
|
|
|
|
Written by ድ.ሰ.ደ.ኤ.
|
|
Sunday, 30 December 2012 14:00 |
|
እቲ ህግደፍ ካብ ክኽተሎ ዝጸንሐን ዘሎን ዘራጊ ሰላምን በሓቲ ቁጠባዊ መትንታትን
ዝምንጩ፡ ኣብ ኤርትራ ክረአ ዝጸንሐ ሕጽረ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብሓፈሻ፡ ሕጽረት ኤሌትሪክ ድማ ብፍላይ፡ ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ብፍላይ ኣብ ነበርቲ ከተማታት ከቢድ ጸገም ፈጢሩ ውዕውዕ መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ምህላው ምንጭታትና ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ቅልውላው ኣብ ኤርትራ ብዝብል ካብ እመሪካ ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ቁጠባዊ ዓቕሞም እንዳተዳኸመ መጺኡ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቖም ዝርከቡ ነበርቲ ከተማታት ኤርትራ፡ ነታ ዝረኽብዋ ኣብ ሲሎም ንምብላዕ ብሕጽረት ኤሌትሪክ ኣብ ጸገም ወዲቖም ከም ዝርከቡ ዝገለጹ እቶም ምንጭታት፡ ብፍላይ ኣብ ሆስፒታላት ወላዳት ኮነ ሕሙማት መጥባሕቲ ኣብ ዝገብርሉ ዘጋጥም ሃንደበታዊ ምቁርራጽ ሂወት ሰብ ንሓደጋ ይቃላዕ ከም ዘሎ፡ ነበርቲ ከረን ኣብ ሆስፒታል ንዘሎ ጸገማት ኣማልኪቶም ዝሃብዎ ርእይቶ ጨቡጥ ኣብነት ከም ዝኾነን ኣረጋጊጹ።
ድ,ሰ,ደ,ኤ, 2012-12-24
|