|
ብፍጥረተይ እዃ ምምጛስ ኣይፈቱን፣ ሕጂ ግን ንኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሺን ንደሞክራስያዊ ለዉጢ፣
ኣሰናይካ ክብሎ ደልየ፣ ንሱ ድማ ኣብቲ ሃገራዊ ዋዕላ ዘሕለፎ ዉሳኔታት ንጉዳይ 2011 ዓ.ም. ዝግበር ሃገራዊ ጉባኤን ደሞክራስያዊ ለዉጢ ኣብ ክፍሊ ዓለምና ንኡሳት ኮሚሺን ኣቑሙ ኣብ ስራሕ የሳላስል ስለ ዘሎ ሎሚ ካብ መጠን ንላዕሊ ተሓጉሰ ኣሰናይካ ዝበልኩ፣ ከምዚልና ብትብዓትን ብስራሕን እንተ ተዋፊርና፣ እቲ ዓቀብ ጎልጎል እዩ፣ ጥራይ ተበገስ፣ እቲ ሽግር ሓላፋይ’ዩ ጥራይ ተበገስ፣ ዝብል ዓለም ብዓለማ ጭርሖ ተሓንጊጣ ትብገስ ስለ ዘላ 2011 ኤርትራዊ ጉባኤ ከም ዝዕወት ብሓድነት ወጺኡ ንዓለም ከም ዘበስር፣ ንሽፍታ ህግደፍ ካብ ስሩ በርቁቁ ድሕሪ ሓጹር ከም ዝድርበዮ ፣ ቑልጭ ኢሉ ስለ ዝተራአየኒ እየ ሕጂ’ዉን ኣሰናይካ ዝበልኩ፣
እቲ ቀንዲ ዘጽሕፈኒ ክዉድስ ጥራይ ኢለ ዘይኮንኩ፣ ኣብቲ ዝባሃል ዘሎ ጉዳይ ኢሂን ምሂን ንምብሃሃል ጊዜኡ ስለ ዝኣኸለ ስለ ዝበሰለ ኢለ’የ፣ስለምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ኢሂን ሚሂን ክብል ዝጠልብ ዘሎ፣ ብሓድነተን ብምርርዳእን ዋዕላ የድልየኒ’ዩ ዝብል ዘሎ፣ስለዚ እዚ ሎሚ ዉዱዕ ኩነት/መስርሑ ሓልዩ/ካብ ሕሉፍ ተመኩርኡ ዝማዕበለ ዉህበት መድረኽ ዝጠልቦ ከይዲ’ዩ፣ ምልስ ኢልና ኣብ መስርሕ ሓርነታዊ ቓልሲና እንተዘኪርና፣ እቲ ዓቢ መካቲዒ ዝነበረ እዘን ተቓዉሞ ደንበ አብ ሓደ ኮይነን ሓደ ጽላል ክገብራ ኢዩ ዘለወን ዝብል ኢዩ ነይሩ፣ እዚ ተበጺሑ፣ኣብ ዋዕላ ተሰጊሩ፣ ስለዚ ከምቲ ሓደ ህጻን ተጠኒሱ መዓልቱ ሓልዩ ዝዉለድ፣ ዝዓኩኽ፣ ዝጉብዝ፣ ዝምርዖ፣ ዝኣርግ፣ዝመዉት፣ ናይ መድረኽ ጉዳይ ካአ ኮምኡ እዩ፣
እቶም ጉባኤ ይጽናሓልና ጊዚኡ ኣይሓለወን ዝብሉና ዘለዉ ድማ ነቲ መንእሰይ ወዲ፣ ኣይትጎቡዝ ኣይትመርዖ ይጽነሓልካ ከምኡ ኢልካ ንበር ከም ምባል እዩ፣ መድረኽ ወሳኒ እዩ፣ ዋዕላ ወይ ዘተ ንዓና ኤርትራዉያን ሓይሊ ምዃኑ ድማ ክንርስዕ የብልናን፣<< ካብ ሓደ ርእሲ ክልተ ርእሲ’ዃ ዝምረጽ>> ግን ዋዕላ ምግባር እቲ መንገዲ ለማጽ ክመስለና የብሉን፣ ብዙሕ ስራሕን ክትዓትን ከድልየና ኢዩ፣ ብዙሓት ንዓና ተመሲሎም እዛ ኣንፈት ረኺብናያ ዘሎና ንኽይንዕወት ጽዒሮም ይጽዕሩ’ዉን ኣለዉ እሞ፣ ዓይኒ ይከፈታ፣ ልቢ የስተዉዕላ ምእንቲ መስመርና ሓሊና ኣብ መፈጸምትኡ ክነብጽሕ፣
ከምቲ ኣብ ኣርእስተይ 2011 ዓ.ም. ብደሓን ምጽኢ ዝበልክዋ፣ በዚ ኣብ ሙልእ ዓለምና ዝግበር ዘሎ ብናይኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለዉጢ፣ብኑኡሳት ኤርትራዉያን ኮምሺን ሃገራዊ ለዉጢ፣ ዓቢ ስጉምቲ ንቂድሚት ከምዝገብር ብምትእምማን እየ፣ስለዚ እዚ ቁዱስ ዕላማ እዚ ኩሉ ኤርትራዊ ብተወፋይነት ክሰርሕ ይግባእ፣ ጠለብ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ናይ ሓባር ዋዕላ ስለ ዝኾነ፣ ብድሕሪኡ ነዚ ስርዓት ምስ ታአልየ፣ ተጽግቦ ቅጫ ኣብ መቑልኣ ወይ ገዓት ኣብ ቁራዓ ከላ፣ መሲሉ ዝፈልጥ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ፣ኮለል ከይበልና መፍቲሒ ህዝብና ተንሓስብ ዝበለጸ ምኾነ፣ ጉዳይና’ዉን ምሓጸረ፣ እንተደይኮይኑ ኣነ ንበይነይ ብጉንብሕ ጉንብሕ ተዓዊተ ንህግደፍ ክትክእ እኽእል እየ ፣ ዝብል ሕልሚ ሓደራ ከይህልወና፣ምኽንያቱ እዚ ኣራኣእያ እንተልዩ ምልኪ እዩ፣ንምልኪ ኢና ንቃለስ ዘለና፣ ዳግማይ ምልኪ ክንተክል ኣይኮነን ጉዕዞና፣ ስለዚ ብሕሉፍ ተሞኩሮና ንሕና ኤርትራዉያን ንመሃር እንተኾይና እዚ ሎሚ ዝባሃል ዘሎ ቐሚሽ ኣደይ ሓነኪሉኒ፣ እንዃይዶ ክዝረብ ክሕሰብ ኣይነበሮን፣ ጸቢቑ ሓሚቁ ምስ ይሕዋትካ ምስ ትዛተ መዓርፎ ከም ዝህልዎ ኣይጣራጠርን፣ ስለዚ ስርዓት ህግደፍ ካብ ሱሩ ተማሕዩ ብደሞክራስያዊ መንገዲ እንተደይተኪኡ ዝኾነ ይኹን ልቕብቃብ ጽገናታት ክሕዉዩ ዘበት እዩ
ኩቡራት ተቛወምቲ ህዝብና እዚ ዝሓልፎ ዘሎ መድረኽ እዋን ሪኢና ካብዚ ዘለዎ ዓዘቅቲ ክነዉጽኦ ክንሓስብን እዩ ዝግባእ፣ማለት ጉዳይና ብዲሞክራሲ ሕጋዉን መንገዲ እንተተታሒዙ ዉዒሉ ሓዲሩ ንረብሓ ህዝብና ክቕየር እዩ፣ብስምዒት ኣይንገዛእ፣ዝሓለፍ ሓሊፉ ታሪኽ ኮይኑ እዩ፣ ሕጂ በዚ ሒዝናዮ ዘለና ሓደ ስጉምቲ ንቂድሚት ጉዳይ ሃገራዊ ጉባኤና ለይትን ማዓልትን ክነጽፍፍ እዩ ዘሎና፣ናዓኻ ዘይጠቅም ወይ ህዝባዊ ማእከልነት ሒዙ ዘይሰርሕ ተሪርካ ሓቢርካ ተቛወም፣ምስ ምድራዉያን እንበር ምስ ሰማዉያን ከምዘይትነብር ዘክር፣ እሞ ካብ ሕጂ ኣብ ሓርነታዊ ቃልስና ናይ ገለ መንቀርቀር ኮይንካ ሓዊ ከይትሕዝ ተጠንቀቕ፣
ንሕዊ ንህዝብና፣
ንስዉኣትና ዘኪርና
ብሓደ ድምጽና
ልቢ ንልቢ ተዋሃሂብና
ብልግሲ ባህሪ ተሳኒና
ቅርሕንቲ ኣሊና
ነድምጽ ንዓለምና
ዉጹዓት ከም ምዃንና
ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና
ንምልኪ ኣሊና
ሹዑ’ዩ ዝድበስ ህዝብና
ሽዑ’ዮም ዝመጽእ ዓወትና
ነዚ ምስ ኣሰነና
መንገዲ ጉዕዞ ሓባር ጎደና
እናአዘዉተረት ሓቂ ቅንዕና
ክትለምዕ ክትስስን ባይቶ ዓድና
ክትድርበ’ያ ጥቀና
ክትምንምን ቅንዝርና
ኩሉ ኪዉረስ’ዩ ብቕንዕና
ርሓት ብሓድነት ከጽልላናየን ንኹልና
ዓወት ንህዝብና
ዓወት ንኤርትራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለዉጢ
ብሚካኤል ኣጎስቲኖ/ጀርመን
18. ሕዳር 2010
|