Start ርእይቶታት Opinions Opinions ዝምቡዕ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታት ከይሳዕረረ ክግራሕ ኣለዎ።
ዝምቡዕ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታት ከይሳዕረረ ክግራሕ ኣለዎ። PDF Print E-mail
Written by ድ.ሰ.ደ.ኤ.   
Monday, 15 November 2010 19:49

ብስርዓተ ምልኪ ኣብ ትመሓደር ሃገር ዝነብር ህዝቢ፡ ብግዜን ብመልክዕን ክፈላለ እንተዘይኮይኑ፡ ብሄረ እከለ ደኣምበር ብሄረ እከለስ ነጻዩ፡ ኣመንቲ ክስቶ ሃይማኖት ደኣምበር፡

ኣመንቲ ክስቶ ሃይማኖትስ ሓራ’ዮም ክትብል ዘኽእለካ፡ ብቐጥታ ወይ ብዘይቀጥታዊ መንገዲ ግዳይ ናይ’ቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ዘይኮኑ፡ ምሉእ ንምሉእ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላቶም  ዝተኸብረሎም ህዝብታትን ዜጋታትን ክትረክብ በፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን። መለኽቲ ብምድንጋርን ስነ-መጎት ሓይልን ደኣምበር፡ ብዕግበት ብደሞክራስን ብሕግን ናይ ምምራሕ ባህርን ብቕዓትን ስለ ዘይብሎም፡ ብዘርኢ ካብ’ቲ ህዝቢ ስለ ዝተወልዱ፡ ብፖለቲካዊ ባህሪኦምን ተግባሮምን ሓለይቲ ህዝብን ኣኽበርቲ ሕግን ብምምሳል፡ ኣብ ጓጓ ህዝቢ ተጸፍዮም፡ ኣብ መንጎ ሰባትን ህዝብታትን ምጥርጣርን ጽልእን ብምፍጣር፡ ኣብ ሓደ እዋን ነቲ ሓደ ኣቕሪቦም ነቲ ካልእ ብምዃንን ብምግላልን፡ ኣብ ካልእ እዋን ድማ ብግልባጡ ነቲ ፈታዊ ዝነበረ ጥርጡርን ጸላእን፡ እቲ ዝኹነንን ዝጥርጠርን ዝነበረ ድማ፡ ከም ተኣማንን ፈታውን ብምግላጽ ህዝብታትን ዜጋታትን ሕድሕዶም እንዳተፋለሱ ክነብሩ ብዝገብር ናይ ከፋፊልካ ግዛእ ሜላ’ዮም ዝጥቀሙ።

ባህርን ሜላን መለኽቲ መንግስታት ከምኡ ምዃኑ ርዱእ ብምግባር እምበኣር፡ ንኹሉ ፈላላዪ ውዲታቶም ብምቅላዕን ብምምካንን ደርባውን ብሄራውን ወጽዓን ምዝመዛን ዘይብላ፡ ኣብ ናይ ህዝብታታ ፍቶታዊ ማዕርነታዊ ደሞክራስያዊ ሓድነት፡ ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ልዑላውነትን ወሳንነትን ህዝባን ተኽብር ሃገር ክውን ንምግባር ብንቕሓት ክንዋሳእ ኣለናን ይግበኣናን። ደርባውን ብሄራውን ወጽዓ ዝመጽእ፡ ብባህሪኦም ማዕርነታዊ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ኣተሓሳስባ ዘይብሎም፡ ብስሰዐ ስልጣንን ንዋትን ዝዓወሩ ኣካላት ኣብ ፖለቲካ ናይ’ታ ሃገር ላዕለዋይ ኢድ ምስ ዝሕዙ’ዩ። ኣብ’ዚ ብንቕሓትን ክፍለጥ ዘለዎ እምበኣር፡ መንነት ናይ ሓይልታት ብልክዕ ንምርዳእ፡ መን ኣብ ስልጣን ኣሎ ዘይኮነስ፡ መን እንታይ ባህርን ተግባርን ኣለዎ ዝብል መምዘኒ ምግባር፡ እቲ ዝበለጸ መገምገሚ ገይርካ ክውሰድ ዝሓሸ ምኳኑ’ዩ። ብርግጽ ሓደ ዓይነት ፖለቲካዊ ተፍጥሮ ዘለዎም ሓይልታት ኩሎም፡ ኣብ  ተመሳሳሊ መድረኽ  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ማዕረ በደል ይፍጽሙ’ዮም ማለት ኣይኮነን። እቲ ባህሪ ተመሳሳሊ ኮይኑ እንዳሃለወ፡ ግን ከኣ ኣብ መንግስታዊ ስልጣን ዘሎን ዘየሎን ማዕረ ክትኩንኖም ርትዓውነት ኣይህልዎን። ብመድረኽ ኣንጻር እቲ ሓደ ንጸረ-ህዝቢ ባህሪኡ ብተግባር ክትርጉም ዘኽእሎ ስልጣንን ጉልበትን ዝወነነ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልእ ድማ፡ ብባህሪኡ ካብኡ ዘይፍለ ክነሱ፡ ብተግባር ግን፡ ንባህሪኡ ኣብ ባይታ ከተግብር ዘኽእሎ ዕድል ስለ ዘይብሉ፡ ንነብሱ ኣብ ህዝባዊ ሚዛን ኣንቢሩ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣምሪሩ ዝኹንን መሲሉ ክቐርብ ይኽእል’ዩ። ኣብ’ዚ ድማ’ዩ እቲ ህዝባዊ ንቕሓት ዘድሊ። እወ ኣብ’ዚ’ዩ ንፖለቲካዊ ሓይልታት ወይ ውድባት ብመሰረት ዝምርሕሉ መደብ-ዕዮን ግብራዊ ንጥፈታቶምን መዚንካ፡ ስልታውን ስትራተጂካውን ፈታውን ጸላእን  ኢልካ ብንጹር ምቕማጥ ዘድሊ። 

ናይ ህግደፋውያን ባህርን ተግባርን ዳርጋ ንኹሉ ብሩህ ስለ ዝኾነ፡ ተቓሊስካ ካብ ምውጋዱ ወጻኢ ካልእ ዝሓሸ ፍታሕ የለን። ብኩለ-መዳያዊ ቃልሲ ክውገድ ዘለዎ ቀዳማይ ጸላኢ ምዃኑ ዕግበት ናይ ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራን ተቓለስቲ ሓይልታቱን ስለ ዝኾነ፡ ናብ’ቲ ካብኡ ወጻኢ ዘሎ ንነብሱ ከም  ናይ ለውጢ ኣካል ገይሩ ዝርኢ ሓይልታት ወይ ውድባትን ሰልፍታትን ዝያዳ ትኹረት ክንገብር ኣለና። መምዘኒና ከኣ እቲ ብኣፍ ዝዝረብ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ባህርን ተግባርን ዘጣመረ ክኸውን ኣለዎ። ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ክፉእ ፖለቲካዊ ምሕደራ’ዩ ዝርከብ ዘሎ። ካብ’ዚ ህግደፍ ኣምጸኦ ኣደራዕ መግዛእቲ ምሉእ ንምሉእ ተገላጊሎም ዋናታት ነብሶም ክኾኑ’ዩ ድማ እቲ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝካየድ ዘሎ። ይኹን ደኣምበር፡ ኣብ ሎሚ ኮይና ናብ’ቲ ክንበጽሖ እንደሊ እንዳማዕደና ንጽባሕ ውሕስነት ክበና ዝኽእል ፖለቲካዊ መሰረት እንተዘይኣንጺፍና፡ ህዝባዊ ቃልስና ከም’ቲ 30 ዓመት ተቓሊስና ስማዊ ነጻነት ሒዝና ተሪፍና ዘለና፡ ኣብ ክንዲ ምሉእ እፎይታ ተሓጺብካ ጭቃ ኮይኑ፡ ኣብ ዳግማይ እህህታ ዘእትወና’ዩ ዝኸውን።

ስለዚ ህዝባዊ ቃልስና ናብ እዋናዊ ጸላኢና ወተሃደራዊ መንግስቲ ህግደፍ ጥራሕ ዘነጻጸረ፡ ንሱ ካብ ስልጣን እንተተኣልዩ፡ ፖለቲካዊ ጸገምና ሓንሳእን ንሓዋሩን ይሕረድ ገይሩ ዝመዝን ኣረዳድኣ ሒዝና፡ ከም ካሮሳ ብሓደ መንገዲ ካብ ምጥማጥ ውጽእ ኢልና፡ ውድባትን ሰፍልታትን ኣብ ሕቶ ብሄረ፣ ኣብ ነጻነትን ማዕርነትን ሃይማኖት፣ ኣብ ሕቶ መሬት፣ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ዘለዎም መረገጻት፡ ንህዝብታት ኤርትራ ዘዕግብ፡ ብሃገር ደረጃ መሰረታዊ ፖለቲካዊ ፍታሕ ዘረጋግጽ’ድዩ ኣይኮነን ናይ ምምማይ ብቕዓት ከነጥሪ ኣለና። ናብ ህግደፍን ኢሳያስን ጥራሕ እንዳጠመትና ተመሳሳሊ ባህሪ ዘለዎም ኣካላት ሓቚፍና ከይንጎዓዝ’ሞ ኣብ ክንዲ ንቐስን ከይንነድድ፡ ዝምቡዕ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታት ከሎ ጌና ብግቡእ ተገንዝቢና ከይገበለ ብዘይነሓፍነት ንምግርሑ ክንረባረብ ኣለና።

ድ.ሰ.ደ.ኤ.

ዕለት 15.11.2010

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 78 guests online