Start ቃል ሓዘን Condolence Condolance ናይ ሓዘን መግለጺ ካብ ኣባላት ተሓኤ ጨንፈር ጀርመን
ናይ ሓዘን መግለጺ ካብ ኣባላት ተሓኤ ጨንፈር ጀርመን PDF Print E-mail
Written by ELF   
Tuesday, 27 July 2010 16:15

ናይ ሓዘን መግለጺ

ካብ ኣባላት ተሓኤ ጨንፈር ጀርመን

ሓርበኛ ተስፉሁነይ መስፍን ኣምላኽ ይቀበልካ

ጽንዓት ያሃቦም ንበተሰብካ

ጽንዓት ያሃቦም ንመቓልስትኻ

ጠሊ ግደፈሎም ንደቅኻ ንብጾትካ

ቃልስኻ ክዕወት እዩ ይቅሰን መቓብርካ።

 

ሓርበኛ ከደ መንገዲ ንሓርነት ምስ ከፈተ

ዓመታት ተቓሊሱ ንህግደፍ ዝመከተ

ኣዋዲዱ ዋዕላ ንለውጢ ንዘተ

 ጀጋኑ ሓሊፉ ኣማዕድዩ እዳ ጠመተ

ማዓልቲ እንዳ ቆጸረ ምስ ህዝቡ ክዛተ።

 

ኣብዛ ዓለም ነባሪ  መን ኣሎ ካባና

መስዋእትኻ ዳኣ ሃንደበት ኮይኑና

ንሕና ውን ጽባሕ ሳዓብቲ ኢና

ንመቓልስትኻ  እዩ ጽንዓት ያሃብኩም ዘድሊየና።

ከም ኩሎም ተቓለስቲ ኣነ ውን ሓዚነ

ተቓላሳይ ጎዲሉና ፈዳይ ሕነ

ብመስዋእትኻ ብዙሕ ኣስተንቲነ

 

እዛ ግጥመይ ክንዲ ብዙሕ ራኣያ

ኣታ ተባዕ ተቓላሳይ ሰራሕ ቅያ

እታ ሞት ንዓኻ ድያ ሓርያ

ኣምላኽ ይቀበልካ ኣታ ባዓል ሞያ።

 

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንጀጋኑ ሰማእታትና

ካብ በርሀ ዑቁባዝጊ ሃገር ጀርመን

 

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 105 guests online