Start ቃል ሓዘን Condolence Condolance ናይ ሓዘን መግለጺ
ናይ ሓዘን መግለጺ PDF Print E-mail
Written by USA   
Friday, 23 July 2010 21:52

 

ናይ ሓዘን መግለጺ


ተጋዳላይ ተስፍሁነይ መስፍን ረዳ፡ ምክትል ኣቦ-መንበር ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ህደግኤ)ን ኣባል ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን፡ ብረቡዕ 21 ሓምለ 2010 ብዘጋጠሞ ድንገታዊ ሓደጋ ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ ከምዝተፈልየ

 

መስዋእቲ ተጋዳላይ ተስፍሁነይ መስፍን

 

ተጋዳላይ ተስፍሁነይ መስፍን ረዳ፡ ምክትል ኣቦ-መንበር ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ህደግኤ)ን ኣባል ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን፡ ብረቡዕ 21 ሓምለ 2010 ብዘጋጠሞ ድንገታዊ ሓደጋ ካብዛ ዓለም ብመስዋእቲ ከምዝተፈልየ ብመርድእ ምስተሓበረ ንኩሎም ስድራ-ቤቱን ንምሉኣት ናይ መቃለስቲ ብጾቱን ኣብ ኣዝዩ ከቢድን ዓሚቝን መሪር ናይ ሓዘን እዋን ኣእትዩና ይርከብ።

 

ተጋዳላይ ተስፍሁነይ መስፍን፡ ካብ ወላዲኡ ኣቶ መስፍን ረዳን፡ ወላዲቱ ወ/ሮ ጅራ ገብረን ኣብ ኣውራጃ ሰራየ (ዞባ ደቡብ) “ደቂ ወራሲ” ዝተባህለ ዓዲ ብ15 ጥሪ 1958 ይወለድ ድኣምበር፡ ካብ ወዲ 18 ዓመቱ ጀሚሩ ንሃገሩን ህዝቡን ምሉእ ነጻነትን ሓርነትን ከምጽእ ዝተበጀወ ጅግና ተጋዳላይ ኢዩ።

 

ተጋዳላይ ተስፍሁነይ መስፍን ምክትል ኣቦ-መንበር ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ህደግኤን) ኣባል ማእከላይ መሪሕነት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ኮይኑ ክሳብ ዕለተ-መስዋእቱ ብትብዓትን ቆራጽነትን ግቡኡ ከወፊ ዝጸንሐ ጽኑዕ ደሞክራስያዊ ተቓላሳይ ከም ምዃኑ መጠን፡ ንኩሉ ብቕዓቱት እኳ ኣይንዳረጎ እምበር ኣጆኻ ምስቶም ኩሎም ዝሓለፉ ጀጋኑ ስዉኣት ቅሰን፡ ነቲ ክሳዕ ዕለተ-መስዋእትኻ ዝተቓለስካሉ ዓላማ ድማ ኣብ ሸትኡ ከነብጽሖ ምዃና ቃል ንኣትወሉ ሰዓት’ዩ።

 

በዚ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ናይ ሓደጋ መሪር መስዋእቲ ጅግና ተቓላሳይ ብጻይና ተስፍሁነይ መስፍን፡ ንብጾትና ተቓለስቲ ትርሓስን ንደቅና መሪሕን እልልታን ዓሚቝ ዝስምዓና ከቢድ ሓዘን እንዳገለጽና፡ ንመላእ ኣባላት ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራን ፍትዋት ተቓለስቲ ምሉኣት ስድራ-ቤቱን ፈተውቱን ኣዕሩኽቱን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።

 

ዘለኣለማዊ ዝኽሪን ክብሪን ንኩሎም ስዉኣትና!

 

ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ (ህደግኤ)

ዞባ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን

23 ሓምለ 2010

 

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 82 guests online