Start ኤርትራ Eritrea News ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ስርዓት ህግደፍ ከቢድ ወጥሪ ይርኤ
ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ስርዓት ህግደፍ ከቢድ ወጥሪ ይርኤ PDF Print E-mail
ዜና News
Friday, 25 December 2009 02:02

ኣብ ልዕሊ ኣባላት ምክልኻል ደቂ ብሄር ኩናማ ክቱር ጥርጠራ ብምግባር ኣብ ትሕቲ ስውር ሓለዋ ከም ዘእተዎም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተገሊጹ

ከም ዝነበረን እዚ መንፈስ እዚ ኣብ ውሽጢ ኣባላት ብሄር ኩናማ ዝኾኑ ሰራዊት ኣንጻር እዚ ስርዓትን መራሕቲ ሰራዊት ንክለዓሉ ይደፍኦም ከም ዘሎ ካብ ውሽጢ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ፡፡ ስለዝኾነ ከአ ኣብ ኣንጉሉ ሰፊሮም አኣብ ዘሎው ኣባላት ክፍለ ሰራዊት 57 ኣብ መንጎኦ ደቂ ብሄር ኩናማን መራሕቲ ክፍለ ሰራዊት ከቢድ ወጥሪ ተኸሲቱ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡ ቀንዲ መንስኤ ናይዚ ወጥሪ ኣብ ከባቢ ኣንጉሉ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ወሪዱ ዝነበረ ኪሳራ ብዙሓት በረጌሳት ኩናማ ተታሒዞም ሰለተአስሩ ስለምንታይ ተአሰሩ በዝብል ተቃውሞ እቶም አባላት ሰራዊት ግን ደቂ ኩናማ ጥርዓንን ናብ ላዕላዎት ሓለፍቲ ስለዝአተው ኣብ ሞንጎኦም ወጥሪ ከም ተፈጥረ እቲ ዝመጸ ዜና ኣረጋጊጹ፡፡ በዚ ወጥሪ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኣባላት ብሄር ኩናማን ገለ ክፋል ብሄር ትግርኛ ክሳብ ምውቃዕ ከም ዝተበጽሑን ካብዞም ኣባላት ብሄር ትግርኛ እዚ ጥርዓን እዚ ቁኑዕ እዩ ምስ በሉ ሓላፊ ንኡስ ዞባን ሓለፍቲ ክ/ሰራዊት ነዚ ጉዳይ ንምህዳእ ላዕሊን ታሕቲን ይብሉ ከም ዘለው እቲ ዝመጸና ዜና ኣቃሊዑ፡፡

 

እቲ ዜና ወሲኹ ከብርህ እንከሎ፡ እቶም ኣባላት ብሄር ኩናማ ዝኾኑ ሰራዊት ንሕና መዓልቲን ለይቲን ኣብ ዋርድያ ዘለና እውን ዘይረኣናዮምን ዘይሓዝና መሳኪን ሓንቲ ዘይፈልጡ ገዝኡ ዓጽዩ ዝድቅስ ህዝቢ ከመይ ገርና ኢና መዓልቲን ለይቲን “ኣብሊዕኩም ሪኢኹሞም” እንዳበልና ብሓበሬታ ዘይረብሑ ሰባት አሚና ነዚ ተግባራት እዚ ንፍጽም እዚ ቁኑዕ መንገዲ ኣይኮነን ብዘይወዓል ሕደር ህዝቢ ኣንጉሉ ክፈትሑ ኣለዎም ኢሎም ብምጥላቦም ኣብ ወጥሪ ከም ዘለው እቲ ዜና ወሲኹ ኣብሪሁ፡፡ ከምኡ እውን በዚ ወጥሪ ህዝቢ እውን ኣብ ክልተ ተመቂሉ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡

 

ነዚ ጉዳይ ንምሕዳእን ንምፍካስ ካብ ዕለት 02/12/2009 ክሳብ 10/12/2009 ኣብ ዘሎ ግዜ ኣሃዱ 57 ኣኼባ ኣካይዶም፡፡ ቀንዲ ናይቲ ኣኼባ ዛዕባ ብግልጺ እንተዘይተፈልጠ እውን፡ እቲ ኣኼባ ከባቢ ቢንቢልና ካሪና፣ ቢንቶ ማርደቢ፣ ደከማረን ከባቢኣን ዝርከቡ ናይ ክ/ሰራዊት 57 ኮይኑ፡ ድሕሪ ምፍጻም ኣኼባ ብቀትሪ ኣብ ታርጌት ዝቱኩሲ ኣምሲሎም ክትኩሱ ድሕሪ ምውዓል ከም ዝወሰዱዎም እቲ ዝመጸ ዜና ሓቢሩ፡፡ ብድሕሪዚ አኼባ ካብ ሸውዓተ ክሳብ ትሽዓት መካይን ዝተሳፈሩ ሰራዊት ንሸሸቢትን ንሻምበቆ ከም ተወስዱን፡ ካብ ህዝቢ ዝተሰምዔ መንግስቲ ኢትዮጰያ ሒዙዎ ዝነበረ መሬትና ስለዝለቀቀ ናብኡ ገጽና ንግዕዝ ኣሎና ከም ዝተባህሉ እቲ ዜና ሓቢሩ፡፡ ብካልእ ሸነኽ ኣብ ቅድመ ግንባር ዝርከብ ሰራዊትና ንድሕሪት ክንስሕቦ ኢና ከም ዝበሉን፡ ኣብ ሰራዊቱ ድማ ሰላም ክመጽእ እዩ እንዳበለ ፕሮፓጋንዳ ይነዝሕ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ብጎሮሮ ክተሓዝ እንከሎ ውጹእ ሓሶታት እንዳነዝሔ ንህዝቢ ማእዝኑ ኣስሒቱ ናብ ካልእ ከድህብ ከም ዝገብር ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ወጻኢ ኣብ ዝርከቡ ኤርትራውያን እውን እዚ ዜና ዘርጊሑን ኢትዮጵያ ካብ ባዱመ ወጺኣ፡ ምህንጻጽ ዶብ ክጅመር እዩ፤ ናይ ዓቀብቲ ሰላም ሆልኮፕቴራት ኣብ ዶብ ይዝንብያ ተባሂሉ ብሓሶት ተነዚሑ ክሳብ መስከረም ዶት ነት እውን ኣቃሊዓቶ ከም ዘላ ይፍለጥ፡፡ ብሓፈሽኡ ክርኤ እንከሎ ኣብ ውሽጢ  ስርዓት ህግደፍን ሰራዊትን ህዝብን ከቢድ ወጥሪ ከም ዘሎን፡ ሓደ ሓደ ሓለፍቲ ሰራዊት ህግደፍ ኣብ ጎደናታትን ኣብ እንዳ መስተ ነዚ ሓቂ እዚ ብግልጺ ከም ዝዛረቡ እቲ ዜና ወሲኹ ኣረጋጊጹ፡፡

 

ቤት ጽሕፈት ዜና ሓበሬታን

ዲምሓኩኤ

 

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 50 guests online