Start ኤርትራ Eritrea News ብኣስገዳድ ዝተፈናቐሉ ዜጋታት ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።
ብኣስገዳድ ዝተፈናቐሉ ዜጋታት ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ። PDF Print E-mail
ዜና News
Sunday, 20 December 2009 20:39

ካብ ዝረቐቐን ዝጸበበን መሬት ናብ ዝለምዐን ዝሰፍሐን መሬት ብዝብል ብኣስገዳድ ዝተፈናቐሉ ዜጋታት ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።

ብቐንዱ ብሰንኪ’ቲ ንሱ ዝኽተሎ ዘሎ ኣዕናዊ ፖሊሲ ንከቢድ ሓደጋ ጥሜየት ዓጸቦን ዝተቓልዑ ዜጋታት፡  ካብ ከባቢኦም ከይተፈናቐሉ ሽግሮም ንምፍታሕ እንዳተኻእለ፡ ካብ ርቀትን ጽበትን መሬት ናብ ዝለምዐን ዝሰፍሐን መሬት ብዝብል ውዲታዊ ፖሊሲ ካብ ከበሳታት ኤርትራ ናብ ጋሽ-ሰቲት ብኣስገዳድ ክፈናቐሉ ዝተገብሩ ዜጋታት፡ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ከም ዝርከቡ ተገሊጹ።

 

ብዛዕባ ከመይነት መነባብሮ ናይ’ዞም ግዱዳት ተፈናቐልቲ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ ዝተፈላለየ መደናገሪ መልስታት ክህብ ዝጸንሐ መንግስቲ ህግደፍ፡ እቶም ዜጋታት ኣብ’ዚ ምስ ስድራ-ቤትና ብሓለንጊ ጥሜት ካብ ንሳቐ ናብ ዓድና ምለሱና ዝብል ተጽዕኖ ምስ ፈጠርሉ፡ መታን ንምቁጽጻሮም ክጥዕሞ፡ ኣብ ሂወቶም ሪአሞ ዘይፈልጡ እኽሊ ብኩበን እንዳገዛእኩም ክጥቀሙ ከነምጸኣልኩም ኢና ዝብል መምርሒ ሒብዎም ከም ዘሎ፡ እንተኾነ በቲ ህዝቢ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ልዕሊ’ቲ መንግስቲ ዘለዎም ጽላኣት ከም ዝዛየደን ኣረዲኦም።

መንግስቲ ህግደፍ ካብ ዓድታቶም ከፈናቕሎም እንከሎ፡ ብመሰረት ባዕሎም ዘቕረብዎ ናይ ምፍንቓል ሕቶ መንግስቲ ንጠለቦም መሰረት ገይሩ ብናቱ ወጻኢታት ከም ዘገዓዓዞም፡ ኣብ’ቲ ዝኸድዎ ድማ ኩሉ ነገራት ተዳልዩ ከም ዝጸንሐን እንቋዕ መጻእና ክብሉ ንመንግስቶም ከም ዘመስገኑን እንዳበለ ኣብ ባይታ ዘየለ ፕርፖጋንዳዊ መናፍሓት ከካይድ ከም ዝጸንሐን ዝፍለጥ’ዩ።

 

ድ.ሰ.ደ.ኤ ዕለት 18.12.2009

 

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 169 guests online