|
ዋጋ ናይ’ቲ ዝተቐጸለ ንብረት ክኸፍሉ ከም ዝተኣዘዘ ተሓቢሩ |
|
|
|
Sunday, 20 December 2009 20:35 |
|
ኣብ ከተማ ተሰነይ ዝነበረ መእከብ ጎሓፍ ስለ ዝተቓጸለ ህዝቢ ናይ’ቲ ከባቢ ዋጋ ናይ’ቲ ዝተቐጸለ ንብረት ክኸፍሉ ከም ዝተኣዘዘ ተሓቢሩ።
ኣብ ከተማ ተሰነይ ኣብ ከባቢ ዕዳጋ ከብቲ፡ ሓደ ናይ ጓሓፍ መእከቢ /ባጎኒ/ መን ፈጻሚኡ ዘይተረጋገጸ ስለዝነደደ፡ ድሕሪቲ ፍጻሜ ኢደ-ወነናዊ ጨቛኒ ስርዓት ህግደፍ፡ ንኽልተ ሚእቲ ወነንቲ ቤት ሻሂ ተቐማጦ ተሰነይ ኣኪቡ፡ ኣምሳያ ናይ’ቲ ዝነደደ ባጎኒ ንነፍሲ-ወከፎም 300 ናቕፋ ክኸፍሉ ከም ዝኣዘዞም እሙናት ምንጭታትና ሓቢሮም።
እዞም ዜጋታት ካብ ኢድ ናብ ኣፍ እቶቶም ክነሱ፡ መንግስቲ ህግደፍ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓላፍነት ዝጎደሎ ቀጢን ትእዛዝ ኣውሪዱ ንትግባረ ይደፍኦም ስለ ዘሎ ኣብ ከቢድ ሽግር ከምዝርከቡ ገሊጾም።
ሕሰምን ጸበባን ናይ ህዝቢ ዘይንታዩ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ካብ ዕለት ናብ ዕለት ጭቖንኡ እናኸፍአ ይኸይድ ብምህላዉ፡ ናይ’ዚ መፍትሒ ድማ፡ ቃልስን ቃልስን ጥራሕ ምዃኑ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ኣመልኪቶም።
ድ.ሰ.ደ.ኤ ዕለት 18.12.2009
|