Start እዋናዊ ዜና News ስርዓት ህግደፍ 37 ትራክተራት ናይ ህዝቢ ከምዝሃገረ ተገሊጹ።
ስርዓት ህግደፍ 37 ትራክተራት ናይ ህዝቢ ከምዝሃገረ ተገሊጹ። PDF Print E-mail
Written by ድ.ሰ.ደ.ኤ.   
Sunday, 20 December 2009 20:33

መላኺ መንግስቲ ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገርና ንዝርከባ ናይ ውልቀ ትራክተራት መንጢሉ ክሓርሰለን ከምዝኸረመ ዝፍለጥ ኮይኑ፡

ከም መቐጸልታ ናይ’ዚ ድማ፡ ኣብ እዋን ክረምቲ  ከይሃገርን ዝጸንሐ 37 ትራክተራት፡ ካብ ዋናታተን ብምምንዛዕ ኣብ ኣለቡ ኣኪቡ ሒዝወን ከምዘሎ ምንጭታት ድምጺ ሰላምን ዲሞክራስን ኤርትራ ብዕለት 15. ታሕሳስ 2009 ካብ ሱዳን ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ገሊጾም።

 

ብተወሳኺ ህግደፍ ነቶም ወነንቲ ትራክተራት ኣኪቡ፡  ትራክተራትኩም ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብ እዋነን ተረኺበን ስለዘይሓረሳ፡ በዚ ምኽንያት ድማ ሕጽረት ፍሪያትን ጥሜት ከጋጥም ስለ ዝኸኣለ  ክትወስድወን እንተኾንኩም ነብስ ወከፈን፡ ኣብ  ዝሓለፈ ክረምቲ ናይ ዘይሰርሓኦ ሸሞንተ ሚእቲ ሰዓታት፡ ንሰዓት ብሕሳብ  ሓደ ሽሕ ናቕፋ: ብጠቕላላ ናይ 800 ሰዓታት፡ 800.000 ናቕፋ ከፊልኩም ትወስድወን ከምዝበሎም ሓቢሮም።

 

 እቶም ሓረስቶት ነዘን ትራክተራት ብሓደሽተን ካብ ህግደፍ ክገዝእወን ከለዉ፡ ነተን ቀዳሞት 8026 ሓይሊ ፈረስ ዘለወን ምስ ዲሞርክየአን ብሕሳብ 250.000 ናቕፋ፡ ነተን ዝዓበያ ብኻልኣይ ደረጃ ዝመጻ ድማ፡ ብሕሳብ 500.000 ናቕፋ ከም ዝገዝእወን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ሽፍታ መንግስቲ ህግደፍ፡ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ክፍጽም እዚ ናይ መጀመርትኡ ዘይኮነስ፡  መቐጸልታ ናይ’ቲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ክገብሮ ዝጸንሐን ዝቕጽሎን ዘሎ እዩ።

 

ድ.ሰ.ደ.ኤ ዕለት 18.12.2009

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 133 guests online