Start ወግዒ Joke Joke ጥንታዊ ምስላታት ኣበው ሻሙናይ ክፋል
ጥንታዊ ምስላታት ኣበው ሻሙናይ ክፋል PDF Print E-mail
Sunday, 20 December 2009 20:29

ወዮ ወዘንፎ፡ ኣይገድፈኒ ኣይገድፎ

ወዲ ሰራሕ ማዕጾ ዝብኢ በልዖ፡ ወዲ ላጻያይ ቁማል ወድኦ

ወዲ ጭዋ እናሓደረ ይውርዚ፡ ወዲ በዓለገ እናሓደረ ይግዕዚ

ወዲ ድሙ ኣይሓድግ ግብረ እሙ

ወዲ በዓለገ ኣብ ብልዒ ይደፍር፡ ኣብ ነገር ይሓፍር

ወዲ ዕቡይ ወዳቒ፡ ወዲ ማእምን ሰሓቒ

ወዲ ፎቶ ገዛኻ እቶ፡ ወዲ ባዕዲ ገዛኻ’ናዲ

ወጠጦ ንወጠጦ እንተፈረዱ፡ ይፈርዱ ከይሕረዱ

ወጮ እንተገልበጥካዮ ወጮ

ዋሕስ ዘይብሉ ነገር ጥፉእ፡ ማዕለኻ ዘይብሉ ጸባ ድፉእ

ዋንኡ ዘቃለሎ ብዕራይ፡ ዓዳጊ ነይተቐባላይ

ዋይ’ዛ ማእምን ጸገበት፡ ክትግግየኒ ቐረበት

ውሕጅ ክወስድ እናሰሓቐ፡ ተንኰለኛ ከጥፍእ እናተራቐቐ

ውረድ ዘይበቕልኻ፡ ልቐቕ ዘይምድርኻ

ውርደቱ ዝርስዕ፡ ዝሃብዎ ዘኾምስዕ (ዳርጋ ኣድጊ)

ውግእ ኣብ ዘይብሉ ፈኸራ፡ ምስክር ኣብ ዘይብሉ ጃህራ

ውጻእ ካብ ቤተይ፡ ግለል ካብ ፊተይ

ወረ እንተበሉኻ ሜላ ጨምር

ወዲ ቕንፍዝ ልሙጽ ኣይውለድን

ዋሕለልኩ ዝበለት ሰበይቲ፡ ቀሺ ዳዊት ትሓጽብ

ዘለካ ተወከፍ ዘይብልካ ኣይትሰከፍ

ዘማይ ህበይ፡ ስጋ ሒዝኩም ናበይ (በለት ወኻርያ)

ዘረባ በዓለገ ኣብ ኣፍ ደገ

ዘረባ ሎቱ ኣየውፍር ኣየእቱ

ዘረባ ዓሻን ዕርፊ ማሕረሻን ሕልፍ ክትብል ይጐድእ

ዘረባን መሸላን ከካብ ክሳዱ ምጕማዱ

ዘንጊ ሓቂ ትቐጥን፡ እምበር ኣይትስበርን

ዘእተወክስ ይፈትሓኪ፡ ወይልኡ ዝወለደኪ

ዘቕበጥበጠ ከልቢ፡ መዓር ይልምን - ስጋ ይኣቢ

ዘየሓኻ ነየቕይሓኻ

ዘየ’ቡኡ ዝጸርፍ፡ ኣቡኡ የጽርፍ

ዘየኾምስዕ ኣድጊ፡ ዘይምስል ኣብዲ

ዘይሃብዎ ተቐባሊ፡ ዘይጸውዕዎ ኣቤት በሃሊ

ዘይሎሚ ዘይጸመቘት፡ ዘረባ ጸየቐት

ዘይቅድሜኻ ኣይቍረስ፡ ዘይገንዘብካ ኣይውረስ

ዘይትሰምዖ ጸርፊ ዳርጋ ደርፊ

ዘይተኣማመኑ ጐሓላሉ፡ ኣብ ከክሳድ ይማሓሓሉ

ዘይትኸይድ መበለት፡ እናዞረት ትሳናበት

ዘይትጥቅብ ኣፋ፡ መን ኣለፋለፋ

ዘይትዓርፍ ኢድ ተመን ተውጽእ፡ ዘይትዓርፍ መልሓስ ነገር ተምጽእ

ዘይኦማ ኣይትተኸላ፡ ዘይሳዕራ ኣይትብቈላ

ዘይናቱ ዝደሊ ከም ሳእኒ ይበሊ

ዘይድሕን ባሕታዊ ጸባ ሃቡ፡ ዘይድሕን ፉቕራ ስዋ’ቕርቡ

ዝመጽእ ክትፈልጥ፡ ዝሓለፈ ፍለጥ

ዝኸርምን ዘይኸርምን፡ ዝናም ይልምን

ዝገብር ነዲኡ ነይነግር

ዘልቅሰሉ ዘይብሉ፡ ኣልቂሱ ሞተ ባዕሉ

ዘጽግብ ቅጫ ኣብ መቝሎኡ፡ ዝዓቢ ምራኽ ካብ’ኖኡ

ዝሃቡኻ ኣኾምስዕ፡ ዝገበሩኻ ኣይትረስዕ

ዝሞተ ኣይትረስዕ፡ ዝወደቐ ኣተንስእ

ዝሞተ እንተ ሞተ፡ ዘሎና ንዛተ

ዝሰሓተ ይምከርካ፡ ዝወዓለ ይንገርካ

ዝረገጽካዮ ለምለም፡ ዝተዛረብካዮ ቀለም (ይግበረልካ)

ዝቐተለ ሰብኣይኪ፡ ዝሞተ ሓውኪ፡ ቅጥዒ ነይብሉ ሓዘንኪ

ዝብኢ ክወግኡ፡ ኣብ ኣድጊ ይጽግዑ

ዝብኢ እንታይ ይመስል፡ እግሩ ይሕንክስ፡ ኣፉ ይነክስ

ዝብኢ ክሳብ ዝነክስ ይሕንክስ

ዝብኢ እኽሊ ኣይልመድ፡ ኣዳም ከይምድመድ

ዝተላሕጸ ኦም ካልኣይ ግዜ ኣይለሓጽን

ተበላጺ ሰብ ዘይሓደ ግዜ ኣይብለጽን

ዝተናዕቀት ሃገር፡ ብኣድጊ ትውረር

ዝንጅብል፡ መን እንተበሉኻ መን ትብል

ዝደለይዎ እንተሰኣኑ፡ ዝኣበዩዎ ይልምኑ

ዝጠርጠረ ቤቱ ሓጸረ፡ ዘይጠርጠረ ቤቱ ተወረረ

ዘረባ መላኺ ጉርዲ የብሉን

ዘራጊት ዘላተን ኣሓ ጽሩይ ማይ ነይሰትያ

ዘመኑ ዝሃቦ ሓምሓም፡ንእምኒ ሓደጋ ይወድቆ

ዘመነ ግርምቢጥ ማይ ንዓቐብ

ዘዋሪት እግሪ እንዳ ተመነ ዕንቅርቢት ትኣቱ

ዘዛቘነ ሰይጣን ከይቀሸሸ ኣይተርፍን

ዘየደቅስ ነጊሮምኻ፡ ድቅስ ይሓድሩ

ዘይሓልፈላ ጭሩ መስከረም ትዓውር

ዘይበልዕ የልቦን፡ ዘይጸግብ በኣሰ

ዘይውቃዕ ቈልዓ፡ እንተኾረኻሉ ይበኪ

ዘይናቱ ዝደሊ ከም ኣንበጣ፡ ሕያዋይ ከም ተመን

ዘፍርህ እንተነገረካ፡ ዘጥርጥ ንገሮ

ዝንእደካ የጋግየካ፡ ዝግስጸካ ይእርመካ

ዝሑል ጸባ ዝለመደ ዝምቢ፡ ኣብ ውዑይ ኣትዩ ሞተ

ዝባን ዓሻ ክውቃዕ፡ ልቢ ለባም ይስምብር

ዝሰኸረ ሰብ፡ ኣወዳድቕኡ ኣይጽቡቕን

ዛግራን ናብ’ዚ፡ መሸንጎጓን ናብ’ቲ

ዝሸተተ ሰብ፡ ሰብ ይሃድሞ’ምበር ንሱ ኣይሃድምን

ዝብኢ ኣብ ዘይፈልጥዎ ከይዱ፡ ኣጐዛ ኣንጽፉለይ ይብል

ዝተነቓነቐ ኩርምቲ ከይወጸ ነይተርፍ ሽመል፡ እንታይ ደኣ ትብል ነነይ

ዝሓለፈሉ ትንፋስ ሰብ ኣሕለፈ

ዝኣኽለን ጥሒነን በኣለ ማርያም ይብላ

ዝወግአ እንተ ረስዐ፡ ዝተወግአ ነይርስዕ

ዝወርወርዎ እምኒ፡ ተመሊሱ ናብ ወርዋሪኡ

ዝጨነቖ ሓርጭ ኣብ ንፋስ ይጽጋዕ

ዝጸገበ ጥሙይ፡ ዝነበሮ ጥሜት ይርስዕ

ዝጸገበ ጋሻ፡ ከይመደረ ነይወጽእ

 

ካብ 'ናይ ኣቦታት ጥንታዊ ምሳሌ' ብሊቀመዘምራን ሞገስ ዑቕባገርጊስ ብ1958'

ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ዝተዋጽአ ምሳሌታት

 

ኣቕራቢ ሓውለይቶ

 

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 61 guests online