|
ኣብ ፖለቲካ፡ ማእቶት፡ ንግዲ፡ ትምህርቲ፡ ማሕበራውን ባህላውን መዳያት ብውልቀ ይኹን፡ ብደረጃ ማሕበራዊ ውዳቤታት፡
ብውድብ ይኹን ብመንግስቲ፡ ሕጊ ተኸቲሉ ርሑቕ ጠሚቱ መደባት ሰሪዑ ወፊሩ፡ ውጽኢታዊ ኣብ ዝኾነሉ ኣጋጣሚታት፡ እከለ ጻዕራም’ዩ፡ መስተውዓሊ’ዩ፡ ንነብሱ ንቤተሰቡ ከባቢኡን ሃገሩን ዝኸውን ኣብነታዊ’ዩ ዝብል ናእዳ ክወሃብ ሕጂ ዝተጀመረ ዘይኮነስ ካብ ቀደም ዝጸንሐ ስሩት ኤርትራዊ ባህሊ’ዩ። “ንዝገበረልካ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” ከም ዝበሃል ናይ ብሓቂ ዝረአ ውጽኢታዊ ንዝኾነ፡ ውልቀ-ሰብ፣ ማሕበራዊ ሓይሊ፣ ውድብ ይኹን መንግስቲ ብኽንድቲ ዓቕሙን በብደረጅኡን ኣወንታዊ ሞሳ ክወሃብ፡ ነቲ ብዓል ጉዳይ ፍናን ነቲ ካልእ ድማ ተመሳሳሊ ተግባር ንኽፍጽም ዘተባብዕ ስለ ዝኾነ ዝድገፍ’ዩ። ዝኾነ ኣወንታ ዘይብሉ፡ ብኣንጻሩ ኣዕናዊ ተግባራት ንዝፍጽም ውልቀ-ሰብ፣ ማሕበራዊ ሓይሊ፣ ውድብ ኮነ መንግስቲ፡ ሳላኻን ብሳላኻን እንዳበልካ ብኣወንታ ከተመጉሶ ግን ምልክት ጥዑይ ስነ-ኣእምሮ ኣይኮነን። ካብ’ቲ ናቱ ተግባር ዘይነኣኣስ ርኡይ በደል’ዩ።
ኣብ ሃገርና ኤርትራ ብተግባር ንዕዘቦ ዘለና ፖለቲካዊ ኩነታት እምበኣር፡ ኣወንታዊ መጎሳ ዝወሃቦ ዘይኮነስ፡ ብሰንጠቕ ብኣሉታ ክንቀፍን ተቓሊስካ ክሰዓርን ዘለዎ ዘሕፍር ተርእዩ’ዩ። ፖለቲካዊ ምስሊ ኤርትራ ኣንፈቱ ተዛቢዑ፡ ተቓለስቲ ህዝብታት ኤርትራ ዘይተጸበይዎ ናይ ምብትታን ሓደጋ ኣንጸላሊይዎም፡ ናይ ኣድሕኑና ኣውያት ኣብ ዘስምዕሉ ዘለው ተኣፋፊ ወቕቲ ኢና ንርከብ ዘለና። ብዋጋ ናይ’ቲ ትማሊ ዝነበረና ባህጊ፡ ንባህግና ግብራዊ ንምግባር ዝተኸፍለ መስዋእትን ስንክልናን ሰላም ደሞክራስን ልዕልና ግዝኣተ ሕግን ክንጎናጸፍ፡ ንከባቢና ኣወንታዊ ጽልዋ ከነመሓላልፍ፡ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ድማ ግቡእ ናይ ክብሪ ቦታና ክንሕዝ ይግበኣና ነይሩ። እንተኾነ ግዝያዊ ዕንቅፋት ስለ ዘጋጠመ እቲ ትጽቢት፡ ስንክልናን መስዋእትን ከም’ቲ ዝድለ ሸቶኡ ኣይሃርመን። መሬታዊ ነጻነት ደኣምበር ህዝባዊ ልዑላውነት ግቡእ ቦትኡ ኣይሓዘን። ባዕዳዊ መግዛእቲ ብወዲ-ሃገር መግዛእቲ ተተኪኡ። ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰል ዜጋታትን ህዝብታትን ብዝኸፍአ ተረጊጹ። ልዕልና ግዝኣተ ሕጊ ሃጒጉ። ኣብ ክንዲ ሃገራዊ መወከሲ ቅዋም፡ ሰናይ ፍቓድ ውልቀ ሰባት ልዕልና ሒዙን ነጊሱን። ቁጠባዊ ንጥፈታት ደስኪሉ። ማሕበራዊ ምትእስሳራት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እንዳተሸርሸረን እንዳንቆልቆለን ይኸይድ ኣሎ። ካብ ቀዳሞት ወለድና ዝወረስናዮ ኣወንታዊ ኣሰራት ባህልና ቀስብቐስ እንዳተማሕወ ክህረም ይግበር ኣሎ።
ጸጥታዊ ኩነታትና ምሉእ ንምሉእ ተዘሪጉ፡ ህዝቢ ከም ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ዓሚቕ ስግኣት ተዋሒጡ ክነብር ተፈሪዱ ይርከብ። ብዝሒ ናይ ተፍትሽ ብሎኮታት ኣብያተ ድጓናን ብጭውያን ቅንጸላን ዝጠፍኡ ዘለው ዜጋታት ናይ’ዚ ጭቡጣት ኣብነታት’ዮም። ናይ እምነትን ሕልናን ሓርነታት የለን። ካብ ሕገ-ሃይማኖት ወጻኢ መራሕቲ ሃይማኖት ብድሌትን ትእዛዝን መንግስቲ ካብ ስልጣን ክወርዱን ናብ ስልጣን ክድይቡን ብተግባር ንርኢ ኣለና። ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ጋግ ንምፍጣር ሓደሽትን ነባራትን ዝብል ፈላላዪ መምርሒ ብተግባር ይሰርሕ ኣሎ። ስርዓተ ሃይማኖት ኣብ ክንዲ ብሕግን መምርሕን ሃይማኖት፡ ካብኡ ወጻኢ ክንድዚ ደቓይቕ ትሰግዱን ተጸልቱን ዝብል እገዳታት ካብ ዝግበር ጸኒሑ ኣሎ። እኽሊ ኣብ ዝደለኻዮ ግዜን ክንዲ ዝደለኻዮ ዓቐንን ምሻጥን ምልዋጥን ብወግዒ ተኸልኪሉ፡ ከም ኣደንዛዚ ሓሽሽ ብመልክዕ ኮንትሮን ባንድን ብደላሎን ኣብ ምክያድ ይርከብ። ኣብ ዓለም ፖለቲካዊ ክብርና ብተግባር ለጠቕ ኢሉ እነሆ። እዚኦም ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ ካብ’ቶም እዋናውያን ኤርትራዊ ሕሰማት’ዮም። ናይ’ዚ ኩሉ ፖለቲካዊ ቁጠባዊ ጸጥታዊ ማሕበራውን ዲፕሎማስያውን ምዝራግን ምንቁልቋልን ጠንቂ ድማ ልጓም ኣልቦ መንግስቲ ህግደፍ’ዩ። እታ ኣብ እዋን ነጻነት ዝነበረት ሓርበኛዊ ተርኡ ተጸንቂቓ መሊኡ ናብ ደምበ ጸላኢ ተሰጋጊሩ፡ ብደይ መደይ ህዝቢ ዘብርስ ዘሎ መንግስቲ ህግደፍ ደኣምበር፡ ካልእ ሓይሊ ኣይኮነን። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ግዜ ዝሰገሮ ወፍሪ ባርነት’ዩ ዝካየድ ዘሎ። ነዚ ዘካይዶ ዘሎ ድማ ህግደፍ’ዩ። ምኽንያቱ ካልእ መንግስቲ ኮነ ውድብ ኣብ መሬት ኤርትራ የለን።
ብእምነት ውድብና ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ህደግኤ እምበኣር፡ ህግደፍ ብባህርን ብግብርን ጸላኢ ህዝብታት ኤርትራ’ዩ። እዚ ሓቢእካ ዝሕባእ ኣይኮነን። ነዚ ብባህርን ብግብርን ጸላኢ ኮይኑ ዘካይዶ ዘሎ ኣዕናዊ ተግባራት ኣብ ክንዲ ምኹናን፡ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜን ኣጋጣሚታትን ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ኣብ መስኮት ተለቭዥን ቀሪቦም፡ መን ከም መንግስትና ፕረዝደንትና፡ ሳላ መንግስትና ሓሊፍሉና፡ ከቢርና፡ ኣብነታዊ ሰላም ኣንጊስና ኣብ ጎደና ምዕባለ ንምርሽ ኣለና ዝብል ተደጋጋሚ መግለጺታት መደረታትን ክትሰምዕ እንከለኻ፡ እዞም ሰባት ምስ ሕልንኦም የለውን የብለካ።
ብርግጽ ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ምሕደራ ዝነብሩ ሰባት፡ ኣብ መራኸቢታት ቀሪቦም ዝብልዎ ኩሉ እምነቶም’ዩ ንምባል ኣይከኣልን። ንስለ ምንባር ክበሃል ወይ’ውን በል ተባሂሉ ዘይእምነቱ ዝብል ከም ዘሎ ርዱእ’ዩ። ይኹን ደኣምበር እቲ ኣብ መስኮት ተለቭዥን ቀሪቦም ነዚ ፍንፉን ናይ ውሑዳን ጽግዕተኛ መንግስቲ ተደጋጊሙ ኣየ መንግስታትና መራሒና ዝብል መጎሳ ክትሰምዕ እንከለኻ ግን ኣዝዩ የድንጽወካ። ካን ሕልናኦም ደርቢዮም ኣምለኽቲ ውልቀ ሰባት ኮይኖም፡ ባዶ ወደሳ የስምዑ ኣለው ዝብል ሕቶ ከተልዕል የገድደካ። ምኽንያቱ ካልእ እንተተሳእነስ ኢድካን እግርኻን ኣኪብካ ስቕታ ሓደ መንገዲ’ዩ። ህግደፍ መዓልቲ ውድቀቱ ዘማዕዱ ዘሎ ዝመሽመሸ ውሽጣዊ ቅሳነት ዘይብሉ መንግስቲ ምዃኑ ብኣካል እንዳረኣዩ፡ ዳግም ሂወት ክሰኹዕሉ ዝገብርዎ ዘለው ከንቱ ወደሳን ዕልልታን ጽባሕ ብታሪኽን ብሕልናን ክሕተቱ ምዃኖም ነዘኻኽሮም።
ድ.ሰ.ደ.ኤ.
ዕለት 18.12.2009
|