|
ሕጂ እንተመሃረኩም ተጠንቀቑሉ ጽባሕ ከየሕቕቐኩም |
|
|
|
Sunday, 20 December 2009 20:02 |
|
መርዓዊ ዘይሓዛስ ዓርኪሕዛ ከም ዝበሃል
ኣማኢት ሓኻይም ኣብ ባዶ ሆስፒታል
መንደቕምብር ከኒና ዘይብላ ጥር ትብል
ኩሉ ዝፈልጦዩ መንዩሞ ሐሶት ክብል
ዘይሓፍር ሓኻይም ምሂረ ኸኣ ይብል
ትምህርትስ ጸጋዩ እንቋዕ ሓጎሰኩም
እጀሃር ኣሎ ስራሕ ከም ዝቐረበልኩም
ከይትዝንግዑ ንህግደፍ ተኣማሚንኩም
ኣዳህሊሉ ንሳዋ ንቐሉ ከይብለኩም
ኣመሉ ኣይገድፍንዩ ፍሽኽ ተበለኩም
ቤት ትምህርትን ሆስፒታላትን እናዓጸኻ
ህዝቢ ከተሳቒ ቤት ማእሰርቲ እናሃነጽካ
ክማሃሩ ዝግቦኦም መንእሰያት እናባረርካ
ዝተረፉ ዋላ ኣብ ገገዝኦም ዲግሪ ተዓደልካ
መስከረም ነትን ሶፍያን ጥራዮም ዘመጉሱኻ
ንዓሳክር ባቲካን ዝመስል ቆቡዖም
ዘይምዕሩጋት ሕሱራት ቀባእትኹም
ሰይጣን ዝደገሞ ማይ ነጺጎሙልኩም
ብኣገልግሎት ብጥራዩ ንኸስርሕኹም
ዘፍረኹመን ትምህርቲ ከረሳስዕኹም
ህግደፍ ምሁር ዘይፈቱ ውቃበ ባህሪኡ
ንዑ ምስክርኩም ሒዝኩም ደገ ውጽኡ
ብጻዕሪ ፍረኹም ንንቕሓት ክትበቕዑ
ምስ ምሁራት ዓለም ማዕረ ክትስርዑ
ፍልጠት ክትድልቡ ሃገርና ከተኹርዑ
ዲግሪ ምጽዓን ጥራይ እኹል ኣይኮነን
ሕተቱ ድሃይ ቁዋም ሃገር ንመድሕን
ቆቡዕኩም ንሽሙ መርቑለይ ከይከውን
ህግደፍ ከይጥቀምሉ ጉዶም ንምሽፋን
መስከረም ነትን ቲቪ ኤረን ኣይትእመኑ
ተናዒቐን ሰብ ካብ ዝንዕበን ነዊሕዩኮይኑ
መዳኸርቲ ልሳነ ኢሰያስ ወትሩ ኣብ ጎኑ
ሃገር ብጥሙያ ላዕሊ ከም ዘላ ዘጋንኑ
ህግደፍ ዝመልመሎም ሑዙኣት ማዕከኑ
ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎኤረና
ብተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ
17/12/2009 Norway
|