Start
መራሒ ህግድፍ ዪስሕቅ ኣሎ ንሳሓቁ ናብ ብኽያት ንቐዪሮ Print E-mail
Written by በርሀ ዑቕባዝጊ   
Sunday, 20 December 2009 20:00

ዓዲ ሓርበኛ ዓዋተ ረኺባ መከራ

ዓዲ ጀጋኑ ሱዉኣት ረኺባ መከራ

ካብ ምንጋጋ ህግደፍ ዘውጻኣ ሲኢና ሓራ

ፈኸራ ህግደፍ ገዲዱ ካብ ናይ  ኣምሓራ

ፈኸረኦም ንሕና ኢና ሃገር ዝገበርና ሓራ

ህዝቢ በርቲዕዎ ናይ ህግደፍ ራዕዲ ሺበራ?

ብታሕጓስ ዪወቅዕ ኣሎ ኮቦሮ

ጂግና ተሳኢኑ ዘሓንቅ ጎሮሮ

ዪስሕቅ ኣሎ ሲኢኑ የእጋሩ ዝሰብሮ

ሓብርና ንሳሓቁ ናብ ቢክያት ንቐዪሮ?

እስፖርታዊያን ዓዱ ካብ ገዲፉ

ወተሃደራት ውን ዓዲ ካብ ገዲፉ

መንእሰያት ውን ዓዱ ካብ ገዲፉ

መን ደኣ ተሪፉ ንህግድፍ ዝብል ግደፉ?

ዪስሕቅ ኣሎ ንሳሓቁ ናብ ብኽያት ንቐዪሮ ሓቢርና

መንእሰይ ካብ ኮንካ ወራሲ ሕድሪ

ኣይትረስዕ ናይ ኣያታትካ ክብሪ

ኣይትረስዕ ናይ ኣያታትካ ሕድሪ

ኲዒትካ ቅበሮ ነቲ ጠላም ኣብ ግብሪ?

ዪስሕቅ ኣሎ ንሳሓቁ ናብ ብኽያት ንቀዪሮ ሓቢርና

እቶም ኣብ ደሞክራስያዊ ሃገር ንቅመጥ ዘለና

ንመሰል ህዝብና ምጥባቅ ዶ ሲኢና

ማዓስ እዩ ኸ ሓላፍነት ዝስማዓና?

ዪስሕቅ ኣሎ ንሳሓቁ ናብ ብኽያት ንቐዪሮ ሓቢርና

ኣለዉ ዑሱባት ንስልኣን ህግድፍ ዝካላኸሉ

ኣለዉ ህዝቢ ጠሚዩ ኮሎ ጸጊቡ ኣሎ ዝብሉ ተኳሉ

ኣለዉ ሺግር ህዝቢ ዘይዓጦም  ንሺፍታ ዘገልግሉ

ኣለዉ ሙሁራት ተበለጽቲ ምስ ህግደፍ ዘሓከሉ?

ዪስሕቅ ኣሎ ንሳሓቑ ናብ ብኽያት ንቐዪሮ ሓቢርና

ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ

ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ስዋኣትና

ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም

ዕንወት ንጃንዳ ንህግድፍን ዓንገልቱን


ካብ ሕድሪ ስዋኣቱ ዘይጠለመ

በርሀ ዑቁባዝጊ ጀርመን