Start እዋናዊ ዜና News “ሃኮሰኤ ብስም ሰራሕተኛ ዝተወደበ ማሓውር ህግደፍ’ዩ”
“ሃኮሰኤ ብስም ሰራሕተኛ ዝተወደበ ማሓውር ህግደፍ’ዩ” PDF Print E-mail
Written by ድ.ሰ.ደ.ኤ.   
Sunday, 06 December 2009 22:23

ማሕበር ሰራሕተኛ ኤርትራ፡ ከም ደርቢ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጣሊያን ተፈጢሩ፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ እንግሊዝ ድማ፡

ከም ማሕበር ተወዲቡ፡ ምእንቲ ሃገራዊ ነጻነትን ልዑላውነትን ካብ ዝተቓለሱ ማሕበራት ሓደ’ዩ። ማሕበር ሰራሕተኛ ኤርትራ ኣብ መድረኽ 50ታት ቅድም ብሕጋውን ግሉጽን፡ ቀጺሉ ድማ፡  ብዘይሕጋውን ሚስጥራውን ኣገባብ ቃልሲ ተጠቒሙ፡ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ቃልሲ ካብ ዘካየዱ ሃገራውያን ማሕበራት ሓደን  ዝዓበየ ማሕበር ምዃኑ፡ መዛግብቲ ታሪኹ ዝምዝክርሉ ማሕበር’ዩ።

 

መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ፈደራላዊ ስምምዕ ኤርትራን ኢትዮጵያን መሰረቱ እናፍረሰ፡ ንፖለቲካ ኤርትራ ምጉዕጻጽ  ኣብ ዝጀመረሉ ግዜ ድማ፡ ካብ ዝተኣገዳን ዝፈረሳን ኣባላተን ንማእሰርትን ስቓይን ካብ ዝተሳጠሓ ሃገራውያን ማሕበራት ኤርትራ ሓደ ምንባሩ ዝተፈልጠ’ዩ። ቃልሲ ህዝብታት ኤርትራ ካብ ሰላማዊ ኣገባብ ናብ ዓመጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ምስተሰጋገረ ድማ፡ ኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ነጻነታዊ ቃልስና ንምዕዋት፡ ብጉልበት፡ ብፍልጠት ነዋትን ንሰውራኦም ኣገልጊሎምን መስዋእቲ ከፊሎምን’ዮም።

 

 ሰውራ ኤርትራ ንካልኣዊ ፍልልያት ብግቡእ እንዳመሓደረ ከቃልስ ዝኽእል መሪሕ ውድብን መሪሕነትን  ስኢኑ፡ ግዳይ ምንጽጻግን ምፍንጫልን ምስኮነ ድማ፡ ሰራሕተኛታት ኤርትራ፡  ከም ኩሎም ሕብረተሰባዊ ክፍልታት፡ ኣብ’ተን ምፍንጫል ዝወለደን ዝተፈላለያ ሃገራውያን ውድባት ብኣባልነት ተሓቚፎም ሃገራዊ ግቡኦም ኣበርኪቶም’ዮም። ሰራሕተኛታት ኤርትራ፡ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ዝብል ስም ለቢሶም፡  ብተግባር ግን ኣባላት ናይ ዝተፈላለያ ውድባት ጀብሃን ሻዕብያን ብምዃን ክቃለሱ ይግደዱ ስለ ዝነበሩ፡ ብሃገር ለኸ ክግለጽ ዝኽእል ውዳበ ኣይፈጠሩን። ንህልውን መጻእን ተራን መሰልን ናይ ሰራሕተኛታት ክሪኡን ብእስትራተጂ ክቃለሱ ዘኽእሎም ሃገራዊ ጥርናፈ በዂሩ፡ ከም ኣባላትን ማሓውራትን ናይ ውልቀ ውድባት ብምዃን ይቃለሱ ስለ ዝነበሩ፡  ሰራሕተኛ ማሕበር ብሃገር ደረጃ ከይውደብ፡ ሰራሕተኛታት ከይሓብሩ፡ ኣብ ሃገራዊ ፖለቲካ ልሉይ ተራ ከይጻወቱ ዝገብር ኩነታት ስለ ዝነበረ፡  ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ጸላዊ ተራ ዝጻወትን መሰል ኣባላቱ ዘረጋግጽን  ነጻ ማሕበር ክውደብ ኣይተኻእለን።

 

ብኣንጻሩ፡ ኣብ ጽባሕ ሃገራዊ ነጻነት ዝሰዓባ ሒደት ዓመታት፡ መንግስቲ ህግደፍ መንግስታዊ መሓውራቱ ዳግም ኣብ ዝውድበሉ ዝነበረ ግዜ፡ ልክዕ ከም’ተን ካልኦት ብስም ሃገራውያን ማሕበራት ዝተወደባ፡ ሃማደኤን ሃማመተኤን ማሓውራት ብስም “ሃገራዊ ኮንፌደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ” /ሃኮሰኤ/ ዝብል ስያሜ ለቢሱ ዝተወደበ መሓውር ናይ ህግደፍ’ዩ። ሃ.ኮ.ሰ.ኤ. ልክዕ ከም ሃ.ማ.ደ.ኤ.ን ሃ.ማ.መ.ተ.ኤ.ን ብድሌትን ውሳኔን ህግደፍ ዝቖመን ንዕኡ ዝምእዘዝን ማሕበር ስለ ዝኾነ ድማ፡ ናይ ማሕበር ስም ሒዙ፡ ናይ ግንባርን መንግስትን መደባት ኣብ ምትግባር ይነጥፍ ኣሎ። ናታይ’ዩ ዝብሎ ንጹር ዕላማን ሕግን  የብሉን። ኣብ ትሕቲ ሕገ-መንግስቲ ዘይብሉ ወተሃደራዊ መንግስቲ ኮይኑ፡ ናይ ሰራሓተኛ ስም ጥራሕ ተላቢሱ፡ ተሓታትነቱን ምእዙዝነቱን ንመንግስቲ ህግደፍ ኮይኑ፡ ንኣስታት 15 ዓመታት ዘገልገለን ገና ዝገልገል ዘሎን ስማዊ ማሕበር‘ዩ። ሃ.ኮ.ሰ.ኤ. ንመሰል ንሰራሕተኛታት ምጥባቕ  ዝበሃል ግቡኣት ካብ ዝፍጠር ጀሚሩ ዘይነበሮን ዘይብሉን’ዩ። ስለ ዝኾነ ከኣ፡ ከም ነጻ ሃገራዊ ማሕበር ክግለጽ ዘኽእሎ ሕጋዊ ሰብነትን ማሕበራዊ ንጥፈታትን ዘይብሉ፡ ኣብ ዓውደ ተግባር ብኹለንተንኡ እሙን መሓውር ናይ ህግደፍ ኮይኑ’ዩ ዘገልግል ዘሎ።

 

ሃ.ኮ.ሰ.ኤ. ኣባላቱ ከም ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰሎም ዝተረግጸ፡ ብነጻነት ተወዲቦም ክንቀሳቐሱ፡ ይጠቅም’ዩ ዝብልዎ ሓሳባት ክህቡን በፍጹም ዘይኽእሉ፡ ብዝተፈላለየ ሜላ በቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ዝምዝመዙን ዝሳቐዩን ዘለውን ’ዮም። ሃ.ኮ.ሰ.ኤ. ከም ማሕበር ብነጻን ብድሌቱን ዝመረጾ መሪሕነት ዘይብሉ፡ ብኣንጻሩ መሪሕነቱ ብውድብ ህግደፍ ዝምረጸሉን  ዝወርደሉ መምርሒ  ዝትግብርን ማሕበር ደኣምበር፡ ተሓታትነቱን ኣገልግሎቱን ንኣባላቱ ኣይኮነን።  መራሕቱ  ኣባላትን ላዕለዎት ካድራትን ህግደፍ ኮይኖም፡ ንማሕበር ስራሕተኛታት ኣብ ምምራሕ ሕጋዊ ሰብነት ንምርካብ ተባሂሉ፡ ብድፍኢትን ምድንጋርን ብሰራሕተኛታት ዝምረጹ ስለ ዝኾኑ፡ ሃ.ኮ.ሰ.ኤ. ንሰረሓተኛታት ኤርትራ  ብተግባር ኣይንታዮምን’ዩ።

 

ብኣንጻሩ ብስሞም ዝሽቅጥ እሙን መሓውር ናይ’ቲ ጸረ-ህዝብን ጸረ-ደሞክራስን ዝኾነ መንግስቲ ብምዃን ንውጹዕ ኤርትራዊ ሰራሕተኛ ብዝተፈላለዩ ሕግታትን መምርሒታትን ተጠቒሙ፡ ሰራሕተኛ ዝተዋህቦ መደባትን መምርሕን ብዘይ ዝኾነ ይኹን ተጎላብነትን ተቓውሞን ክፍጽምን ነቲ ኣረሜናዊ መንግስቲ ሰጥ ለበጥ ኢሉ ከገልግል ዝገብር ማሕበር’ዩ። ስለዚ ሰራሕተኛ ኤርትራ፡ ከም ኩሎም መሓዙት ስማውያን ማሕበራት፡ በቲ መሳርሒ ናይ ህግደፍ ዝኾነ ማሕበሩን መሪሕነቱን ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰሉ ስኢኑ፡ ከቢድ ምዝመዛን ምምሕዳራዊ በደላትን’ዩ ዝበጽሖ ዘሎ።  ኣባላቱ ኣብ ግዱድን ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉን ሃገራዊ ኣገልግሎትን ጊላዊ ምዝመዛን ተዋፊሮም፡ ብጉድለት ፍትሒ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ስቓያት ከርፋሕ ናብራ ኣብ ምሕላፍ ይርከቡ ኣለው። ስለዚ ከኣ ሃ.ኮ.ሰ.ኤ.፡ ንኣባላቱ ዝጠቅም  ነጻ ኮይኑ ዝምርሕን ዘመሓድርን ማሕበር ዘይኮነስ፡ ንሰራሕተኛታት ብስም ማሕበርን ማሕበራዊ ግቡኣትን ሽፋን ጅሆ መትሓዚ መሓውር ኮይኑ፡ ዘገልግል ዘሎ ማሕበር’ዩ። ሃ.ኮ.ሰ.ኤ. ካብ ናይ ህግደፍ ዕላማን ድሌትን ወጻኢ ክንቀሳቐስ፡ ናይ ኣባላቱ መሰልን ጠቕምን ክሕሉን ብዕላማ ዘይተወደበ ትካል ስለ ዝኾነ፡ ሰራሕተኛታት ኤርትራ መሰል ጠቕምን ኣልቦ ኮይኖም፡ በቲ መሳርሒ ህግደፍ ዝኾነ መሪሕነት ማሕበሮም ጅሆ ተታሒዞም፡ ብስቓይ ተኸቢቦም’ዮም  ዝነብሩ ዘለው።

 

ኤርትራዊ ሰራሕተኛ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰሉ ተጋሂሱ፡ ብስእነት ፍትሕን ቁጠባውን ማሕበራውን ጸገማትን ኣብ ዝሳቐየሉን ግዜ፡ ሃ.ኮ.ሰ.ኤ. ንመበል 30 ዓመት ምስረትኡ ምኽንያት ብምግባር፡ መንግስቲ ህግደፍን መሪሕነት ስማዊ ማሕበሩን ብዛዕባ ህልው ጸገማትን ብድሆታት ናይ ስራሕተኛ ንጎኒ ገዲፎም፡ ኣብ ሕሉፍ ናይ ቃልሲ ታሪኹ ዘተኮረ ዘካይድዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ፕሮፖጋንዳውን ዘኽሪ ቅኒያት፡ እንታይ’ዩ ዕላምኡ ኢልካ ምሕታትን ምግምጋምን ኣገዳሲ ጉዳይ’ዩ። ዕላማ ናይ’ዚ ኣብ’ዚ ቅኒያት’ዚ ክካየድ ዝቐነየ ፖለቲካዊ ስርሓት ብዛዕባ ሃ.ኮ.ሰ.ኤ.’ምበር፡ መንግስቲ ህግደፍ ከም ሃገራውን ህዝባውን ኣበርክቶኡ ዘብቀዐ ስርዓት መጠን፡ ኣብ ሕሉፍ ህዝባዊ ቃልስና ክሕባእን ህዝብታትና ኣብ ህልው ኩለ-መዳያዊ ወጽዓን ጸገማትን ከየድህቡን ንምፍትሑ ከይቃለሱን ኣቓልቦኦም ናብ ግዳም ክቐንዕ ብምግባር፡ ክጥቀመሉ ዝፍትን ዘሎ ሜላ፡ ሃ.ኮ.ሰ.ኤ.ን  መሓዙቱ ዝኾኑ ብስም ሃገራዊ ማሕበራት ዝተወደቡ ኣባላትን ከም ኣካል ኣምሳል ህዝብታት ኤርትራ መጠን፡ ኣብ’ቲ  ዝበጽሖም ዘሎ ደርባውን ብሄራውን ጭቆናን ምዝመዛን ኣድሂቦም፡ ንሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰሎምን ሓርነቶምን ከይቃለሱን  ዓፊኑ ንመሓዞም  ዝገብሮ ዘሎ ከንቱ  ምድንጋርን’ዩ። ካብ’ዚ ወጻኢ ናይ ሰራሕተኛ ወጽዓን ጸገማትን ንምፍታሕ ዝዓለመ መደብ ዝመሓላለፈሉ ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ ድማ’ዩ መራሒ መንግስቲ ህግደፍ፡ ዝሓወስ ሰበስልጣን ህግደፍ ዝተሳተፍዎ ብስም ምቕራብ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ዝስሙ መደብ ተታሒዙ፡ ንሕሉፍ ተመክሮ ሰራሕተኛ ኤርትራ ከም ሓፈሻዊ መእተዊ  እናተጠቕሙ፡ ብፍላይ ድማ ብህዝባዊ ግንባር ተወዲቡ ተመሪሑ ዝመጸ ማሕበር ሰራሕተኛታት፡ ናይ 30 ዓመታት ጉዕዞ ዝድህስስ መደረታት ኣብ ምሃብ ዝቐነዩ።

 

 ኤርትራዊ ሰራሕተኛ ከም ኩሎም ውጹዓት ህዝብታት ኤርትራ፡ ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰሉ ክረጋግጽ፡ ኣብ ሃገሪ ሰላም ደሞክራሲ ልምዓት ተረጋጊጹ ተጠቃሚ ክኸውን ዝኽእል፡ ህግደፋዊት ሃ.ኮ.ሰ.ኤ.ን መሪሕነቱን  ምስ ጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ህግደፍ ሓንሳእን ንሓዋሩን ብቃልሲ ክውገዱ ብምግባር፡ ንጠቕሙን ንጠቕሚ ህዝቡን ዘገልግል ድልዱል ማሕበርን ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ መሪሕነትን ንምርካብ ክቃለስ ኣለዎ። ስለዚ ሰራሕተኛ ኤርትራ ኣረሜናዊ መንግስቲ ህግደፍ  ንምውጋድ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ውዳበኦም ብምሕዳስ ተርኦም ከበርክቱ ይግባእ።

 

ድ.ሰ.ደ.ኤ. ዕለት 4.12.2009

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 36 guests online