Start ቋንቋ Language Opinions ብሰሪ ዕድሜኦም ንስቓይ ዝተፈርዱ መንእሰያት።
ብሰሪ ዕድሜኦም ንስቓይ ዝተፈርዱ መንእሰያት። Print E-mail
Thursday, 03 December 2009 21:24

ዕድመ ንእስነት ኣብ ኩሉን ብኹሉን ተፈታውን ተባሃግን’ዩ። እቲ ምንታይ’ሲ ትመሃረሉ ትመራመረሉ፡

ሓሪስካን ነጊድካን ውሕስነት ቀጻሊ ሂወትካ መሰረት ተንጽፈሉ፡ ንሕብረተሰብ ካብ ዝጸንሖ ድኽመታት ንምውጻእ ዝሕግዞ ሓድሽ ናይ ፖለቲካዊ ምሕደራ፡ ቁጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ባህላዊ፣ ስነ-ፍልጠታዊ ምህዞታት  ዝዕንብበሉ ባህሪያዊ ጸጋ ስለ ዝኾነ። ንእስነት ብሕጊ ሰባት ዘይኮነ፡ ብባህሪያዊ ሕጊ ስለ ዝግዛእ፡ ብኣግኡ ንውልቀን ንህዝብን ዝጠቅም ገለ ቁም-ነገር ክትገብር እንተዘይክኢልካ ቆጸራ ሂቡ ኣይጽበየካን ሓንሳእ ምስ ሓለፈካ ካልኣይ ዘይርከብ ናይ ተፈጥሮ ሂያብ’ዩ።  መንእሰያት ንዕድሜኦም ብግቡእ ክጥቀምሉ፡ ብምዕቡል ስነ-ምግባራዊ ኣተሓሳስባ ተሃኒጾም ህዝባውን ሃገራውን ሓላፍነቶም ክዋጽኡ ግን፡ እቲ ቅድሚኦም ዘሎ ወለዶ ብሓፈሻ፡ ኣብ ስልጣን ዝሓኾረሉ ኣገባብ  ብዘየገድስ፡ ንሃገር ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ድማ ብፍላይ ጥጡሕ ባይታ ክፈጥርሎም ይግባእ። ዕድመ ንእስነት ብዙሕ ነገራት ዝስረሓሉ፡ መሰረት ሂወት ዝንጸፈሉ ብምዃኑ፡ መንግስቲ ኣካላውን ስነ-ኣእምሮኣውን ህንጸት ዝረኽብሉ ዝተረጋገ ኩነታት ናይ ምፍጣር ግዴታ ኣለዎ። ህጻናትን መንእሰያትን ኣእምሮኦም ከይፈራረቕ፡ ካብ ስግኣት ነጻ ክኾኑ፡ ፍቕሪ ወለድን ቀረባ ቤተሰብን ከይፍለዮም፡ ብጥሜት ሕማምን ዕርቃንን ከይሳቐዩ፡ ኣብ’ታ ሃገር ሰላም ምርግጋእን ኣስፊኑ፡  ቁጠባዊ ሓርነት ዘረጋገጽ፡ ማሕበራውን ባህላውን ምቖት ዝፈጥር ፖለቲካዊ ምሕደራ ከረጋግጽ ኣለዎ።

 

መንእሰይ ብኣካልን ብስነ-ኣእምሮን ዝህነጸሉ፡ ብምዕቡልን ሓላፍነታውን ስነ-ምግባር ዝሓልፈሉ፡ ሃገረይ እንታይ ገይራትለይ ኣነ’ኸ ከም ዜጋ እንታይ ክገብር ኣለኒ ዝብል ካብ ውሽጠ ዕግበት ዝብገስ ፖለቲካውን ማሕበራውን ንቕሓት ክጉልብት ከይገበርካ፡ መንእሰይ ስለ ዝኾነ ጥራሕ ተኣምር ስራሕ ክትብሎ ኣይቅኑዕን ዘድሊ ውጽኢት’ውን ኣየምጽእን።  መንግስቲ ህግደፍ ንኣብነት ንህዝባዊ ልዑላውነት ኣትሒቱ፡ ንመሬታዊ ልዑላውነት ብምጉላህ፡ ኤርትራውያን መናእሰያት፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ መን ናብኡ ኣደይብዎ፡ ባህሪኡ ከመይ’ዩ ተግባሩኸ? ሃገር ማለት እንታይ ማለት’ዩ ህዝቢ ማለት‘ከ? …ወዘተ ዝብሉ መሰረታዊ ነገራት ከይመመዩ፡ ዝተባህልዎ ጥራሕ ክፍጽሙ ከም ዘለዎም ዝገብር ዘደንዝዝ ጨካን ኣገዛዝኣ ብምዝውታር፡ ኣብ ዘይፈልጥዎን ዘቅኑዕን ኲናት ኣትዮም ንከንቱ ክመቱ፡ ክፍሊት ዘይብሉ ነጻ ኣገልግሎት ክፍጽሙ፡ እዚ ኩሉ ድማ ንስለ’ታ ብናይ ኣእላፍ ስውኣትን ስንኩላንን ዝመጸት ሃገር’ዩ እንዳተባህለ  ብቀስመን ክቕበሎን ክትግብሮን ይገብር ኣሎ።

 

ኤርትራ ብሓቂ  ድሕሪ ነዊሕ ቃልስን ክቡር መስዋእቲ ደቂ ህዝብን ዝመጸት ብምዃና፡ ብዋጋ ድኻምን መስዋእትን ቀዳሞት፡ ናይ ሎሚ ህጻናትን መናእሰያትን ፍረ ነጻነት እንዳስተማቐሩ፡ ናይ ሰላም ኣየር ከተንፍሱ ነይርዎም። ሃሞምን ቀልቦምን ናብ ትምህርትን ስራሕን ጥራሕ ክግበሩ ነይርዎም። ሎሚ’ዶ ጽባሕ ይግፈፍ፡ ይመውትዶ ይስንክል፡ ናብ ርሑቕ ስደት’ዶ ክጠፍእ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ክሕባእ፡ ከም’ዚ እንተበልኩ እንተገበርኩ እንታይ ይብሉኒ ይገብሩኒ ዝብል ስነ-ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ክሓድሮ ኣይግባእን ነይሩ። ኮይኑ ግን መንእሰያትና ሎሚ ኣብ ባሕሪ ከቢድ ጭንቀት’ዮም ዝነብሩ ዘለው።  ንመደብ ሃገራዊ ኣገልግሎ ኣይድግፍዎን ኣይኣምንሉን። ግን ከኣ ብግዴታ ኣትዮም ኣብ መወዳእትኡ ዘይፍለጥ ከርተት ሂወት ከሕልፉ ተፈሪዶም ይርከቡ። ነቲ ዕጡቕ ክፍሊታት ብጅሆ ንምሓዝ፡ ንመናእሰያት ድማ ካልእ ከይሪኡ ንምቁጽጻሮም ዓሊሙ በቲ ርእሰ ኲናት መራሒ ህግደፍ ዝተኣወጀ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ፡ ወፍሪ ባርነት ምዃኑ ይፈልጥ’ዩ ግን ከኣ ብቐስመን ኣብተን ናይ ህግደፍ ትካላት ብኹንትራት ነጻ ጉልበት እንዳገበረ፡ ኣብ ምስራሕ ኣባይቲ፡ ጽርግያታት፡ ዘመናዊ ሕርሻታት ተጸሚዱ ሓመድ ድፋጭኡ ይሰቲ ኣሎ።

 

ከምኡ ክኸውን ካብ ዝግብሩ ዘለው ሓደን ቀንድን ድማ፡ እቲ ካልእ ገጽ ናይ ትካል ጸጥታ ህግደፍ ብምዃን ብዋጋ መስዋእቲ ድኽነት ምብትታን ናይ መንእሰያት ኤርትራ፡ ስልጣን ውሑዳት ኣዕቊቡ ዘሎ ስማዊ ማሕበር፡ ሃማመተኤ’ዩ። ብፍላይ እቶም ንሃማመተኤ ዝመርሑ ዝነበሩን ዘለውን መን’ዮም ብኸመይ’ከ ኣብ’ቲ ስማዊ ማሕበር ብኣመራርሓ ደረጃ መጺኦም፡ ኣብ ልዕሊ እቲ መንእሰይ እንታይ ዓይነት በደላት ይፍጽሙ፡ ምስጢር ኣይኮነን። ብዙሕ ሰብ ዝፈልጦ ነገር’ዩ። እዚኦም ሕልናኦም ሸይጦም ኣብ ገዛእ ሃገሮምን ህዝቦምን ንኸብዶም ዝሰርሑ’ዮም። ስልጣን ካብ ላዕሊ ድኣምበር ካብ’ታሕቲ ብውክላና ወይ ብሕርያ ናይ ኣባላት ዝደየቡ ኣይኮኑን። ስለዚ ከኣ፡ ግበሩ ናይ ዝተባህልዎ ዝገብሩ ደኣምበር፡ ብዛዕባ እቲ ንመርሖ ኣለና ዝብልዎ መንእሰይ፡ እንታይ ዓይነት ጸገማት የጋጥሞ ኣሎ ዘገድሶም ኣይኮነን። ቅተል ዝብል ትእዛዝ እንተወሪድሉ ዝቐትል፡ እሰር እንተተባህለ ዝኣስር፡ ግፈፍ እንተተባህለ ዝገፍፍ፡ ንብረትን ጥሪትን ህዝቢ ዝመት እንተተባሂሉ ዝራሲ፡ ንመራሕቲ ኣወድስ እንተተባሂሉ፡ ልዑል ወጻኢታት ብምምዳብ፡ ብሙዚቃዊ ድራማታት ኣመላኺዑ፡ ብመራኸብታት  ተዓጂቡ፡ እከለ ከምዚ ብቕዓቱ ሓልዮቱ፡ ፍልጠቱ፡ ብልጸት ኣመራርሕኡ፡ ንሕና ነዚ መሪሕነት’ዚ ብምርካብና ተዓዲልና ኣብ ዝብል መእሰሪ ዘይብሉ ፖለቲካዊ ዓጀውጀው ዝተጸምደ መጋበሪያ ውልቀ ሰባት ዝኾነ ስማዊ ማሕበር፡ ንመንእሰያት ዝሕግዝ ገይረ  ክብል ምግላጹ፡ ኣቦ ኣለኒ መን ይሓትኒ ጥራሕ’ዩ እቲ ጉዳይ።

 

ምኽንያቱ ነቲ ግዳይ  ጸረ-ህዝቢ መንግስቲ ኮይኑ፡ መጻኢ ዕድሉ ኣብ ጽልግልግ ዝርከብ መንእሰይ፡ በትሪ ናይ’ቶም ውሑዳት ብምዃን ካብ መኣዲ ትምህርትን ዓውደ ስርሓትን ዕዳጋን ሓኒቑ ዘረከበን ዘረክብ ዘሎን ንሱ’ዩ። ስለዚ እዞም ብሰሪ ዕድሜኦም ንስቓይ ዝተፈርዱ ወገናት፡ ህግደፋዊ ሃማመተኤ ዝነዝሖ ጥቕራን እንዳቃልዑ፡ ንምሉእ ናይ ስርዓት ለውጢ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ተሳቲፎም ሃገራዊ ግብኦም ከበርክትሉ ዘለዎም እዋን ሕጂ’ዩ።

 

                  ድ.ሰ.ደ.ኤ.

                  ዕለት 30.11.2009

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 126 guests online