|
Thursday, 03 December 2009 20:56 |
|
ሱዉኣትና ዪጣርዑ ኣለዉ እንዳ በሉ
ኣብ ባታና ሓወልቲ ጓና ተተኺሉ
ካብ ሕድሪ ስዋኣቱ ዘይጠለመ
በርሀ ዑቁባዝጊ ጀርመን
ዓዲ ጀጋኑ ቀትሪ ኮሎ ጸልሚቱ
ህዝቢ ኤረትራ ብህግደፍ ሃውቲቱ።
ኣብ ኣስመራ ሓወልቲ ጀጋኑ ኣሎናዶ
ሓወልቲ ፈንጂ ረጊጾም ድፋዕ ዘፍረሱ
ሓወልቲ ሾንቶ ኳትሮ ሰራሕቲ ቂያ
ሓወልቲ ቂያ ሰሪሖም ዝተሰዉኡ
ሓወልቲ ዘቃጸሉ ልዕሊ ሳላሳ ነፈርቲ
ማዓርፎ ነፈርቲ ዝቐየሩ ለይቲ ናብ ማዓልቲ
ኣበይ ኣሎ ናይ ዚኦም ሓወልቲ።
ዘይንብል ሓወልቲ ጀጋኑ ኣበይ ኣሎ
ሓወልቲ ጀጋኑ እሞ መን ምስ ተኸሎ
መራሒ ህግድፍ ዪገብር ደስ ከም ዝበሎ።
ንሱ ምስ ጀነራላቱ መረት ዓዶቦና ዪሸጥዎ
ጀጋኑና ዳኣ ሓወልቲ ኣበይ ረኺቦምዎ፡
ወረ ጋና ገለ ክንሪኢ ኢና
ህግደፍ ክሳብ ዝመርሕዎ ንህዝብና
ኣብ ኣስመራ ቂያ ዝሰርሑ ጀጋኑ ከሎዉና
ደሞም ዘፍሰሱ በጃ ንህዝብና
ሓወልቲ ጀጋኑና ከይተሰርሔስ ናይ ጓና
እቲ ቦታ ሓወልቲ ዪግቦኦም ነሩ ንጀጋኑና
ወረ ገና ገለ ክንርኢ ኢና
ርእሲ ከተማና ተተኺልዋ ሓወልቲ ጓና
ምልኪ ህግድፍ በሪሂልኩም ዶ ህዝብና
ህግድፋዊያን ሎሚስ ኣፍኩም ሓዙ ግደፉና
ብሰንኪ ህግደፍ ፍሕብትን ኣቲዪዎ ዓዶቦና
ኦ ኣምላኽ ዎ ሪቢ ንህግድፍ ንምእላይ ሓግዘና
ቅሳነትን ራህዋን ሰላምን ክሰፍኖ ዓድና።
እዚ ጂግንነት ስዋኣትና ትንክፍ ኢየ ኣቢለዮ
ጂግንነቶም ደኣ ክንደይ ኢለዮ
እወ ክንደይ ኢለዮ ክንደይ ኢለዮ።
ኤረና ንለብዘበን እንበር ነዓመታስ ሸዊት ለምለም
ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ
ክብሪን ሞጎስን ንጀጋኑ ስዋኣትና
ውድቀት ንህግድፍ ዓንገልቱን |