Start ኣገዳሲ ሰነዳት News ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ካብ ህዝቢ ዋላ ቁንጣሮ እኽሊ ይህግር ኣሎ፡
ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ካብ ህዝቢ ዋላ ቁንጣሮ እኽሊ ይህግር ኣሎ፡ Print E-mail
Saturday, 28 November 2009 21:31

ህዝቢ ምብራቓዊ ኣከለጉዛይ ኣብ መንግስታዊ ቁጠባዊ ማዕቀብ ካብ ዝኣቱ ጸኒሑ ኣሎ። ፈተወ-ኣይፈተወ ናብ  ከባቢ ጋሽ ባርካ እንተዘይወሪዱ ከኣ ብጥምየት ክጸንት ተፈሪድዎ እዩ።

እንተኾነ ግን ህዝቢ ምብራቓዊ ኣከለጉዛይ ነቲ ዝተበየነሉ ቁጠባዊ ማዕቀብ ንምምካት፡ ከም ኣማራጺ ብሕቡእ ናብ ባዳ ሰሜን ደንካልያ ብምኻድ ብገመል መንገዲ ሓሙሽተ መዓልታት እናተጓዕዘ እኽሊ ንምግዛእ ሓያል ፈተነ ከካይድ ጸኒሑ እዩ።

 

ነዚ ዝፈለጠ ስርዓት ኢሳያስ ከኣ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምብራቓዊ ኣከለጉዛይ ኣንቢርዎ ዘሎ ቁጠባዊ ማዕቀብ ኣጽኒዑ ንምሓዝ፡ ካብ ዓደግቲ (ደቂ ኣከለጉዛይ) ብዘይ ፍቓድ መጺእኩምን ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ እኽሊ ገዚእኩምን ብምባል ከምኡ’ውን  ካብ ሸየጥቲ (ደቂ ዓፋር) ድማ ብዘይሕጋዊ መንገዲ እኽሊ ሸይጥኩም ብምባል ብዕለት 20 ሕዳር 2009  ንነብሲ-ወከፎም ፈፍርቂ ኪሎ ኣትሪፉ ካብ ክልቲኦም ወገናት (ዓደግትን ሸየጥትን) ነቲ እኽሊ ብሓይሊ መንጢሉ ከምዝሃገሮ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።  

 

ህዝቢ ምብራቓዊ ኣከለጉዛይ ኣብ ርእሲ’ቲ ባህርያዊ ሓደጋታት ድርቂ፡ ካብኡ ብዝኸፍአ ሓደጋታቱ ብመንግስታዊ ቁጠባዊ ማዕቀብ ይሳቐን ይማስንን ከምዘሎ ምንጭታት ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ካብቲ ከባቢ ተኸታቲሎም ይሕብሩ ኣለዉ።

 

ቤት ጽሕፈት ዜናን ባህልን

ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ

27 ሕዳር 2009

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 37 guests online