|
ዕለት 25 ሕዳር ዓለም-ለኸ ጸረ ግህስትመዓልቲ ደቂ-ኣንስትዮ ተባሂሉ ካብዝጽዋን ካብዝኽበርን ልዕሊ 20 ዓመት ዝኣክል ኣቑጺሩ እነሆ።
እዚ መዓልቲዚ ንመዘከርታ ናይተን ጸረ ምልካዊ ስርዓት ዝተቓለሳ ሚራባል ዝተባህላ ሰለስተ ኣሕዋት ኣብ ዕለት 25 ሕዳር 1960 ዓ.ም ኣብ ዴሞኒካኒሸ ረፖፕሊክ ብግፍዒ እቲ ዝነበረ ዓማጺ ስርዓት ጸጥታዊ ትካል ተኣሲረን ንወርሒ ዝኣክል መግቢ ንኸይውሃበንን ከቢድ ምግፍዕን መግረፍትን ወሪድወን ንዝሞታ ተቓለስቲ ዝዝከር መዓልቲ እዩ።
ብ1981 ዓ.ም ደቂ-ኣንስትዮ ላታን ኣመሪካን ካረቢክን ኣብ ቦጋታ ዝተባህለ ከተማ ተራኺበን ነዛ መዓልቲ እዚእ ዕለት 25 ሕዳር ዓለም-ለካዊት ጸረ-ዓመጽን ግፍዕን ኮይና ክትጽዋዕ ብድምጺ ኣስመርኣ፡ በዚ ኸኣ ጸረ ግፍዕን ግህሰትን መዓልቲ ተሰምይማ ደቂ-ኣንስትዮ ዓለም ክዝክራኣን ከብዕልኣን ጸኒሐን ኢየን። ካብ 1999 ጀሚሩ ድማ እዚ መዓልቲዚ ኣህጉራዊ ተቐባልነት ዓለም-ለኻዊ ናይ ዝኽሪ በዓል ክኸውን ተወሲኑ።
ኣብ ጀርመን TERRE DES FEMMES ተረ ደስ ፈመስ ዝተባህለ ብ1981 ዝተመስረተ፡ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ መሰል ዝሕለቕ፡ ጸረ ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይን ብተነጻል ግፍዕታት ንዘጋተመን ዝተሓባበርን ደቂ-ኣንስትዮ ነፍሰ-ውሳኔ ንኽህልወን፡ ማዕርነትን ነጻነት ናይ ህይወት ብዓለም ደረጃ ኽህልወን ዝጽዕት ነጻ ዝኾነ ማሕበር፡ ኣብ ልዕሊ ዓበይትን መንእስያትን ደቂ-ኣንስትዮ ዝፍጸም ጽቅጠትን ግህሰትን፡ ኣብዝገበሮ መጽናዕቲ፡ ብዓመት ይኹን ብመዓልቲ ከምዚ ዝስዕብ ገምጋም ገይሩ ኣሎ።
1. ንኣመንዝራነት ዝግደዳን፡ ንመሸጣ ዝወርዳን፡ ክብረተን ዝገሃሳን፤ ኣካላዊ ማህረምቲ ዝወርደንን ኣብ ዓመት ክሳብ 2 ሚልዮን ዝኣኽላ ደቂ-ኣንስትዮ ክኮና እንኮልዋ፡ ዕድሚኤን ድማ ካብ 5-15 ዓመት ዘለዋ እዩ።
2. ሰብኡተን ማለት ደቂ-ተባዕትዮ ኣብ ገዛ ብዝፍጽምዎ ግፍዕን በደልን ካብ ገዝኤን ወጺኤን ኣብ ካልእ ዝዕቆባ ኣብ ዓመት ክሳብ 45.000 ዝኣክላ ደቂ-ኣንስትዮ ይርከባ።
3. ብናይ ሕቡራት ሃገራት መጽናዕቲ መሰረት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ብዝፍጸም ድሑር ኩሉ ዓይነት ጸቕጥታትን ቀይድታትን ኣብ ዓመት ክሳብ 5000 ደቂ-ኣንስትዮ ንሞት ክሳጣሓ እንከለዋ፡ እቲ ገና ኣብ ጸብጻብ ዘይኣተወ ብጸሊም ቁጽሪ ዝፍለጥ ግን ካብ ኡ ንላዕሊ ከምዝበጽሕ ይግመት።
4. ክሳብ 8.000 ዝእክላ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ኣብ ማዓልቲ ናይ ምክንሻብ ግፍዒ ከምዝወርደን ኢዩ እቲ መጽናዕቲ የረጋግጽ። ኣብ ጀርመን ካብ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ 20.000 ዝኣኽላ ብዝተጠቅሰ ግህሰታት ብሓፈሻኡ እዚ ሐደጋታትዚ ዝበጽሔ እየን።
እዚ ዝተጠቕሰ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዝፍጸም ጭቆናዚ፡ ናተን ዕድል ናይ ምጽራይ ረኺበን ዝተዘርበለን እንተዘይኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊተን ብደረጃ መንግስታት ዝተሓባኤ ኮነ፡ ከም ውልቀታት ኣብ ልዕሊኤን ዝተፈጸመ ገበናት ናይ ምግላጽ መሰልን ዕድልን ዘይረኸባ ደቂ-ኣንስትዮ እሞ ኸኣ፡ እቲ ቁጽሪ ካልእ ከምዝኸውን ዝሳሓት ኣይኰነን።
ንኣብነት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ዝፍጸም ደረተ-ኣልቦ ኣደራዕ እንተዝጽብጸብ ነይሩ መተረኺ ዝኸውን ቀለምውን ምስተረኽቦ ደኾን ይኸውን ኣኢልካ ምሕላፉ ኣኻሊ ኢዩ።
ኣብ ኤርትራ ክሳብ ዕለት 18.11.2009 ከምዚ ዝኣመሰለ ግፍዕታት እዚ ክምዘየለን ከምዘይፍጸምን ዝከሐዱ መራሕትን ኣዳለውትን በዓል ሃማደኤ ኣብ ማንሃይም፡ ሓደ ነቲ ክልተ ኤርትራዊ ተረኽቦታት ዝገረሞ ጅርመናዊ ሐታታይ፡ ነቲ ኲነታት ንምፍላጥ ንሐደ ነቲ በዓል ካብ ዘዳለዉ ሰባት ምስ ሓተትኩ፡ “ንኽምልሰለይ ድልዊ እዃ እንተዘይነበረ፡ ኣንጻር እዚ ተካይድዎ ዘለኹም በዓል ሰላማዊ ሰልፊ ኣሎ ምስ በልኩዎም ግን”፡ “ኤርትራ ሓንቲ ዕሸል ንእሽቶ፡ ራህዋን ሰላምን ዝመልእ እትዓቢ ዘላ ሃገር እያ፤ ግፍዕን ሸግርን ድማ ህዝብና ሰሚዕዎ ኣይፈልጥ” ክብል መሊሱለይ” ይብል። ብኣንጻሩውን ተገዲሱ ብዛዕባ ኢርትራ ክሐትትን ክፍልጥን ስለዝደለየ፡ ንኣዳለውቲ ሰልፊ ምስ ሓተተ ጠባያት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓትን ዘካይዶ ዘሎ በዓላትን ዕላማኡን፡ ንኲነታት ህዝብናን ሃገርናን ድማ ብሓፈሻ ተሓቢርዎ፡ ነዚ ዘሰነየ ጽሑፋትውን ተሰዲድሉ፡ ንመሳርሕቱ ከምዝዓደሎም ይሕብር። ኣብዚ ዕለትዚ 200 ዝዀኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብጽምእን ጥሜትን ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ብፖሊስ ጣልያን ተታሒዞም ኣብ ሆስፒታል ዝኣተዉ ምህላዎም እንተደኣ ተኻታቲሉ፡ እዚ ጀርመናዊዚ ኣብ ልዕሊቶም ብዛዕባ ኤርትራ ዘየሎ ጽቡቕ ክዛረቡ ዝውዕሉ ከም ሰባትውን ሚዛኑ እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ዝሳሓት ኣይኰነን።
ኣብ መጠረስታ ናይቲ ዝተሳላሰለ ሰላማዊ ሰልፊ እንተዀነውን “ንስካትኩም ብጥርኑፍ መልእክትኩም ኣብጺሒኩም ኣለኹም፡ ኣብ ቅድሚ ሕዝብኹም ዘሕትት ኣይገደፍኩምን፡ እቲ ዝተረፈ ግደ ናይቶም ኣብ ገዝኦም ኮፍ ኢሎም ዘዕዘምዝሙ ሃካያት ኢዩ፡ ንሕና ከም ሰነድ ብፕሮቶኮል ሒዝናዮ ኣለና፡ ናብቶም ዝምልከቶም ኣካላት ድማ ከነማሓላልፎ ኢና” ክብል ነቲ ሰልፊ ንኸሰንዩ ዝመርሐ ፖሊስ ትዕዝብቱ ገለጸ።
በዚ ኣጋጣሚዚ፡ ክብሎ ዝድሊ እንተደኣ ሃልዩ፡ ንኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ብፍላይ ኰይኑ፡ እዚ መዓልትዚ 25 ሕዳር ብዓለም ደረጃ ኣንጻር ግፍዕን ግህሰትን ዝዝከር ብምዃኑ፡ ኩለን ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ድማ ብግፍዕን ጭቆናን ምልኪ ይሳቕያ ብምህላወን ዕጣቕና ኣደልዲልና ኣብ ቃልሲ ደው ክንብልን ነተን ዘየስተባህላሉ ዘለዋ ድማ ንኽበራበራን፤ ብሐፈሽኡ ድማ ብዘይጾታዊ ኣፈላላይ ኩልና ደለይቲ ፍትሕን ማዕርነትን ህዝቢ እንደሊ ዓገብ ንግፍዕን ጽቕጠትን ክንብል እዚ ታሪኻዊ መዓልቲዚ ይዕድመና ምህላዉ የዘኻኽር።
ኣልጋነሽ ገብረ
|