Start ቃል ሓዘን Condolence Poems ሕማቕ መዋእል ኢዩ መከራ ምስ ሓሳብ
ሕማቕ መዋእል ኢዩ መከራ ምስ ሓሳብ PDF Print E-mail
Written by በላይ መስፍን   
Saturday, 28 November 2009 20:55

ኣቱም ሰባት ንዑባ ሕሰቡ

መዋእል መከራ ነዊሑ ሰበቡ

 

 

ካብ ሽግር ንምውጻእ ተጣበቡ

ፍታሕ ንኽትረኽቡ ተላዘቡ

ከይፍንፍነና ዓለም ተዓዚቡ

 

ትምክሕቲ ኣየእቱን ዓዲ

የስክረካ ትስሕት መገዲ

መዕወንወኒ ኢዩ መዕበዲ

ከይትሓስብ ይገብረካ ኣብዲ

መን ከማይ ኢዩ ዘጥፍኣ ንዓዲ

 

ትሕትና ለቢሶም ዝመርሑ ሃገር

ዝምድና የደልድሉ ዘለዎ ቁምነገር

ምስ ዝሕግዙዎም ዝኾንዎም ማእገር

ንህዝቦም የድሕንዎ ካብ ሸገርገር

 

ምስ ጌጋኻ ምስ ሓለፈ ስዓት

ተጣዒስካ ኣይምለስን ጥፍኣት

ብእዋኑ ንሕሰብ ንምዓዓድ

ከይጸነትና በዚ ዘሎ ስርዓት

 

ጠባይ ዲዩ ቃልሲ ጎዲኡና

መገዲ ስሒትና ንነብዕ ዘለና

እቲ ንጃሃሮ ጀጋኑ እናበልና

ትሓቲትና ንምልሾ ዲና

ንሚልዮናት ሓደ ዝመልከና

 

ኣይነላግበሉ ጥራይ ነቲ ሓደ

ንነብስና ንሕመ እንተዋሓደ

በዲሉ ማለት’ዩ ጥዑይ ዘይፈረደ

ዘጽቀጠ’ውን ህዝቡ እናተዋረደ

 

ስርዓት ኣይንሕመ ንበይኑ ፈሊና

በይኑ ኣይኮነን ዘሎ ዝቐትለና

ኩሉ ኣካላቱ ንሕና እንዲና

ኢድ ብኢድ እናተቓተልና

ስቕ ኢልና ንርኢ ተዓንዚዝና

ሰሪሑ ዘይፈልጥ ንጠቕምና

ምሒሩ ዘይፈልጥ መድመዪና

ዕድሜኡ ነንውሕ እናደጋገፍና

ስራሕና ኣጆኻ’ዩ ዝመስል ቀጥቅጠና

ገንዘብ ከይጎድሎ እናሃብና

ተግባርና ዝራጸም ምስ ጠቕምና

ህዝብና እናጠፍኤ እኳ ዘይጓሃና

ሎምስ እቲ ንብሎ እኳ ጠፊኡና

ባዕሉ እዝጊሄር ኢዱ የንብረልና

ዝሓይሽ ክንሕስብ ልቦና ይሃበና

 

ብረታዊ ቃልስና ሰላሳ ዓመቱ

ኣብ ሓድሕዱ ህዝቢ ተማዊቱ

ሓርነታዊ ቃልስና ጌና’ዩ ኣንፍቱ

ገለ ንቕድሚት ገለ ንድሕሪት ዝጎቱ

ዕንኪላሎ ዲና እንፈቱ

ገለ ንግበር ህዝብና ጨሪሶም ከይጸነቱ

 

እንተስ ተዋጊእና ከነልግሶ

እንተስ ተማጒትና ከነልግሶ

እቲ ፍታሕ ንኹሉ ምሓሾ

ምፍልላይ ኣሎ ንቓልሲ ዘልምሶ

 

ምእንቲ ሰላም ኣበጊስና ቃልሲ

ምእንቲ ራህዋ ኣበጊስና ቃልሲ

ስርዓት ንኽንተክል ንኹሉ ዘይሃሲ

ስልጣን ተዋሂቡ ንሃገር መብረሲ

ንዑ ሓደ ዀና ንርከበሉ ፈውሲ 

 

ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ዓወት ድማ ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና

 

በላይ መስፍን ጀርመን

 

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 152 guests online