Start ርእይቶታት Opinions Opinions ገመል ሰሪቕካ ጉምብሕ ጉምብሕ።
ገመል ሰሪቕካ ጉምብሕ ጉምብሕ። PDF Print E-mail
Written by ተኽለብርሃን በየነ   
Thursday, 26 November 2009 22:19

ንኹሉ  ኣወንታ  ኣሉታ  ኣለዎ ፡ ንኹሉ  ኣሉታ’ውን  ኣወንታ  ኣለዎ ።

     ክሳብ’ዚ ናይ  ብሩሰልስ  ዋዕላ  ዝቃላሕ ፡ ህላወ  ናይ  ብዙሕነት  ፖለቲካዊ  ውድባት ፡ ሰልፍታት ፡ ሰብኣዊ  ማሕበራት ፡ ናይ  ወረ  ማዕከናት …ወዘተ  ከም  ሓጥያት  ናይ  ህዝቢ ኤርትራ  እንተዘይኰይኑ ፡ ኣወንታዊ  ሸነኽ’ውን  ክህልዎ  ከምዝኽእል  ኣብ  ኣእምሮይ መጺኡኒ  ኣይፈልጥን ።

     ኣብ’ዚ  እዋን’ዚ  ብሽም  ህዝቢ  ኤርትራ  ዝሓስብ ፡ ዝቃለስ ፡ ዝምድር ፡ ዝዋሳእ…ወዘተ፡

እቲ  ህዝቢ  ኤርትራ ዝብል  ቃል  ኣጠቓሊልዎ  ዝርከብ  ብዙሕነትን  ፍሉይነትን  ናይ ሕብረ-ምጣነሃብታውን  ስነ- ኣእምሮኣውን  ኣተሓሳስባ ፡ እምነት ይኹን ዝምባሌ ፡ ተገሊፉ ፡ ተጨፍሊቑ ፡ተሰጊሩ፡ ተጐስዩ…ወዘተ ክሕለፍ  ዝህቀን   ፈተነታት ፡  ፖለቲካዊ  ነብሰ-ቕትለት  ምዃኑ  እንዳበርሀ ዝኽይድ ዘሎ ይመስል።

     ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ፡ ሓው  ተስፋይ ተኽለ “ ካብ ጸጊብና ኢለን ዝዕንድራስ፡ ገዲፈናና ኢለን ዝዕንድራ ይበዝሓ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝጸሓፎ  ኣንቢበ። እቲ  ኣርእስቲ  ከም ዝሕብሮ ገለ ኣካላት ንመሓዙተን  ገዲፈን  ከምዝኸዳ  ወይ ከምዝዓንደራ ኢዩ። ብመሰረቱ ንብጾትካን ንመኻይድኻን ፡ ከይተወከስካን  ከየማኸርካን ፡ ብድሕሪ መጋረጃ ይኹን ብጭሉቕ ዝግበር ሃገራዊ ጉዳይ ኣብ ታሪኽና  ከርሰ-ነገር ናይቲ ኩሉ ጽገማትናን ክሳራታትናን ጥራሕ  ዘይኰነስ ፡ ሕጂ’ውን  እንተዀነ ናይ ህዝቢ ኤርትራ  ዕድል(ፈይት)  ኣብ ኢድና እንዳሃልወ ፡ ንናይ ራህዋና ግዜ  ዘናውሕን ንዓቕምናን ክእለትናን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ተረኽቦ ይመስል።  እቲ “ ገዲፈናና ኢለን ዝዕንድራ ይበዝሓ”  ዝበልካዮ ፡ እቲ መዐንደሪአን ምኽንያት ብዘይገድስ፡ እቲ ብቝጽሪ ብዙሓት ምዃነን ምእማን  ቀሊል ዘይኰነ መልእኽቲ ኢዩ። ቀሊል ዘይኰነ ናይ ዜጋታት ስምዒትን ርእይቶን  ኣብ  ጸብጻብ  ከየእተኻን  ረጊጽካን ዝግበር “ቁምነገር” መሰረታዊ ፖለቲካዊ ጕድለትን ጌጋን ይመስለኒ።

ብፍላይ ኣብ ታሪኽ ምፍንጫልን ስምረትን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሰላማውን ብረታውን ቃልሲ፡ ንስምዒት ፡ ኣረኣእያ፡ ኣተሓሳስባ…ወዘተ  ናይ ዝበዝሑ ዕሽሽ  ኢልካ ዝውሰድ ናይ

ውሑዳት ሚስጢራውያን  ወይ ‘ብሉጻት’፡ ንኤርትራን ህዝባን ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዓዘቕቲ  ሸኺሉዋ  ከም ዝርከብ መግለጺ ዘድልዮ ኣይኰነን።

     እቲ ናይ ኣቦና ኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያም ኢለሞ ዝብሃል ኢልካ ዝጠቐስካዮ፡ እተን ጸጊብና ኢለን ዝዕንድራ’ዶ ኣይኰናን ንኸይሰማምዓ ተሰማሚዐን ዘለዋ። እተን ግዲፈናና ኢለን ዝዕንድራ ዘለዋ ትብለን ዘለኻሞ ብሓደ  ጸጊብና ንዓንድር ምባለን፡ ናይ ሕውነትን ሓድነትን  ናይ ምትሕብባርን ምርድዳእን  ድሌት  እንተድኣ ኰይኑ ዘዐንድረን ዘሎ፡ ኣበሰአን  ኣበይ ኢዩ? ኣብ ባህልና ንመኻይድኻ ገዲፍካ ምኻድ ብዝወሓደ ነውሪ ክኸውን ከሎ ፡ ብዝዓበየ ከኣ ጥልመት ኢዩ። ንዓይ ብዝርድኣኒ፡ ናይ ጽሑፍካ ኣርእስቲ ብውሑዳት

ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ዝተኻየደ ወይ ዝተገብረ ፖለቲካዊ ዓመጽ የስምዕ።

     ብዘይካ’ዚ ከም ቀንዲ ጸገማትና  ኢልካ ዘቐመጥካዮ ወርቃዊ ቃላት ከምኒ  “ንዝዀነ ተረኽቦ ተመያይጥካ ምልዛብ፡ ጽን ኢልካ ብምስማዕ  ሃዲእካ ኢሂን ሚሂን  ብምባል ምርድዳእ…ወዘተ ኢልካ ኣብ ጽሑፍካ ዝገለጽካዮ፡  መን ዕሽሽ ኢሉ ይሓልፎ’ሎ ? መን’ከ  ዘይተገብረ ኢሉ የእውየሉ’ሎ?  እተን  ጸጊብና ኢለን ዝዕንድራ ዘለዋ’ኮ  ብቐንዱ ዝኽሰሳሉ ዘለዋ ጉዳይ  እዚ ትብሎ ዘለኻ  ስለዘይገበራ ኢዩ።  በበይንኻ ወይ ተቘንጪልካ ዝሳለጥ ሃገራዊ ዕማም እንተዝህሉ ነይሩ ስለምንታይ ክሳብ ሕጂ ሓንቲ ነገር ክሰልጥ ዘይከኣለ? ሓው ተስፋይ! ኣድላይነት ናይ ኪዳን’ውን ዝርኣየካ ኣይመስለንን። ንኪዳን’ኮ ትድግፎን ዘይትድግፎን ብምስርሑን ዘይምስርሑን ኣይኰነን። ንስርዓት ህግዲፍ ኣውዲቕካ ፍትሓዊ ዝዀነ ዲሞክራሲያዊ ለውጢ ከተምጽእ ናይ ግድን ክትሓልፎ ዘሎካ ክሳድ(ስትራተጂ) ይመስለኒ። ኣነን ንስኻን ብቕንዕናን ብልብን  ከነገልግሎ እንተዘይመረጽና ግን መለኰታዊ ሓይሊ ካብ ሰማይ ወሪዱ ከስርሖ  ከምዘይክእል እመነኒ። ኪዳን ክዕወት ከምዘይክእል ዝተነበዩ ብቐረባ ትፈልጦም  ይህልው ይዀኑ። ነዚ ትንቢት’ዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ንቃለስ እንተድኣ ኣሊና፡ እዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓልፎ ዘሎ ምጸታትን መስገደልን ከስካሕክሓናን ከሸቝርረናን ኣይከኣለን ማለት’ዩ ዘስምዕ። ብውልቀ እንረብሓሉ ዕድል እንተድኣሃልዩ  ከኣ ብዋጋ ረብሓ ናይ ሕብረተ-ሰብናን ሃገርናን ክኸውን ሕልናና ክፈቕደልና የብሉን በሃላይ ኢየ።

     ብምቕጻል ኣብ ጽሑፍካ…ገሊኦም ነቲ ዕላማ ትሕዝቶ ናይቲ ኮንፈረንስ ዘይመልክዑ ሂቦም፡ ካልእ ሕቡእ ኣጀንዳ ከምዘለዎ ኣምሰልሲሎም ብምፍናዎም፡ ሰብ ብሰቡ ክባላዕ ቀንዩ

ብጥልመት’ዶ ብክሕደት እንዳተባህለ ሂር ዝበለ ጓይላ ደርፊ ተላዒሉ፡ መዓት ከበሮ ክህረም፡ መሰንቆ ከኣ ክውቅዖ ተራእዩ…ኢልካ። 

     ኣብ ልዕሊ’ቲ ዝበዝሐ ኣካል ናይ ደምበ ተቓውሞ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕጫጨ ምዝውታር ብስምዒትን ርእይቶን ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምውርዛይ’ዶ  ኣየስምዕን። ሰብ ብሰቡ ክባላዕ ቀንዩ ክትብል ከለኻ፡ ብዛዕባ ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ ፡ ውድብ፡ ሰልፊ፡ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ፡ ሲቪክ ማሕበር፡ ናይ ዜና ማዕከን…ወዘተ ትዛረብ ከምዘየለኻ ቃላትካ ዝሕብሮ ኢዩ። ኣብቲ ሕጂ ንስኻ ትነብረሉ ዘለኻ ስርዓት፡ ኣሽንኳይ ናይ ክንድ’ዚ ዝኣክል  ህዝቢ ነድሪ፡ ናይ ሓደ ሰብ ርእይቶ’ውን ከይተፈተሸን ኣብ ጸብጻብ ከይኣተወን  ኣይስገርን ኢዩ። ንመንግስቲ ህግዲፍ ጨካን ገበል ምባልካ ፡ ሓቅኻ ። እንተዀነ ግን ካብ ሕጂ ጀሚርካ ምስ ስምዒትን ርእይቶን ናይ ህዝቢ ክትራጸም ፍቓደኛ ምዃንካ፡ እቲ ናትካ ፖለቲካዊ እምነት ክተኽሎ ዝቃለስ ዘሎ ናይ  “ህዝቢ ዲሞክራሲያዊ” ስርዓት ካብ ህግዲፍ ዝገደደ ከይከውን እንታይ መረጋገጺ  ኣሎካ? ብመሰረት’ቲ ሕጂ ዝግበር ዘሎ’ኮ ጽባሕ እንታይ ክመጽእ ይኽእል ፡ ንኽርእን ክመዝንን ዘኽእሎ  ተመኵሮን ኣፍልጦን ህዝቢ ኤርትራ እንዳወነነ ይኸይድ ከምዘሎን ብተግባር የርእየና ከምዘሎ ኵላትና ክንግንዘቦ ይግባኣና ይመስለኒ።

     ናይ ብሩሰልስ ኣኼባ፡ እቲ ጫውጫው ዘበለ  ሸነኹ ፡ ኣብቲ ዕላምኡ ጌርካ ከተቕርቦ ብምፍታን ፡ ከም ናይ ለንደን ወይ በርሊን ናይ ቅድሚ ሎሚ ከምዘይኰነ ከተብርህ ፈቲንካ

ብርእይቶይ እቲ ጸገም እቲ ዕላማ ኣይኰነን። እቲ ጸገም እቲ ኣገባብ ኢዩ። ንዝዀነ ክትበጽሖ ዝደለኻ ሸቶ በየናይ መንገዲ  እንተተሳለጠ ይሓይሽ ዝብል ሕቶ ፡  ነቲ ዕላማ ንገዛእ ርእሱ ናይ ምዕዋቱን ዘይምዕዋቱን ዝውስን ምርጫ ኢዩ ። እቲ  ዘገድስ  ኣብቲ ትደልዮ ምብጻሕ’ምበር  በየናይ ኣገባብ ትበጽሖ ኣገዳሲ ኣይኰነን ዝብል ናይ ማኪያቨሊ ኣረኣእያ ፡ ነቲ ብኽንደይ ቀይቀይ  ክህነጽ ፡ ክዓብን ፡ ክዕወትን  ጻዕሪ ዝግበረሉ ዘሎ  ናይ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ጥርናፈ ፡ ብቐጥታን ብግሉጽን  ናይ  ምብትታን ሓደጋ ከስዕበሉ ክምዝኽእል ስለዝተዓዘበ ኢዩ ፡ ዝበዝሕ ተቓዋማይ ጫቝጫቝ ዝበለ።

     ብምቕጻል  “እዚ ናይ ርእይቶ ዳህሳስ ድኣ’ምበር መተካእታ ዋዕላ ናይ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ኣይኰነን”  ኢልካ። መንግስትታት ዲየን ሰብኣዊ ማሕበራት ዘካይድኦ ብዘየገድስ ፡ እቲ ጉዳይ ብዛዕባ ሽግርን ኣፈታትሓን  ህዝቢ ኤርትራን ሃገሩን  ዝምልከት ካብ ኰነ ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ብኣወንታ ይኹን ብኣሉታ ይጸልዎን ይትንክፎን ኢዩ።

ሃገራዊ ጉዳይ ከኣ ካብ ውልቃዊ ወይ ውድባዊ ጉዳይ ፈሊኻ ናይ ምምዛኑ ሓላፍነት ክህሉ ወሳኒ ኰይኑ ይስምዓኒ። ናይ ግዳም መንግስትታት ይኹና ማሕበራት ንዘርእይኦ ተበግሶ ፡

ብዘይ ስንቅን ተሓባባርነት ካብ ውሽጢ ፡ በይነን  ተኣኪበን ዝገብርኦ ነገር የብለንን ። ንገዛእ ርእሰን  እተን ናይ ኤውሮጳ ናይ ወጻኢ ቅዋም ኣማኸርቲ ፡  ብዛዕባ  ኵነታት ደምበ ተቓውሞ  ፡ ምንም ኣፍልጦን ሓበሬታን  ዘይብለን  ክኾና ኣይክእላን ኢየን ። ንሰን  ካብ ዘለወን እምነትን ሓበሬታን  ተበጊሰን ዘወጻጽአን ዝብልኦ ስጉምቲ ክወስዳ ይኽእላ ኢየን ።

እቲ ዘገርም ናይቶም ኤርትራውያን ኢዩ ። ትርግታ ልቢ ናይ ህዝቦም ከፈልጡ  ፡ ዝሕጐሰሉን ዝጕህየሉን  ስምዒታት ከስተብህሉ ፡ ብኡ መሰረት ናይ ተግባራቶም መደብ  ክሰርዑን ሕልና ዘይምህላዎም ብጣዕሚ ዘጕሂ ኢዩ። ካብኡ ናብኡ ብሸነኸይ  ነቶም ካብ ኪዳን ወጻኢ ዝዀኑ ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ምስ ናይ ቅድሚ ሎሚ ግዴኦም ኣብ ንጥፈታት ተቓውሞ ብምዕዛብ ፡ ብዙሕ ‘ውን ከተኵረሎም ኣይደለኹን ። እቲ ቀንዲ

እምበር’ዶ ሓቀኛ ዲሞክራሲ  ንኽንተክል ዘብቅዓና ፖለቲካዊ ባህሊ ኣለና ኢዩ ዘበለኒ ፡

ግደ ናይቶም ኣባላት ኪዳን ዝዀኑ መደርቲ ኢዩ። ሕጊ ናይ ኪዳን ኣይጠሓሱን  ዝብል

ምኽኒት ካብ  እንታይ ነጻ  ንምውጽኦም ዝዓለመ  ኢዩ?  ብወግሐ ጸብሐ ክይትብተኽ

ትፍራሕ  ዘላ  ቀጣን ፈትሊ ተኣሳሲረን ዘለዋ ውድባት ኪዳን ከመይ ገይረን ኢየን  ሰፊሕን

ዓሚቝን  ሕግታትን መምርሕታትን ከውጽኣ ዝኽእላ?  ምስ  ስነ መጐትን ምስ ዲሞክራስን ዘተኣሳስር ዘይብሉ ክትዓትን ተንኰላትን እንዳተማህዘ’ዶ  ኣይኰነን  ምሕዝነትን ኪዳንን ሸንኰለል  ክብል ዝጸንሐን ዘሎን  ፡  ብሳላ  ተበግሶ ናይ ገለ ግዱሳት ውድባት ከኣ  ተዓዘብትን ጋዜጠኛታትን  ዝተሓወስዎ  ጉባኤ ብምንባሩ’ዶ  ኣይኰነን  ፡ እቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ገባኤ ኪዳን ክዕወት ዝኸኣለ ። ኣብ ሕጊ ኣይሰፈረን ኢልካ  ንኪዳን

ዝሃስን ዘዳኽምን ቀዳድን መስለዅን  ከነናዲ  እንተድኣ  ኴንና  ፡  ኩነታት ገዲድና ኢና ምስ ኪዳን  ንጉዓዝ ዘሎና  ማለት’ዶ  ኣየስምዕን ። እቲ ንደምበ ተቓውሞ ብሓፈሻ ንኪዳን  ከኣ ብፍላይ ከም መሳርሒ ናይ ለውጢ  ከማዕብሎን ከዐውቶን ዝግባእ ፖለቲካዊ ባህጊ ፡ ሃገራዊ  ሓልዮትን  ውድባዊ ስነ ምግባርን  ፡ ደምን ስጋን ናይቲ  ስርዒታዊ ወይ ሕጋዊ  ኣስከሬን’ዶ  ኣይኰነን። ዝኣሰረና ሕጊ ስለዘየሎ  ከምድላይና ንዓንድር ዝብል  ኣተሓሳስባን  ኣከያይዳን ፡ ነቲ ኣብ ጉዕዞ ቃልስና ከጓንፈና  ዝኽእል  ፡ ንጥርናፈናን ንዓወትናን  ዘዳኽም  ናይ ቃልሲ ሓርጐጽጐጽ ዘጋፍሕ  ጥራሕ   ኰይኑ ኢዩ  ዝስምዓኒ።  በበይንኻ  ወይ  ተቘንጪልካ  ነገራት ብምስራሕ  ዝሳለጥ  እንተድኣ  ኰይኑ ድኣ ፡ ስለምንታይ  ቅድሚ ሎሚ  ክሰልጥ ዘይከኣለ ?  እቲ ኣብ ፈቐዶ መጋባእያታትን ኤምባሲታትን  ክካየድ ዝጸንሐ ናይ  ህዝቢ  ቝጥዐ  ዘርኢ ሰላማዊ ሰልፊታት  ፡  ግዴኡ ኣብ ርእይቶ ወጻእተኛታት  ከመይ  ጌይሩ ይነኣኣስ ? ወጻእተኛታት ብናቶም  መምዘኒ  ንዝሓጸይዎ  ውልቀ ዜጋ  ወይ  ትካል ክውከሱ ከለው  ፡ ካብ ምንታይ  ዓይነት ኣገንዝቦ  ተበጊሶም  ኢዮም ብዘየገድስ  ፡ ብሸነኸይ ክሳብ ክንድ’ቲ  ከም ሓጥያት  ዝቘጽሮ  ኣይኰንኩን ። እቲ ወዲ ሃገር  ግን ፡ ኣብ ክንዲ ነዚ ተረኽቦ’ዚ ምስጢር ሒዙ ብጭሉቕ ክጥቀመሉ  ወይ ክረብሓሉ ዝሕልን ፡ ከም ኣገዳሲ ሃገራውን ህዝባውን  ተረኽቦ ፡ ነውጽን ጫውጫውን  ብዘይፈጥር ኣገባብ ናይ ምስላጡ  መደብ  ክተሓዝ ይከኣል  ነይሩ ። ካብ ውሑዳት  ሰፊሕ  ሓበሬታን ርእይቶን ክትእክብ  ኣይትኽእልን  ኢኻ   (ንርእይቶ ብዙሓት ወኪሎም እንተዘይኰይኖም) ። ብውልቃዊ ዝምባሌኻ ምውሳእ ስለዘሎ ። ደሓር ፡ እዚ ናይ ሎንዶንን በርሊንን ትብሎ  ዘለኻ ፡  ሽዑ ግዜ ሓደ ሕያዋይ  ሰብ   ፡ እንታይ  ኢኹም  ትገብሩ  ዘለኹም  ኢልዎም  እንተዝኸውን  ብደረጃ’ዚ  ሕጂ  ሰኒቕካዮ ዘለኻ  ሓበሬታ  ወይ  ኣፍልጦ  ሽዑ

ዝሕብረካ’ዶ  ምረኸብካ ?  ወይስ ናይ  ሓበሬታን ርእይቶን ዳህሳስ  ምስተባህለ ?  ኣብ ተመኵሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ምስ ወጻኢ  ብጉዳይ  ህዝብኻ ሕሹኽ  እትብሎ ነገራት

ብዙሕ ግዜ ግሉጽነትን ኣገባብን ስለዝጐድሎ  ሳዕቤኑ  ከቢድ ክኸውን  ይኽእል ኢዩ ።  ብኣንጻሩ ብዛዕባ  ወጻኢ ምስ  ህዝብኻ ሕሹኽ ትብሎ  ነገር ግን  ሃናጽን ሓቛፍን ጥራሕ  ኢዩ  ክኸውን ዝኽእል ። በብውልቅኻ  ናብ ወጻኢ ጢልጢል ምባል’ውን  እኮ  ብወጻእተኛታት  ተዓዘብቲ  ይኹን ፈተውቲ  የኽዕበካ  ኢዩ ። ሓይሊ 13 ውድባት ወይ ካብኡ ንላዕሊ  ሒዝካ ክትከይድ  እኮ  ይኸብድ ፡ የሕፍር ፡ የድምዕ…ወዘተ ፡ ካብ ቁንጣሮ

ሒዝካ  እንሄኹ ምባል ።  ሓው  ተስፋይ  ፡ “ኪዳን ካብ ሶፍኡ ተንሲኡ ክንቀሳቐስን ፡ ምስ መንግስትታትን  ትካላትን  ነብሱ ከላልን  ከፋልጥን  ጻዕርታቱ  ከካይድ  ኣለዎ…” ኢልካ።

መን ዝሃቦ ሶፋ  ድኣ’ሉ’ኸ  ኮፍ ኢሉ ትብሎ ?  ውድባት ንጸቢብ  ድሌተን ክብላ ፡ ከም’ቲ  ዝድለ ክተሓባበርኦ  ስለዘይደለያ ዝበልዖን ዝሰትዮን  ስኢኑ  ዘሎ ። እቲ ኪዳን ዝብሃል  ከኣ

ንስኻን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኻን ዝጠርነፈ ኢዩ ። ኪዳን  ደቂሱ ፡ ኣይሰርሕን’ዩ ፡ ሞይቱ ኢዩ ፡ …ወዘተ እንዳበልና  ከነዕብዮን ከነዐውቶን ክምዘይንኽእል እመነኒ። ክሳብ ሕጂ  ከኣ

ንኪዳን ገሊፍካን ጠንጢንካን ክዕወት ዝኽእል ናይ ቅኑዕ ፍታሕ ፡መደብ  ዘቕረበ የለን ። ጕዳይ ኪዳን ከም ጕዳይካ ዘይምርኣይ  እቲ  ዝዓበየ  ናይ ተቓውሞ ፖለቲካዊ ሽግር ኢዩ።

ንኪዳን ሕይወት ዝህቦ ስርዒታዊ ቀይዲ ኣይኰነን ። የግዳስ ካብ ዓሚቝ ሃገራዊ  ሓልዮት ዝነቐለ ፖለቲካዊ እምነትን ኒሕን ኢዩ ። እዚ ኹሉ  ኣብ ውሽጢ ስርዒታዊ ቀይዲ  ዘየሎ  ተቓዋማይ ፡ ወዲ ሃገር ፡ ካብ ገለ ኣባላት ኪዳን ኢና ዝብሉ ንላዕሊ ክሕለቕሉን  ክቃለስሉን

ብዓይንኻ   እትርእዮ ዘለኻ ኢዩ። ብናትካ ተበግሶ ፡ ኣብ  ከባቢኻ  ናይ ኪዳን ጨንፈር  ከተቕውም ፡ ከተስፋሕፍሕ ፡ ንኻልኦት ክትጸሉ …ወዘተ ፖለቲካዊ ሕልናኻ እንተድኣ  ዘይቀስቂስካ  ኪዳን  ብኣቦ ወንበር ወይ ብሓደ ክልተ ግዱሳት ተኣምር  ክሰርሕ  ከምዘይክእል ክትስሕቶ  ትኽእል ኣይመስለንን ። ኪዳን ከኣ ኣብ ዲፕሎማስያዊ  ሸነኻት  ፡ ብፍላይ  ኣብ  ኤውሮጳን  ሕ. መ. ኣመሪካን  ዘይጸዓሩ ኣይኰኑን ። ኪዳን ኣብ ዘካየድዎ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ፡ እግሪ እግሮም ንውልቅኻ  ኬድካ  ዝግበር ዲፕሎማሲያዊ ሕሹኽ  ከምዝጸንሐ’ውን ኣይትረስዕ ። ኪዳን ናይ ኩልኻ እንዳዓመመ ፡ ደዲሕሪኡ ናይ ውልቅኻ ምግባር ፡ እንታይ መልእኽቲ ዝሓዘ ኮን  ይኸውን ?  ንዝበዝሕ  ኣካል  ናይ  ደምበ ተቓውሞ ራሕሪሕካ ምኻድ ውጽኢት ናቱ  ደኾን ይኸውን  ? ስለምንታይ ኪዳን 

ከምዘይተዓደመ ዝምልሾ  ከምቲ ንስኻ ዝኣመትካዮ ፡ ኪዳን ባዕሉ  ኣይኰነን ፡ የግዳስ እቶም

ነቶም ዓደምቲ ኣብ  እዝኖም ሕሹኽ ክብልዎም ዝጸንሑ ፡ ደሓር ከኣ ተዓደምቲ ኰይኖም ዝቐረቡ ኢዮም ክዀኑ ዘለዎም ።

     ሓው ተስፋይ ብምቕጻል “ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳያት በበይንኻ ብኻልኦት ክካየድ ክንደይ ዘይረኣና…” ብምባል ብውልቀ ብገለ ዝተኻየደ ዲፕሎማሲ ፡ ጉባኤ ፡ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ  ጠቒስካ ። ኣብዚ እቲ ስነመጐትካ  እንታይ ኢዩ ? ካልኦት እንተተጋገያስ ገለ

ከኣ ክጋገያ ክፍቀደለን  ኣለወን ዲኻ ትብል  ዘለኻ ? እቲ ንሰን ዝገበረኦ እንተድኣ ግጉይ ኢልካዮ ከኣ ፡ ነዚ ናይ ሕጂ ከመይ  ጌርካ  ኢኻ ተማኻንየሉ ? እዝስ ክውዕየካን ብማንካ ክዝሕለካ ብኢድካ’ዶ ኣይኰነን ። ንግጉይ ክትእርም ፡ ንዝተሰብረ ክትጽግን ፡ ንዝተበላሸወ

ከተዐሪ ናይ ህዝብኻን ሃገርካን ሓደራ ክድርኸካ’ዶ  ኣይክእልን’ዩ ? ብውልቀ ወይ ብውሑዳት ምግባር ኣይኰነን እቲ ሓጢያት ፡ ንመን ወኪልካ ? ምስ መን ተኣሰሲርካን  ተማኺርካን ፡ ንጠቕሚ መንን ፡ ትገብሮ ኣለኻ  ኢዩ እቲ ዘገድስ ። “ብዝያዳ ኣብ ሓደ ክጥርነፍን ተወሃሂዱ ክሰርሕን  ዝነበሮ ደኣ …በበይንኻ ወተሃደራዊ ማለሻታት…ምሓዝ’ዶ

ኣይኰነን ።”  “ክንደይ ዓመታት ነወሃህድ  ተባሂሉ ዕጭ ሓንፈፍና ፡ ነናትና ድኣ ክብሃል ከሎ ፡ ሽዑ’ዶ  ኣይኰነን ዓገብ ክብሃል ዝግብኦ ? …” ዝብል  ኣብ ጽሑፍካ ሰፊሩ ይርከብ ። ሓው ተስፋይ !  እዚ ሕቶ’ዚ ብርእይቶይ ንስኻ  ክትምልሶ ንዓኻ ዝምልከት ይመስለኒ። ብውሑዱ እዚ ንስኻ  ትብሎ ዘለኻ ፡ ነቲ ንስኻ ትውክሎ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዝምልከት ኣይኰነን ። ብንጹህ  ሃገራዊ ስምዒት ፡ ናይ ኩሉ ግዜ  እምነትካ ኰይኑ  እንተድኣ ጸኒሑ ፡

ዓገብ ክትብል ዝነበረካ ንስኻ ኢኻ ። እቲ ናይ ሽዑ ዝነበረ  ኣጀንዳን ፖለቲካዊ ፕሮፓጋንዳን  ሰራዊት  ነወሃህድ  ኣይኰነን ዝነበረ ። ብሸነኽ ንስኻ ትውክሎ  ፖለቲካዊ

ኣረኣእያ ዝቐርብ ዝነበረ ሓሳባት ፡ ሰራዊት ኣብ ሓደ ይተሓናፈጽ ዝብል ኢዩ ዝነበረ ። ብገለ ሃገራዊ ሓላፍነት ዝስምዖም ኣባላት ናይቲ ንስኻ ትውክሎ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ከይተረፉ ፡ ነቲ ተመኵሮ ናይ ሰውራ ኤርትራ ብምጥቃስ  ዝተገልጸ ፡ ሓደገኛነት ናይ ውድባት ከይተሓናፈጻ ፡ ሰራዊተን ምትሕንፋጽ ፡ ጠማዚዝካ ከተቕርቦ ሓላፍነታዊ ኰይኑ  ኣይስምዓንን ። እዚ ትብሎ ዘልኻ ናይ ምውህሃድ ሓሳባት ፡ በዚ ሕጂ ናትካ ቀንዲ ዒላማ(ታርጌት) ናይ ስነጽሑፍካ ጌርካዮ ዘለኻ ሸነኽ ዝቐረበ ኰይኑ ፡ ናትካ ሸነኽ ንምትግባሩ ግደ ዝተጻወተ  ኣይመስለንን ። ክሳብ’ውን ጌጋ ድኣ ይኽልኣለይ እምበር ፡ ክሰርሕ  ከምዘይክእል  ብምሕባር ዓጋቲ ግደ ተጻዊቱ ክብል እደፍር ።

     ሓው ተስፋይ !  ንሓው ተወልደ ገብረስላሴ ዘቕረብካሉ ነቔፌታ  ኣንቢበዮ ። ንሸነኸይ ንሐው ተወልደ ዝነቕፎ  ከኣ  ነቲ ዘውጽኦ ቅኑዕ  መግለጺ ፡ ደንጕዩ ብምውጽኡ ኢዩ። ከም ኣቦ ወንበር መጠን  ኪዳን ክዓቢ ፡ ክምዕብልን ክዕወትን  እቲ  ብቐዳምነት ዝሕተት ኣካል  ብምዃኑ ፡ ከም ዕላዊ  ኣፈኛ ናይ ኪዳን ፡ ሓላፍነቱ ዘፍቅዶ ኢዩ ገይሩ ። ሓው ተወልደ ብድሌት  ናይ ተፈላጥነትን  ጸቢብ ሓሳባትን ዝፍለጥ እንተ ዝኸውን  ፡ ኣብ ሓላፍነቱ  እንደገና ኣይምተመርጸን ። ካብ ጊዜ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከሎ ጀሚሩ ክሳብ እዚ

እዋን’ዚ  ከኣ ንከካይዶ  ዝጸንሐ ቃልስን  ዝሓዞ ሓላፍነት ፡  ብብቕዓትን  ብኽእለትን  እንዳፈጸሞ  ክመጽእ ከምዝጸንሐ  ክሕብረካ ደስ ይብለኒ ።  መጥፊኢኻ ይብርሃካ  ከም  ዝብሃል ፡ ክንደይ ኣበሳ ፡ ጉድለትን  ዘይብቕዓትን ዘርኣዩ መራሕቲ ሽሞም ከይተጠቕሰ ክሓልፉ ከለው ወይ ከኣ  ንመጻኢ መራሕቲ  ሃገር ክዀኑ ይኽእሉ  ኢዮም  ተባሂሎም  ምጽብባቕን ምትዕራይን ክግበረሎም  ከሎ ፡ ነቲ ብብቕዓት ናይ ኣመራርሓ  ተወዳዳሪ  ዘይብሉ ፡ ፍቱን መራሒ ፡ ደይ መደይ  ኢልካ  ሽሙ ንምጥፋእ  ኣብ መራኸቢ ብዙሓን  ከነ

ኣብ ባይታ (ግራስ ሩትስ)  ዝካየድ ናይ ግሁድን ስውርን ፖለቲካዊ  ጸለመ  ብምዕዛብ ፡  እቲ  ክንሰግሮን ክንስዕሮን ዘሎና  ዘይዲሞክራሲያዊ ዝምባሌታትን መሰናኽላትን ፡ ክሳብ  ክንደይ  ቀሊል  ዕማምን  ጾርን ከምዘይኰነ  ክርድኣኒ  ይኽእል ።  ኣብ ማእከልና  ብቕዓትን  ተመኵሮን ዘለዎምን  ኣርኣያ  ክዀኑና ዝኽእሉ ደቂ ሃገር  ከምዘየለው  ዝእምት ኣበሃህላ  ይነፍስ ኢዩ ። ካብ ዓሚቕ  ሃገራዊ ስምዒት ዝነቐለ ፡ ፍትሓውን  ዲሞክራሲያውን  ኣረኣእያ ተበጊስና ፡ ንእንብሎን  እንጽሕፎን’ውን  ሓላፍነት ተሰሚዑና ፡ ንሰባት ክንመዝኖም ዘኽእለና  ኩለንተናዊ ባህሊ ፡ ጌና ዘይማዕበለ  ስለዝዀነ ፡ ንሰባት ዘይስሞምን  ዘይመልክዖምን  ኣብ ምሃብ  ብዙሕ ታህዋኽ  እነርኢ  ሰባት  ብዙሓት ኢና ።

ሓው ተስፋይ !  ብዛዕባ  ፍቱንነትን ጠርናፍነትን  ናይ ሓው ተወልደ ፡ ተመኵሮኡ ብቀረባ

ከምእተኸታተልክዎ መጠን ብግሁድ  ክምልሰልካ  ድልው ኢየ ። ብዛዕባ’ቲ  ሕጂ  ብስም ኪዳን  ዘውጽኦ ጽሑፍ ግን  ፡  ካብ  እቲ  ህዝቢ ዘንጸባርቕ ዘሎ  ርእይቶታትን  ቍጥዐን  ዝሓሸ መረዳእታ የብለይን ።

 

                                           ተኽለብርሃን በ

                                            11 -22 -09

 
 

ሓተታ Survey

ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ ሓድነት ደሞክራሲያውያን ኤርትርትራ ከረጋግጽ እዩ!
 

ኣብ መርበብ Online

We have 39 guests online