|
ናብ መዕጥር ዝወሰዶም ዜጋታት ኣብ ዘሰክፍ ህሞት ከምዘለው ተፈሊጡ |
|
|
|
|
Written by ወጋሕታ
|
|
Thursday, 26 November 2009 22:01 |
|
ስርዓት ኢሳይያስ ብቁጥዐ ህዝብና ሰንቢዱ ንወተሃደራዊ መዓስከር ዊዓ ምስዓጸዎ ናብ መዕጥር ዝወሰዶም ዜጋታት
ኣብ ዘሰክፍ ህሞት ከምዘለው ተፈሊጡ።
ኣብቲ ከባቢ ካብ ዝርከቡ እሙናት ምንጭታት ማሕበረሰባዊት ሬድዮ ድምጺ ወጋሕታ ዝመጸና ሓበሬታ ከምዘፍለጦ- ናይ ገዛእ ርእሳ ስቃይ ዜጋታት ተተኣንግድ ዝነበረት መዕጥር ሕጂ ድማ ካብ ዊዓ ንዝመጹ እሱራት ስለዝተቐበለት ሕጂ ክትገልጾ ዘሰክፍ ሃለዋት ዜጋታትና ዝኽተበላ ቦታ ኾይና ኣላ።
ኣብ መዕጥር ኣብ ሓደ ቦታ ጥራይ 1300 ዜጋታት ተኣሲሮም ዝሳቀዩሉ ኩነታት ተፈጢሩ ዘሎ ኾይኑ እዞም ዜጋታት ምስቲ ኣዝዩ ከቢድ ዋዒ ሕሱም ጥሜት ተወሲኽዎ ጸማልያ መሲሎም ክነሶም በቲ ጨካን ስርዓት ኣብ ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕ ክጽመዱ ይግበር ከምዘሎ ተረጋጊጹ’ሎ።
ኮነሬል ደበሳይ ግደ ዓምደማርያም ዝተበሃለ ዕሱብ ነቲ ኣብ መዕጥር ካብ ኣእምሮ ዜጋታት ዘይጠፍእ ግፍዕን በደልን ብኣውርኡ ዝመርሕ ኣባጓይላ’ዩ ዝበለ’ቲ ጥሉል ሓበሬታ ንሱ 37 ንዝኾና ደቀንስትዮ ኣብ ርሱን ዋዒ ዘለዎ ቦታ ካብ ፋዱስ ክሳብ ስዓት ሓደ ኣብ ዘሎ እዋን ንሓደ ስዓት ዝኣክል ጥራሕ እግረን ክዞራ ይገብር ከምዘሎ ድማ ኣመልኪቱ።
እቲ ዝገርም ይብል እቲ ዝመጸና ሓበሬታ- እዚ ጽባሕ ታሪኽ ዝዛረቦ ግፍዒ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ዝፍጽም ዘሎ ኮነሬል ደበሳይ ግደ ዓምደማርያም ዝተባሃለ ዕሱብ ትዕግስቲ ደበሳይ ዝተበሃለት ጓሉ ብ25 ሓምለ ዓመተ 2006 ብመኪና ጌራ ናብ ከሰላ ሱዳን ክትኸይድ ኩነታት ዘመዓራረየላ ኣብ ርእሲ ምኳኑ ስርዓት ኢሳይያስ ካብ ከሰላ ንዜጋታት ክጨውይ መደብ ምሕንጻጹ ምስፈለጠ ድማ ጓሉ 14 ነሓሰ ዓመተ 2006 ካብ ከሰላ ብመተማ ጌራ ናብ ኢትዮጵያ ክትኣትው ከምዝገበረ ኣፍሊጡ’ዩ።
እዚ ኮነሬል ደባሳይ ንገዛእ ጓሉ የህዲሙ ኣብ ልዕሊ ጭቁናት ደቀንስትዮ ዜጋታት ዝፍጽሞ ዘሎ ዘስካሕክሕ ግፍዒ መግለጺ ናይቲ ኣውራ መለለዩ ባህሪ ኩሎም ሰበ-ስልጣን ህግደፍ ከምዝኾነ ድማ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ኣረዲኡ’ዩ። |