|
25/11/209 ህዝብና ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢሳይያስ ብዘሕደሮ ከቢድ ጽዕንቶ ኣብ ዝተዓጸወ ወተሃደራዊ መዓስከር ዊዓ ዝነበሩ ዓለምቲ ንተቓወምቲ ጎረባብቲ ኣብ ምዕላም ተዋፊሮም ከምዘለው ተረጋጊጹ።
ኣብ ላዕለዋይ ጸፍሒ መንግስቲ ህግደፍ ዘለው ንቃልሲ ዝተለዓዓሉ ዜጋታት ናብ ማሕበረሰባዊት ሬድዮ ድምጺ ወጋሕታ ኣብ ዝሰደድዎ ርጡብ ሓበሬታ- ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዊዓ ኣብ ብሎካት ፈንቕል ሓልሓለን ዓራግን ንዝነበሩ ዓለምቲ ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት መዲቡ ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምዕላም ክጽመዱ ጌሩዎም ከምዘሎ ኣረጋጊጹ’ሎ።
ብመሰረት’ዚ ኣብ ብሎክ ፈንቅል ዝነበሩ ዓለምቲ ብካፒተይን ሳልም ዑመር እንዳተመርሑ ንኣባላት ጉጅለ ደምሒት ንምዕላም ናብ ዓላ ተንቀሳቂሶም ዝነበሩ ኾይኖም ኣባላት እቲ ጉጅለ ሚስጥር የውጹኡ ኣለው ተባሂሎም ስለዝተጠርጠሩ 350 ንዝኾኑ ኣባላት ድምሒት ዒን ናብ ዝተበሃለ ኣጻምእ በረካ ወሲዶም ሬንጀር ኮርስ ይዕልምዎም ከምዘለው ተፈሊጡ።
ኣብ ብሎክ ሓልሓለ ዝነበሩ ዓለምቲ ድማ ብካፒተይን ሮመዳን ተመሪሖም ናብ ሓሬና ብምካድ ኣርበኞች ንዝርከቦም ትምክሕተኛታት ተቓወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያ ይዕልሙ ከምዘለው እቲ ርጡብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ’ዩ።
ኣብ ዊዓ ብሎክ ዓራግ ዝነበሩ ዓለምቲ ግን ብመሰረት’ቲ ስርዓት ኢሳይያስ ወተሃደራዊ መዓስከር ዊዓ ናብ መዕጥር ክቕይሮ ዝበጽሖ ውሳነ ኣብ መዕጥር ንዝስርሑ ኣባይቲ ዝውዕል ልዕሊ 4 ሽሕ ቀላሚንጦስ ካብ ከባቢ ቤትገርግሽ ክትቆርጽ ዕማም ተዋሂብዋ ትነጥፈሉ ምህላዋ ተጠቂሱ’ሎ።
እዚ ሃብቲ ሃገር ዝኾነ ቀላሚንጦስ ዘብርስ ዘሎ ብሎኮ ዓራግ ብካፒተይን በረከት ሃይለ ወዲ ሃይለ ዝምራሕ ኾይኑ ኣብቲ ካብ ዊዓ ናብ ዓላ ዝተገበረ ምግዓዝ ድሕሪ ምስታፍ ናብቲ ናይ ቤትገርግሽ ስራሕ ተዋፊሩ ዘሎ።
ዲክታቶሪያዊ ስርዓት ኢሳይያስ ቅድም ክብል ኣብ ኩለን ዞባ ስርሒታት ኣብ ስታፍ ክፍሊ ታዕሊም ንዝነበሩ ዓለምቲ ብሙሉኦም ናብ መዕጥር ክኣትው ትእዛዝ ሂቡ’ሎ ዝበለ እቲ ጽጹይ ሓበሬታ ሕጂ ኣብ መዕጥር 630 ዝኾኑ ዓለምቲ ስልጠና ክወስዱ ይገብር ከምዘሎን እዚ መደብ ክሳብ ዝሰላሰል ግን ኣውራ ውራይ እቶም ናይ ዊዓ ዓለምቲ ንተቓወምቲ ምጥንካር ክኸውን ከምዝተደለየ’ውን ኣረዲኡ።
ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ንኩሎም ዓለምቲ ኣብ መዕጥር ኣኺቡ ስልጠና ዝህብ ዘሎ ድሕሪ ሒደት እዋን ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ ኣብ ምዕላም ኣተኪሩ ንዘሎ ናይ ታዕሊም መደባቱ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት መጠነ ሰፊሕ ግፋ ብምክያድ ክዓሞ ስለዝደለየ ከምዝኾነ ድማ እቲ ኣብ ላዕለዋይ ጸፍሒ ስርዓት ህግደፍ ካብ ዝርከቡ ንቃልሲ ዝተለዓዓሉ ዜጋታት ዝመጸና ጥሉል ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ’ሎ።
|