Start
እኽሊ ህግደፍ ክእክቡ ይግደዱ ኣለው። Print E-mail
Written by ድ.ሰ.ደ.ኤ.   
Sunday, 22 November 2009 12:21

ሓረስቶት ሰንዓፈ መሬቶም  ተሓዲጎም ከይኣክል፡ እኽሊ ህግደፍ ክእክቡ ይግደዱ ኣለው።

 

ኣረሜናዊ መንግስቲ ህግደፍ፡ ኣብ ትሕጃ ሓረስቶት ዝነበረ መሬት ሕርሻ ብሓይሊ ወሲዱ፡ ድኻታት ሓረስቶት መሊሶም ክደኽዩ ፈሪድዎም ከይኣክል፡ ኣብ’ቲ ብሓይሊ ዝተወስደ መሬቶም ዝዘርኦ እኽሊ ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ብነጻ ጉልበት ዓጺዶም ኣኺዶም ኣብ ቆፎኡ ከእትው መምርሒ ኣውሪዱ የስረሖም ኣሎ።

 

ብኣካል ዝደኸሙ ብስእነት ጥዕናን መግብን ዝማሰኑ፡ ቆልዓ ሰበይትን ሽማግለታት ጥራሕ ሒዘን ዝተረፋ ኤርትራውያን ስድራ-ቤታት፡ እታ ትልኽ ትብል ዘላ ትንፋስ ክሳብ ትሓልፍ ንህግደፍ ከተገልግል ተፈሪዳ ከም ዘላ ኣብ’ቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ተጋደልቲ ህዝባዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ /ህደግኤ/ ሓቢሮም።

 

ብካልእ ተመሳሳሊ ዜና፡ ሓረስቶት ኣሮሞ ዝጥቀምሉ ዝነብሩ ጀራዲን፡ ንሳትኩም ኣብ ጥቓ ዶብ ስለዝኾንኩምን ደቕኹም ድማ ሃገር ገዲፎም ይሃድሙ ስለ ዘለውን፡ እቲ ናይ ጀራዲን ስራሕ ደው ተብልዎ ዝብል መምርሒ ከም ዝወረደሎም፡ ከይደንጎየ ድማ ሓጹር ናይ’ቲ ጀራዲን ቀንጢጡ ደው ከም ዘበሎን፣ እቲ ካብ ተጋድልትና ዝመጸና ዜናዊ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

 

 እቶም ካብ ስራሕቲ መስኖ ደው ክብሉ ዝተገብሩ ሓረስቶት ኣሮሞ፡  ንሕና ሓረስቶት ኢና፡ ምንጪ እቶትና መሬትና’ዩ፡ መሬት ኣልሚዕና ክንጥቀም ኢና ብዝብል ምስ መሓውር ህግደፍ ኣብ ምፍጣጥ ከም ዝርከቡ’ውን ወሲኾም ኣረዲኦም።

 

ድ.ሰ.ደ.ኤ ዕለት 9.11.2009